እስራኤል ናብ ግብፂ ተበገሰ
እስራኤል ክስውእ ኣብ ቤርሳቤህ ደው በለ፥ ኣቦና ድማ ኣብኡ ተራኸቦ፦ ክትወርድ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ምሳኻ ክወርድ፥ ክመልሰካ ድማ እየ። ቤተ ሰቡ ተቘፅረ፥ ኵሉ ኸዓ ሰብዓ ኮነ፥ ዮሴፍ ድማ ኣብ ክሳድ ኣቦኡ ነዊሕ ጊዜ በኸየ።
46 1እስራኤል ድማ ምስ ኵሉ ዘለዎ ተልዒሉ ናብ ቤርሳቤህ መፀ፤ ነቲ ኣቦኡ ይስሓቅ ዝሰገደሉ ኣቦና ኸዓ ሰውአ።
2ኣቦና ድማ ብራእይ ለይቲ ንእስራኤል “ያእቆብ፥ ያእቆብ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸዓ “እኔኹ” በለ።
3ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣነ እቲ ኣቦኻ ዝሰገደሉ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ከም እትኸውን ክገብረካ እየ እሞ፥ ናብ ግብፂ ኽትወርድ ኣይትፍራሕ። 4ኣነ ባዕለይ ምሳኻ ናብ ግብፂ ክወርድ እየ፤ ብርግፅ ድማ ክመልሰካ እየ፤ ዮሴፍ ከዓ ባዕሉ ብኢዱ ኣዒንትኻ ኽዓፅወልካ እዩ።” a a v4 ኣቦና ምስ እስራኤል ናብ ግብፂ ክወርድን ንህዝቡ እንደገና ኸውፅኦምን ተመባፀዐ — እዝ ከዓ፥ ኣብ ስደት ብህላዌኡ ምሳታቶም ምዃኑ እታ ቐዳመይቲ ተስፋ ኾይኑ፥ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት ብግዜ ፀአት ዝተፈፀመ እዩ።
5ያእቆብ ድማ ካብ ቤርሳቤህ ተልዓለ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነቦኦም ያእቆብን ንቘልዑቶምን ንኣንስቶምን፥ በተን ፈርዖን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ፀዓኑ። 6መጓሰኦም ነቲ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረይዎ ንብረትን ወሲዶም፥ ናብ ግብፂ መፁ፤ ያእቆብን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዘርኡን።
7ኣወዳቱን ደቂ ደቁን ኣዋልዱን ኣዋልድ ደቁን፥ ኵሉ ዘርኡ ምስኡ ናብ ግብፂ ኣምፅአ።
8ናብ ግብፂ ዝመፁ ደቂ እስራኤል፥ ያእቆብን ደቁን፥ ስሞም እዚኣቶም እዮም፦ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ። 9ደቂ ሮቤል ድማ፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ እዮም። 10ደቂ ስምኦን ከዓ እዚኣቶም እዮም፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት ሰበይቲ። 11ደቂ ሌዊ ድማ፥ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ እዮም። 12ደቂ ይሁዳ ድማ፥ ኤርን ኦውናንን ሴላን ፋሬስን ዛራን እዮም፤ ኤርን ኦውናንን ግና ኣብ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ከዓ፥ ኤስሮም፥ ሓሙል እዮም። 13ደቂ ይሳኮር ድማ፥ ቶላ፥ ፉዋ፥ ዮብ፥ ሺምሮን እዮም። 14ደቂ ዛብሎን ድማ፥ ሰረድ፥ ኤሎን፥ ያሕልኤል እዮም። 15እዚኣቶም ደቂ ልያ፥ ምስ ጓሉ ዲና፥ ኣብ ማእኸል ክልተ ሩባታት ንያእቆብ ዝወለደቶም እዮም፤ ኵሎም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ድማ ሰላሳን ሰለስተን ነበሩ።
16ደቂ ጋድ ድማ፥ ዚፍዮን፥ ሃጊ፥ ሹኒ፥ ኤስቦን፥ ኤሪ፥ ኣሮዲ፥ ኣርኤሊ እዮም። 17ደቂ ኣሴር ድማ፥ ዪምና፥ ይሽዋ፥ የሱዊ፥ በሪዓ፥ ሓፍቶም ሳራ እዮም። ደቂ በሪዓ ኸዓ፥ ሔቤር፥ መልኪኤል እዮም። 18እዚኣቶም ደቂ ዘለፋ፥ እታ ላባ ንጓሉ ልያ ዝሃባ እዮም፤ ንሳ ኸዓ እዚኣቶም ንያእቆብ ወለደትሎም፤ ኵሎም ዓሰርተ ሽዱሽተ ነፍሲ ኾኑ።
19ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ፥ ዮሴፍ፥ ብንያም እዮም። 20ምናሴን ኤፍሬምን ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ካብ ኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት፥ ንዮሴፍ ተወለዱሉ። 21ደቂ ብንያም ድማ፥ ቤላ፥ ቤኬር፥ ኣስቤል፥ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኤሂ፥ ሮሽ፥ ሙፒም፥ ሑፒም፥ ኣርድ እዮም። 22እዚኣቶም ንያእቆብ ዝተወለዱ ደቂ ራሄል እዮም፤ ኵሎም ዓሰርተ ኣርባዕተ ነፍሲ ኾኑ።
23ደቂ ዳን ድማ፥ ሑሺም እዩ። 24ደቂ ንፍታሌም ድማ፥ ያሕፅኤል፥ ጉኒ፥ ዬፅር፥ ሺሌም እዮም። 25እዚኣቶም ደቂ ቢላ፥ እታ ላባ ንጓሉ ራሄል ዝሃባ እዮም፤ ንሳ ኸዓ እዚኣቶም ንያእቆብ ወለደትሎም፤ ኵሎም ሸውዓተ ነፍሲ ኾኑ። 26ካብ ሕቘ ያእቆብ ዝወፁ፥ ናብ ግብፂ ዝመፁ ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፥ ስሳን ሽዱሽተን ነፍሲ ነበሩ። 27ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብፂ ዝተወለዱ ክልተ ኣወዳት ነበርዎ። ኵሎም ናብ ግብፂ ዝመፁ ስድራ ያእቆብ ድማ ሰብዓ ነፍሲ ኾኑ።
ናብ ጌሴም ዝወስድ መንገዲ
28ያእቆብ ድማ ንይሁዳ፥ ናብ ጌሴም ዝወስድ መንገዲ ምእንቲ ኸርእዮ፥ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ፤ ናብ ምድሪ ጌሴም ከዓ መፁ። 29ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣዳለወ፤ ነቦኡ እስራኤል ክቕበል ከዓ ናብ ጌሴም ደየበ። ኣብ ቅድሚኡ ተገሊፁ ኸዓ፥ ክሳዱ ሓቚፉ ነዊሕ ጊዜ በኸየ። 30እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፥ “ገፅካ ርእየ፥ ንስኻ ገና ብህይወት ከም ዘለኻ ፈሊጠ እየ እሞ፥ ሕዚ እንተ ሞትኩ ይሕሸኒ” በሎ።
31ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱን ንስድራ ኣቦኡን ከምዙይ በሎም፦ “ክድይብ እሞ ንፈርዖን ከምዙይ ኢለ ክነግሮ እየ፦ ‘እቶም ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ስድራ ኣቦይን፥ ናባይ መፂኦም እዮም። 32እቶም ሰባት ጓሶት እዮም፥ ናይ መጓሰ ጓሶት ነይሮም እዮም እሞ፤ ኣባጊዖምን ኣብዑሮምን ዘለዎም ዅሉን ኣምፂኦም እዮም።’ 33ፈርዖን ፀዊዑኩም፥ ‘ስራሕኹም እንታይ እዩ?’ እንተ በለኩም፥ 34ንስኻትኩም ድማ፥ ‘ኣገልገልትኻ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ክሳዕ ሕዚ መጓሰ ኣርቢና ኔርና’ በልዎ፤ ከምኡ እንተ ጌርኩም ኣብ ምድሪ ጌሴም ክትቅመጡ ኢኹም፤ ኵሉ ጓሳ ኣብ ግብፃውያን ፀያፍ እዩ እሞ።”