ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምሉእ ልቢ መበለት

ሓንቲ መበለት ክልተ ቐለበት ነሃስ ኣእተወት፥ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ኸም ዝሃበት ድማ ተባህለ። ኢየሱስ ነቲ ፅቡቕ ኣእማን ቤተ መቕደስ እናደነቐ፥ ካብኡ ሓደ እኳ ኸም ዘይተርፍ በለ፥ ውግእን ማእሰርትን ብዘመድ ምትሕልላፍን ኢየሩሳሌም ምኽባብን ከዓ ገለፀ፤ ንሰዓብቱ ድማ ቀንዕ ኢሎም ክቐውሙን ክነቕሑን ነገሮም።

ምዕራፍ 21።

ኢየሱስ ዓይኑ ኣልዒሉ፥ ሃብታማት ገፀ በረኸቶም ናብ መዝገብ ቤተ መቕደስ ከእትዉ ከለዉ ረአየ። ሓንቲ ድኻ መበለትውን ክልተ ንኣሽቱ ቐለበት ነሃስ ከተእቱ ከላ ረአየ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ኣእተወት። እዚኦም ኵሎም ካብ ትርፎም ገፀ በረኸት ሂቦም እዮም እሞ፤ ንሳ ግና ካብ ድኽነታ፥ መነባበሪኣ ዝኾነ ኵሉ ሃበት።”

ቤተ መቕደስ ክፈርስ እዩ

ሓድሓደ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቤተ መቕደስ፥ በቲ ፅቡቕ ኣእማንን ንኣቦና ዝተወፈየ ገፀ በረኸትን ከም ዝተሸለመ ክዛረቡ ከለዉ፥ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦

“ነዚ ትርእይዎ ዘለኹም ነገርስ፥ ሓደ እምኒ ኣብ ልዕሊ ካልእ እምኒ ከይተረፈ፥ ኵሉ ዝፈርሰሉ መዓልቲታት ክመፅአ እየን።”

ንሳቶም ድማ “መምህር፥ እዚ ነገር እዙይ መዓዝ ክኸውን እዩ? እዚ ነገር እዙይ ክኸውን ምዃኑ እንታይ ምልክት እዩ ዘርኢ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

ንሱ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ከይተስሕቱ ተጠንቀቑ። ብዙሓት ‘ኣነ እየ’ ከምኡውን ‘እዋኑ ቐሪቡ እዩ’ እናበሉ፥ ብስመይ ክመፁ እዮም። ኣይትስዓብዎም። ውግእን ዓመፅን ምስ ሰማዕኹም፥ ኣይትሸበሩ፤ እዚ ኣቐዲሙ ክኸውን ግቡእ እዩ እሞ፤ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይስዕብን እዩ።”

ሽዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክለዓል እዩ። ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን እዩ፤ ኣብ በቦታኡ ጥሜትን ፌራን፥ ዘፍርሕ ነገርን ዓበይቲ ምልክትን ከዓ ካብ ሰማይ ክኸውን እዩ። ቅድሚ እዝ ኵሉ ግና፥ ክሕዙኹምን ክሳጕጉኹምን እዮም፤ ናብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድን ናብ ኣብያተ ማእሰርትን ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ብምኽንያት ስመይ ድማ ናብ ነገስታትን መኳንንትን ክወስዱኹም እዮም። እዙይ ክትምስክሩ ምችዊ ጊዜ ክኸውን እዩ። ስለዙይ፥ ከመይ ኢልኩም ከም እትምጉቱ ኣቐዲምኩም ከይትሓስቡ፥ ኣብ ልብኹም ቁረፁ፤ ኵሎም ፀላእትኹም ክቃወምዎ ወይ ክመልሱሉ ዘይኽእሉ ቃልን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ። ብወለድኹምን ብኣሕዋትኩምን ብኣዝማድኩምን ብፈተውትኹምን እኳ ኣሕሊፎም ክወሃቡኹም እዮም፤ ካባኻትኩም ንገሊኦም ድማ ክቐትሉ እዮም። ብምኽንያት ስመይ ድማ ብዅሉ ሰብ ክትፅልኡ ኢኹም። ካብ ፀጕሪ ርእስኹም ግና ሓንቲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ። ብትዕግስትኹም ንነፍስኹም ከተድሕንዋ ኢኹም።”

“ንኢየሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ ምስ ረኣኹምዋ፥ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፤ እቶም ኣብ ማእኸል ከተማ ዘለዉ ይውፁ፤ እቶም ኣብ ገጠር ዘለዉ ድማ ናብኣ ኣይእተዉ። እዚ ዝተፅሓፈ ኵሉ ዝፍፀመሉ፥ መዓልቲታት ፍርዲ እዩ እሞ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን ነተን ጥኑሳትን ነተን ዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ዓብዪ መከራ፥ ኣብዚ ህዝቢ እዙይ ድማ ቍጥዓ ክወርድ እዩ እሞ። ብስሕለት ሰይፊ ክወድቁ፥ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ድማ ተማሪኾም ክውሰዱ እዮም፤ ኢየሩሳሌምውን ዘመን ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍፀም፥ ብኣህዛብ ክትርገፅ እያ።”

“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ምልክታት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ኣህዛብ፥ በቲ ዝሃምም ባሕርን ማዕበሉን ተደናጊፆም ክጭነቑ እዮም። ሰባት በቲ ኣብ ዓለም ዝመፅእ ነገር እናፈርሑ ኽሳምሙ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ክናወፁ እዮም እሞ። ሽዑ ንወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ክብርን ብደመና ክመፅእ ከሎ ክርእይዎ እዮም። እዚ ኽኸውን ምስ ጀመረ፥ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ቀኒዕኹም ርእስኹም ኣልዕሉ።”

ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ “ነቲ በለስን ንዅሎም ኣእዋምን ርኣዩ። ቆፅሊ ምስ ኣውፅኡ፥ ባዕልኻትኩም ርኢኹም ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ኸዓ፥ እዚ ክኸውን ምስ ረኣኹም፥ መንግስቲ ኣቦና ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። እዚ ኵሉ ኽሳዕ ዝኸውን፥ እዝ ወለዶ እዙይ ከም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃላተይ ግና ከቶ ኣይሓልፍን እዩ።”

“ልብኹም ብጓይላን ብስኽራንን ብጭንቀት ናብራን ከይኽብድ፥ እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ከም መፈንጠር ብድንገት ከይትመፅአኩም፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ኣብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኣብ ዝነብሩ ኵሎም ክትመፅእ እያ እሞ። ነዚ ኽኸውን ዘለዎ ኵሉ ኽትመልጡ፥ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ድማ ደው ክትብሉ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ጊዜ እናፀለኹም ተጠንቀቑ።”

ንሱ ድማ ብመዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ብለይቲ ድማ ወፂኡ ኣብ ደብረ ዘይት ይሓድር ነበረ። ኵሉ ህዝቢ ድማ ክሰምዖ ኣጋ ወጋሕታ ናብኡ ናብ ቤተ መቕደስ ይመፅእ ነበረ።