ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ፀብፃብ ሉቃስ ብስሩዕ

ወንጌል እቲ ዓብዪ ሓኪም፥ ንድኻታት፥ ንዝተነፅጉን ንዝጠፍኡን ብርሕራሄ ዝመልአ። ምስላ እቲ ዝጠፍአ ወድን እቲ ኣዝዩ ዝልዝል ምስሊ ምሕረት ኢየሱስን ይሕዝ።

ምዕራፍ 1።

ብዙሓት ነቲ ኣብ መንጎና ዝተፈፀመ ነገር ስሩዕ ፀብፃብ ንምድላው ስለ ዝጀመሩ፥ ከምቲ እቶም ካብ መጀመርታ ዓይኒ ምስክር ዝነበሩን ኣገልገልቲ እቲ ቓልን ዘረከቡልና፥ ኣነውን ንዅሉ ኻብ መጀመርታኡ ብጥንቃቐ መርሚረ፥ ኦ ክቡር ቴዎፍሎስ፥ ብተርታ ኽፅሕፈልካ መደብኩ፤ ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ ነገር ርጉፅ ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጥ።

ኣቦ ንዘካርያስ ወዲ ተስፋ ይህቦ

ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ክፍሊ ክህነት ኣብያ ዘካርያስ ዝስሙ ሓደ ካህን ነበረ። ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ድማ ካብ ዘርኢ ኣሮን ነበረት። a a v5 እቶም ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብተራ ዘገልግሉ ዕስራን ኣርባዕተን ክፍሊ ኾይኖም ተወዲቦም ነበሩ፤ ክፍሊ ኣብያ ኸዓ ሻሙናይ ነበረ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፃድቃን ነበሩ፤ ብዅሉ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ብዘይ ነውሪ ይኸዱ ነበሩ። ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ግና፥ ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦምውን የመና ኣሪጎም ነበሩ።

ክፍሉ ኣብ ተራ ኣገልግሎት እንተሎ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኽህነት እናገልገለ እንተሎ፥ ከም ልማድ ክህነት፥ ናብ መቕደሱ ኣትዩ ዕጣን ከዕፅን ዕፃ በፅሖ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ብሰዓት ዕጣን ኣብ ወፃኢ ይፅሊ ነበረ። b b v10 እቲ ህዝቢ ኣብ ወፃኢ ተኣኻኺቡ በተን ሰዓታት እቲኣተን ክፅሊ እንተሎ፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መቕደስ ኵሉ ንግሆን ምሸትን ዕጣን ይዕፀን ነበረ።

ሽዑ መልኣኽ ኣቦና ኣብ የማን መሰውኢ ዕጣን ደው ኢሉ ተገለፀሉ። ዘካርያስ ምስ ረአዮ ደንገፀ፤ ፍርሃትውን ወረዶ። እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ዘካርያስ፥ ኣይትፍራሕ፤ ፀሎትካ ተሰሚዑ እዩ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙ ድማ ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። ሓጐስን ታሕጓስን ክትረክብ ኢኻ፤ ብምውላዱ ኸዓ ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም። ንሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዓብዪ ክኸውን እዩ፤ ወይኒ ወይ ካልእ ዜሰክር መስተ ፈፂሙ ኣይሰቲ፤ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ኸዓ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ። ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ንብዙሓት ናብ ኣቦኦም ክመልሶም እዩ። ንሱ ድማ ብመንፈስን ሓይልን ኤልያስ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክኸይድ እዩ፤ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉዶም፥ ነቶም ዘይእዘዙ ኸዓ ናብ ጥበብ ፃድቃን ይመልስ፤ ንኣቦና ድሉው ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ።”

ዘካርያስ ከዓ ነቲ መልኣኽ “ነዙይ ብምንታይ ክፈልጦ? ኣነ ኣሪገ እየ፥ ሰበይተይውን ብዕድሜኣ ኣሪጋ እያ” በሎ።

እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ገብርኤል፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ደው ዝብል እየ፤ ክዛረበካ፥ እዝ ብስራት እዚውን ከበስረካ ተላኢኸ። እንሆ ድማ፥ ንቓለይ ኣይኣመንካን እሞ፥ ክሳዕ እታ እዝ ነገር እዚ ዝፍፀመላ መዓልቲ ሱቕ ክትብል፥ ክትዛረብውን ዘይትኽእል ክትከውን ኢኻ፤ እቲ ቓለይ ከዓ በብጊዜኡ ክፍፀም እዩ።”

እቲ ህዝቢ ድማ ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ ኣብ መቕደስ ስለምንታይ ክንድዙይ ከም ዝደንጎየ ኸዓ ይግረሙ ነበሩ። ምስ ወፀ ኸዓ ክዛረቦም ኣይከኣለን፤ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ድማ ፈለጡ። ንሳቶም እናኣመልከተሎም ድማ በሃም ኮይኑ ተረፈ። መዓልቲታት ኣገልግሎቱ ምስ ተፈፀመ ኸዓ፥ ናብ ገዛኡ ኸደ። ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጠነሰት፤ ሓሙሽተ ወርሒ ኸዓ ንባዕላ ሐቢኣ ኸምዙይ በለት፦ “ኣብ ማእኸል ሰባት ነውረይ ምእንቲ ኼርሕቐለይ ኢሉ ኣብ ዝተመልከተለይ መዓልቲ፥ ኣቦና ንኣይ ዝገበረለይ እዙይ እዩ።”

ኣቦ ንገብርኤል ናብ ማርያም ይሰዶ

ኣብ ሳድሳይ ወርሒ፥ ኣቦና ንመልኣኽ ገብርኤል ናብ ናዝሬት እትብሃል ከተማ ገሊላ ለኣኾ፤ ናብ ሓንቲ ዮሴፍ ንዝስሙ ኻብ ቤት ዳዊት ዝኾነ ሰብኣይ ዝተሓፅየት ድንግል፤ ስም እታ ድንግል ድማ ማርያም ነበረ። ናብኣ ድማ ኣትዩ “ኦ ፀጋ ዝተዓደልኪ፥ ሰላም ንኣኺ ይኹን! ኣቦና ምሳኺ ኣሎ” በላ።

ንሳ ግና በቲ ዘረባኡ የመና ተደናገፀት፤ እዝ ሰላምታ እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን ኢላ ኸዓ ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከዓ ከምዙይ በላ፦ “ኣይትፍርሒ፥ ኦ ማርያም፤ ንስኺ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ። ኣብ ከርስኺ ክትጠንሲ፥ ወዲ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ክኸውን እዩ፥ ወዲ ልዑል ተባሂሉ ኸዓ ክፅዋዕ እዩ፤ ኣቦናውን ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ፤ መንግስቱ ኸዓ መወዳእታ የብላን።”

ማርያም ከዓ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ድንግል እየ እሞ፥ እዙይ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ?” በለቶ።

እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰላ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ክወርድ እዩ፤ ሓይሊ ልዑል ከዓ ክፅልለኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ህፃን ወዲ ኣቦና ተባሂሉ ክፅዋዕ እዩ። እንሆ፥ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ እውን ብእርግንኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፤ እታ መኻን እትብሃል ንሳ ኸዓ እዙይ ሳድሳይ ወርሓ እዩ። ንኣቦና ዝሳኣኖ ነገር የለን እሞ።”

ማርያም ከዓ “ኣነ ባርያ ኣቦና እየ፤ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለት። ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ።

ማርያም ንኤልሳቤጥ ትበፅሓ

በተን መዓልቲታት እቲኣተን ማርያም ተንሲኣ ናብ እምባታት ሃገር፥ ናብ ሓንቲ ኸተማ ይሁዳ ተቐላጢፋ ኸደት፤ ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸዓ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፥ እቲ ህፃን ኣብ ከብዳ ሰረረ፤ ንሳ ኸዓ ብመንፈስ ቅዱስ መልአት። ብዓብዪ ድምፂ ኣእዊያ ኸዓ፦ “ኣብ መንጎ ኣንስቲ ንስኺ ብርኽቲ ኢኺ፥ ፍረ ኸርስኺ ድማ ብሩኽ እዩ! ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመፅእ፥ እዙይ ካበይ ኮነለይ? እንሆ፥ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ፥ እቲ ህፃን ብሓጐስ ኣብ ከርሰይ ሰረረ። እታ እቲ ኣቦና ዝተዛረባ ኸም ዝፍፀም ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።”

መዝሙር ምስጋና ማርያም

ማርያም ድማ ከምዙይ በለት፦ “ነፍሰይ ንኣቦና ተዕቢ፥ መንፈሰይ ከዓ ብኣቦና፥ ብመድሕነይ ይሕጐስ፥ ናብ ትሕትና ኣገልጋሊቱ ጠሚቱ እዩ እሞ። እንሆ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሮም ኵሎም ወለዶታት ብርኽቲ ኽብሉኒ እዮም፤ እቲ ኽኡል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ፥ ስሙ ኸዓ ቅዱስ እዩ። ምሕረቱ ድማ ነቶም ዝፈርሕዎ ኻብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዩ። ብቕልፅሙ ሓይሊ ገበረ፤ ነቶም ዕቡያት ብሓሳብ ልቦም በተኖም፤ ንሓያላት ካብ ዝፋኖም ኣውረዶም፤ ነቶም ትሑታት ድማ ለዓሎም፤ ነቶም ጥሙያት ብሰናይ ነገር ኣፅገቦም፤ ነቶም ሃብታማት ድማ ጥራሖም ሰደዶም። ንባርያኡ እስራኤል ረድአ፥ ምሕረቱ ድማ ብምዝካር፥ ከምቲ ነቦታትና ዝተዛረቦ፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ንዘለኣለም።”

ማርያም ድማ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ምስኣ ፀኒሓ፥ ናብ ገዛኣ ተመለሰት።

ዮሃንስ ተወለደ

ኤልሳቤጥ እትወልደሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፥ ወዲ ወለደት። ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ ኣቦና ዓብዪ ምሕረት ከም ዝገበረላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ። በሳምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ነቲ ህፃን ክግዝርዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡ ድማ ዘካርያስ ኢሎም ክሰምይዎ ደለዩ፥ ኣዲኡ ግና “ኣይፋል፥ ዮሃንስ ኢሉ ኽስመ እዩ” ኢላ መለሰት።

ንሳቶም ከዓ “በዝ ስም እዙይ ዝፅዋዕ ካብ ኣዝማድኪ ሓደ እኳ የለን” በልዋ። ነቲ ህፃን መን ክብሃል ከም ዝደሊ ኸዓ፥ ነቦኡ ብምልክት ጠየቕዎ።

ንሱ ድማ ፅላት ሓቲቱ “ስሙ ዮሃንስ እዩ” ኢሉ ፀሓፈ። ኵሎም ከዓ ተገረሙ። ብኡብኡ ኸዓ ኣፉ ተኸፈተ፥ መልሓሱውን ተፈትሐ፤ ንኣቦና እናባረኸ ድማ ተዛረበ። ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ፍርሃት ወደቐ፤ እዝ ኵሉ ነገር እዙይ ድማ ኣብ ኵሉ ኸረን ይሁዳ ተዘርበ። ኵሎም እቶም ዝሰምዑ ድማ “እዝ ህፃን እዙይ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ?” እናበሉ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣብ ልቦም ሓዝዎ። ኢድ ኣቦና ምስኡ ነበረት እሞ።

ዘካርያስ ተነበየ

ኣቦኡ ዘካርያስ ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ መሊኡ፥ ከምዙይ ኢሉ ተነበየ፦ “ኣቦና ናይ እስራኤል ቡሩኽ ይኹን፥ ንህዝቡ በፂሑ ተበጀዎ እዩ እሞ፥ ኣብ ቤት ባርያኡ ዳዊት ድማ ሓያል መድሕን ኣልዓለልና፥ ከምቲ ብኣፍ ቅዱሳት ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ካብ ፀላእትና ምእንቲ ኽንድሕን፥ ካብ ኢድ ኵሎም ዝፀልኡና ድማ፤ ነቦታትና እተመባፅዐ ምሕረት ንምግባር፥ ቅዱስ ኪዳኑ ድማ ንምዝካር፥ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ መሓላ፥ ክህበና፥ ካብ ኢድ ፀላእትና ድሒንና፥ ብዘይ ፍርሃት ምእንቲ ኸነገልግሎ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ኣብ ቅድሚኡ፥ ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና። ንስኻ ኸዓ፥ ኣታ ህፃን፥ ነቢይ ልዑል ክትስመ ኢኻ፤ ንስኻ ቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ፥ መንገዱ ኸተዳሉ ኢኻ እሞ፥ ንህዝቡ ፍልጠት ምድሓን ንምሃብ፥ ብስርየት ሓጢኣቶም፥ ስለ እቲ ርህራሄ ምሕረት ኣቦና፥ በቲ ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ ብርሃን ፀሓይ ክበፅሐና እዩ እሞ፥ c c v78 እቲ ‘ኻብ ላዕሊ ዝመፅእ ብርሃን ፀሓይ’ ዝብል፥ ንኢየሱስ ዝውክል ስም እዩ፦ እቲ ኣቦና ናብቶም ኣብ ፅልመት ዘለዉ ዝሰዶ፥ ናብ ገዛና ኽመርሐና እዩ ዝወግሕ ብርሃን እዩ። ነቶም ኣብ ፅልመት ዝቕመጡ ብርሃን ንምሃብ፥ ኣብ ፅላሎት ሞት ዘለዉ ኸዓ፥ ነእጋርና ናብ መንገዲ ሰላም ንምምራሕ።”

እቲ ህፃን ድማ ዓበየ፤ ብመንፈስውን በርትዐ፤ ክሳዕ እታ ንእስራኤል ብግልፂ ዝተገለፀላ መዓልቲ ኸዓ ኣብ ምድረ በዳ ነበረ።