ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዝተነበዮ ትንቢት

እታ ንይሁዳ ዝማረኸት ንግስነት ባዕላ ተፈርዳ፦ ቤል ሓፈረ፥ መናድቕ ተፈረሱ፥ እታ ምድሪ ድማ ንኣራዊት በረኻ ተሓድገት። በቲ ኻልእ ወገን እስራኤልን ይሁዳን እናበኸዩ ይምለሱ፥ ናብ ፅዮንን ናብ ኣቦኦምን ዝወስድ መንገዲ እናሓተቱ፤ በደሎም ተደልዩ ኣይተረኽበን፥ መድሕኖም ድማ ብርቱዕ እዩ።

ምዕራፍ 50።

እቲ ኣቦና ብዛዕባ ባቢሎን፥ ምድሪ ባቢሎናውያን፥ ብነቢይ ኤርሚያስ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ቃል፦

ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣፍልጡ፥ ኣውጅዎ ድማ፤ ሰንደቕ ኣልዕሉ ኣውጅዎ ድማ፤ ሓደ እኳ ኣይትሕብኡ። ከምዙይ በሉ፦ ባቢሎን ተማርኸት፤ ቤል ሓፈረ፥ ማርዱክ ተሰብረ። ምስልታት ባቢሎን ሓፈሩ፥ ጣዖታት ድማ ተሰባበሩ። a a v2 ቤልን ማርዱክን ሓለቓ ኣማልኽቲ ባቢሎን ነበሩ። ካብ ሰሜን ሓደ ህዝቢ ናብኣ ይድይብ ኣሎ እሞ፥ ንሱ ነታ ምድሪ ባድማ ክገብራ እዩ፤ ኣብኣ ድማ ሓደ እኳ ኣይነብርን። ሰብን እንስሳን ድማ ሃዲሞም ጠፊኦም።

በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ በቲ ጊዜ እቱይ ድማ፥ ይብል ኣቦና፥ ደቂ እስራኤል፥ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን፥ ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ እዮም፤ ንኣቦኦም ድማ ክደልዩ እዮም። ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ክሓቱ እዮም፥ ገፆም ድማ ናብኣ ኣቢሎም፤ “ንዑ፥ ብናይ ዘለኣለም ኪዳን ምስ ኣቦና ንተኣሳሰር፥ ንሱ ድማ ፈፂሙ ኣይርሳዕን እዩ።” ህዝበይ ዝጠፍኡ ኣባጊዕ ኮይኖም ነበሩ፤ ጓሶቶም ኣስሓትዎም፤ ናብ ኣኽራን ድማ ፈነውዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታ ኰለል በሉ፤ ዝዓርፉሉ ቦታ ድማ ረስዑ። ዝረኸብዎም ዅሎም በልዕዎም፥ ፀላእቶም ድማ ከምዙይ በሉ፦ “ንሕና በደለኛታት ኣይኮናን፤ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ ሓቂ መጓሰዪኦም፥ ስለ ዝሓጥኡ፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ተስፋ ኣቦታቶም፥ ስለ ዝሓጥኡ።” ካብ ማእኸል ባቢሎን ህደሙ፤ ካብ ምድሪ ባቢሎናውያን ውፁ፤ ከምቶም ነቲ መጓሰ ዝመርሑ ተባዕትዮ ኣጣል ኩኑ። እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዘበራብሮን ዘምፅኦን፥ ካብ ምድሪ ሰሜን ዝመፅእ ጉባኤ ዓበይቲ ኣህዛብ እዩ፤ ኣብ ልዕሊኣ ክስለፉ እዮም፥ ካብኡ ድማ ክትማረኽ እያ። ፍላፃኦም ከም ናይ በሊሕ ተዋጋኢ እዩ፥ ጥራሕ ኢዱ ዘይምለስ። ባቢሎን ክትዝመት እያ፤ ዝዘምትዋ ዅሎም ክፅገቡ እዮም፥ ይብል ኣቦና።

ኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፥ ስለ እትሕጐሱ፥ ስለ እትፍስሁ፥ ከም እኽሊ እትረግፅ ጊደር ስለ እትዘልሉ፥ ከም ኣፍራስ ድማ ስለ እትሕርኑ፥ ኣዴኹም የመና ክትሓፍር እያ፤ እታ ዝወለደትኩም ድማ ክትዋረድ እያ። እንሆ፥ ካብ ኣህዛብ ዳሕረወይቲ ክትከውን እያ፤ በረኻን ንቑፅ ምድርን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። ብሰንኪ ቝጥዓ ኣቦና ሰብ ኣይነብረላን፤ ፈፂማ ክትባድም እያ። ብባቢሎን ዝሓልፍ ዅሉ ክግረም፥ ብዅሉ ቝስሊ ድማ ፃፂ ክብል እዩ። ኣቱም ኵሉኹም ቀስተኛታት፥ ብዙርያኣ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ተሰለፉ፤ ናብኣ ውርውሩ፤ ፍላፃ ኣይትቆጥቡ፤ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ሓጢኣት ገይራ እያሞ። ብዅሉ ወገን ኣብ ልዕሊኣ ዓው በሉ፤ ኢዳ ሂባ እያ። ግምብታታ ወዲቖም፤ መናድቓ ፈሪሶም። እዙይ ፍርዲ ኣቦና እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ፍርዲ ፈፅሙ፤ ከምቲ ዝገበረቶ ግበሩላ። ካብ ባቢሎን ነቲ ዘራእን ነቲ ዓፃድን ቍረፁ። ካብ ቅድሚ ሰይፊ እቲ ጨቛኒ ነፍሲ ወከፍ ናብ ህዝቡ ክምለስ እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ምድሩ ክሃድም እዩ።

እስራኤል ፋሕ ዝበለ መጓሰ ኣባጊዕ እዩ፤ ኣናብስ ሰጒጎምዎ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዖ፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ መወዳእታ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምቱ ሓኸኾ።

ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦና ናይ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐፃዕክዎ፥ ንንጉስ ባቢሎን፥ ንምድሩ ድማ ክቐፅዕ እየ። ንእስራኤል ናብ መጓሰዪኡ ክመልሶ እየ፥ ኣብ ቀርሜሎስን ባሳንን ድማ ክጓሰ እዩ፤ ኣብ እምባታት ኤፍሬምን ገለዓድን ነፍሱ ክትፀግብ እያ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ በቲ ጊዜ እቱይ ድማ፥ ይብል ኣቦና፥ በደል እስራኤል ክድለ እዩ፥ ግናኸ የለን፤ ሓጢኣት ይሁዳ ክድለ እዩ፥ ሓደ እኳ ኣይርከብን፤ ነቶም ብህይወት ዘትርፎም ተረፍ ይቕረ ክብለሎም እየ እሞ።

ናብ ምድሪ ምራታይም ደይብ፥ ናብቶም ኣብ ጶቆድ ዝነብሩ ድማ። ቅተሎም፥ ፈፂምካውን ኣጥፍኣዮም፥ ይብል ኣቦና፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ግበር። ድምፂ ውግእ ኣብ ምድሪ ኣሎ፥ ዓብዪ ጥፍኣት ድማ ኣሎ። መዶሻ ብዘላ ምድሪ ከመይ ኢሉ ተቘሪፁን ተሰይሩን! ባቢሎን ከመይ ኢላ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ መገረሚ ኮይና! ኦ ባቢሎን፥ መፈንጠር ኣፃወድኩልኪ፥ ንስኺ ከይፈለጥኪ ድማ ተታሓዝኪ፤ ምስ ኣቦና ስለ እተፃረርኪ፥ ተረኺብኪ ተታሓዝኪ።

ኣቦና መኽዘን ኣፅዋሩ ከፊቱ ኣፅዋር ቍጥዓኡ ኣውፅአ፥ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ኣብ ምድሪ ባቢሎናውያን ዝሰርሖ ዕዮ ኣለዎ እሞ። ናብኣ ምፁ ካብ ኵሉ ወገን፤ ኣብያተ እኽላ ክፈቱ፤ ከም ኵምራ እኽሊ ኵምርዋ። ፈፂምኩም ኣጥፍእዋ፤ ሓደ እኳ ኣይትረፋ። ኵሎም መንእሰያት ኣብዑር ቅተሉ፤ ናብ ማሕረዲ ይረዱ። ወይለኦም፥ መዓልቶም መፂኣ እያ እሞ፥ ጊዜ መቕሰፍቶም እዩ። ስምዑ! እቶም ህዱማትን ዘምለጡን፥ ካብ ምድሪ ባቢሎን፥ ፍርዲ ኣቦና፥ ፍርዲ ቤተ መቕደሱ ኽነግሩ፥ ናብ ፅዮን ይመፁ ኣለዉ። ኣብ ባቢሎን ቀስተኛታት ፀውዑ፥ ኵሎም እቶም ቐስቲ ዝገትሩ። ኣብ ዙርያኣ ብኵሉ ወገን ሰፈሩ፤ ሓደ እኳ ኣይምለጥ። ከም ግብራ ፍደይዋ፤ ከምቲ ዝገበረቶ ኵሉ ግበሩላ። ኣብ ልዕሊ ኣቦና፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እስራኤል ተዐቢያ እያ እሞ።

ስለዙይ መንእሰያት ኣብ ኣደባባያት ክወድቁ እዮም፥ ኵሎም ተዋጋእቲ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ስቕ ክብሉ እዮም፥ ይብል ኣቦና። እንሆ፥ ኦ ዕቡይ፥ ኣነ ኣንፃርካ እየ፥ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ መዓልትኻ መፂኣ እያ እሞ፥ እታ ዝቐፅዓካ ጊዜ እያ። እቲ ዕቡይ ተዓንቂፉ ክወድቕ እዩ፥ ዜተንስኦ ድማ የለን። ኣብ ከተማታቱ ሓዊ ከንድድ እየ፥ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ዅሉ ድማ ክበልዕ እዩ። ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ደቂ እስራኤል ተጨቊኖም ኣለዉ፥ ደቂ ይሁዳ ድማ ምሳቶም። እቶም ዝማረኽዎም ኵሎም ኣጥቢቖም ሒዞምዎም፤ ክሰድዎም ድማ ኣበዩ።

መድሓኒኦም ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እዩ። ንሱ ብርግፅ ጉዳዮም ክማጐተሎም እዩ፤ ንምድሪ ዕረፍቲ ኽህባ፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ራዕዲ ኽህብ እዩ።

ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ባቢሎናውያን፥ ይብል ኣቦና፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ጠቢባንን! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሓሰውቲ ነቢያት፥ ዓሻታት ድማ ክኾኑ እዮም! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ፥ ክስበሩ ድማ እዮም! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስን ሰረገላታትን፥ ኣብ ልዕሊ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸላ ዘለዉ ጓኖት ሰራዊት፥ ከም ኣንስቲ ድማ ክኾኑ እዮም! ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ፥ ክዝመቱ ድማ እዮም! ድርቂ ኣብ ልዕሊ ማያት፥ ክነፅፉ ድማ እዮም! ምድሪ ጣዖታት እያሞ፥ በቶም ዘፍርሕ ምስልታቶም ይዕብዱ። ስለዙይ ኣራዊት ምድረ በዳን ዝብዕታትን ኣብኣ ክነብሩ እዮም፤ ሰገናትውን ኣብኣ ክነብራ እየን። ድሕሪ ደጊም ሰብ ኣይነብረላን፤ ብዅሉ ወለዶ ኸዓ ዝነብረላ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ከምቲ ኣቦና ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተን ከተማታትን ዝገልበጦ፥ ይብል ኣቦና፥ ከምኡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብ ኣብኣ ኣይሓድርን። እንሆ፥ ህዝቢ ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ይለዓሉ ኣለዉ። ቀስትን ኵናትን ይሕዙ፤ ጨካናት እዮም፥ ኣይምሕሩን ድማ። ድምፆም ከም ባሕሪ ይጓዝም፤ ኣብ ኣፍራስ ተወጢሖም፥ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ከም ሰብኣይ ንውግእ ኣብ ልዕሌኺ ተሰሊፎም ኣለዉ። ንጉስ ባቢሎን ወረኦም ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ድማ ላሕለሐ። ቅልውላው ሓዞ፥ ከም ሕርሲ ሰበይቲ ዝኾነ ቃንዛ ድማ። እንሆ፥ ከም ኣንበሳ ካብ ዱር ዮርዳኖስ ናብ ፅኑዕ መጓሰዪ ዝድይብ፥ ብቕፅበት ዓይኒ ንባቢሎን ካብታ ምድሪ ከሳጕጋ እየ፥ ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ከማይ መን ኣሎ? ንኣይ ዝፅውዕ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ደው ክብል ዝኽእል ጓሳ መን እዩ?

ስለዙይ እቲ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዝመኸሮ ምኽሪ ስምዑ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ባቢሎናውያን ዝሓንፀፆ ሓሳባትውን ስምዑ፦ ብርግፅ ናእሽቱ መጓሰኦም ክጓተቱ እዮም፤ ብርግፅ መጓሰዪኦም ብመወዳእታኦም ክግረም እዩ። ባቢሎን ብእትምረኸሉ ድምፂ ምድሪ ክትንቀጥቀጥ እያ፥ ኣውያት ድማ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክስማዕ እዩ።