ኣቤሴሎም ኣብ ዱር ኤፍሬም ወደቐ
ዳዊት ንሰራዊቱ ብሓደ ትእዛዝ ሰደዶም፦ ንኣቤሴሎም ርህርህዎ። እቲ ዱር ካብ ሰይፊ ንላዕሊ ብዙሕ ቀተለ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ኢዮኣብ ፍላፃ ክሳዕ ዝሸኽለሉ፥ ርእሱ ኣብ ኦም ተታሒዙ ተንጠልጠለ። ለኣኽቲ ኸዓ ኣቦና ነቲ ንጉስ ከም ዘድሓኖ ዜና ኣምፅኡ፤ ንሱ ግና ብዛዕባ ወዱ ጥራሕ ይሓትት።
18 1ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊት ቆፀረ፤ ኣብ ልዕሊኦም ከዓ ሓለቓ ሽሕን ሓለቓ ሚእትን ሾመ። 2ዳዊት ድማ ነቲ ሰራዊት ሰደዶ፤ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳይ ወዲ ፀሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ጌታዊ ኢታይ ኮነ። እቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ሰራዊት “ኣነ ድማ ርግፅ ምሳኻትኩም ወፂአ ክኸይድ እየ” በሎም።
3እቲ ሰራዊት ግና ከምዙይ በለ፦ “ኣይትውፃእ። ንሕና እንተ ሃደምና ግዲ የብሎምን፤ ፍርቅና እንተ ሞትና ግዲ የብሎምን። ንስኻ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ ካባና ትበልፅ ኢኻ። ስለዙይ ንስኻ ኣብ ከተማ ተሪፍካ ክትረድኣና ድሉው ምዃንካ ይሓይሽ።”
4እቲ ንጉስ ድማ “ዝሓሸልኩም መሲሉ ዝተርኣየኩም ዅሉ ክገብር እየ” በሎም። ሽዑ ኵሉ እቲ ሰራዊት በብሚእትን በብሽሕን እናወፀ እንተሎ፥ ንሱ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለ።
5እቲ ንጉስ ድማ ንኢዮኣብን ንኣቢሻይን ንኢታይን “ምእንታይ ኢልኩም ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም ርህርህዎ” ኢሉ ኣዘዞም። ኵሉ እቲ ሰራዊት ድማ እቲ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ነቶም ኣሕሉቕ ክእዝዞም እንተሎ ሰምዐ።
6እቲ ሰራዊት ድማ ንእስራኤል ክዋግኡ ናብ በረኻ ወፁ፤ እቲ ውግእ ከዓ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኮነ። 7ኣብኡ ኸዓ ሰራዊት እስራኤል ብሰባት ዳዊት ተስዓረ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዪ ቅትለት ኮነ፤ ዕስራ ሽሕ ሰብ። 8እቲ ውግእ ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ምድሪ ተዘርግሐ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እቲ ዱር ካብቲ ሰይፊ ዝወደአ ንላዕሊ ብዙሕ ሰራዊት ወድአ።
9ኣቤሴሎም ድማ ንሰባት ዳዊት ተራኸቦም። ኣብ በቕሊ ተቐሚጡ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ዓብዪ ኦም ሓለፈ፤ ርእሱ ኸዓ ኣብቲ ኦም ተታሕዘ። እቲ በቕሊ ኣብ ትሕቲኡ እናኸደ እንተሎ፥ ንሱ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ተሰቕለ። 10ሓደ ሰብ ድማ ነዙይ ረአየ እሞ ንኢዮኣብ “እንሆ፥ ንኣቤሴሎም ኣብ ኦም ተሰቒሉ ረአኽዎ” ኢሉ ነገሮ።
11ኢዮኣብ ድማ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ “እንሆ ርኢኻዮ! ስለ ምንታይ ደኣ ኣብኡ ናብ ምድሪ ዘይወቐዕካዮ? ዓስቢ ዓሰርተ መዓልቲ ዝኸውን ብሩር፥ ሓደ ቅናት ድማ ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ።
12እቲ ሰብኣይ ግና ንኢዮኣብ ከምዙይ በሎ፦ “ዓስቢ ሽሕ መዓልቲ ዝኸውን ብሩር ናብ ኢደይ እኳ እንተ ተመዘነለይ፥ ኢደይ ናብ ወዲ ንጉስ ኣይዝርግሕን። እቲ ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን ‘ምእንታይ ኢልኩም ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም ሓልውዎ’ ኢሉ ክእዝዘልኩም ኵልና ሰሚዕናዮ ኢና እሞ። 13እንተ ዘይኮነ ንነፍሰይ ኣጥፊአያ ነይረ፤ ካብ ንጉስ ዝተሰወረ ነገር የለን እሞ፥ ንስኻ ድማ ካባይ ርሒቕካ ምቖምካ ነይርካ።”
14ኢዮኣብ ድማ “ከምዙይ ኢለ ምሳኻ ጊዜ ኣየጥፍኣን” በለ። ሰለስተ መዝረቕ ድማ ኣብ ኢዱ ወሰደ እሞ፥ ኣቤሴሎም ገና ኣብ ልቢ እቲ ኦም ብህይወቱ እንተሎ፥ ናብ ልቡ ሰኸዖም። 15ኣፅዋር ኢዮኣብ ዝፆሩ ዓሰርተ መንእሰያት ድማ ንኣቤሴሎም ከቢቦም ወቒዖም ቀተልዎ። 16ኢዮኣብ ድማ መለኸት ነፍሐ፤ ኢዮኣብ ነቲ ሰራዊት ስለ ዝኸልከሎም ከዓ ንእስራኤል ካብ ምስዓብ ደው በሉ። 17ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም ናብ ዓብዪ ጕድጓድ ዱር ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ኣዝዩ ዓብዪ ኽምር እምኒ ኣኽመሩ። ኵሉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ናብ ገዛኡ ሃደመ።
18ኣቤሴሎም ድማ ብህይወቱ እንተሎ፥ “ስመይ ዘዘክር ወዲ የብለይን” ኢሉ ኣብ ለሰ ንጉስ ሓወልቲ ኣቚሙ ነበረ። ነታ ሓወልቲ ኸዓ ብስሙ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ተባሂላ ትፅዋዕ ኣላ። a a v18 ኣቤሴሎም ደቂ ተወሊዶምሉ ነበሩ (2 ሳሙኤል 14፥27)፥ ግና ከም ዝመስል ቅድሚኡ ሞይቶም፥ ስሙ ዘቐፅል ወራሲ ኣይገደፉሉን።
ዳዊት ምእንቲ ወዱ ኣቤሴሎም በኸየ
19ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅ ድማ “ኣቦና ካብ ኢድ ፀላእቱ ሕነ ከም ዝፈደየሉ ናብ ንጉስ ጐየየ ኽነግር ሕደገኒ” በለ።
20ኢዮኣብ ድማ “ንስኻ ሎሚ ብስራት እትወስድ ሰብ ኣይኮንካን። ካልእ መዓልቲ ብስራት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፤ ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሎሚ ግና ገለ እኳ ኣይትወስድን” በለ።
21ኢዮኣብ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ “ኺድ፥ ነቲ ንጉስ ዝረአኻዮ ንገሮ” በሎ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኸዓ ንኢዮኣብ ሰጊዱ ጐየየ።
22ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅ ድማ መሊሱ ንኢዮኣብ “ዝኾነ ይኹን፥ ኣነ ድማ ደድሕሪ እቲ ኢትዮጵያዊ ክጐዪ ሕደገኒ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ወደይ፥ ስለ ምንታይ ክትጐዪ? ዓስቢ ዘትርፍ ብስራት የብልካን” ኢሉ መለሰሉ።
23ንሱ ድማ “ዝኾነ ይኹን፥ ክጐዪ እየ” በለ። ኢዮኣብ ከዓ “ጕየ” በሎ። ሽዑ ኣሒማዓፅ በቲ ናይ ሜዳ መንገዲ ጐይዩ ነቲ ኢትዮጵያዊ ቀደሞ።
24ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ ኽልተ ደጌታት ተቐሚጡ ነበረ። እቲ ሓላዊ ኸዓ ናብ ዝባን ናሕሲ እታ ደገ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደየበ፤ ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ድማ ሓደ ሰብ በይኑ ክጐዪ ረአየ። 25እቲ ሓላዊ ድማ ፀዊዑ ንንጉስ ነገሮ። እቲ ንጉስ ከዓ “በይኑ እንተ ኾይኑ ብስራት ኣለዎ” በለ። እቲ ጐያዪ ድማ እናቐረበ ኸደ።
26እቲ ሓላዊ ድማ ካልእ ሰብ ክጐዪ ረአየ እሞ ነቲ ሓላዊ በሪ “እንሆ፥ ካልእ ሰብ በይኑ ይጐዪ ኣሎ!” ኢሉ ፀውዐ። እቲ ንጉስ ከዓ “ንሱ ድማ ብስራት ኣለዎ” በለ።
27እቲ ሓላዊ ድማ “እቲ ቐዳማይ ጕያ ኸም ጕያ ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅ እዩ” በለ። እቲ ንጉስ ከዓ “ንሱ ፅቡቕ ሰብኣይ እዩ፤ ፅቡቕ ብስራት ሒዙ ይመፅእ ኣሎ” በለ።
28ኣሒማዓፅ ድማ ንንጉስ “ኵሉ ደሓን እዩ!” ኢሉ ፀውዐ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ እሞ “ነቶም ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝዓመፁ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣቦኻ ይባረኽ” በለ።
29ኣሒማዓፅ ከዓ “ኢዮኣብ ንባርያ ንጉስን ንኣይ ንባርያኻ ክሰደና እንተሎ፥ ዓብዪ ህውከት ረአኹ፤ እንታይ ምዃኑ ግና ኣይፈለጥኩን” ኢሉ መለሰ።
30እቲ ንጉስ ድማ “ኣግሊስካ ኣብዙይ ደው በል” በለ። ንሱ ኸዓ ኣግሊሱ ደው በለ።
31እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ መፀ እሞ “ጐይታይ ንጉስ፥ ብስራት! ሎሚ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ኵሎም እቶም ዝተንስኡልካ ሓራ ኣውፂኡካ እዩ” በለ።
32እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ “እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም ደሓንዶ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከዓ “ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስን ኵሎም እቶም ክጐድኡኻ ዝትንስኡልካን ከምቲ ጐበዝ ይኹኑ” ኢሉ መለሰ።
33እቲ ንጉስ ድማ ራዕራዕ በለ። እናበኸየ ኸዓ ናብ ላዕለዋይ ክፍሊ እታ ደገ ደየበ፤ እናኸደ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ፥ ወደይ፥ ኣቤሴሎም! ኦ ኣቤሴሎም፥ ኣነ ኣብ ክንዳኻ እንተ ዝመውት ነይረ! ወደይ፥ ወደይ!”