ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ተቐበሎም
ፈርዖን ነቶም ጓሶት ኣብ ጌሴም ኣቐመጦም፥ እቲ ጥሜት እናቐፀለ እንተሎ። ግብፃውያን ብሩሮም፥ ጥሪቶም፥ ምድሮም፥ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ንባዕልቶም ምእንቲ እኽሊ ሸጡ፥ ዮሴፍ ድማ ሕጊ ገበሮ። ያእቆብ፥ ዓመታቱ ውሑድን ክፉእን እናበለ፥ ንዮሴፍ ኣብ ግብፂ ኸይቐብሮ ኣምሓሎ።
47 1ዮሴፍ መፂኡ ንፈርዖን ከምዙይ ኢሉ ነገሮ፦ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ምስ ኣባጊዖምን ኣብዑሮምን ኵሉ ዘለዎምን፥ ካብ ከነዓን መፂኦም። ሕዚ ኸዓ ኣብ ጌሴም ኣለዉ።” 2ካብ ኣሕዋቱ ኸዓ ሓሙሽተ ሰባት ወሲዱ ንፈርዖን ኣቕረቦም። 3ፈርዖን ድማ ነሕዋት ዮሴፍ ከምዙይ ኢሉ ሓተቶም፦ “ስራሕኹም እንታይ እዩ?” ንሳቶም ከዓ ንፈርዖን “ባሮትካ ጓሶት ኣባጊዕ ኢና፥ ንሕናን ኣቦታትናን ማዕረ” በልዎ።
4ንፈርዖን ድማ ከምዙይ በልዎ፦ “ኣብ ከነዓን ጥሜት በርቲዑ እዩ እሞ፥ ንኣባጊዕ ባሮትካ መውፈሪ የለን። ስለዙይ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስደተኛታት ኮይና ክንነብር መፂእና ኣለና። ሕዚ ድማ ባሮትካ ኣብ ጌሴም ክቕመጡ ፍቐደሎም።”
5ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን ናባኻ መፂኦም ኣለዉ። 6ምድሪ ግብፂ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ። ነቦኻን ነሕዋትካን ኣብቲ ዝበለፀ ምድሪ ኣቐምጦም፤ ኣብ ጌሴም ይንበሩ። ካብኣቶም ክኢላታት ሰባት ከም ዘለዉ እንተ ፈሊጥካ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ማለይ ሹመሎም።”
7ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡ ያእቆብ ናብ ውሽጢ ኣእትዩ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቖሞ፤ ያእቆብ ከዓ ንፈርዖን ባረኾ። 8ፈርዖን ድማ ንያእቆብ “ዕድሜኻ ክንደይ ዓመት ኮይኑ?” ኢሉ ጠየቖ።
9ያእቆብ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ዓመታት ስደተይ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እዩ። ውሑድ፥ ክፉእውን እዩ፤ ናብ ዓመታት ስደት ኣቦታተይ ኣይበፅሐን።” 10ሽዑ ያእቆብ ንፈርዖን ባሪኹ ካብ ቅድሚኡ ወፀ።
11ዮሴፍ ድማ ከምቲ ፈርዖን ዝኣዘዞ፥ ነቦኡን ነሕዋቱን ኣብ ዝበለፀ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ከባቢ ራምሴ፥ ርስቲ ሂቡ ኣቐመጦም። 12ዮሴፍ ከዓ ኸም ቍፅሪ ደቆም ነቦኡን ነሕዋቱን ንዅሉ ስድራ ቤት ኣቦኡን ይቕልቦም ነበረ።
ጥሜት እናበርትዐ ከደ
13እቲ ጥሜት የመና በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ምግቢ ኣይተረፈን። ምድሪ ግብፅን ምድሪ ከነዓንን ከዓ ብጥሜት ተዳኸማ። 14ዮሴፍ ድማ በቲ ዝዓዱግዎ ዝነበሩ እኽሊ፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝተረኽበ ኵሉ ብሩር ኣከበ፤ ዮሴፍ ከዓ ነቲ ብሩር ናብ ቤት ፈርዖን ኣእተዎ። 15እቲ ብሩር ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ምስ ወድአ ድማ፥ ኵሎም ግብፃውያን ናብ ዮሴፍ መፂኦም “ምግቢ ሃበና! ብሩር ስለ ዝወድአ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ምንታይ ንመውት?” በልዎ።
16ዮሴፍ ድማ “ብሩርኩም ስለ ዝወድአ ማልኩም ኣረክቡ፤ ኣብ ክንዲ ማልኩም ምግቢ ክህበኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም። 17ንሳቶም ድማ ማሎም ናብ ዮሴፍ ኣምፁ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ክንዲ ኣፍራስን ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣእዱግን እንጀራ ሃቦም። በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ክንዲ ኵሉ ማሎም እንጀራ ቐለቦም። 18እታ ዓመት እቲኣ ምስ ተወደአት ድማ፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብኡ መፂኦም ከምዙይ በልዎ፦ “ብሩርና ኸም ዝወድአን እቲ ማል ድማ ናይ ጐይታና ኸም ዝኾነን ካብ ጐይታና ክንሓብኦ ኣይንኽእልን ኢና፤ ብዘይ ሰብነትናን ምድርናን ንጐይታና ዝተረፈ የለን። 19ንሕናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ስለ ምንታይ ንመውት? ንሕናን ምድርናን ብምግቢ ዓድገና፤ ንሕናን ምድርናን ንፈርዖን ባሮት ክንኸውን ኢና። ከይንመውት ክንነብር ከዓ ዘርኢ ሃበና፤ እታ ምድሪ ድማ ከይትባድም ሓግዝ።”
20ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን ኵላ ምድሪ ግብፂ ዓደገ፤ እቲ ጥሜት ኣብ ልዕሊኦም የመና በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ነፍሲ ወከፍ ግብፃዊ ግራቱ ሸጠ። እታ ምድሪ ኸዓ ናይ ፈርዖን ኮነት። 21ነቲ ህዝቢ ድማ ካብ ሓደ ወሰን ግብፂ ክሳዕ ካልኣይ ወሰና፥ ናብ ከተማታት ኣግዓዞ። 22ፈርዖን ንካህናት ዝነብሩሉ ውሱን ግደ ይህቦም ስለ ዝነበረ፥ ምድሮም ኣይሸጡን። ስለዙይ ምድሪ ካህናት ጥራሕ ኣይዓደገን። 23ዮሴፍ ድማ ነቲ ህዝቢ ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርዖን ዓዲገኩም ኣለኹ። እንሆ ዘርኢ፤ ነታ ምድሪ ዝርእዋ። 24ኣብ ቐውዒ ኸዓ ሓምሻይ ግደ ንፈርዖን ሃቡ፤ እቲ ኣርባዕተ ግደ ድማ ንዘርኢ ግራትን ንምግቢ ንስኻትኩምን ንስድራ ቤትኩምን ንደቅኹምን ይኹን።”
25ንሳቶም ድማ “ህይወትና ኣድሓንካ። ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ጐይታና ፀጋ ንርከብ፥ ንሕናውን ባሮት ፈርዖን ክንኸውን ኢና” በልዎ። 26ዮሴፍ ድማ ሓምሻይ ግደ ንፈርዖን ከም ዝኸውን፥ ክሳዕ ሎሚ ፀኒዑ ዘሎ ሕጊ ኣብ ግብፂ ገበሮ። ምድሪ ካህናት ጥራሕ እያ ናይ ፈርዖን ዘይኮነት።
27እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ተቐመጠ። ኣብኣ ኸዓ ርስቲ ኣጥረዩ፤ ተፋረዩን የመናውን በዝሑ። 28ያእቆብ ድማ ኣብ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፤ ዕድመ ዕምሩ ኵሉ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ። 29እስራኤል ዝመውተላ ጊዜ ምስ ቀረበት ድማ፥ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ረኺበ እንተ ኾይነ፥ በይዛኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ እሙን ፍቕርን ተኣማንነትን ከዓ ግበረለይ። በይዛኻ ኣብ ግብፂ ኣይትቐብረኒ፤ a a v29 ኢድ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ሓደ ሰብ ምንባር፥ ኣብ ዘመነ ጥንቲ ኽቡር ናይ መሓላ ምልክት ነበረ፤ ነቲ ተስፋ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ዘፅንዕ ነበረ። 30ምስ ኣቦታተይ ደኣ ከደቅስ፤ ካብ ግብፂ ኣውፂእኻ ኣብ መቓብሮም ቕበረኒ።” ዮሴፍ ድማ “ከምቲ ዝበልካዮ ክገብር እየ” በሎ።
31ያእቆብ ድማ “ማሕለለይ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ ማሐለሉ። ሽዑ እስራኤል ኣብ ርእሲ ዓራቱ ሰገደ።