ስልጣን ኢየሱስ ተፀየቐ
ኣብ ቤተ መቕደስ መዓልቲ መፈንጠራ። በየናይ ስልጣን ከም ዝገብሮ ምስ ተሓተ፥ ብሕቶ መለሰሎም፥ ንሳቶም ድማ ኣምለጥዋ፤ ድሕሪኡ ብዛዕባ ነቲ ወዲ እቲ ዋና ዝቐተሉ ሓረስቶት ነገሮም። ብሓደ ገንዘብ ከዓ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ ናይ ኣቦና ድማ ንኣቦና ሃበ፥ ነቲ ናይ ትንሳኤ ሕንቅልሕንቅሊተይ ፈትሐ፥ ብዛዕባ ፀሓፍቲ ድማ ኣጠንቀቐ።
20 1ካብተን መዓልቲታት በታ ሓንቲ፥ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ነቲ ህዝቢ እናመሃረን ወንጌል እናሰበኸን እንተሎ፥ ሊቃውንቲ ካህናትን ፀሓፍትን ምስ ዓበይቲ ሰባት ቀረቡ፤ 2ከምዙይ ኢሎም ከዓ ጠየቕዎ፦ “እዝ ነገር እዙይ በየናይ ስልጣን ከም እትገብሮ፥ ወይ እዙይ ስልጣን እዙይ መን ከም ዝሃበካ ንገረና።”
3ንሱ ኸዓ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነውን ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም እየ፤ ንገሩኒ ደኣ፦ 4ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድዩ ኔሩ፥ ወይ ካብ ሰብ?”
5ንሳቶም ከዓ ከምዙይ ኢሎም ንስንሳቶም ተዘራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ በልና፥ ‘ስለ ምንታይ ብእኡ ዘይኣመንኩም?’ ክብለና እዩ፤ 6‘ካብ ሰብ’ እንተ በልና ግና፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ፥ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ኣሚኖም እዮም እሞ፥ ብእምኒ ክወግሩና እዮም።” 7ስለዙይ፥ ካበይ ከም ዝመፀ ኸም ዘይፈልጡ ኢሎም መለሱ።
8ኢየሱስ ድማ “እምበኣር ኣነውን በየናይ ስልጣን እዝ ነገር እዙይ ከም ዝገብሮ ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።
ኣቦ ንፍቑር ወዱ ይሰድድ
9ነቲ ህዝቢ ኸዓ እዝ ምሳሌ እዙይ ክነግሮም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፤ ንሓረስቶት ሂቡ ድማ፥ ንነዊሕ ጊዜ ናብ ካልእ ሃገር ከደ። 10ብጊዜ ዓፂድ ከዓ፥ ካብ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝግብኦ ግዲ ምእንቲ ክህብዎ፥ ናብቶም ሓረስቶት ሓደ ባርያ ለኣኸ፤ ንሳቶም ግና ወቒዖም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። 11ካልእ ባርያ ድማ ለኣኸ፤ ንእኡውን ወቒዖም ኣሕሲሮም ጥራሕ ኢዱ ሰደድዎ። 12ሳልሳይ ድማ ለኣኸ፤ ንእዙይውን ኣቝሲሎም ንደገ ደርበይዎ። 13እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ ‘እንታይ ክገብር? ንፍቑር ወደይ ክሰዶ እየ፤ ምናልባሽ ከኽብርዎ እዮም’ በለ።
14እቶም ሓረስቶት ግና ንእኡ ምስ ረኣይዎ፥ ‘እዙይ እቲ ወራሲ እዩ፤ እቲ ርስቲ ናህና ምእንቲ ክኸውን፥ ንቕተሎ’ ኢሎም ንስንሳቶም ተማኸሩ። 15ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣውፂኦም ድማ ቀተልዎ። እምበኣር እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ክገብሮም እዩ?
16“ንሱ መፂኡ ነቶም ሓረስቶት ከጥፍኦም፥ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ንኻልኦት ክህቦ እዩ።” እዙይ ምስ ሰምዑ ኸዓ “ከምዙይ ኣይኹን!” በሉ።
17ንሱ ኸዓ ጠሚቱ “እምበኣር እቲ ፅሑፍ ዝብሎ እዙይ እንታይ እዩ፦ ‘እታ ነደቕቲ ዝነፀግዋ እምኒ፥ ንሳ ርእሲ መኣዝን ኮነት’ ዝብል?” በሎም። a a v17 ካብ መዝሙር 118፥22 ዝተወስደ ጥቅሲ። 18“ኣብ ልዕሊ እታ እምኒ እቲኣ ዝወድቕ ኵሉ ኽስበር እዩ፤ ንሳ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ እንተ ወደቐት ከዓ፥ ክትቕጥቅጦ እያ።”
ንቄሳር ሃቡ፥ ንኣቦ ሃቡ
19ፀሓፍትን ሊቃውንቲ ካህናትን ድማ፥ እዝ ምሳሌ እዙይ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም፥ በታ ሰዓት እቲኣ ክሕዝዎ ደለዩ፤ ንህዝቢ ግና ፈርሑ። 20ኣጥቢቖም እናተዓዘብዎ ድማ፥ ካብ ዘረባኡ ክሕዝዎ፥ ኣብ ትሕቲ ግዝኣትን ስልጣንን ናይቲ ገዛኢ ኣሕሊፎም ክህብዎ ኢሎም፥ ቅኑዓት መሲሎም ዝቐርቡ ሰለልቲ ለኣኹ። 21ከምዙይ ኢሎም ከዓ ጠየቕዎ፦ “መምህር፥ ንስኻ ቅኑዕ ኢልካ ኸም እትዛረብን እትምህርን፥ ገፅ ሰብ ድማ ከም ዘይትርኢ፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኸም እትምህር፥ ንፈልጥ ኢና። 22ንቄሳር ግብሪ ኽንከፍል ተፈቒዱልና ድዩ፥ ወይ ኣይፋሉን?”
23ንሱ ግና ተንኰሎም ኣስተብሂሉ ከምዙይ በሎም፦
24“ዋጋ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓስቢ ዝኸውን ገንዘብ ኣርእዩኒ። ናይ መን ምስልን ፅሕፈትን ኣለዎ?” ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር” በሉ።
25ንሱ ኸዓ “እምበኣር ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ ናይ ኣቦና ድማ ንኣቦና ሃቡ” በሎም።
26ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዓ ካብ ዘረባኡ ክሕዝዎ ኣይከኣሉን፤ በቲ ዝመለሰሎም መልሲ ተገሪሞም ድማ ፀጥ በሉ።
ኣቦ ኣምላኽ ህያዋን እዩ
27ትንሳኤ ኸም ዘየለ ዝኽሕዱ ገሊኦም ሰዱቃውያን ድማ ናብኡ መፂኦም ከምዙይ ኢሎም ጠየቕዎ፦ 28“መምህር፥ ሙሴ፦ ‘ሓደ ሰብ ሰበይቲ ሓዲጉ ብዘይ ውሉድ እንተ ሞተ፥ ሓዉ ነታ መበለት ኣእትዩ ንሓዉ ዘርኢ ከተንስኣሉ ኣለዎ’ ኢሉ ፀሓፈልና። b b v28 እዙይ ነቲ ኣብ ዘዳግም 25፥5-6 ተፀሒፉ ዘሎ ሕጊ መርዓ ሓው የመልክት። 29እምበኣር ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ብዘይ ውሉድ ድማ ሞተ። 30እቲ ኻልኣይ ድማ ሓዛ፤ 31እቲ ሳልሳይ ድማ ሓዛ፤ ከምኡ ኸዓ እቶም ሸውዓቲኦም ውሉድ እንተይገደፉ ሞቱ። 32ኣብ መወዳእታ ድማ እታ ሰበይቲ እውን ሞተት። 33እምበኣር በቲ ትንሳኤ፥ ናይ መን ሰበይቲ ክትከውን እያ? እቶም ሸውዓቲኦም ኣእትዮምዋ እዮም እሞ።”
34ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ውሉድ እዝ ዓለም እዙይ ይምርዓዉን የመርዕዉን እዮም፤
35እቶም ናብቲ ዓለም እቲን ናብ ትንሳኤ ምዉታንን ክበፅሑ ብቑዓት ኮይኖም ዝተቘፀሩ ግና፥ ኣይምርዓዉን ኣየመርዕዉንን እዮም። 36ከም መላእኽቲ፥ ውሉድ ኣቦና፥ ውሉድ ትንሳኤ እዮም እሞ፥ ደጊም ክሞቱ ኣይኽእሉን እዮም። 37ሙሴ እውን ከይተረፈ ግና፥ ኣብቲ ብዛዕባ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝዛረብ ክፍሊ፥ ንኣቦና ‘ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ’ ኢሉ ፀዊዑ፥ ምዉታት ከም ዝትንስኡ ኣርኣየ። c c v37 እቲ ብዛዕባ እታ እትነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝዛረብ ዛንታ ኣብ ዘፀኣት 3፥2-6 ይርከብ። 38ኵሎም ብእኡ ህያዋን እዮም እሞ፥ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን ደኣ እምበር፥ ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን።”
39ሽዑ ገሊኦም ፀሓፍቲ “መምህር፥ ፅቡቕ ተዛሪብካ” ኢሎም መለሱ። 40ደጊም ዝኾነ ነገር ክሓትዎ ኣይደፈሩን እዮም እሞ።
ክርስቶስ ወዲ መን እዩ?
41ንሱ ግና “ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ኢሎም ከመይ ኢሎም እዮም ዝብሉ?” በሎም።
42“ዳዊት ባዕሉ ኣብ መዝሙር ከምዙይ ይብል እዩ እሞ፦ ‘ኣቦና ንጐይታይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ d d v42 ካብ መዝሙር 110፥1 ዝተወስደ ጥቅሲ። 43ክሳዕ ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ዝገብሮም።”’
44ዳዊት ደኣ ጐይታ ኢሉ ይፅውዖ፤ ከመይ ኢሉ ድማ ወዱ ይኸውን?”
45ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰምዑ እንተለዉ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዙይ በሎም፦
46“ካብ ፀሓፍቲ ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ነዊሕ ክዳን ለቢሶም ክመላለሱ ይደልዩ፥ ኣብ ዕዳጋ ኢድ ክንስኡሎም፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝለዓለ መቐመጢ፥ ኣብ በዓላትውን ዝበለፀ ስፍራ የፍቅሩ፥ 47ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ይበልዑ፥ ንምርኣይ ድማ ነዊሕ ፀሎት ይፅልዩ። ንሳቶም ዝገደደ ኵነኔ ክቕበሉ እዮም።”