ኣቦና ንፀሎት ሰሎሞን መለሰሉ
ኣቦና ንፀሎት ሰሎሞን ብተስፋን ብመጠንቀቕታን መለሰሉ፦ ስሙ ኣብኡ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፥ እስራኤል ግና ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ እንተ ተመሊሶም እታ ቤት ዑናን መፅረፍን ክትከውን እያ። እቲ ምዕራፍ ድማ ህንፃ ሰሎሞንን ዝተገደደ ዕዮን መራኽብ ወርቅን ይምዝግብ።
9 1ሰሎሞን ነቲ ቤት ኣቦናን ቤተ መንግስትን፥ ኵሉ ኽገብሮ ዝደለዮ ሰሪሑ ምስ ፈፀመ፥ 2ኣቦና ኸምቲ ኣብ ጊብዖን ዝተገለፀሉ፥ ካልኣይ ጊዜ ተገለፀሉ።
3ኣቦና ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘቕረብካዮ ፀሎትካን ምህለላኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ስመይ ኣብኡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽገብር፥ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት ቀዲሰያ ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይን ኵሉ ጊዜ ኣብኡ ክኾኑ እዮም። 4ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝገበሮ፥ ብፍፁም ልብን ብቕንዕናን ኣብ ቅድመይ እንተ ኼድካ፥ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ሕግጋተይን ስርዓታተይን እንተ ሓሊኻ፥ 5ከምቲ ንኣቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብኣይ ኣይክትስእንን ኢኻ’ ኢለ ዝመባፃዕክዎ፥ ዙፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከፅንዖ እየ።
6“ንስኻትኩም ወይ ደቅኹም ግና ካባይ እንተ ኣግለስኩም፥ እቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛትን ሕግጋትን እንተ ዘይሓሊኹም፥ ከይድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን፥ 7ንእስራኤል ካብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ክፍልዮም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት መቕደስ ድማ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤል ከዓ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ መመሰሊን መፅረፊን ክኸውን እዩ። 8እዛ ቤት እዚኣ ኸዓ ዑና ክትከውን እያ፤ ዝሓልፉ ሰባት ከዓ ተገሪሞም ከፋፅዩ እዮም እሞ ‘እግዚኣብሄር ስለ ምንታይ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ገበረን?’ ኢሎም ክብሉ እዮም። 9ንሳቶም ድማ ከምዙይ ክብሉ እዮም፦ ‘ነቲ ንኣቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሒዞም፥ ሰጊዶምሎምን ኣገልጊሎምሎምን ስለ ዝነበሩ፥ እግዚኣብሄር ነዝ ኵሉ መቕሰፍቲ እዙይ ኣብ ልዕሊኦም ኣምፅአ።’”
ከተማታትን ዕዮን መራኽብን ሰሎሞን
10ድሕሪ ዕስራ ዓመት ሰሎሞን ነተን ክልተ ኣባይቲ፥ ማለት ቤት ኣቦናን ቤተ መንግስትን፥ ሰሪሑ ነበረ። 11ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንሰሎሞን ኣእዋም ዝግባን ኣእዋም ፅሕድን ዝደለዮ ወርቅን ሃቦ፤ ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ንኪራም ኣብ ገሊላ ዘለዋ ዕስራ ኸተማታት ሃቦ። 12ኪራም ከዓ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ክርኢ ኻብ ጢሮስ መፀ፤ ግና ኣይጠዓማኦን። 13ከምዙይ ኢሉ ድማ “ኣታ ሓወይ፥ እዘን ዝሃብካኒ ኸተማታት እንታይ ዝበላ እየን?” በለ። ስለዙይ ምድሪ ካቡል ኢሉ ፀውዐን፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ስማ እዩ። a a v13 ካቡል ማለት በዕብራይስጢ “ከም ዘይብሉ” ወይ “ከንቱ” ዝብል ድምፂ ኣለዎ — ኪራም ኣብ ልዕሊ እተን ከተማታት ዝሃቦ ቅሉዕ ፍርዲ እዩ። 14ኪራም ድማ ንንጉስ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ሰዲዱ ነበረ።
15እዙይ ናይቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት ኣቦናን ቤቱን ሚሎን መንደቕ ኢየሩሳሌምን ሓፆርን መጊዶን ጌዘርን ክሰርሕ ዘገደዶም ሰባት መዝገብ እዩ፦ 16ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ደዪቡ፥ ንጌዘር ሒዙ፥ ብሓዊ ኣንዲዱ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ከነዓናውያን ቀቲሉ፥ ንጓሉ ሰበይቲ ሰሎሞን ከዓ ገፀ መርዓ ገይሩ ሃባ። 17ስለዙይ ሰሎሞን ንጌዘርን ንታሕተዋይ ቤትሖሮንን ሰርሐ፥ 18ንባዕላትን ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ታማርን፥ ኣብ ውሽጢ እታ ምድሪ፥ 19ኵለን ከተማታት መኽዘን ሰሎሞንን፥ ከተማታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን፥ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ዝገዝኦ ምድርን ክሰርሖ ዝደለዮ ዅሉን ሰርሐ። 20ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ዅሎም፥ 21ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ደቆም፥ ነቶም ደቂ እስራኤል ፈፂሞም ከጥፍእዎም ዘይከኣሉ፥ ሰሎሞን ንግዴታዊ ዕዮ ኣገደዶም፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ከምኡ እዮም። 22ሰሎሞን ግና ካብ ደቂ እስራኤል ሓደኳ ኣይገዝአን፤ ንሳቶም ተዋጋእቱን ኣገልገልቱን ሹማምቱን መራሕቱን ኣሕሉቑን ኣሕሉቕ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን እዮም ዝነበሩ። 23እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ስራሕ ዝነበሩ ዋና ሹማምቲ ሰሎሞን እዮም፤ ነቶም ዓየይቲ ዝቈጻፀሩ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።
24ጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤት ምስ ግዓዘት፥ ሽዑ ንሚሎ ሰርሖ።
25ሰሎሞን ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ፥ ኣብቲ ንኣቦና ዝሰርሖ መሰውኢ፥ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን የቕርብ ነበረ፤ ምስቲ መስዋእቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን የዕርግ ነበረ። ከምዙይ ገይሩ ድማ ነታ ቤት ፈፀማ።
26ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብ ኤፅዮንጋብር፥ ኣብ ጥቓ ኤሎት፥ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ፥ ኣብ ሃገር ኤዶም መራኽብ ሰርሐ። 27ኪራም ድማ ነቶም ባሕሪ ዝፈልጡ መርከበኛታት ኣገልገልቱ ምስ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ኣብተን መራኽብ ሰደደ። 28ናብ ኦፊር ከዓ ኸዱ፤ ካብኡ ድማ ኣስታት ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሲዶም፥ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምፅእዎ።