ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወልድ ተንስአ

ኣንስቲ ነቲ መቓብር ተኸፊቱ ረኸባኦ፥ ግና ኣይኣመንወንን። ናብ ኤማሁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ምስ ሓደ ጋሻ ተዛረቡ፥ ንሱ ኸዓ ነቲ ቅዱሳት ፅሑፋት ገለፀሎም፥ እንጀራ ምስ ቆረሰ ጥራሕ ድማ ኣለለይዎ። ተራእዮም፥ መንፈስ ከም ዘይኮነ ምእንቲ ኸርኢ ዓሳ በልዐ፥ ሽዑ ባሪኹዎም ናብ ኣቦኡ ተልዓለ።

ምዕራፍ 24።

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ኣንጊሀን፥ ነቲ ዘዳለውኦ ቀመማት ሒዘን ናብቲ መቓብር መፃ። ነቲ እምኒ ኸዓ ካብቲ መቓብር ተፈንቂሉ ረኸባ፥ ምስ ኣተዋ ግና፥ ስጋ ጐይታ ኢየሱስ ኣይረኸባኦን። በዝ ነገር እዙይ ዝብልኦ ጠፊእወን እንተለዋ፥ እንሆ ክልተ ሰባት ዘንፀባርቕ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ጥቓአን ደው በሉ። ፈሪሀን ከዓ ገፀን ናብ ምድሪ ደፍኣ። እቶም ሰባት ድማ ከምዙይ በልወን፦ “ስለ ምንታይ ነቲ ህያው ኣብ ማእኸል ምዉታት ትደልያ? ንሱ ኣብዙይ የለን፤ ተንስአ እዩ። ገና ኣብ ገሊላ እንተሎ ኸመይ ከም ዝበለክን ዘክራ፥ ወዲ ሰብ ናብ ኢድ ሓጥኣን ሰባት ኣሕሊፉ ክወሃብ፥ ክስቀል፥ ብሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ ክትንስእ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።”

ቃላቱ ድማ ዘከራ፥ ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፥ እዝ ዅሉ ነገር ነቶም ዓሰርተ ሓደን ንዅሎም እቶም ካልኦትን ነገራኦም። ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን እተን ምሳታተን ዝነበራ ኻልኦት ኣንስትን ድማ፥ እዝ ነገር እዙይ ነቶም ሃዋርያት ነገራኦም። እዝ ዘረባ እዙይ ግና ከም ዘይጠቅም ዘረባ ኾይኑ መሰሎም እሞ፥ ኣይኣመንወንን። ጴጥሮስ ድማ ተሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ መግነዝ ጥራሕ ረአየ። በቲ ዝኾነ ነገር እናተገረመ ድማ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።

መንገዲ ኤማሁስ

በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ካብኣቶም ክልተ ሰባት፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣስታት ሸውዓተ ማይል እትርሕቕ፥ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ፤ ብዛዕባ እዝ ዅሉ ዝኾነ ነገር ድማ፥ ንስንሳቶም ይዛረቡ ነበሩ። እናተዛረቡን እናተማየጡን እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ባዕሉ ቀሪቡ ምሳታቶም ከደ። ኣዒንቶም ግና ንእኡ ኸየለልይኦ ተታሕዛ።

ንሱ ድማ “እናተጓዓዝኩም ንስንሳትኩም እንታይ ኢኹም እትዛረቡ ዘለኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ጕሂዮም ደው በሉ።

ካብኣቶም ሓደ ቀለዮጳ ዝተብሃለ ኸዓ መሊሱ፦ “ኣብዘን መዓልቲታት እዚኣን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈፀመ ነገር ዘይፈለጥካ፥ ንስኻ በይንኻ ጋሻ ዲኻ?” በሎ።

ንሱ ኸዓ “እንታይ ነገር?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ብዛዕባ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦናን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን፥ ብግብርን ብቓልን ሓያል ነቢይ ዝነበረ እዩ፤

ሊቃውንቲ ካህናትናን መኳንንትናን ከዓ ንሞት ፈሪዶም ኣሕሊፎም ከመይ ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን ፤ ንእስራኤል ዝብዅ ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ገይርና ኔርና። ግና ካብ እዝ ዅሉ ብተወሳኺ፥ እዝ ነገር እዙይ ካብ ዝኸውን ሳልሳይ መዓልቲ እዩ። ገሊአን ኣንስቲ ካባና ድማ ኣገረማና፤ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከይደን፥ ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸዓ፥ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን መላእኽቲ ራእይ ከም ዝረአያ እናበላ ተመሊሰን መፃ። ገሊኦም ብፆትና ድማ ናብቲ መቓብር ከዱ፤ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበልኦ ድማ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን።”

ንሱ ድማ “ኣቱም ዓያሱ፥ ነቲ ነቢያት ዝበልዎ ዅሉ ንምእማን ልብኹም ዝደንጎየ! ክርስቶስ እዝ መከራ እዙይ ተቐቢሉ ናብ ክብሩ ክኣቱዶ ኣይግብኦን ነይሩ?”

ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን ጀሚሩ ኸዓ፥ በቲ ዅሉ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ብዛዕባ ርእሱ ዝተፅሓፈ ዅሉ ገለፀሎም።

ናብታ ዝኸድዋ ዝነበሩ ዓዲ ድማ ቀረቡ፤ ንሱ ኸዓ ፈንተት ኢሉ ክኸይድ ዝደለየ መሰለ። ንሳቶም ግና “ምሸት ቀሪቡ፥ መዓልቲውን ክዓርብ ደልዩ እዩ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ግድን በልዎ። ንሱ ኸዓ ምሳታቶም ክሓድር ኣተወ።

ምሳታቶም ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፥ እቲ እንጀራ ኣልዒሉ ባረኾ፥ ቆሪሱ ኸዓ ሃቦም። ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ እሞ ኣለለይዎ። ንሱ ኸዓ ካብ ኣዒንቶም ተሰወረ። ንስንሳቶም ድማ “ኣብ መንገዲ ክዛረበና እንተሎ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ኽገልፀልና እንተሎ፥ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድዶ ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ። በታ ሰዓት እቲኣ ድማ ተሲኦም ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሰርተ ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም፤ ንሳቶም ከዓ “ጐይታ ብሓቂ ተንስአ፤ ንስምኦንውን ተራእዮ!” ይብሉ ነበሩ። ንሳቶምውን ኣብ መንገዲ ዝኾነ ነገር፥ ኣብ ምቕራስ እንጀራ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለለይዎ ነገርዎም።

ኢየሱስ ንናቱ ተራእዮም

እዝ ክዛረቡ እንተለዉ ድማ፥ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንዓኻትኩም!” በሎም።

ንሳቶም ግና ደንጊፆምን ፈሪሆምን፥ መንፈስ ዝረአዩ መሰሎም።

ንሱ ድማ “ስለ ምንታይ ተሸበርኩም? ስለ ምንታይከ ኣብ ልብኹም ጥርጣረ ይለዓል? ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርአዩ፤ ኣነ ባዕለይ እየ። ተንከፉኒ እሞ ርኣዩ፤ መንፈስ ከምቲ ኣባይ እትርእይዎ ዘለኹም ስጋን ዓፅምን የብሉን።”

እዙይ ኢሉ ኸዓ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።

ንሳቶም ገና ብሓጐስ እናይኣመኑን እናተገረሙን እንተለዉ፥ “ኣብዙይ እትበልዕዎ ገለ ኣለኩምዶ?” በሎም።

ንሳቶም ድማ ቁራስ ዝተጠብሰ ዓሳ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም በልዖ።

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እዙይ እዩ እቲ ዝበልኩኹም፦ ብዛዕባይ ኣብ ሕጊ ሙሴን ኣብ ነቢያትን ኣብ መዝሙራትን ዝተፅሓፈ ዅሉ፥ ክፍፀም ነበሮ።”

ሽዑ ነተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ ምእንቲ ኽርድኡ፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ከምዙይ ተፅሒፉ ኣሎ፦ ክርስቶስ መከራ ክቕበልን ብሳልሳይ መዓልቲ ኻብ ምዉታት ክትንስእን ኣለዎ፤ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ድማ፥ ንስርየት ሓጢኣት ዝኸውን ንስሃ፥ ብስሙ ንዅሎም ኣህዛብ ክስበኽ ኣለዎ። ንስኻትኩም ድማ ናይዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢኹም። ኣነ ተስፋ ኣቦይ ናባኻትኩም እሰድድ ኣለኹ። ካብ ላዕሊ ሓይሊ ክሳዕ እትኽደኑ ድማ፥ ኣብታ ኸተማ ፅንሑ።”

ኣቦ ንወዱ ይቕበሎ

ክሳዕ ቢታንያ ድማ መሪሑ ኣውፅኦም፤ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ኸዓ መረቖም። ክምርቖም እንተሎ ኸዓ፥ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ሰማይ ዓረገ። ንሳቶም ድማ ሰጊዶምሉ፥ ብዓብዪ ሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኮይኖም ንኣቦና እናባረኹ ነበሩ።