ኢዮኣብ ነቲ ዝሓዝን ንጉስ ገሰፆ
ኢዮኣብ ንዳዊት ገጢምዎ፥ ነቲ ዝሃደኖ ወዱ ብምብካይ ነቶም ህይወቱ ዘድሓኑ ሰባት ስለ ዘሕፈሮም ገሰፆ። እቲ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐመጠ፥ እቶም ነገዳት ድማ ናብ ገዛኡ መለስዎ፦ ሺሜኢ ተናሕሰየሉ፥ መሬት ሜምፊቦስቴ ተማቐለ፥ ባርዜላይ ከዓ ተኸቢሩ ናብ ገዛኡ ተሰደደ። ድሕሪዙይ እስራኤልን ይሁዳን ብዛዕባ እቲ ንጉስ ተኻራኸሩ።
19 1ናብ ኢዮኣብ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ይበኪ ኣሎ፥ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ከዓ ይሓዝን ኣሎ” ኢሉ ተነግሮ። 2በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እቲ ዓወት ንዅሉ እቲ ህዝቢ ሓዘን ኮነ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ “ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ይሓዝን ኣሎ” ዝብል ስለ ዝሰምዑ እዩ።
3እቶም ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ ከምቶም ካብ ውግእ ሃዲሞም ዝሓፈሩ፥ ሕሹኽ እናበሉ ናብታ ኸተማ ቀስ ኢሎም ኣተዉ። 4ንጉስ ድማ ገፁ ኸዲኑ፥ ዓው ኢሉ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም፥ ወደይ፥ ወደይ!” እናበለ በኸየ።
5ኢዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ መፀ እሞ ከምዙይ በሎ፦ “ሎሚ ንህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣጓላትካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን ዘድሓኑ ኵሎም ሓሻኽርካ ሎሚ ኣሕፈርካዮም፤ 6ነቶም ዝፀልኡኻ ብምፍቃር፥ ነቶም ዘፍቅሩኻ ኸዓ ብምፅላእ። ሎሚ መኳንንትን ሓሻኽርን ዋጋ ከም ዘይብሎም ኣርኢኻ ኣለኻ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝነብር፥ ኵላትና ኸዓ እንተ ንመውት፥ ከም እትሕጐስ ሕዚ ፈሊጠ ኣለኹ። 7ሕዚ ኸዓ ተሲእኻ ውፃእ፥ ንሓሻኽርካ ድማ ፅቡቕ ቃል ተዛረቦም። እንተ ዘይወፂእኻ ሎሚ ለይቲ ሓደ ሰብኣይ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሓድር፥ እዙይ ከዓ ካብቲ ኻብ ንእስነትካ ኣትሒዙ ዝወረደ ዅሉ መከራ ዝገደደ ኸም ዝኸውን፥ ብኣቦና እምሕለልካ ኣለኹ” በሎ።
ዳዊት ናብ ህዝቡ ተመለሰ
8ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። ንዅሉ እቲ ህዝቢ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ምስ ነገርዎም፥ ኵሎም ናብ ቅድሚኡ መፁ። ሰብ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ናብ ገዝኡ ሃዲሙ ነበረ። 9ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ እቶም ህዝቢ ኸምዙይ እናበሉ ተኻራኸሩ፦ “ንጉስ ካብ ፀላእትና ኣድሓነና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣናገፈና፤ ሕዚ ግና ብምኽንያት ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ። 10ኣቤሴሎም ግና እቲ ኽገዝኣና ዝቐባእናዮ፥ ኣብ ውግእ ሞተ። ስለዙይ ንጉስ ምእንቲ ኽምለስ ስለ ምንታይ ሱቕ ኢልኩም?”
11ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ሳዶቅን ኣብያታርን ካህናት ለኣኸ እሞ ከምዙይ በለ፦ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎም፦ ‘ቃል ኵሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ኣብ ገዛኡ ኣብ ዝበፅሐሉስ፥ ንስኻትኩም ንጉስ ናብ ገዛኡ ኽትመልስዎ ስለ ምንታይ ዳሕረዎት ትኾኑ?’ 12ንስኻትኩም ኣሕዋተይ፥ ዓፅመይን ስጋይን ኢኹም። እሞ ንጉስ ብምምላስ ስለ ምንታይ ዳሕረዎት ትኾኑ? 13ንኣሜሳይ ድማ ‘ንስኻ ዓፅመይን ስጋይን ዲኻ ዘይኴንካ? ኣብ ክንዲ ኢዮኣብ ንሓዋሩ ሓለቓ ሰራዊተይ እንተ ዘይኮይንካ፥ ኣቦና ከምዙይ ይግበረኒ፥ ካብዙይ ዝበዝሐ ድማ ይውሰኸለይ’ በልዎ።” 14ዳዊት ድማ ንልቢ ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸም ሰብ ሓደ ገይሩ ኣዘንበሎ፤ ናብ ንጉስ ድማ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ዝብል መልእኽቲ ሰደዱ።
15ንጉስ ድማ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መፀ፤ ይሁዳ ኸዓ ንንጉስ ክቕበልዎን ንዮርዳኖስ ከሳግርዎን ናብ ጊልጋል መፁ።
ዳዊት ንሳሚ ምሕረት ገበረሉ
16ሳሚ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፥ በዓል ብራቂም፥ ንጉስ ዳዊት ክቕበል ምስ ሰብ ይሁዳ ቀልጢፉ ወረደ። 17ምስኡ ድማ ሽሕ ሰብ ብንያምን ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦልን ምስ ዓሰርተን ሓሙሽተን ደቁን ዕስራ ሓሻኽሩን ነበሩ። ቀቅድሚ ንጉስ ድማ ናብ ዮርዳኖስ ቀልጢፎም ወረዱ፤ 18ቤተ ሰብ ንጉስ ከሳግሩ፥ ባህ ዘብሎውን ኽገብሩ ኢሎም ነቲ መሰጋገሪ ተሳገሩ። ሳሚ ወዲ ጌራ ድማ፥ ንጉስ ንዮርዳኖስ ክሳገር ምስ ቀረበ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ፤ 19ከምዙይ ከዓ በለ፦ “ጐይታይ፥ በይዛኻ፥ ኣበሳ ኣይትሕዘለይ፤ እቲ ጐይታይ ንጉስ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፀላ መዓልቲ፥ ሓሽከርካ ዝበደለ ኣይትዘክሮ። ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ኣብ ልብኻ ኣይተእትዎ። 20ሓሽከርካ ኸም ዝሓጣእኩ እፈልጥ ኣለኹ፤ ስለዙይ ካብ ኵሉ ቤት ዮሴፍ ፈላማይ ኮይነ፥ ንጐይታይ ንጉስ ክቕበል ሎሚ መፂአ ኣለኹ” በለ። a a v20 እቲ “ቤት ዮሴፍ” ዝብል፥ ነቶም ካብ ደቂ ዮሴፍ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ዝወፁ ሰሜናይ ነገዳት እስራኤል ዘመልክት እዩ።
21ሽዑ ኣቢሳይ ወዲ ፀሩያ “ሳሚ ንቅቡእ ኣቦና ስለ ዝረገመ፥ ክመውትዶ ኣይግብኦን?” በለ።
22ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፀሩያ፥ ምሳይ እንታይ ኣለኩም? ሎሚ ፀላእተይ ስለ ምንታይ ትኾኑ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ድዩ ዝመውት? ሎሚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ምዃነይዶ ኣይፈልጥን እየ?” በለ። 23ንጉስ ድማ ንሳሚ “ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ፤ ንጉስ ከዓ መሓለሉ።
24ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዲ ሳኦል ድማ ንጉስ ክቕበል ወረደ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብደሓን ዝተመለሰላ መዓልቲ፥ ኣእጋሩ ኣይተኸናኸነን፥ ፅሕሙ ኣይቆረፀን፥ ክዳውንቱውን ኣይሓፀበን ነበረ። 25ንጉስ ክቕበል ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መፀ፥ ንጉስ “ኦ ሜምፊቦስቴ፥ ስለ ምንታይ ምሳይ ዘይከድካ?” ኢሉ ጠየቖ።
26ንሱ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣገልጋሊየይ ኣታሊሉኒ። ሓሽከርካ ‘ኣድገይ ፀይነ ተወጢሐ ምስ ንጉስ ክኸይድ’ ኢሉ ነበረ፤ ሓሽከርካ ሓንካስ እዩ እሞ። 27ንሱ ኸዓ ንሓሽከርካ ናብ ጐይታይ ንጉስ ሐመዮ። ጐይታይ ንጉስ ግና ከም መልኣኽ ኣቦና እዩ፤ ዝፅብቐካ ግበር። 28ኵሉ ቤት ኣቦይ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ንጉስ ሞት እምበር ካልእ ኣይግብኦን ነበረ፤ ንስኻ ግና ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። እሞ ደጊም ናብ ንጉስ ክጠርዕ እንታይ መሰል ኣለኒ?”
29ንጉስ ድማ “ብዛዕባ ነገርካ ደጊምከ ስለ ምንታይ ትዛረብ? ንስኻን ሲባን ነቲ መሬት ክትማቐልዎ ወሲነ ኣለኹ” በሎ።
30ሜምፊቦስቴ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ናብ ገዛኡ መፂኡ ኣሎ እሞ፥ ንሱ ዅሉ ይውሰዶ” በሎ።
31ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ድማ ካብ ሮግሊም ወረደ፤ ንንጉስ ከፋንዎ ኸዓ ምስኡ ንዮርዳኖስ ተሳገረ። 32ቤርዜሊ ኸዓ የመና ኣሪጉ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ፤ ንጉስ ኣብ ማሃናይም ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜ ይምግቦ ነበረ፤ ንሱ የመና ሃብታም ሰብኣይ ነበረ እሞ። 33ንጉስ ድማ ንቤርዜሊ “ምሳይ ተሳገር፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓይ ክቕልበካ እየ” በሎ።
34ቤርዜሊ ድማ ንንጉስ ከምዙይ በሎ፦ “ምስ ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ፥ ክንደይ ዓመት ዕድመ ተሪፉኒ እዩ? 35ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ። ፅቡቕን ክፉእንዶ ክፈሊ እኽእል እየ? ሓሽከርካ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ይምቅሮ እዩ? ድሃይ ደረፍቲ ሰብኡትን ኣንስትንዶ ገና ይሰምዕ እየ? እሞ ሓሽከርካ ንጐይታይ ንጉስ ስለ ምንታይ ደጊም ይኸብዶ? 36ሓሽከርካ ምስ ንጉስ ንዮርዳኖስ ቑሩብ ጥራሕ ክሳገር እየ። ንጉስ ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝበለ ዓስቢ ይፈድየኒ? 37በይዛኻ፥ ሓሽከርካ ኣብ ጥቓ መቓብር ኣቦይን እኖይን ኣብ ዓደይ ክመውት ይመለስ። እንሆ ኸዓ ሓሽከርካ ኪምሃም ኣሎ፤ ንሱ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፤ ዝፅብቐካ ኸዓ ግበረሉ” በለ።
38ንጉስ ድማ “ኪምሃም ምሳይ ክሳገር እዩ፤ እቲ ዘሐጒሰካ ኸዓ ክገብረሉ እየ፤ ካባይ እትደልዮ ዅሉ ድማ ክገብረልካ እየ” በለ።
39ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ንጉስውን ተሳገረ። ንጉስ ከዓ ንቤርዜሊ ሰዓሞ መረቖውን፤ ቤርዜሊ ድማ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። 40ንጉስ ድማ ናብ ጊልጋል ተሳገረ፤ ኪምሃም ከዓ ምስኡ ነበረ። ኵሉ ህዝቢ ይሁዳን ፍርቂ ህዝቢ እስራኤልን ድማ ንንጉስ ኣፋነውዎ።
41ሽዑ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፁ እሞ፥ “ስለ ምንታይ ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ሰሪቖም፥ ንንጉስን ንቤተ ሰቡን ምስ ኵሎም ሰብ ዳዊት ንዮርዳኖስ ኣሳገርዎ?” በልዎ።
42ኵሎም ሰብ ይሁዳ ድማ ንሰብ እስራኤል “እቲ ንጉስ ቀረባ ዘመድና እዩ። ስለ ምንታይ በዝ ነገር እዙይ ትዀርዩ? ካብ ብልዒ እቲ ንጉስዶ ገለ በሊዕና ኢና? ወይ ህያብዶ ሂቡና?” ኢሎም መለሱሎም።
43ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ “ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ግደ ኣለና፤ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበዝሐ መሰል ኣለና። እምበኣር ስለ ምንታይ ንዒቕኩምና? ንሕና ንጉስና ክንመልሶ ቐዲምና ዝተዛረብናዶ ኣይኮንናን?” ኢሎም መለሱሎም። ግና ዘረባ ሰብ ይሁዳ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤል ዝገደደ ነበረ።