ራሄልን ልያን
ክልተ ኣሓት ብኣገልገልተን፥ ብዱዳኢምን ብውላድን ተወዳደራ፥ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ኸዓ፥ በቲ ዝገብርኦ ዝነበራ ቅልስን በቲ ኣቦና ዝሰምዖን ሰመያኦ። ድሕሪኡ ያእቆብ፥ ናብ ቤቱ ክኸይድ ስለ ዝደለየ፥ ብዛዕባ ትኳዕ ትኳዕ ዘለዎምን ዝንጕርጕርን መጓሰ ንላባ ኣታለሎ፥ በቶም ዝበርትዑ እንስሳ ድማ ሃብተመ።
30 1ራሄል ንያእቆብ ውሉድ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፥ ንሓፍታ ቐንኣታ። ንያእቆብ ድማ “ውሉድ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ ክመውት እየ!” በለቶ።
2ያእቆብ ድማ ብራሄል የመና ተቘጥዐ። ከምዙይ ከዓ በላ፦ “ኣነ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣቦና ዲየ?”
3ንሳ ድማ “እንሆ ኣገልጋሊተይ ባላ፤ ናባኣ እቶ፤ ምእንታይ ክትወልድ፥ ኣነውን ብእኣ ቤት ክሃንፅ” በለት። a a v3 ውሉድ ‘ኣብ ብርኪ’ ምውላድ ናይ ጥንቲ ናይ ምውሳድ ውሉድ ምልክት ነበረ፤ እቲ ኣብ ብርኪ እታ ወሳዲት ኣደ ዝንበር ቈልዓ ብሕጊ ኸም ናይ ባዕላ ይቑፀር ነበረ። 4ነታ ኣገልጋሊታ ባላ ድማ ሰበይቲ ክትከውን ሃበቶ፤ ያእቆብውን ናባኣ ኣተወ። 5ባላ ኸዓ ፀኒሳ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 6ራሄል ድማ “ኣቦና ፈረደለይ፤ ድምፀይውን ሰሚዑ ወዲ ሃበኒ” በለት። ስለዙይ ከዓ ስሙ “ዳን” ኢላ ሰመየቶ። b b v6 ዳን ዝብል ስም “ፈሪዱ” ማለት እዩ። 7ባላ እታ ኣገልጋሊት ራሄል ድማ ከም ብሓድሽ ፀኒሳ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 8ራሄል ድማ “ምስ ሓፍተይ ብፅኑዕ ተቓሊሰ ኣሰኒፈ” በለት። ስለዙይ ስሙ “ንፍታሌም” ኢላ ሰመየቶ። c c v8 ንፍታሌም ዝብል ስም “ቃልሰይ” ማለት እዩ።
9ልያ ድማ ካብ ምውላድ ከም ዝዓረፈት ምስ ረአየት፥ ነታ ኣገልጋሊታ ዘለፋ ወሲዳ ንያእቆብ ሰበይቲ ክትከውን ሃበቶ። 10ዘለፋ እታ ኣገልጋሊት ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11ልያ ድማ “ፅቡቕ ዕድል!” በለት። ስለዙይ ስሙ “ጋድ” ኢላ ሰመየቶ። d d v11 ጋድ ዝብል ስም “ፅቡቕ ዕድል” ማለት እዩ። 12ዘለፋ እታ ኣገልጋሊት ልያ ድማ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 13ልያ ድማ “ክንደይ ተዓዲለ! ኣንስቲ ብፅዕቲ ኺብላኒ እየን እሞ” በለት። ስለዙይ ስሙ “ኣሴር” ኢላ ሰመየቶ። e e v13 ኣሴር ዝብል ስም “ሕጉስ” ወይ “ብፁዕ” ማለት እዩ።
14ብዘመን ዓፂድ ስርናይ ድማ ሮቤል ወፂኡ ኣብ በረኻ ፍረ ዱዳኢም ረኸበ፤ ናብ ኣዲኡ ልያ ኸዓ ኣምፅኦ። ራሄል ድማ ንልያ “በይዛኺ ኻብ ዱዳኢም ወድኺ ቑሩብ ሃብኒ” በለታ። f f v14 ዱዳኢም፥ ኣብ ዓለም ጥንቲ ንፅንሲ ይሕግዝ እዩ ተባሂሉ ብብዙሓት ዝእመን ዝነበረ ተኽሊ እዩ፤ ስለዙይ እዩ ራሄል ናብኡ ዝሃንጠየት።
15ልያ ግና “ሰብኣየይ ወሲድኪ ደኣ ኣይኣኸለክንዶ? ሕዚ ኸዓ ዱዳኢም ወደይ'ውን ክትወስዲ ዄንኪ?” ኢላ መለሰትላ። ራሄል ድማ “ፅቡቕ፥ ኣብ ክንዲ ዱዳኢም ወድኺ ሎሚ ለይቲ ምሳኺ ይደቅስ” በለት።
16ያእቆብ ድማ ምሸት ካብ በረኻ ምስ መፀ፥ ልያ ክትቅበሎ ወፂኣ “ብዱዳኢም ወደይ ብርግፅ ተቛፂረካ እየ እሞ፥ ናባይ ክትኣቱ ኣለካ” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ ናባኣ ኣተወ።
17ኣቦና ድማ ንልያ ሰምዓ፤ ፀኒሳ ኸዓ ንያእቆብ ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ። 18ልያ ድማ “ኣገልጋሊተይ ንሰብኣየይ ስለ ዝሃብኩ፥ ኣቦና ዓስበይ ሃበኒ” በለት። ስለዙይ ስሙ “ይሳኮር” ኢላ ሰመየቶ። g g v18 ይሳኮር ዝብል ስም “ዓስቢ” ወይ “ውዕለት” ማለት እዩ። 19ልያ ድማ ከም ብሓድሽ ፀኒሳ ንያእቆብ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ። 20ልያ ድማ “ኣቦና ፅቡቕ ህያብ ዓዲሉኒ፤ ሽዱሽተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ሕዚ ሰብኣየይ ከኽብረኒ እዩ” በለት። ስለዙይ ስሙ “ዛብሎን” ኢላ ሰመየቶ። h h v20 ዛብሎን ዝብል ስም “ክብሪ” ማለት እዩ። 21ድሕሪዙይ ድማ ጓል ወለደት፤ ስማ ኸዓ “ዲና” ኢላ ሰመየታ።
22ኣቦና ድማ ንራሄል ዘከራ፤ ሰሚዑዋ ኸዓ ማህፀና ኸፈተላ። 23ፀኒሳ ድማ ወዲ ወለደት፤ “ኣቦና ውርደተይ ኣርሓቐለይ” ከዓ በለት። 24ስሙ ድማ “ዮሴፍ” ኢላ ሰመየቶ፤ “ኣቦና ኻልእ ወዲ ይወስኸለይ” ከዓ በለት። i i v24 ዮሴፍ ዝብል ስም “ይወስኽ” ማለት እዩ።
ናብ ዓደይ ስደደኒ
25ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደቶ ድማ፥ ያእቆብ ንላባ ከምዙይ በሎ፦ “ናብ ቦታይን ዓደይን ክምለስ ፍቐደለይ። 26ነተን ምእንታአን ዝገልገልኩኻ ኣንስተይን ውሉደይን ሃበኒ እሞ፥ ክኸይድ ሕደገኒ። እቲ ዝገልገልኩኻ ኣገልግሎት ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ።”
27ላባ ግና “ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ፀጋ እንተ ረኺበ፦ እግዚኣብሄር ብሰሪኻ ኸም ዝባረኸኒ ብጥንቍልና ፈሊጠ ኣለኹ” በሎ። 28ወሲኹ ድማ “ዓስብኻ ንገረኒ እሞ፥ ክህበካ እየ” በለ።
29ያእቆብ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ከመይ ገይረ ኸም ዝገልገልኩኻ፥ ከብትኻ ኸዓ ምሳይ ከመይ ከም ዝኾና ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ። 30ኣነ ቅድሚ ምምፃአይ ቑሩብ ነይሩካ፥ ሕዚ ኸዓ የመና በዚሑ፤ ኣነ ናብ ዝኸድኩዎ ዅሉ ኣቦና ባረኸካ። ሕዚ ግና ንቤተ ሰበይ ከዓ መዓስ እየ ዝቕልብ?”
31ንሱ ድማ “እንታይ ክህበካ?” በለ። ያእቆብ ከዓ ከምዙይ በለ፦ “ገለ እኳ ኣይትሃበኒ። ነዝ ሓደ ነገር እዙይ እንተ ገበርካለይ፥ ተመሊሰ ንመጓሰኻ ኽጓስን ክሕልውን እየ።
32ሎሚ ብዅለን ኣባጊዕካ ኽሓልፍ፥ ካብአን ከዓ ነፍሲ ወከፍ ውርውራይን ዝንጕርጕርን በጊዕን ነፍሲ ወከፍ ፀሊም ገንሸልን፥ ካብ ኣጣል ድማ ነቲ ዝንጕርጕርን ውርውራይን ከርሕቕ፤ እዙይ ከዓ ዓስበይ ይኹን። 33ደሓር ብዛዕባ ዓስበይ ክትርኢ ምስ መፃእካ፥ ፅድቀይ ይምስክረለይ። ካብ ኣጣል ውርውራይን ዝንጕርጕርን ዘይኮነ፥ ካብ ገናሸል ከዓ ፀሊም ዘይኮነ ዅሉ፥ ኣባይ እንተ ተረኺቡ፥ ከም ዝተሰርቀ ይቑፀር።”
34ላባ ድማ “ፅቡቕ! ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን” በለ።
35በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ላባ ነቶም ብርሆታትን ዝንጕርጕርን ተባዕትዮ ኣጣል፥ ነተን ኵለን ውርውራይን ዝንጕርጕርን ኣንስትዮ ኣጣል፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብኣ ፃዕዳ ዘለዋ፥ ነፍሲ ወከፍ ፀሊም ገንሸልን ፈልዩ፥ ኣብ ኢድ ደቁ ኣሕለፎም። 36ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ድማ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ዝኸውን ርሕቀት ገበረ፤ ያእቆብ ከዓ ነተን ዝተረፋ ኣባጊዕ ላባ ይጓሲ ነበረ።
37ያእቆብ ድማ ካብ ኦም ለጋምን ለውዝን ዶልቦን ሓደስቲ ጨናፍር ወሲዱ፥ ኣብአን ፃዕዳ መስመር ቀርፈ፤ ነቲ ፃዕዳ ናይቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ቀልዐ። 38ነቶም ዝቐረፎም ጨናፍር ድማ ኣብቲ ኣባጊዕ ዝሰትያሉ ጋብላታት ማይ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣባጊዕ ኣንበሮም፤ ማይ ክሰትያ ኣብ ዝመፃሉ ድማ ይስረራ ነበራ እሞ፥ 39እተን ኣባጊዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዕንፀይቲ ይስረራ ነበራ፤ ብርሆታትን ውርውራይን ዝንጕርጕርን ከዓ ወለዳ። 40ያእቆብ ድማ ነቶም ገናሸል ፈለዮም፤ ገፅ እተን ኣባጊዕ ከዓ ናብ ብርሆታትን ናብ ኵሎም ፀለምትን ናይ ኣባጊዕ ላባ ኣቕንዐ። ንመጓሰኡ ኸዓ በበይኑ ገበሮ፤ ምስ ኣባጊዕ ላባ ኣይሓወሶን። 41እተን ሓያላት እንስሳታት ኣብ ዝስረራሉ ጊዜ ኵሉ፥ ያእቆብ ኣብ ማእኸል እቲ ጨናፍር ምእንቲ ኽስረራ፥ ነቲ ጨናፍር ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ኣብ ጋብላታት የንብሮ ነበረ፥ 42ነተን ዝደኸማ እንስሳታት ግና ኣብኡ ኣየንብረለንን ነበረ። ስለዙይ እተን ዝደኸማ ናይ ላባ፥ እተን ሓያላት ከዓ ናይ ያእቆብ ኮና። 43እቲ ሰብኣይ ድማ የመና ሃብታም ኮነ፤ ብዙሓት መጓሰን ኣግራድን ጊላውን ኣግማልን ኣእዱግን ነበርዎ።