ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ሻምብቆ ዝተሓብአ ህፃን

ሓንቲ ሌዋዊት ኣደ ንወዳ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ፥ ሽዑ ብቕጥራን ኣብ ዝተለኸየ መሶብ ኣብ መንጎ ሻምብቆ ሩባ ኣንበረቶ፥ ጓል ፈርዖን ድማ ነታ ኣዲኡ ኸተጥቡ ገንዘብ ከፈለታ። ሙሴ ዓብዩ ድማ ንሓደ ግብፃዊ ቐተለ፥ ናብ ምድያም ከዓ ሃደመ። እስራኤል ኣእወየ፥ ኣቦና ድማ ሰሚዑ ኪዳኑ ዘከረ።

ምዕራፍ 2።

ሓደ ሰብኣይ ካብ ቤት ሌዊ ድማ ኸይዱ ንጓል ሌዊ ኣእተወ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ፀኒሳ ወዲ ወለደት፤ ፅቡቕ ምዃኑ ምስ ረአየት ድማ ሰለስተ ወርሒ ሓብአቶ። ደጊም ክትሓብኦ ስለ ዘይከኣለት፥ ናይ በርዲ መሶብ ወሲዳ፥ ብቕጥራን ለኸየቶ፤ ነቲ ህፃን ኣብኡ ኣእተወቶ፤ ኣብ ገምገም ሩባ፥ ኣብ መንጎ እቲ ሻምብቆ ድማ ኣንበረቶ። እታ ሓፍቱ ኸዓ፥ እንታይ ከም ዝኾኖ ኽትፈልጥ፥ ኣብ ርሑቕ ኮይና ትጥምት ነበረት። ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ሩባ ክትሕፀብ ወረደት፤ ኣግልጋልታ ኸዓ ኣብ ወሰን ሩባ ይመላለሳ ነበራ። ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ሻምብቆ ዝነበረ መሶብ ድማ ረአየት፤ ነታ ኣገልጋሊት ልኢኻ ኸዓ ኣምፅአቶ። ከፊታ ድማ ነቲ ህፃን ረአየቶ፤ ሓደ ዝበኪ ወዲ ህፃን ነበረ። ራህርሀትሉ ኸዓ፥ “እዝ ካብ ደቂ ዕብራውያን ሓደ እዩ” በለት።

ሓፍቱ ድማ ንጓል ፈርዖን “ነዝ ህፃን ከተጥቡልኪ፥ ካብ ዕብራውያን ኣንስቲ ሓንቲ ክፅውዓልኪዶ?” በለታ።

ጓል ፈርዖን ድማ “እወ፥ ኪዲ” ኢላ መለሰት። እታ ጓል ከዓ ኸይዳ ኣደ እቲ ህፃን ፀወዐት።

ጓል ፈርዖን ድማ ከምዙይ በለታ፦ “ነዝ ቘልዓ እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ድማ ዓስብኺ ክኸፍለኪ እየ።” እታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።

እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ንሳ ኸዓ ወዳ ገበረቶ። “ካብ ማይ ስለ ዝሰሓብክዎ” ኢላ ድማ “ሙሴ” ኢላ ሰመየቶ። a a v10 እቲ ስም ሙሴ ነቲ “ናብ ወፃኢ ምስሓብ” ዝብል ቃል ይመስል፤ በታ ኻብ ማይ ዝተልዓለላ ህሞት ኢሉ ዝተሰመየ እዩ።

ሙሴ ኣብ መንጎ ህዝቡ

በቲ መዓልቲታት እቲ ድማ ሙሴ ዓበየ፤ ናብ ህዝቡ ወፀ፤ ፆሮም ድማ ረአየ፤ ሓደ ግብፃዊ ንሓደ ዕብራዊ፥ ካብ ኣዝማዱ ዝኾነ ሓደ፥ ክወቕዖ ከሎ ረአየ። ናብዙይን ናብቱይን ጠሚቱ ድማ፥ ዝርእዮ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ፈለጠ፥ ነቲ ግብፃዊ ሰብኣይ ቐቲሉ ኣብ ሑፃ ሓብኦ።

ንፅባሒቱ ድማ ወፀ፤ ክልተ ዕብራውያን ክባኣሱ ኸለዉ ረአየ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ “ንብፃይካ ስለ ምንታይ ትወቕዕ ኣለኻ?” በሎ።

ንሱ ድማ “ኣብ ልዕሌና ሓለቓን ፈራድን ዝገበረካ መን እዩ? ከምቲ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ፥ ንኣይ ክትቀትለኒዶ ትሓስብ ኣለኻ?” በለ። ሙሴ ኸዓ ፈርሐ፤ “እዝ ነገር እዙይ ብርግፅ ተፈሊጡ ኣሎ” ኢሉ ድማ ሓሰበ።

ፈርዖን ድማ ሰሚዑ ንሙሴ ክቐትሎ ደለየ፤ ሙሴ ኸዓ ካብ ፈርዖን ሃዲሙ ኣብ ምድሪ ምድያም ተቐመጠ፤ ኣብ ጥቓ ዒላ ድማ ኮፍ በለ።

ናይ ምድያም ካህን ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበርኦ፤ ንሳተን ከዓ ማይ ክቐድሓ መፃ፤ መጓሰ ኣቦአን ከስትያ ኸዓ ጋብላታት መልኣ። እቶም ጓሶት ድማ መፂኦም ኣባረርወን፤ ሙሴ ግና ተሲኡ ኣድሓነን፤ መጓሰአን ድማ ኣስተየለን። ናብ ኣቦአን ራጉኤል ምስ ተመለሳ ድማ፥ “ሎሚ ስለ ምንታይ ቀልጢፍክን ተመሊስክን?” በለን።

ንሳተን ድማ “ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሓነና፤ ማይ እውን ቐዲሑ መጓሰ ኣስተየልና” በላ።

ንኣጓላቱ ድማ “ንሱ ኣበይ ኣሎ? ስለ ምንታይ ነቲ ሰብኣይ ሓዲግክናኦ? ክበልዕ ፀውዕኦ” በለን።

ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ክቕመጥ ፈተወ፤ ንሱ ኸዓ ጓሉ ሲፖራ ንሙሴ ሰበይቲ ኽትከውን ሃቦ። ንሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሙሴ ድማ “ኣብ ጓና ሃገር ስደተኛ ኮይነ ነይረ” ኢሉ ጌርሳም ኢሉ ሰመዮ። b b v22 እቲ ስም ጌርሳም ነቲ ብቛንቋ እብራይስጢ “ኣብኡ ስደተኛ” ዝብል ይመስል፤ ሙሴ ንወዱ ካብ ዓዱ ርሒቑ ዝነበረ ጓና ኾይኑ ብምንባሩ ኢሉ ሰመዮ።

ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ድማ ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ካብ ባርነት ዝተላዕለ ይግዕሩ ነበሩ፤ ጨደሩ ድማ፤ ኣውያቶም ከዓ ካብ ባርነት ናብ ኣቦና ዓረገ። ኣቦና ድማ ግዕረኦም ሰምዐ፤ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። ኣቦና ድማ ንደቂ እስራኤል ጠመቶም፤ ኣስተውዓለ ድማ።