ደቂ ያእቆብ ኣብ ግብፂ
ነዊሕ ዝፀንሐ ናብራ እስራኤል ኣብ ግብፂ ናብ ባርነት ተቐየረ። ኣቦና ንሙሴ ኣተስአ፥ ንፈርዖን ብዓሰርተ መቕሰፍቲ ሰበሮ፥ ንባሕሪ ኸፈለ፥ ነቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ደብረ ሲና መርሖም፦ ኣብኡ ብኪዳን ምስኣቶም ተኣሰረ፥ ኣብ ማእኸሎም ክነብር ከዓ መፀ።
1 1ስም እቶም ምስ ያእቆብ በብቤተ ሰቦም ናብ ግብፂ ዝመፁ ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፦ 2ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ 3ይሳኮር፥ ዛብሎን፥ ብንያም፥ 4ዳን፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር። 5ካብ ሕቘ ያእቆብ ዝወፁ ኵሎም ሰብዓ ሰብ ነበሩ፤ ዮሴፍ ግና ኣቐዲሙ ኣብ ግብፂ ነበረ። 6ሽዑ ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቲ ዅሉ ወለዶን ሞቱ። 7ደቂ እስራኤል ግና ፈረዩ፥ ተባዝሑ፥ በዝሑ፥ ኣዝዮምውን ሓየሉ፤ እታ ምድሪ ድማ ብኣኣቶም መልአት።
8ሽዑ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ግብፂ ነገሰ። 9ንሱ ድማ ንህዝቡ “እንሆ፥ ደቂ እስራኤል ካባና ዝበዝሑን ዝሓይሉን ህዝቢ እዮም።” በሎም። 10“ንዑ፥ ብጥበብ ንተሓዘዎም፤ እንተ ዘይኮነ ኺበዝሑ እዮም፤ ውግእ ምስ ዝለዓል ድማ ምስ ፀላእትና ተሓዊሶም ኪዋግኡና፥ ካብዛ ምድሪ ድማ ኪወፁ እዮም።” 11ስለዙይ ብኸቢድ ዕዮ ምእንቲ ኺጭቍንዎም፥ ሓለፍቲ ዕዮ ኣብ ልዕሊኦም ሾሙ፤ ንፈርዖን ድማ ፒቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ኸተማታት መኽዘን ሰርሑ። 12ግብፃውያን እናጨቈንዎም ብዝኸዱ መጠን ግና፥ ደቂ እስራኤል ይበዝሑ ይዝርግሑ ነበሩ፤ ስለዙይ ግብፃውያን ብደቂ እስራኤል ተሸበሩ። 13ስለዙይ ግብፃውያን ንደቂ እስራኤል ብጭካነ ባሮት ገይሮም ኣስርሕዎም። 14ብጭቃን ብጡብን ኣብ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ግራትን፥ ብኸቢድ ዕዮ ህይወቶም መረሩሎም፤ በቲ ዅሉ ኸቢድ ዕዮኦም ድማ ግብፃውያን ብጭካነ ኣስርሕዎም።
15ሽዑ ንጉስ ግብፂ ነተን ስም እታ ሓንቲ ሺፍራ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ኸዓ ፉዓ ዝተብሃላ ዕብራውያት መሕረስቲ ከምዙይ በለን፦ 16“ነተን ዕብራውያት ኣንስቲ ኣብ ምውላድ ክትሕግዛአን እንተለኽን፥ ኣብቲ መንበር ሕርሲ ጠምታ፤ ወዲ እንተ ኾይኑ ቅተላኦ፤ ጓል እንተ ኾይና ግና ብህይወት ሕደጋ።” 17እተን መሕረስቲ ግና ንሰማያዊ ኣቦና ፈርሃ፤ ከምቲ ንጉስ ግብፂ ዝኣዘዘን ድማ ኣይገበራን፤ ነቶም ኣወዳት ከዓ ብህይወት ኣትረፋኦም። 18ስለዙይ ንጉስ ግብፂ ነተን መሕረስቲ ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ነዝ ነገርዙይ ጌርክን፥ ነቶም ኣወዳት ብህይወት ኣትሪፍክንኦም?” በለን።
19እተን መሕረስቲ ድማ ንፈርዖን “ዕብራውያት ኣንስቲ ኸም ግብፃውያት ኣንስቲ ኣይኮናን፤ ብርቱዓት ስለ ዝኾና፥ መሕረሲት ናባኣን ከይበፅሐት ይወልዳ እየን” ኢለን መለሳሉ።
20ስለዙይ ኣቦና ነተን መሕረስቲ ሰናይ ገበረለን፤ እቲ ህዝቢ ድማ በዝሐ፥ የመናውን ሓየሉ። 21እተን መሕረስቲ ንኣቦና ስለ ዝፈርሃኦ ድማ፥ ናይ ባዕለን ቤተ ሰብ ሃበን። 22ሽዑ ፈርዖን ንዅሉ ህዝቡ “ነቲ ንዕብራውያን ዝውለድ ኵሉ ወዲ ናብ ሩባ ደርብይዎም፤ ንኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወት ሕደግወን” ኢሉ ኣዘዞም።