ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣልኣዛር ሰብ ቢታንያ

ኢየሱስ ክልተ መዓልቲ ፀንሐ፥ ኣርባዕተ መዓልቲ ደንጒዩ መፀ፥ ኣብ መቓብር ዓርኩ ድማ በኸየ። ንማርታ ንሱ ትንሳኤን ህይወትን ምዃኑ ነገራ፥ ንኣቦኡ ስለ ዝሰምዖ ዓው ኢሉ ኣመስገኖ፥ ንኣልኣዛር ድማ ናብ ደገ ፀውዖ። ሽዑ እዩ እቲ ቤት ምኽሪ ክቐትልዎ ዝወሰነ።

ምዕራፍ 11።

ካብ ቢታንያ፥ ካብ ዓዲ ማርያምን ሓብታ ማርታን፥ ኣልኣዛር ዝበሃል ሓደ ሰብ ሓሚሙ ነበረ። ማርያም ከዓ፥ እታ ሓዋ ኣልኣዛር ዝሓመመ፥ ንጐይታ ብምዑዝ ዘይቲ ቀብአቶ፥ ብፀጉራውን ኣእጋሩ ሓበሰት። እምበኣር እተን ኣሓት፥ “ኦ ጐይታ፥ እቲ እተፍቅሮ ሓሚሙ ኣሎ” ኢለን ናብኡ ለኣኻሉ።

ኢየሱስ ከዓ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ “እዝ ሕማም እዙይ፥ ወዲ ኣቦና ብእኡ ምእንቲ ክኸብር፥ ንኽብሪ ኣቦና ደኣ እምበር፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ ኣይኮነን” በለ።

ኢየሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ። ስለዙይ ኣልኣዛር ከም ዝሓመመ ምስ ሰምዐ፥ ኣብቲ ዝነበሮ ቦታ ኻልእ ክልተ መዓልቲ ፀንሐ።

ድሕሪዙይ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ “ናብ ይሁዳ ንመለስ” በሎም።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸዓ “ረቢ፥ ኣይሁድ ሕዚ ብእምኒ ክቐጥቅጡኻ ደልዮም ነይሮም፥ ንስኻ ኸዓ ናብኡ ትምለስ ኣለኻ?” በልዎ።

ኢየሱስ ከዓ መሊሱ “ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ኽልተ ሰዓት ዶ የለን? ብመዓልቲ ዝኸይድ ዅሉ፥ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ይርኢ እዩ እሞ፥ ኣይዕንቀፍን እዩ፤ ብለይቲ ዝኸይድ ግና፥ እቲ ብርሃን ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ይዕንቀፍ እዩ” በለ። እዙይ ምስ በለ ድማ “ዓርክና ኣልኣዛር ደቂሱ ኣሎ፥ ኣነ ግና ከበራብሮ ክኸይድ እየ” በሎም።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ “ኦ ጐይታ፥ ደቂሱ እንተ ኾይኑስ፥ ክሓዊ እዩ” በልዎ። ኢየሱስ ግና ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ፥ ንሳቶም ከዓ ብዛዕባ ምድቃስ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም።

ሽዑ ኢየሱስ ኣግሂዱ “ኣልኣዛር ሞይቱ ኣሎ፤ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ ምእንታኹም ተሓጒሰ ኣለኹ፤ ግና ናብኡ ንኺድ” በሎም።

ስለዙይ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ፥ ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ “ንሕናውን ከይድና ምስኡ ንሙት” በሎም።

ኢየሱስ ምስ መፀ ድማ፥ ኣልኣዛር ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝገበረ ረኸበ። ቢታንያ ኸዓ ናብ ኢየሩሳሌም ቀረባ ነበረት፥ ኣስታት ክልተ ማይል ርሒቓ፥ a a v18 ዓሰርተ ሓሙሽተ ስታድያ ኣስታት ክልተ ማይል (ኣስታት 3 ኪሎ ሜትር) ነበረ። ብዙሓት ኣይሁድ ድማ ብዛዕባ ሓዎም ምእንቲ ኸፅናንዕወን፥ ናብ ማርታን ማርያምን መፂኦም ነበሩ። ማርታ ድማ ኢየሱስ ከም ዝመፅእ ምስ ሰምዐት፥ ክትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ተረፈት። ማርታ ድማ ንኢየሱስ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዚ እንተ ትነብር ኔርካ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ። ሕዚውን እንተኾነ ግና፥ ካብ ኣቦና ዝለመንካዮ ዅሉ ከም ዝህበካ እፈልጥ ኣለኹ” በለቶ።

ኢየሱስ ድማ “ሓውኪ ክትሳእ እዩ” በላ።

ማርታ ድማ “ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ብዝኸውን ትንሳኤ ኸም ዝትሳእ እፈልጥ እየ” በለቶ።

ኢየሱስ ድማ “ኣነ ትንሳኤን ህይወትን እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ክነብር እዩ፤ እቲ ዝነብርን ብኣይ ዝኣምንን ኵሉ ድማ፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ። እዙይዶ ትኣምኒ ኢኺ?” በላ።

ንሳ ድማ “እወ ጐይታ፥ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ኣቦና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፅእ ምዃንካ እኣምን ኣለኹ” በለቶ።

እዙይ ምስ በለት ድማ፥ ከይዳ ንሓብታ ማርያም ብምስጢር ፀዊዓ “እቲ መምህር ኣብዚ ኣሎ፥ ይፅውዓኪ ኣሎ” በለታ። ማርያም ድማ እዙይ ምስ ሰምዐት፥ ቀልጢፋ ተሲኣ ናብኡ ኸደት። ኢየሱስ ድማ ገና ናብ ዓዲ ኣይኣተወን ነበረ፤ ኣብቲ ማርታ ዝተቐበለቶ ቦታ ገና ነበረ። እቶም ኣብ ገዛ ምስኣ ኾይኖም ዘፅናንዕዋ ዝነበሩ ኣይሁድ ድማ፥ ማርያም ቀልጢፋ ተሲኣ ክትወፅእ ምስ ረአዩ፥ ናብ መቓብር ኣብኡ ኽትበኪ ኸም እትኸይድ መሲልዎም ሰዓብዋ። ማርያም ድማ ናብ ኢየሱስ መፂኣ ምስ ረአየቶ፥ ኣብ እግሩ ወዲቓ “ኦ ጐይታ፥ ኣብዚ እንተ ትነብር ኔርካ፥ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ።

ኢየሱስ ድማ ንሳ ክትበኪ፥ እቶም ምስኣ ዝመፁ ኣይሁድውን ክበኽዩ ምስ ረአየ፥ ብመንፈሱ እናገዐረ ተሸበረ።

“ኣበይ ኣንቢርኩምዎ?” ኢሉ ድማ በሎም። ንሳቶም ከዓ “ኦ ጐይታ፥ መፂእኻ ርአ” በልዎ።

ኢየሱስ በኸየ።

ስለዙይ ኣይሁድ “እንሆ ኽንደይ የፍቅሮ ነይሩ!” በሉ። ገሊኦም ግና “እዝ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተ ሰብኣይ እዙይ፥ እዙይ ከይሞተ ኽገብር ኣይከኣለን?” በሉ።

ኢየሱስ ድማ ከም ብሓድሽ ብውሽጡ እናተነኽነኸ፥ ናብቲ መቓብር መፀ፤ እቲ መቓብር ከዓ በዓቲ ነበረ፥ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ እምኒ ተገይሩ ነበረ።

ኢየሱስ ድማ “ነቲ እምኒ ኣልዕልዎ” በለ። ማርታ፥ ሓብቲ እቲ ምዉት ድማ “ኦ ጐይታ፥ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ እዩ እሞ፥ ሕዚ ይጨንው ኣሎ” በለቶ።

ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣመንኪ፥ ክብሪ ኣቦና ኸም እትሪኢ ኣይነገርኩኺንዶ?” በላ።

ሽዑ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ድማ ናብ ላዕሊ ጠሚቱ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። ንስኻ ወትሩ ኸም እትሰምዓኒ ፈሊጠ ኔረ፤ ነዙይ ግና፥ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ፥ ስለ እዚ ኣብዙይ ደው ኢሉ ዘሎ ህዝቢ በልኩ።” እዙይ ኢሉ ምስ በለ ድማ፥ ብዓብዪ ድምፂ “ኣልኣዛር፥ ንገዛእ ውፃእ!” ኢሉ ፀውዐ።

እቲ ምዉት ከዓ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብመግነዝ ተኣሲሮም፥ ገፁውን ብመንዲል ተጠቕሊሉ ወፀ። ኢየሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።

ባይቶ ተኣከበ

ስለዙይ ካብቶም ናብ ማርያም ዝመፁ፥ ኢየሱስ ዝገበሮ ኸዓ ዝረኣዩ ኣይሁድ፥ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከዱ እሞ፥ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። ስለዙይ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ባይቶ ኣከቡ እሞ “እዝ ሰብኣይ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፥ እንታይ ንገብር ኣለና? ከምዙይ እንተ ሓዲግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ክኣምን እዩ፤ ሮማውያን ከዓ መፂኦም ቦታናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም” በሉ።

ሓደ ኻብኣቶም ግና፥ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ዝጠፍእ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ክመውት ከም ዝሓሸኩም ኣይትርኡንዶ ኣለኹም?” ነዙይ ካብ ርእሱ ኣይበለን፤ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ ግና፥ ኢየሱስ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ኸም ዝመውት ተነበየ፤ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ውሉድ ኣቦና ድማ ናብ ሓደ ምእንቲ ኽእክብ እዩ። b b v52 ቀያፋ ካብቲ ዝፈለጦ ንላዕሊ ተዛረበ። ኢየሱስ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኣይሁድ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነፍሲ ወከፍ ተበቲኑ ዘሎ ውሉድ ኣቦና ናብ ሓደ ስድራ ምእንቲ ኽእክብ ደኣ እዩ ዝመውት ነይሩ። ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ። ስለዙይ ኢየሱስ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ብገሃድ ኣይተመላለሰን፤ ናብ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ኤፍሬም እትበሃል ከተማ ረሓቐ እሞ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ፀንሐ።

ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ፤ ብዙሓት ከዓ ቅድሚኡ ነብሶም ምእንቲ ኸንፅሁ፥ ካብ ዓዲ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ። ስለዙይ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም እንተለዉ ኸዓ ንሕድሕዶም “እንታይ ይመስለኩም? ናብ በዓል ፈፂሙ ኣይመፅእን ይኸውን?” ይበሃሃሉ ነበሩ። ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ ምእንቲ ኽሕዝዎ፥ ኣበይ ከም ዘሎ ዝፈልጥ ዅሉ ኽሕብር ኣዚዞም ነበሩ።