ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንሞቱ ተማኸሩ
ይሁዳ ብዋጋ ተሰማምዐ። ኢየሱስ ኣብ ማእዲ ፋሲካ እንጀራን ፅዋዕን ሃበ፥ ኣዕሩኽቱ ኸዓ ብዛዕባ ሽመት ተኻትዑ። ናብ ኣቦኡ ተጨኒቑ ፀለየ፥ ረሃፁ ኸም ደም ናብ ምድሪ ክሳዕ ዘንጠብጥብ፤ ብስዕመት ተታሕዘ፥ ጴጥሮስ ድማ ሰለስተ ጊዜ ኸሓዶ፥ ሽዑ ድማ ኣዒንቶም ተራኸባ።
22 1እቲ ፋሲካ ዝብል በዓል ቅጫ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 2ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንህዝቢ ስለ ዝፈርሕዎ፥ ብኸመይ ከም ዝቐትልዎ መገዲ ይደልዩ ነበሩ።
3ሽዑ ሰይጣን ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ፥ ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝነበረ ይሁዳ ኣተወ። 4ከይዱ ድማ ምስ ሊቃነ ካህናትን ሓለቓታት ቤተ መቅደስን ብኸመይ ኣሕሊፉ ኸም ዝህቦም ተማኸረ። 5ተሓጒሶም ድማ ገንዘብ ክህብዎ ተሰማምዑ። 6ንሱ ድማ ተሰማምዐ፤ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ኣሕሊፉ ኽህቦም ምችዊ ጊዜ ድማ ይደሊ ነበረ።
እቲ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ተዳለወ
7ሽዑ እቲ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደሉ መዓልቲ በዓል ቅጫ በፅሐ።
8ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን “ኬድኩም ንበልዖ ፋሲካ ኣዳልዉልና” ኢሉ ለኣኾም።
9ንሳቶም ከዓ “ኣበይ ከነዳሉ ትደሊ?” በልዎ።
10ንሱ ድማ “ናብታ ኸተማ ምስ ኣተኹም፥ ዕትሮ ማይ ዝተሸከመ ሰብኣይ ክረኽበኩም እዩ፤ ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ስዒብኩሞ እተዉ፤
11“ነቲ በዓል ገዛ ድማ ‘መምህር ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ?’ በልዎ። 12ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነፀፈ ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉ” በሎም።
13ከይዶም ድማ ከምቲ ዝበሎም ረኸብዎ፤ ፋሲካውን ኣዳለዉ።
14እታ ሰዓት ምስ በፅሐት ከዓ፥ ንሱ ምስቶም ሃዋርያት ኣብ ማእዲ ተቐመጠ።
15“መከራ ቕድሚ ምቕባለይ፥ እዝ ፋሲካ እዙይ ምሳኻትኩም ክበልዕ ኣዝየ ናፊቐ ነይረ” በሎም። 16“ኣብ መንግስቲ ኣቦና ክሳዕ ዝፍፀም፥ ከም ዘይበልዖ እብለኩም ኣለኹ።” 17ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ “እዙይ ውሰዱ፤ ንስኻትኩም ድማ ተማቐልዎ” በሎም። 18“ካብ ሕዚ ጀሚረ፥ መንግስቲ ኣቦና ክሳዕ እትመፅእ፥ ካብ ፍረ ወይኒ ከም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ።”
19እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ፥ ቆሪሱ ኸዓ ሃቦም፤ “እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከሪየይ ግበሩ” ድማ በሎም። 20ድራር ድሕሪ ምብላዕ ድማ ነቲ ፅዋዕ ከምኡ ገበረ፤ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ እቲ ምእንታኻትኩም ዝፈስስ ብደመይ ዝኾነ ሓዱሽ ኪዳን እዩ። 21“እንሆ ግና፥ ኢድ እቲ ኣሕሊፉ ዝህበኒ፥ ምሳይ ኣብ ማእዲ ኣላ። 22ወዲ ሰብ ከምቲ ዝተመደበ ይኸይድ እዩ፤ ነቲ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ!”
23ካብኣቶም እዙይ ዝገብር መን ምዃኑ፥ ንሕድሕዶም ክሓታቱ ጀመሩ።
24ካብኣቶም ዝዓበየ መን ምዃኑ ድማ፥ ኣብ መንጎኦም ክርክር ተልዓለ።
25ንሱ ድማ “ነገስታት ኣህዛብ ኣብ ልዕሊኦም ይገዝኡ፤ እቶም ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዘለዎም ድማ ‘ገበርቲ ሰናይ’ ይብሃሉ። 26ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይኹን፤ ካባኻትኩም እቲ ዝዓበየ ኸም እቲ ዝንእሰ ይኹን፤ እቲ መራሒ ድማ ከም እቲ ዘገልግል ይኹን። 27እቲ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ ዘሎ ጋሻ ወይ እቲ ዘገልግል፥ ኣየናይ እዩ ዝዓቢ? እቲ ጋሻ ኣይኮነንዶ? ኣነ ግና ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘገልግል ኮይነ ኣለኹ።
28“ንስኻትኩም እቶም ኣብ ፈተናታተይ ምሳይ ዝፀናዕኹም ኢኹም፤ 29ከምቲ ኣቦይ ንኣይ መንግስቲ ዝሃበኒ፥ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም መንግስቲ እህበኩም ኣለኹ፤ 30ኣብ መንግስተይ ኣብ ማእደይ ክትበልዑን ክትሰትዩን፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ እናፈረድኩም ኣብ ዙፋናት ክትቕመጡ ኢኹም።”
31“ስምኦን፥ ስምኦን፥ ስማዕ፤ ሰይጣን ከም ስርናይ ክፈትነኩም ሓቲቱ እዩ፤ 32ኣነ ግና እምነትካ ምእንቲ ኸይጐድል ምእንታኻ ፀለኹ፤ ንስኻ ምስ ተመለስካ ድማ ንኣሕዋትካ ኣፅንዓዮም።”
33ጴጥሮስ ድማ፥ “ጐይታ፥ ናብ ቤት ማእሰርትን ናብ ሞትን ምሳኻ ኽኸይድ ድልዊ እየ” በሎ።
34ኢየሱስ ድማ፥ “ጴጥሮስ፥ እብለካ ኣለኹ፥ ሎሚ ንኣይ ከም እትፈልጠኒ ሰለስተ ሻዕ ቅድሚ ምኽሓድካ፥ ደርሆ ኣይነቅውን እዩ” በሎ።
35ድማ “ብዘይ ናይ ገንዘብ ከረጢት፥ ብዘይ ሳንጣ፥ ብዘይ ኣሳእን ምስ ለኣኽኹኹም፥ ገለ ጐዲሉኩምዶ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ገለ ኣይጐደለናን” በሉ።
36ንሱ ድማ “ሕዚ ግና፥ ናይ ገንዘብ ከረጢት ዘለዎ የልዕሎ፤ ሳንጣውን ከምኡ፤ ሰይፊ ዘይብሉ ድማ ክዳኑ ሸይጡ ይዓድግ። 37እብለኩም ኣለኹ፥ እዝ ‘ምስ ሓጥኣን ተቘፀረ’ ዝብል ፅሑፍ ኣባይ ክፍፀም ይግባእ፤ እቲ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ይፍፀም ኣሎ እሞ።”
38ንሳቶም ድማ “ጐይታ፥ እንሆ፥ ኣብዙይ ክልተ ኣስይፍቲ ኣለዋ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ይኣክል” በሎም።
ወልድ ንርእሱ ናብ ኣቦ ኣረከበ
39ከም ልማዱ ድማ ወፂኡ ናብ ደብረ ዘይት ከደ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ።
40ናብቲ ቦታ ምስ በፅሐ ድማ፥ “ፀልዩ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ” በሎም።
41ንሱ ኸዓ ኣስታት ምድርባይ እምኒ ዝኣክል ካብኣቶም ርሒቑ፥ ተንበርኪኹ ፀለየ፥
42ከምዙይ ኢሉ፦ “ኦ ኣቦ፥ ፍቓድካ እንተ ኾይኑ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይ ካባይ ኣርሕቆ። ግናኸ ፍቓደይ ዘይኮነ፥ ፍቓድካ ይኹን።”
43ካብ ሰማይ ድማ መልኣኽ ተርኣዮ፤ ኣበርትዖውን። a a v43 ፍቕዲ 43-44 ኣብ ገለ ጥንታውያን ቅዳሓት የለዋን። ኣብዙይ ግና፥ ከምቲ ኣብ መብዛሕቲኦም ዘመናውያን መፃሕፍቲ ቅዱሳት ዝግበር፥ ተሓቲመን ኣለዋ። 44ብጭንቂ ኾይኑ ኸዓ ኣዝዩ ኣፅኒዑ ፀለየ፤ ረሃፁ ድማ ከም ዓበይቲ ነጠብጣብ ደም ኮይኑ፥ ናብ ምድሪ ይንጠብጥብ ነበረ።
45ካብ ፀሎቱ ተሲኡ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ መፀ፥ ብሓዘን ደቂሶም ረኸቦም፤
46ከዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ ኣለኹም? ተሲእኹም ፀልዩ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ” በሎም።
ብስዕመት ኣሕሊፉ ተዋህበ
47ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ ብዙሓት ሰባት መፁ፤ እቲ ይሁዳ ዝብል፥ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ድማ ይመርሖም ነበረ። ንኢየሱስ ክስዕሞ ኸዓ ናብኡ ቀረበ፤
48ኢየሱስ ግና “ኣታ ይሁዳ፥ ንወዲ ሰብ ብስዕመትዶ ኣሕሊፍካ ትህቦ ኣለኻ?” በሎ።
49እቶም ምስኡ ዝነበሩ ድማ እቲ ዝኸውን ዘሎ ነገር ምስ ረአዩ፥ “ጐይታ፥ ብሰይፊ ንውቃዕዶ?” በልዎ። 50ሓደ ኻባታቶም ድማ ንባርያ ሊቀ ካህናት ወቒዑ፥ የማናይ እዝኑ ቘረፆ።
51ኢየሱስ ግና “እዙይ ይኣክል!” ኢሉ መለሰ፤ ነቲ እዝኒ ድማ ተንኪፉ ኣሕወዮ። 52ሽዑ ኢየሱስ ነቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝመፁ ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ቤተ መቅደስን ሽማግለታትን ከምዙይ በሎም፦ “ከም ሰራቒ ብኣስይፍትን ብኣብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹምዶ? 53ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ምሳኻትኩም ነይረ፤ ኢድኩም ግና ኣብ ልዕለይ ኣየንበርኩምን። ግናኸ እዛ ሰዓት እዚኣ ናታትኩም እያ፤ እቲ ስልጣን ፀልማትን።”
ጴጥሮስ ንኢየሱስ ከም ዘይፈልጦ ከሓደ
54ሒዞም ድማ ወሲዶም ናብ ቤት ሊቀ ካህናት ኣእተውዎ፤ ጴጥሮስ ከዓ ብርሑቕ ይስዕቦ ነበረ። 55ኣብ ማእኸል መረባ ድማ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓደ ተቐመጡ፤ ጴጥሮስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ተቐመጠ። 56ሓንቲ ገረድ ግና ናብ ብርሃን ገይሩ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶ፥ ኣፅቂባ ጠሚታ “እዙይውን ምስኡ ነይሩ እዩ” በለት።
57ንሱ ግና ኸሓደ፤ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ኣይፈልጦን እየ” ድማ በለ።
58ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ድማ ካልእ ሰብ ረአዮ እሞ “ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ” በሎ። ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ ኣይኮንኩን” በለ።
59ኣስታት ድሕሪ ሓንቲ ሰዓት ድማ ካልእ ሰብ “እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፤ ገሊላዊውን እዩ እሞ” ኢሉ ኣትረረ።
60ጴጥሮስ ግና “ኣታ ሰብኣይ፥ እዝ እትብሎ ዘለኻ ኣይፈልጦን እየ” በለ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ገና እዙይ ክዛረብ እንተሎ፥ ደርሆ ነቀወ። 61ጐይታ ድማ ግልፅ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ጐይታ “ደርሆ ሎሚ እንተይነቀወ፥ ንኣይ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ኢሉ ዝተዛረቦ ዘከረ። 62ናብ ደገ ወፂኡ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
63እቶም ንኢየሱስ ሒዞም ዝነበሩ ሰባት ድማ እናወቕዑ ኣባጨዉሉ። 64ኣዒንቱ ድማ ሸፊኖም “ተነበ! እቲ ዝወቕዐካ መን እዩ?” እናበሉ ይሓትዎ ነበሩ። 65ካልእ ብዙሕ ነገር ድማ እናፀረፉ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ቀረበ
66ምድሪ ምስ ወግሐ ድማ ባይቶ ሽማግለታት ህዝብን ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ተኣኪቦም፥ ናብ ባይቶኦም ወሲዶም ከምዙይ በልዎ፦
67“ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፥ ንገረና።” ንሱ ኸዓ ከምዙይ በሎም፦ “እንተ ነገርኩኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም፥
68“እንተ ሓተትኩኹም ድማ ኣይትመልሱለይን ኢኹም።
69“ካብ ሕዚ ጀሚሩ ግና ወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ኣቦና ክቕመጥ እዩ።”
70ኵሎም ድማ “እምበኣር ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ምዃነይ ባዕልኹም ትብሉ ኣለኹም” በሎም።
71ንሳቶም ድማ “ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና? ባዕልትና ኻብ ኣፉ ሰሚዕናዮ ኢና እሞ” በሉ።