ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ቅድሚ ጲላጦስን ሄሮድስን

ጲላጦስ ሰለስተ ጊዜ ሓደ በደል እኳ ከም ዘይረኸበሉ በለ፥ ኮይኑ ግና ፍቓዶም ፈፀመ። ኢየሱስ ነተን ዝበኽያ ኣንስቲ ምእንቲ ባዕልተን ክበኽያ በለን፥ ነቶም ዝሰቕልዎ ዘለዉ ሰባት ይቕረ ክብለሎም ነቦኡ ለመነ፥ ንሓደ ገበኛ ድማ ገነት ተስፋ ሃቦ። ፀልማት ወረደ፥ እቲ መጋረጃ ተቐደደ፥ ዮሴፍ ድማ ነቲ ስጋ ለመነ።

ምዕራፍ 23።

ሽዑ ኵሉ እቲ ጉባኤ ተሲኡ፥ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣቕረብዎ። ክኸስዎ ድማ ጀሚሮም፥ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ንህዝብና እናስሓተ፥ ንቄሳር ቐረፅ ከይከፍሉ እናኸልከለ፥ ባዕሉ ድማ ክርስቶስ ንጉስ ምዃኑ እናተዛረበ ረኺብናዮ” በሉ።

ጲላጦስ ድማ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ንስኻ ኢልካዮ ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።

ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ነቶም ህዝብን “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ሓደ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን” በሎም።

ንሳቶም ግና ኣትሪሮም “ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኣብዙይ ክሳዕ ዝበፅሕ፥ ኣብ ኵሉ ይሁዳ እናመሃረ፥ ንህዝቢ የናውፅ ኣሎ” በሉ።

ጲላጦስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ እቲ ሰብኣይ ገሊላዊ እንተ ኾይኑ ጠየቐ። ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፥ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ፤ ንሱ ኸዓ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ባዕሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበረ።

ሄሮድስ ድማ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ፥ የመና ተሓጐሰ፤ ብዛዕባኡ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ ካብ ነዊሕ ጊዜ ጀሚሩ ኽርእዮ ይደሊ ነበረ፤ ሓደ ተኣምራት ክገብር ድማ ክርኢ ይትስፎ ነበረ። ብብዙሕ ዘረባ ድማ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ግና ገለ መልሲ እኳ ኣይመለሰሉን። ሊቃነ ካህናትን እቶም ፀሓፍትን ከዓ ደው ኢሎም፥ ብብርቱዕ ይኸስዎ ነበሩ። ሄሮድስ ድማ ምስ ወተሃደሩ ነዓቖ ኣባጨወሉን፤ ብሩህ ክዳን ኣልቢሱ ኸዓ፥ ናብ ጲላጦስ መለሶ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሄሮድስን ጲላጦስን ኣዕሩኽ ኮኑ፤ ቅድሚኡ ፀላእቲ ነይሮም እዮም እሞ።

ጲላጦስ ድማ ንሊቃነ ካህናትን ንሹመኛታትን ነቶም ህዝብን ብሓባር ፀዊዑ፥ ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ንህዝቢ ዘስሕት ኢልኩም ኣምፂእኩምለይ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮ፥ ካብቲ እትኸስዎ ዘለኹም ነገር፥ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ሓደ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን። ሄሮድስ እውን ኣይረኸበን፤ ናባና መሊስዎ እዩ እሞ። እንሆ ኸዓ ሞት ዝግብኦ ነገር ሓደ እኳ ኣይገበረን። ስለዙይ ቐፂዐ ኽፈትሖ እየ።” a a v16 እቶም ቀዳሞት ፅሑፋት ኣብዙይ ቍፅሪ 17 የብሎምን፤ እቶም ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ‘ኣብቲ በዓል ሓደ እሱር ክፈትሓሎም ግዴታ ነይርዎ እዩ እሞ’ ይውስኹ። ኵላቶም ግና ብሓንሳእ ዓው ኢሎም “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣጥፍኣልና! ንበርባን ፍተሓልና!” ኢሎም ኣእወዩ። እዙይ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ኸተማ ዝኾነ ዕልወትን ብሰንኪ ቕትለትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ።

ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ ክፈትሖ ስለ ዝደለየ፥ መሊሱ ተዛረቦም፤ ንሳቶም ግና “ስቐሎ፥ ስቐሎ!” እናበሉ ኣእወዩ።

ሳልሳይ ጊዜ ድማ “ስለ ምንታይ? እዝ ሰብኣይ እዙይ እንታይ ክፉእ ገይሩ? ኣነ ኣብኡ ሞት ዝግብኦ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ስለዙይ ቐፂዐ ኽፈትሖ እየ” በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም፥ ክስቀል እናደለዩ ይፅርሑ ነበሩ፤ ድምፆም ከዓ ሰዓረ። ጲላጦስ ድማ ከምቲ ዝለመንዎ ክኽወነሎም ፈረደ። ነቲ ብሰንኪ ዕልወትን ቕትለትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ዝነበረ፥ ንሳቶም ዝለመንዎ ሰብኣይ ፈተሖ፤ ንኢየሱስ ግና ናብ ፍቓዶም ኣሕለፎ።

ወልድ ይስቀል

ንእኡ እናወሰዱ ድማ፥ ካብ ገጠር ዝመፀ፥ ስምኦን ዝበሃል ቀሬናዊ ሰብ ሒዞም፥ ነቲ መስቀል ኣብ ልዕሊኡ ፅዒኖም፥ ደድሕሪ ኢየሱስ ክፆሮ ገበሩ። ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ሰዓቦ፤ ምእንታኡ ዝበኽያን ዝዋየያን ዝነበራ ኣንስቲ እውን ሰዓባኦ።

ኢየሱስ ግና ናባታተን ግልፅ ኢሉ “ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንኣይ ኣይትብከያለይ፤ ንባዕልኽንን ንደቅኽንን ደኣ ብከያ። እንሆ፥ ‘መኻናትን እተን ዘይወለዳ ማሕፀናትን እተን ዘየጥበዋ ኣጥባትን ብፁኣት እየን’ ዝብሉለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ እዮም እሞ። ሽዑ ንኣኽራን ‘ኣብ ልዕሌና ውደቑ፥’ ንኰረብታታት ከዓ ‘ክደኑና’ ክብሉ ኺጅምሩ እዮም። እዙይ ኣብ ልሙዕ ዕፅ እንተ ገበርዎ፥ ኣብ ንቑፅ ዕፅ ደኣ እንታይ ኪኸውን እዩ?” b b v31 ምሳሌ እዩ፦ ሮሜ ነቲ ንፁህ (ልሙዕ ዕፅ) ከምዙይ እንተ ገይራ፥ ፍርዲ ምስ ወረደ ነቲ በዳሊ (ንቑፅ ዕፅ) ክንደይ ዝገደደ ኺፅበዮ እዩ።

ገበነኛታት ዝነበሩ ኽልተ ኻልኦት ድማ፥ ምስኡ ክቕተሉ ተወሲዶም። ናብቲ ቀራንዮ ዝበሃል ቦታ ምስ በፅሑ ድማ፥ ኣብኡ ንእኡን ነቶም ገበነኛታትን ሰቐልዎም፤ ሓደ በየማኑ፥ ሓደ ኸዓ በፀጋሙ።

ኢየሱስ ድማ “ኦ ኣቦ! እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም” በለ። ክዳውንቱ ድማ ተማቒሎም፥ ዕፃ ኣውደቑ። c c v34 እዝ ቃላት እዙይ ካብ ገለ ቀዳሞት ፅሑፋት ጠፊኡ እዩ። ከምቲ ኣብ መብዛሕቲኡ ዘመናዊ መፃሕፍቲ ቅዱሳት፥ ኣብዙይ ተፃሒፉ ኣሎ።

እቶም ህዝቢ ደው ኢሎም ይርእዩ ነበሩ፤ እቶም ሹመኛታት ከዓ “ንኻልኦት ኣድሒኑ እዩ፤ እንተ ክርስቶስ እግዚኣብሄር፥ እቲ ሕሩይ እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ የድሕን” እናበሉ ኣባጨዉሉ።

እቶም ወተሃደር ድማ ቐሪቦም መፂፅ ወይኒ እናሃቡዎ ኣባጨዉሉ፤ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ኾይንካ፥ ንባዕልኻ ኣድሕን!” ድማ በሉ።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ “እዙይ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ነበረ።

ካብቶም ተሰቒሎም ዝነበሩ ገበነኛታት ሓደ ድማ “ንስኻ ክርስቶስ ዲኻ ኣይኮንካን? ንባዕልኻ ንኣናን ኣድሕን!” ኢሉ ፀረፎ።

እቲ ኻልእ ግና ገሲፁ “ንስኻ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዓይነት ፍርዲ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር እኳ ኣይትፈርሕን ዲኻ? ንሕናስ ብቕኑዕ ፍርዲ ኢና፤ ከምቲ ዝገበርናዮ ንኽፍሎ ኣለና እሞ፤ እዝ ሰብኣይ እዙይ ግና ሓደ ክፉእ እኳ ኣይገበረን” በሎ። ሽዑ ድማ “ኦ ኢየሱስ፥ ናብ መንግስትኻ ምስ መፃእኻ ዘክረኒ” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ” በሎ።

ወልድ ነፍሱ ሃበ

ሽዑ ኣስታት ፍርቂ መዓልቲ ኾይኑ ነይሩ፤ ፀልማት ድማ ክሳዕ ሳልሰይቲ ሰዓት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ብዛ ምድሪ ኾነ፤ ብርሃን ፀሓይ ጠፊኡ ነይሩ እዩሞ፤ መጋረጃ ቤተ መቅደስ ድማ ንኽልተ ተቐደደ።

ኢየሱስ ዓው ኢሉ “ኦ ኣቦ፥ ነፍሰይ ኣብ ኣእዳውካ ኣማሕፅን ኣለኹ!” ኢሉ ፀውዐ፤ ሽዑ ድማ ነፍሱ ሃበ።

እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብሓቂ ፃድቕ ነይሩ” ኢሉ ንኣቦና ኣመስገነ። ኵሎም እቶም ነዝ ትርኢት እዙይ ዝተኣከቡ ህዝቢ ድማ፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአዩ፥ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ናብ ገዛኦም ተመለሱ። ኵሎም ፈለጥቱን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዓባኦ ኣንስትን ድማ፥ ርሑቕ ደው ኢሎም ነዝ ነገር እዙይ ይዕዘቡ ነበሩ።

ወልድ ኣብ መቓብር ተቐበረ

ዮሴፍ ዝበሃል ሰብ ድማ ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣባል እቲ ባይቶ፥ ሕያዋይን ፃድቕን ሰብ ነበረ፤ ንሱ ናብ ምኽሮምን ግብሮምን ዘይተሰማምዐ ነበረ፤ ካብ ኣርማትያስ ዝበሃል ከተማ ኣይሁድ ዝመፀ፥ መንግስቲ ኣቦና ድማ ይፅበዮ ነበረ። እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፥ ስጋ ኢየሱስ ለመነ። ኣውሪዱ ኸዓ ብፀዓዳ ኽዳን ገነዞ፥ ኣብቲ ዛጊት ሓደ እኳ ዘይተቐበረሉ ኣብ ከውሒ ዝተወቕረ መቓብር ድማ ኣቐመጦ። እታ መዓልቲ ኸዓ መዓልቲ ምድላው ነበረት፤ ሰንበት ድማ ክኣቱ ቀሪቡ ነበረ። እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመፃ ኣንስቲ ድማ ሰዓባኦ፥ ነቲ መቓብር፥ ስጋኡ ኸመይ ገይሩ ኸም እተቐመጠን ረአያ። ተመሊሰን ድማ ሽቱን ቅብኣትን ኣዳለዋ፤ ብሰንበት ከዓ ከምቲ ትእዛዝ ዓረፋ።