ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ታቦት ናብ ቤት ኣቦ ትመፅእ

እቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ኣተወ፥ እቲ ደበና ነቶም ካህናት ኣውፅኦም፥ ሰሎሞን ከዓ ንኣቦና ክትፆሮ ኸም ዘይትኽእል ዝኣመነላ ቤት ፀለየ። ብቐንዱ ሓደ ነገር ለመነ፦ እስራኤል ምስ ዝሓጥእ፥ ምስ ዝስዓር፥ ወይ ተማሪኹ ምስ ዝውሰድ፥ ስማዕ ይቕረ ድማ በል።

ምዕራፍ 8።

ሽዑ ሰሎሞን ነቶም ዓበይቲ እስራኤል፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን መራሕቲ ማይ ቤት ደቂ እስራኤልን፥ ታቦት ኪዳን ኣቦና ካብ ከተማ ዳዊት፥ ንሳ ፅዮን፥ ናብ ላዕሊ ምእንቲ ኸደይብዋ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣከቦም። ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ኣብ በዓል ኣብ ወርሒ ኤታኒም፥ እታ ሳብዐይቲ ወርሒ፥ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ። ኵሎም ሽማግለታት እስራኤል ምስ መፁ ከዓ፥ ነቲ ታቦት ካህናት ኣልዓልዎ፤ ነቲ ታቦት ኣቦናን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዅሉ ቅዱስ ኣቑሑን ኣደዪቦም ኣምፅእዎ፤ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣደዪቦም ኣምፅእዎም። ንጉስ ሰሎሞንን እቲ ምስኡ እተኣከበ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ደው ኢሎም፥ ካብ ብዝሖም ክቝፀር ወይ ክምዝገብ ዘይከኣል ኣባጊዕን ኣሓን ይስውኡ ነበሩ። ሽዑ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኪዳን ኣቦና ናብ ስፍራኡ፥ ናብቲ ውሽጣዊ መቕደስ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ስፍራ እቲ ታቦት ዘርጊሖም፥ ነቲ ታቦትን መፃውሩን ካብ ላዕሊ ኸደንዎ። እቲ መፃውር ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝነበረ፥ ጫፉ ካብቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ቅድሚ እቲ ውሽጣዊ ክፍሊ ይረአ ነበረ፤ ካብ ወፃኢ ግና ኣይረአን ነበረ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ። ኣብቲ ታቦት ድማ፥ እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣቦና ምሳታቶም ኪዳን ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ኮሬብ፥ ሙሴ ዘንበሮ ኽልተ ፅላት እምኒ ጥራሕ ነበረ። እቶም ካህናት ካብቲ ቅዱስ ስፍራ ምስ ወፁ ድማ፥ እቲ ደበና ነቲ ቤት ኣቦና መልኦ፤ ስለዙይ እቶም ካህናት ብሰንኪ እቲ ደበና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን፤ ክብሪ ኣቦና ነቲ ቤቱ መሊእዎ ነበረ እሞ።

ሽዑ ሰሎሞን ከምዙይ በለ፦ “ኣቦና ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት ከም ዝነብር ተዛሪቡ እዩ። ብሓቂ ልዑል ቤት ሰሪሐልካ ኣለኹ፥ ንዘለኣለም እትነብረላ ስፍራ።”

እቲ ንጉስ ተመሊሱ፥ ብዘሎ ማሕበር እስራኤል ደው ኢሉ እንተሎ፥ ነቲ ብዘሎ ማሕበር እስራኤል ባረኾ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “እቲ ባዕሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛሪቡ፥ ብኢዱ ድማ ዝፈፀሞ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ይመስገን፤ ከምዙይ ኢሉ፦ ‘ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብፂ ካብ ዘውፃእኩሉ ጊዜ ጀሚረ፥ ስመይ ኣብኣ ዝነብረሉ ቤት ክስራሕ፥ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝኾነት ከተማ ኣይሓረኹን፤ ንዳዊት ግና ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ሓረኽዎ።’

ንስም ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ቤት ክሰርሕ ኣብ ልቢ ኣቦይ ዳዊት ነበረ።

ኣቦና ግና ነቦይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ‘ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ልብኻ ስለ ዝሓዝካዮ ፅቡቕ ገበርካ። ንስኻ ባዕልኻ ግና ነቲ ቤት ኣይክትሰርሖን ኢኻ፤ እቲ ካብ ከብድኻ ዝወፅእ ወድኻ ደኣ፥ ንስመይ ነቲ ቤት ክሰርሖ እዩ።’

ኣቦና ድማ ነቲ ዝተዛረቦ ቃል ፈፀሞ፤ ኣነ ኸዓ ከምቲ ዝተዛረቦ፥ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ፥ ኣብ ዙፋን እስራኤል ተቐሚጠ፤ ንስም ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቲ ቤት ሰሪሐ ኣለኹ። ኣብኡ ድማ እቲ ኪዳን ኣቦና ዝሓዘ ታቦት ዝኣትዎ ስፍራ ገበርኩ፤ እዙይ ነቲ ንኣቦታትና ካብ ግብፂ ኣብ ዘውፅኣሎም ጊዜ ምሳታቶም ዝኣተዎ ኪዳን እዩ።”

ፀሎት ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ኣቦ

ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤል ደው ኢሉ፥ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኦ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ የለን፤ ነቶም ብምሉእ ልቦም ኣብ ቅድሜኻ ዝመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትካን እትሕሉ። ነቲ ንባርያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዝኣተኻሉ ቃልካ ሓሊኻ ኢኻ፤ በኣፍካ ዝተዛረብካዮ ድማ፥ ሎሚ ብኢድካ ፈፂምካ ኢኻ።

ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ነቲ ንባርያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዝኣተኻሉ ቃል ሓሉ፤ ከምዙይ ኢልካ፦ ‘ደቅኻ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ዝተመላለስካ፥ ኣብ ቅድመይ ክመላለሱ ነቲ መንገዶም እንተ ሓለዉ ጥራሕ፥ ኣብ ዙፋን እስራኤል ኣብ ቅድመይ ዝቕመጥ ሰብ ኣይክትስእንን ኢኻ።’ ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ እቲ ንባርያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዝተዛረብካዮ ቃል ኣፅንዓዮ።

ኣቦና ግና ብሓቂ ኣብ ምድሪ ክነብር ድዩ? እንሆ፥ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይከኣሉን፤ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ኽንደይ ኣይከኣለትን! ግናኸ ኦ ኣቦይ፥ ነቲ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዘስምዖ ኣውያትን ፀሎትን ክትሰምዕ፥ ናብ ፀሎትን ምህለላን ባርያኻ ግልፅ በል።

ኣዒንትኻ ናብዛ ቤት እዚኣ ለይትን መዓልትን ክፉታት ይኹና፤ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ስፍራ፥ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ዘቕርቦ ፀሎት ክትሰምዕ። ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኣቢሎም ክፅልዩ እንተለዉ፥ ምህለላኦም ስማዕ፤ ካብ ሰማይ፥ ካብ መንበሪኻ፥ ስማዕ፤ ምስ ሰማዕኻ ድማ ይቕረ በል።

ሓደ ሰብ ኣብ ብፃዩ እንተ በደለ፥ ክምሕል ከዓ እንተ ተገደደ፥ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢኻ ክምሕል እንተ መፀ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ስማዕ፥ ግበር ከዓ። ንባሮትካ ፍረዶም፦ ነቲ በዳሊ ፍረዶ፥ ተግባሩ ኸዓ ኣብ ርእሱ ኣምፅኣዮ፤ ነቲ ፃድቕ ድማ ነፃ ኣውፅኣዮ፥ ከም ፅድቁ ኸዓ ክፈሎ።

ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ብፀላኢ ምስ ተሳዕሩ፥ ናባኻ ተመሊሶም ንስምካ እንተ ኣመኑ፥ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኸዓ እንተ ፀለዩልካን እንተ ተማህለሉልካን፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ስማዕ፥ ንሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሎም፤ ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ መሊስካ ኣእትዎም።

ስለ ዝበደሉኻ ሰማይ ተዓፅዩ ዝናም እንተ ዘይዘነመ፥ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኣቢሎም እንተ ፀለዩ፥ ንስምካ እንተ ኣመኑ፥ ስለ ዘጨነቕካዮም ከዓ ኻብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ስማዕ፥ ነቲ ክኸድዎ ዝግበኦም ፅቡቕ መንገዲ ምስ መሃርካዮም፥ ንሓጢኣት ባሮትካ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሎም፤ ናብታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ስደድ።

ኣብታ ምድሪ ጥሜት ኮነ ፌራ፥ ሕሞድያ ኮነ ለምፂ፥ ኣንበጣ ኮነ ጎደባ እንተ መፀ፤ ፀላኢ ኣብ ደጌታቶም እንተ ኸበቦም፤ ዝኾነ ይኹን መቕሰፍቲ ወይ ሕማም እንተ መፀ፥ ካብ ብዘሎ ህዝብኻ እስራኤል ዝኾነ ሰብ፥ ነፍሲ ወከፍ ፃዕሪ ልቡ እናፈለጠ፥ ኣእዳዉ ናብዛ ቤት እዚኣ ዘርጊሑ፥ ዝኾነ ይኹን ፀሎት ወይ ምህለላ እንተ ገበረ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ፥ ካብ መንበሪኻ፥ ስማዕ፤ ይቕረ ኸዓ በል፥ ግበር ድማ፤ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ከም ኵሉ መንገዱ ሃቦ፤ ልቡ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፤ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ልቢ ዅሉ ሰብ እትፈልጥ፤ ኣብታ ንኣቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዝነብሩ፥ ምእንቲ ኽፈርሑኻ እዩ።

ከምኡውን እቲ ኻብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነስ፥ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝመፀ ጓና፥ ብዛዕባ ዓብዪ ስምካን ሓያል ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልፅምካን ክሰምዑ እዮም እሞ፥ ንሱ መፂኡ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ፀለየ፥ ካብ ሰማይ፥ ካብቲ እትነብረሉ ስፍራ ስማዕ፤ እቲ ጓና ዝልምነካ ዅሉ ድማ ግበር። ከምቲ ህዝብኻ እስራኤል ዝፈርሁኻ፥ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ስምካ ኽፈልጡን ክፈርሁኻን፥ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት እዚኣ ኸዓ ብስምካ ኸም እትፅዋዕ ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።

ህዝብኻ ናብ ፀላኢኦም ክዋግኡ በየናይ መንገዲ እኳ እንተ ለኣኽካዮም እሞ፥ ናብታ ዝሓረኻያ ኸተማን ነታ ምእንቲ ስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ ኣቦና እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ካብ ሰማይ ስማዕ፤ ፍርዶም ድማ ፍፀመሎም።

ኣባኻ እንተ ሓጥኡ፥ ዘይሓጥእ ሰብ የለን እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ተቖጢዕካ ናብ ፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም፥ እቲ ፀላኢ ድማ ናብ ርሑቕ ኮነ ናብ ቀረባ ምድሪ ፀላኢ ማሪኹ እንተ ወሰዶም፥

ኣብታ ተማሪኾም ዝተወሰዱላ ምድሪ ኣብ ልቦም እንተ ኣእተዉ፥ ኣብ ምድሪ እቶም ዝማረኽዎም ተመሊሶም “ሓጢእና፥ በዲልና፥ ዓሚፅና” ኢሎም እንተ ለመኑኻ፥ ኣብ ምድሪ እቶም ዝማረኽዎም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሮምን ናብታ ዝሓረኻያ ኸተማን ነታ ምእንቲ ስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናባኻ እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ፥ ካብቲ መንበሪ ስፍራኻ፥ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ስማዕ፤ ፍርዶም ድማ ፍፀመሎም። ነቲ ኣባኻ ዝሓጥአ ህዝብኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ዝበደልዎ በደሎምን ይቕረ በለሎም፤ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ከዓ ምሕረት ሃቦም፤ እቶም ዝማረኽዎም ድማ ይራህርሁሎም። ካብ ግብፂ፥ ካብ እቶን ሓፂን ዘውፃእኻዮም፥ ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ። ኣዒንትኻ ናብ ምህለላ ባርያኻን ናብ ምህለላ ህዝብኻ እስራኤልን ክፉታት ይኹና፤ ናባኻ ኣብ ዝፅውዑሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ስማዓዮም። ካብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ፈሊኻ ርስትኻ ገይርካዮም ኢኻ እሞ፥ ነቦታትና ኻብ ግብፂ ኸተውፅኦም እንተለኻ ብባርያኻ ሙሴ ኸም ዝበልካዮ፥ ኦ ጐይታ ኣቦ!”

ሰሎሞን ነቲ ማሕበር ባረኾ

ሰሎሞን እዝ ኵሉ ፀሎትን ምህለላን ናብ ኣቦና ምስ ወድአ፥ ካብቲ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርጊሑ ተንበርኪኹ ዝነበረ መሰውኢ ኣቦና ተሲኡ፥ ደው ኢሉ ድማ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል ብዓብዪ ድምፂ ኸምዙይ እናበለ ባረኾ፦

“ከምቲ ዝበሎ ንህዝቡ እስራኤል ዕረፍቲ ዝሃበ ኣቦና ይባረኽ። ካብቲ ብባርያኡ ሙሴ ዝበሎ ዅሉ ፅቡቕ ቃል፥ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን። ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፥ ኣቦና ምሳና ይኹን፤ ኣይሕደገና ኣይጥንጥነናውን፥ ብዅሉ መንገዱ ክንከይድ፥ ነቲ ንኣቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ክንሕሉ፥ ልብና ናብኡ የዘንብሎ። እዞም ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝተማህለልክዎም ቃላተይ እዚኣቶም፥ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓኡ ይፀንሑ፤ ከምቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘድልዮ፥ ፍርዲ ባርያኡን ፍርዲ ህዝቡ እስራኤልን ምእንቲ ኽፍፅም። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ፥ ኣቦና እግዚኣብሄር ምዃኑን ካልእ ከም ዘየለን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።

እምበኣር ከምዛ ሎሚ፥ ብሕግጋቱ ኽትከዱን ትእዛዛቱ ኽትሕልዉን፥ ልብኹም ምሉእ ብምሉእ ናብ ኣቦና ይወፈ።”

እታ ቤት ንኣቦ ተቐደሰት

ሽዑ እቲ ንጉስን ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣቦና መስዋእቲ ኣቕረቡ። ሰሎሞን ንኣቦና ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረበ። ከምኡ እቲ ንጉስን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንቤት ኣቦና ቀደስዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣቦና ዘሎ ማእኸል ኣደባባይ ቀደሶ፤ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዘሎ ነሃስ መሰውኢ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ክሕዝ ኣፃቢቡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብኡ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረበ።

ሽዑ ሰሎሞን ምስ ኵሎም እስራኤል፥ ካብ መእተዊ ሓማት ክሳዕ ሩባ ግብፂ ዝመፁ የመና ዓብዪ ማሕበር፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሸውዓተ መዓልትን ድሕሪኡ ኸዓ ሸውዓተ መዓልትን፥ ብድምር ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ በዓል ኣብዓለ። a a v65 መእተዊ ሓማት ኣብ ጫፍ ሰሜንን ሩባ ግብፂ ኣብ ጫፍ ደቡብን ኮይኖም፥ ንምሉእ ንውሓት እታ ምድሪ የመልክቱ ነበሩ፤ ስለዙይ ካብ ኵሉ ኩርናዕ እስራኤል ሰባት መፁ። ኣብታ ሸሞንተይቲ መዓልቲ ነቲ ህዝቢ ናብ ገዝኦም ሰደዶም። ኣቦና ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ብዝገበረሎም ኵሉ ፅቡቕ እናተሓጎሱን ልቦም እናተሓጎሰን፥ ነቲ ንጉስ ባሪኾም ናብ ድንኳኖም ከዱ።