ኣቦ ኣብ ልዕሊ ኣሞን ፍርዲ የምፅእ
ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣሞን፥ ኤዶም፥ ደማስቆ፥ ቄዳርን ሓፆርን፥ ዔላም ዝተነግረ ሓፀርቲ ቃላት። ነፍሲ ወከፍ ብገለ ተኣሚኑ ነበረ፦ ብመዝገብ፥ ብጥበብ፥ ኣብ በሪኽ ከውሒ ብዘሎ ሰፈር፥ ብግፉሕ ዘይተዓርደ ምድሪ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ብኣቦና ይወድቕ። ደቂ ኣሞንን ዔላምን ድሕሪኡ ምርኮኦም ከም ዝምለሰሎም ተተስፈዉ፤ ኤዶምን ሓፆርን ግና ንሓዋሩ ባድማ ተረፉ።
49 1ብዛዕባ ደቂ ኣሞን፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል ኣወዳት የብሉን ድዩ? ወራሲ የብሉን ድዩ? ሚልኮም ስለ ምንታይ ደኣ ንጋድ ወሪስዋ? ህዝቡ ኸዓ ስለ ምንታይ ኣብ ከተማታታ ሰፊሩ? 2ስለዙይ፥ እንሆ፥ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና፥ ኣብ ልዕሊ ራባ ናይ ደቂ ኣሞን ጭድርታ ውግእ ከስምዕ እየ፤ ንሳ ኸዓ ባድማ ዅምራ ክትከውን እያ፤ ዓድታታ ድማ ብሓዊ ክነዳ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ዝወረስዎ ክወርሶም እዩ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና። 3ኣቲ ሔስቦን፥ ጋይ ጠፊኣ እያ እሞ፥ ኣእዊ! ኣትን ኣዋልድ ራባ፥ ኣእውያ! ክዳን ሓዘን ተኸዲንክን ኣልቅሳ፤ ሚልኮም ምስ ካህናቱን ሹማምቱን ናብ ምርኮ ክኸይድ እዩ እሞ፥ ኣብ ማእኸል መካበብያ ንየው ነጀው ጕየያ። 4ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ብስንጭሮታትኪ፥ ብፍርያም ስንጭሮኺ ስለ ምንታይ ትምክሒ? ንስኺ “መን እዩ ናባይ ዝመፅእ?” እናበልኪ ብመዛግብትኺ ኢኺ እትኣምኒ። 5እንሆ፥ ኣባኺ ፍርሓት ከምፅእ እየ፥ ይብል ኣሎ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉ። ነፍሲ ወከፍ ናብ ቅድሚኡ ጓይዩ ክስጎ እዩ፤ ነቶም ዝሃደሙ ዘኣኻኽብ ከዓ ኣይህሉን እዩ። 6ይኹን እምበር፥ ድሕሪ እዙይ ንምርኮ ደቂ ኣሞን ክመልሶ እየ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና።
ኣቦ ንትዕቢት ኤዶም የዋርዶ
7ብዛዕባ ኤዶም፦ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ቴማን ደጊም ጥበብ የለን ድዩ? ካብቶም ለባማት ምኽሪ ጠፊኡ ድዩ? ጥበቦም በስቢሱ ድዩ? 8ህደሙ፥ ተመለሱ፥ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ፥ በታ ዝቐፅዓሉ ጊዜ ኣብ ልዕሊ ኤሳው መዓት ከምፅእ እየ እሞ። 9ቀራፅቲ ወይኒ ናባኻ እንተ መፁ፥ ቍሩብ ቐሪም ዘይገድፉ ድዮም? ሰረቕቲ ብለይቲ እንተ መፁ፥ እቲ ዝደለይዎ ጥራሕ ዘይሰርቁ ድዮም? 10ኣነ ግና ንኤሳው ቐንጢጠዮ እየ፤ መሕብኢታቱ ኸዓ ቐሊዐዮ፥ ክሕባእ ድማ ኣይኽእልን። ዘርኡ ጠፊኡ፥ ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ጠፊኦም፥ ንሱ ኸዓ የለን። 11ነቶም ደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ። መበለታትካ ድማ ብኣይ ይተኣመና።
12ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቶም እታ ፃውዒ ክሰትዩ ፍርዲ ዘይተዋህቦም እኳ ብርግፅ ይሰትይዋ እዮም፤ ንስኻ ኸ ብነፃ ክትተርፍ ኢኻ ድዩ? ኣይፋሉን፥ ክትሰቲ ኢኻ እምበር። 13ብነፍሰይ ምሒለ እየ እሞ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና፦ ባሶራ መስደመምን ነውርን ዑናን መረገምን ክትከውን እያ፤ ኵለን ከተማታታ ድማ ንዘለኣለም ዑና ክኾና እየን። 14ካብ ኣቦና ወረ ሰሚዐ ኣለኹ፦ ናብ ማእኸል ኣህዛብ ልኡኽ ተልኢኹ፦ “ተኣከቡ እሞ ኣጥቅዑላ! ንውግእ ድማ ተንስኡ!” 15እንሆ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ንእሽቶ፥ ኣብ ማእኸል ሰብ ድማ ንዑቕ ክገብረካ እየ። 16እቲ እተፍርሆ ፍርሓትን ትዕቢት ልብኻን ኣስሒቱካ እዩ፥ ኣታ ኣብ ነቓዕ ከውሒ እትነብር፥ ኣብ ላዕለዋይ ኵርባ ዝሓዝካ። ከም ንስሪ ጐጆኻ ልዕል ኣቢልካ እኳ እንተ ሰራሕካ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና። 17ኤዶም መስደመም ክትከውን እያ፤ ኵሎም እቶም ብኣ ዝሓልፉ ኽግረሙ፥ ብዅሉ ቍስላ ድማ ከፅርፉ እዮም። 18ከምቲ ሶዶምን ጎሞራን ምስ ጐረባብተን ከተማታት ዝተገምጠላ፥ ይብል ኣሎ ኣቦና፥ ከምኡ ሓደ ሰብ ኣብኣ ኣይነብርን፥ ዋላ ሓደ ወዲ ሰብ ኣብኣ ኣይቅመጥን እዩ። 19ከም ኣንበሳ ካብ ዱር ዮርዳኖስ ናብ ልሙዕ መሰማርያ ዝድይብ፥ ንኤዶም ብድንገት ካብ ምድሩ ክሰጎ እየ። እቲ ኣነ ኣብ ልዕሊኣ ዝሸሞ ሕሩይ መን እዩ? ከማይ መን ኣሎ፥ መን ከ ክፅውዓኒ ይኽእል? ኣብ ቅድመይ ደው ክብል ዝኽእል ኣየናይ ጓሳ እዩ? 20ስለዙይ ነቲ ኣቦና ኣብ ኤዶም ዝመኸሮ ምኽሪ፥ ነቲ ኣብ ነበርቲ ቴማን ዝሓሰበ ሓሳባትውን ስምዑ፦ ናእሽቱ እተን መጓሰ እኳ ክስሓቡ እዮም፤ ብሓቂ መሰማርያኦም በቲ ዝበፅሖም ክስደምም እዩ። 21ብድምፂ ውድቀቶም ምድሪ ክትንቀጥቀጥ እያ፤ ድምፂ ኣውያቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክስማዕ እዩ። 22እንሆ! ንስሪ ክድይብን ክዝምብን እዩ፥ ኣኽናፉ ኣብ ልዕሊ ባሶራ ክዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶም ከም ልቢ እትሓርስ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
ኣቦ ኣብ ደማስቆ ፍርዲ የምፅእ
23ብዛዕባ ደማስቆ። ሓማትን ኣርጳድን ክፉእ ወረ ሰሚዖም እዮም እሞ ሓፊሮም ኣለዉ፤ ፈሪሖም ይመክኩ፥ ከም ዘይህድእ ባሕሪ ተጨኒቖም ኣለዉ። 24ደማስቆ ደኺማ እያ፤ ናብ ህድማ ገጻ መሊሳ እያ፥ ራዕዲ ድማ ሒዝዋ፤ ከም ቃንዛ እትሓርስ ሰበይቲ ጓህን ቃንዛን ሒዝዋ። 25እታ ምስጋና ዘለዋ ከተማ፥ እታ ኣነ ባህ ዝብለኒ ዓዲ፥ ስለ ምንታይ ኣይተሓድገትን? 26ብሓቂ መንእሰያታ ኣብ ኣደባባያታ ክወድቁ እዮም፤ ኵሎም ተዋጋእታ በታ መዓልቲ እቲኣ ስቕ ክብሉ እዮም፥ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ። 27ኣብ መንደቕ ደማስቆ ሓዊ ከእጉድ እየ፤ ንዕርድታት ወልደ ኣዴር ድማ ክበልዕ እዩ።
ኣቦ ንቄዳርን ንሓፆርን ይፈርድ
28ብዛዕባ ቄዳር፥ ነቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝወቕዖ መንግስታት ሓፆርን። ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ተንስኡ፥ ናብ ቄዳር ሕለፉ! ነቶም ሰብ ምብራቕ ኣጥፍኡ! 29ድንኳናቶምን መጓሰኦምን ክውሰዱ እዮም፤ መጋረጃ ድንኳናቶምን ኵሉ ኣቑሑቶምን እውን ክውሰድ እዩ። ኣግማሎም ክውሰዱ እዮም፥ ሰባት ድማ “ብዅሉ ወገን ራዕዲ!” ኢሎም ክጭድሩሎም እዮም። 30ቀልጢፍኩም ህደሙ! ኣቱም ነበርቲ ሓፆር፥ ኣብ መዓሙቝ ተሓብኡ፥ ይብል ኣቦና፤ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣባኻትኩም ምኽሪ መኺሩ፥ ኣባኻትኩም ሓሳብ ሓሲቡ እዩ እሞ። 31ተንስኡ፥ ናብቲ ህዱእ ህዝቢ ሕለፉ፥ ናብቲ ተኣማሚኑ ዝነብር ህዝቢ፥ ይብል ኣቦና፤ ደገ ዀነ መሳዅቲ ዘይብሉ ህዝቢ፥ በይኑ ዝነብር ህዝቢ። 32ኣግማሎም ዘመተ ክኾኑ እዮም፥ ብዙሕ ማሎም ድማ ምርኮ ክኸውን እዩ። ነቶም ኵርናዕ ፀጕሮም ዝቕንፅቡ ናብ ኵሉ ንፋስ ክብትኖም እየ፥ ካብ ኵሉ ወገንውን መዓት ከምፅኣሎም እየ፥ ይብል ኣቦና። a a v32 ኵርናዕ ፀጕሪ ምቕናፅ፥ ናይ ገሊኦም ኣብ በረኻ ዝነብሩ ዓረባውያን ነገዳት ፍሉይ ልማድ ነበረ። 33ሓፆር መዕቘቢ ወኻሩ ክትከውን እያ፥ ንዘለኣለም ድማ በረኻ ክትከውን እያ። ኣብኣ ዝነብር ሰብ የለን፥ ወዲ ሰብ ድማ ኣይክቕመጣን እዩ።
ኣቦ ንዔላም ይብትንን ይመልስን
34ቃል ኣቦና ብዛዕባ ዔላም፥ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኽነግስ ኣብ ዝጀመረሉ ጊዜ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ መፀ፦
35ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ቀስቲ ዔላም፥ ምንጪ ሓይሎም፥ ክሰብሮ እየ። 36ካብ ኣርባዕተ ማእዝናት ሰማይ ኣርባዕተ ንፋሳት ኣብ ልዕሊ ዔላም ከምፅእ እየ፤ ናብ ኵሎም እዞም ንፋሳት ድማ ክብትኖም እየ፥ ናይ ዔላም ስደተኛታት ዘይከዱዎ ህዝቢ ከዓ ኣይህሉን እዩ። 37ንዔላም ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ ክሰብሮ እየ። ኣብ ልዕሊኦም ጥፍኣት፥ እቲ ብርቱዕ ቍጥዓይ ከምፅእ እየ፥ ይብል ኣቦና፤ ክሳዕ ዘጥፍኦም ድማ ብሰይፊ ክሰጎም እየ። 38ዝፋነይ ኣብ ዔላም ከንብር እየ፤ ንንጉሳን ንሹመኛታታን ከዓ ከጥፍእ እየ፥ ይብል ኣቦና። 39ኣብ ዝመፅእ መዓልቲታት ግና ንምርኮ ዔላም ክመልሶ እየ፥ ይብል ኣቦና።