ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢየሱስ ንዘኬዎስ ደልዩ የድሕኖ

ዘኬዎስ ናብ ሳግላ ደየበ፥ ከአንግድ ተዓደመ፥ ፍርቂ ዅሉ ጥሪቱ ድማ ሃበ። ብዛዕባ ባሮት ገንዘብ ጐይታኦም ዝነግዱ ዝኾነ ምሳሌ፥ ቅድሚ እቲ ናብ ኢየሩሳሌም ዝግበር ጉዕዞ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ እቶም ህዝቢ ኣእለሉ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ በኸየ፥ ድሕሪኡ ኸዓ ነቶም ነጋዶ ኻብ ቤት ኣቦኡ ኣውፅኦም።

ምዕራፍ 19።

ኢየሱስ ናብ ያሪኮ ኣትዩ ይሓልፍ ነበረ። እንሆ ኸዓ ዘኬዎስ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ሓለቓ ተቐበልቲ ቐረፅ ነበረ፥ ሃብታምውን ነበረ። ኢየሱስ መን ምዃኑ ኽርኢ ደለየ፥ ግና ሓፃር ስለ ዝነበረ ብሰሪ እቶም ህዝቢ ኣይከኣለን። ኢየሱስ በቲ መንገዲ ኽሓልፍ ስለ ዝነበረ፥ ንምርኣዩ ቀዲሙ ጐይዩ ናብ ሓንቲ ሳግላ ደየበ።

ኢየሱስ ናብቲ ቦታ ምስ በፅሐ፥ ንላዕሊ ጠሚቱ ከምዙይ በሎ፦ “ዘኬዎስ፥ ሎሚ ኣብ ቤትካ ክቕመጥ ይግብአኒ እዩ እሞ፥ ቀልጢፍካ ውረድ።”

ንሱ ድማ ቀልጢፉ ወሪዱ ብሓጐስ ተቐበሎ። እዙይ ምስ ረአዩ፥ ኵሎም “ናብ ሓደ ሓጢኣተኛ ሰብ ክቕመጥ ኣትዩ” እናበሉ ኣጕረምረሙ።

ዘኬዎስ ደው ኢሉ ንጐይታ ኸምዙይ በሎ፦ “እንሆ ጐይታይ፥ ፍርቂ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ ኣለኹ፥ ንዝኾነ ሰብ እንተ ኣታሊለ ኸዓ ኣርባዕተ ዕፅፊ ክመልሰሉ እየ።”

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ንሱ ኸዓ ወዲ ኣብርሃም እዩ እሞ፥ ሎሚ ናብዛ ቤት እዚኣ ምድሓን መፅአ። ወዲ ሰብ ነቲ ጠፊኡ ዘሎ ኽደልዮን ከድሕኖን መፂኡ እዩ እሞ።”

እሙናት ኣገልገልቲ ነቲ ንጉስ ይፅበዩ

ንሳቶም እዙይ እናሰምዑ እንተለዉ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ቀሪቡ ስለ ዝነበረ፥ መንግስቲ ኣቦናውን ብኡብኡ ክትግለፅ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፥ ሓደ ምሳሌ ወሰኸሎም።

ስለዙይ ከምዙይ በለ፦ “ሓደ ኽቡር ሰብኣይ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ካብ ኣገልገልቱ ዓሰርተ ፀዊዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ናይ ሰለስተ ወርሒ ዓስቢ ዝኣክል ሃቦም፤ ‘ክሳዕ ዝምለስ በዙይ ንገዱ’ ድማ በሎም። ዜጋታቱ ግና ፀልእዎ፥ ‘እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ልዕሌና ኽገዝእ ኣይንደልን ኢና’ እናበሉ ኸዓ ልኡኻት ደድሕሪኡ ሰደዱ።

“ነቲ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመለሰ፥ እንታይ ከም ዝረብሑ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ነቶም ገንዘብ ዝሃቦም ኣገልገልቲ ፀውዖም። እቲ ቐዳማይ መፂኡ ‘ጐይታይ፥ ገንዘብካ ዓሰርተ ዕፅፊ ኣትረፈ’ በለ።”

“ንሱ ኸዓ ‘ኣንታ ሕያዋይ ኣገልጋሊ፥ ፅቡቕ! ኣብ ውሑድ ነገር እሙን ስለ ዝኾንካ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማታት ስልጣን ይሃልኻ’ ኢሉ መለሰሉ።”

“እቲ ኻልኣይ ድማ መፂኡ ‘ጐይታይ፥ እቲ ዝሃብካኒ ገንዘብ ሓሙሽተ ዕፅፊ ኣትረፈ’ በለ።”

“ንእኡ ኸዓ ‘ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማታት ክትከውን ኢኻ’ በሎ።”

“ሽዑ ኻልእ መፂኡ ‘ጐይታይ፥ እንሆ እቲ ብጨርቂ ጠቕሊለ ዝሓዝክዎ ገንዘብካ፤ ንስኻ ተሪር ሰብ ኢኻ እሞ፥ ፈሪሐ ነይረ፤ ነቲ ዘየቐመጥካዮ ትወስድ፥ ነቲ ዘይዘራእካዮ ኸዓ ትዓፅድ ኢኻ።’”

ንሱ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣታ እኩይ ኣገልጋሊ፥ በቲ ኣፍካ ክፈርደካ እየ! ተሪር ሰብ ምዃነይ፥ ነቲ ዘየቐመጥክዎ ዝወስድ፥ ነቲ ዘይዘራእክዎ ዝዓፅድ ምዃነይ ትፈልጥ ነይርካ ዲኻ? ስለ ምንታይ ደኣ ገንዘበይ ናብ ባንኪ ዘይኣቶኻዮ? ኣነ ምስ ተመለስኩ ኸዓ ምስ ወለዱ ምኣከብክዎ ነይረ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ ‘እቲ ገንዘብ ካብኡ ውሰዱ፥ ነቲ ዓሰርተ ዕፅፊ ዘለዎ ድማ ሃብዎ’ በሎም።”

“ንሳቶም ከዓ ‘ጐይታይ፥ ንሱ ዓሰርተ ዕፅፊ ኣለዎ እኮ!’ በልዎ። እብለኩም ኣለኹ፦ ንዘለዎ ዅሉ ኺውሰኸሉ እዩ፤ ካብቲ ዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ ኺውሰዶ እዩ። እዞም ኣነ ኽገዝኦም ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና ናብዙይ ኣምፅእዎም፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ሕረድዎም።’”

ወልድ ከም ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወ

እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እናደየበ፥ ቀዲሙ ኸደ።

ናብ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ኣብ ጥቓ እቲ ደብረ ዘይት ዝበሃል እምባ ምስ ቀረበ፥ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ሰደደ፤ ከምዙይ ኢሉ፦ “ናብታ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ክትኣትዉ እንተለኹም፥ ሓደ ሰብ ዘይተቐመጦ ዒሉ ተኣሲሩ ኽትረኽቡ ኢኹም፤ ፈቲሕኩም ድማ ናብዙይ ኣምፅእዎ። ዝኾነ ሰብ ‘ስለ ምንታይ ኢኹም እትፈትሕዎ?’ ኢሉ እንተ ሓተተኩም፥ ‘ንጐይታ የድልዮ ኣሎ’ በልዎ።”

እቶም ልኡኻት ድማ ከይዶም፥ ከምቲ ዝበሎም ኮይኑ ረኸብዎ። ነቲ ዒሉ ኺፈትሕዎ እንተለዉ፥ ዋናታቱ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነቲ ዒሉ እትፈትሕዎ?” በልዎም። ንሳቶም ከዓ “ንጐይታ የድልዮ ኣሎ” በሉ። ናብ ኢየሱስ ድማ ኣምፅእዎ፥ ክዳውንቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ዒሉ ደርበዩ፥ ንኢየሱስውን ኣብኡ ኣቐመጥዎ። ንሱ ተቐሚጡ እናኸደ እንተሎ ኸዓ፥ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ዘርግሑ። ናብቲ ቝልቍለት ደብረ ዘይት ምስ ቀረበ፥ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ስለ እቲ ዝረአይዎ ዅሉ ተኣምራት፥ ዓው ኢሎም ንኣቦና እናመስገኑ ክሕጐሱ ጀመሩ፤ ከምዙይ እናበሉ፦ “በስም ኣቦና ዝመፅእ ንጉስ ብሩኽ እዩ! ኣብ ሰማይ ሰላም፥ ኣብ ኣርያምውን ክብሪ ይኹን!”

ካብቶም ኣብቲ ህዝቢ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኦም ድማ “መምህር፥ ንደቀ መዛሙርትኻ ገስፆም” በልዎ።

ንሱ ኸዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “እብለኩም ኣለኹ፥ እዚኣቶም ስቕ እንተ ዝብሉ፥ እቶም እምኒ ባዕልቶም ምጨርሑ ነይሮም።”

ናብታ ኸተማ ቀሪቡ ምስ ረአያ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣ በኸየ፥

ከምዙይ ድማ በለ፦ “ነቲ ሰላም ዘምፅኣልኪ ሎሚ እንተ ትፈልጥዮ ነይርኪ! ሕዚ ግና ካብ ኣዒንትኺ ተሰዊሩ ኣሎ። መዓልቲታት ክመፅኣ እየን፤ ሽዑ ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ክሰርሑ፥ ክኸቡኺ፥ ብኹሉ ወገን ድማ ክጨቍኑኺ እዮም፤ ንኣኺን ነቶም ኣብ ውሽጢ መናድቕኺ ዘለዉ ደቅኺ ድማ ክሳዕ ምድሪ ከፍርሱኺ እዮም፤ ነቲ ጊዜ ምብፃሕኪ ስለ ዘየለለኽዮ ኸዓ፥ ሓደ እምኒ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣይክተርፍን እዩ።” a a v44 እቲ “ጊዜ ምብፃሕኪ” ዝበሃል፥ እግዚኣብሄር ብኣካል ኢየሱስ ኮይኑ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፀሉ ጊዜ እዩ።

ኢየሱስ ንቤት ኣቦኡ የንፅሆ

ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ድማ፥ ነቶም ዝሸጡ ዝነበሩ ክሰጎም ጀመረ፥

ከምዙይ ኢሉ ድማ በሎም፦ “ፅሑፍ ‘ቤተይ ቤት ፀሎት ክትከውን እያ’ ይብል፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ።”

ኣብ ቤተ መቕደስ መዓልቲ መዓልቲ ይምህር ነበረ፤ ሊቃውንቲ ካህናትን መምህራን ሕግን መራሕቲ ህዝብን ግና ክቐትልዎ መገዲ ይደልዩ ነበሩ፤ እንታይ ከም ዝገብሩ ግና ሰአኑ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ ቃሉ ተለጢፉ ይሰምዕ ስለ ዝነበረ።