ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቤንሃዳድ ንሰማርያ ኸበባ

ቤንሃዳድ ንብሩርን ኣንስትን ደቅን ኣክኣብ ሓተተ፥ ከምቲ ኣቦና ብነቢይ ዝተስፈዎ ድማ እስራኤል ክልተ ሻዕ ሰዓሮ። ኣክኣብ ግና ነቲ ዝተሰዓረ ንጉስ ሓወይ ኢሉ ለቐቖ፥ ሓደ መልክዑ ዝቐየረ ነቢይ ድማ ንኣክኣብ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኽፈርድ ኣጠመዶ።

ምዕራፍ 20።

ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኵሉ ሰራዊቱ ኣከበ፤ ሰላሳን ክልተን ነገስታት፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ድማ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ኸዓ ንሰማርያ ከበባ፥ ወግኣ ድማ። ናብታ ኸተማ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ልኡኻት ሰደደ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ቤንሃዳድ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፤ እቶም ዝሓሹ ኣንስትኻን ደቅኻን ድማ ናተይ እዮም።’”

ንጉስ እስራኤል ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ከምቲ ዝበልካዮ፥ ኣነን እቲ ዘለኒ ኵሉን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰ።

እቶም ልኡኻት ተመሊሶም ከምዙይ በሉ፦ “ቤንሃዳድ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ብሩርካን ወርቅኻን፥ ከምኡውን ኣንስትኻን ደቅኻን ክትህበኒ፥ መልእኽቲ ልኢኸልካ ነይረ። ግናኸ ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣገልገልተይ ክሰደልካ እየ፥ ንሳቶም ድማ ንቤተ መንግስትኻን ንኣባይቲ ኣገልገልትኻን ክፍትሹ እዮም፤ ነቲ ዝኸበረ ዅሉ ንብረትካ ኸዓ ሒዞም ክወስድዎ እዮም።’”

ንጉስ እስራኤል ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እታ ምድሪ ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ክፉእ ከም ዝደሊ ኣፀቢቕኩም ርኣዩ። ንኣንስተይን ንደቀይን፥ ንብሩረይን ንወርቀይን ልኢኹ ዳኣ እምበር፥ ኣነ ኣይከለክልክዎን።”

ኵሎም ዓበይትን ኵሉ ህዝብን ድማ “ኣይትስምዓዮ፥ ኣይትቀበሎውን” በልዎ።

ስለዙይ ነቶም ልኡኻት ቤንሃዳድ ከምዙይ በሎም፦ “ንጐይታይ ንጉስ ፦ ‘ነቲ ቐዲምካ ኻብ ሓሽከርካ ዝሓተትካዮ ዅሉ ክገብሮ እየ፥ ነዝ ሕቶ እዙይ ግና ክገብሮ ኣይኽእልን እየ’ በልዎ።” እቶም ልኡኻት ድማ ከይዶም ነቲ መልሲ ኣብፀሕዎ።

ሽዑ ቤንሃዳድ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ሓመድ ሰማርያ ንነፍሲ ወከፍ ሰዓብተይ ሕፍኒ ዝኣክል እንተ ተሪፉ፥ ኣማልኽቲ ኸምዙይ ይግበሩኒ፥ ከምዙይ ከዓ ይወስኹለይ።”

ንጉስ እስራኤል ድማ “ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ፦ ‘እቲ ኣፅዋሩ ዝዓጥቕ ከምቲ ዘውፅኦም ኣይመካሕ’ በልዎ” ኢሉ መለሰ።

ቤንሃዳድን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናቶም ክሰትዩ እንተለዉ፥ እዙይ ምስ ሰምዐ ንሰባቱ “ተሰለፉ” ኢሉ ኣዘዞም፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ቅድሚ እታ ኸተማ ተሰለፉ።

ኣቦ ንኣክኣብ ዓወት ሃቦ

ሓደ ነብዪ ድማ ናብ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል መፂኡ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይ ትርእዮ ዲኻ? ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህቦ እየ፥ ኣነ ኣቦኻ ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።”

ኣክኣብ ድማ “ብመን?” በለ። እቲ ነብዪ ኸዓ “ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንእሰያት ሹማምንቲ ኽፍላተ ሃገር” ኢሉ መለሰ። “እቲ ውግእ መን እዩ ዝጅምሮ?” “ንስኻ” በለ።

ስለዙይ ኣክኣብ ነቶም መንእሰያት ሹማምንቲ ኽፍላተ ሃገር ቈፀሮም፤ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ድማ ኮኑ። ብድሕሪኡ ነቶም ዝተረፉ፥ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ቈፀሮም፤ ብኣጠቓላሊ ሾብዓተ ሽሕ ኮኑ። ቤንሃዳድን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣብ ድንኳናቶም ክሰትዩ ሰኺሮም እንተለዉ፥ ፍርቂ መዓልቲ ወፁ። እቶም መንእሰያት ሹማምንቲ ኽፍላተ ሃገር ቀዲሞም ወፁ። ቤንሃዳድ ድማ ሰለልቲ ልኢኹ ነበረ እሞ፥ ንሳቶም “ካብ ሰማርያ ሰባት ይወፁ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።

ንሱ ኸዓ “ንሰላም እንተ ወፂኦም ብህይወቶም ሓዝዎም፤ ንውግእ እንተ ወፂኦም እውን ብህይወቶም ሓዝዎም” በለ።

እቶም መንእሰያት ሹማምንቲ ኽፍላተ ሃገር ካብታ ኸተማ ወፁ፤ እቲ ሰራዊት ድማ ደድሕሪኦም ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ንፀላኢኡ ቐተለ። ሶርያውያን ከዓ ሃደሙ፥ እስራኤል ድማ ሰጐጕዎም፤ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ግና ምስ ሓያሎ ፈረሰኛታት ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ኣምለጠ። ንጉስ እስራኤል ድማ ወፂኡ ነቶም ኣፍራስን ሰረገላታትን ሰዓሮም፤ ኣብ ሶርያውያን ከዓ ዓብዪ ህልቂት ገበረ። ድሕሪኡ እቲ ነብዪ ናብ ንጉስ እስራኤል መፂኡ “ንጉስ ሶርያ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ተመሊሱ ክወግኣካ እዩ እሞ፥ ርእስኻ ኣፅንዕ፥ እትገብሮ ኸዓ ኣፀቢቕካ ሕሰብ” በሎ።

ሹማምንቲ ንጉስ ሶርያ ድማ ከምዙይ በልዎ፦ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም፤ ስለዙይ ስዒሮምና። ኣብ ሜዳ እንተ ተዋጊእናዮም ግና፥ ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና። ከምዙይ ግበር፦ ንዅሎም እቶም ነገስታት ካብ ስፍራኦም ኣልግስ፥ ኣብ ክንድኦም ድማ ካልኦት ሹማምንቲ ኣቐምጥ። ከምቲ ዘጥፋእካዮ ሰራዊት ዝኣክል ሰራዊት ኣዳሉ፥ ፈረስ ኣብ ክንዲ ፈረስ፥ ሰረገላ ኣብ ክንዲ ሰረገላ፤ ኣብ ሜዳ ኸዓ ምስ እስራኤል ንዋጋእ። ሽዑ ብርግፅ ክንሕይሎም ኢና።” ንሱ ድማ ነቲ ዘረባኦም ሰሚዑ ከምኡ ገበረ።

ኣብ ዝመፅእ ዓመት ድማ ቤንሃዳድ ንሶርያውያን ኣኽቲቱ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ናብ ኣፌቅ ደየበ። ደቂ እስራኤል ድማ ተቘፂሮም ስንቆም ተዳልዩ ክቕበልዎም ወፁ። እስራኤል ድማ ከም ክልተ ንኣሽቱ መጓሰ ኣጣል ኣብ ቅድሚኦም ሰፈሩ፤ ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መልእዋ።

እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ናብ ንጉስ እስራኤል መፂኡ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሶርያውያን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር ኣምላኽ ለሰ ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ብዙሕ ሰራዊት እዙይ ዅሉ ኣብ ኢድካ ኽህቦ እየ፥ ኣነ ኣቦኻ ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።”

ሾብዓተ መዓልቲ ፊት ንፊት ሰፊሮም ተፀበዩ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ውግእ ጀመረ። ደቂ እስራኤል ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ሶርያውያን እግረኛታት ቀተሉ። እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኣፌቅ ሃደሙ፤ ኣብኡ ኸዓ እቲ መንደቕ ኣብ ልዕሊ ዕስራን ሾብዓተን ሽሕ ካብኣቶም ወደቐ። ቤንሃዳድ ድማ ናብታ ኸተማ ሃዲሙ ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ተሓብአ።

ኣገልገልቱ ድማ “እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ኸም ዝኾኑ ሰሚዕና ኣለና። ስለዙይ ወጮ ኣብ ሕቑና ተዓጢቕና፥ ኣግማድ ከዓ ኣብ ርእስና ኣእሲርና ናብ ንጉስ እስራኤል ንኺድ፤ ምናልባሽ ህይወትካ ኼድሕነልካ ይኽእል እዩ” በልዎ።

ስለዙይ ወጮ ኣብ ሕቑኦም ተዓጢቖም፥ ኣግማድ ከዓ ኣብ ርእሶም ኣሲሮም ናብ ንጉስ እስራኤል መፁ እሞ “ሓሽከርካ ቤንሃዳድ ‘በይዛኻ ኣሕድገኒ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ሕዚዶ ብህይወት ኣሎ? ንሱ ሓወይ እዩ” ኢሉ መለሰ።

እቶም ሰባት ድማ ከም ፅቡቕ ምልክት ወሲዶም ነቲ ቓሉ ቀልጢፎም ጨበጥዎ እሞ “እወ፥ ሓውካ ቤንሃዳድ!” በሉ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኪዱ፥ ኣምፅእዎ” በለ። ሽዑ ቤንሃዳድ ወፀ፥ ኣክኣብ ድማ ናብ ሰረገላ ኣደየቦ።

ቤንሃዳድ ድማ “ነተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ዝወሰደ ከተማታት ክመልሰልካ እየ፤ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ዝገበሮ፥ ንስኻውን ኣብ ደማስቆ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዕዳጋታት ክትተክል ትኽእል ኢኻ” በለ። ኣክኣብ ከዓ “በዝ ኵነታት እዙይ ሓራ ኸውፅአካ እየ” በለ። ስለዙይ ምስኡ ኪዳን ኣትዩ ሰደዶ።

ሓደ ነብዪ ንንጉስ ገጠሞ

ሓደ ኻብ ደቂ ነብያት ድማ ብቓል ኣቦና ንብፃዩ “በይዛኻ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ክወቕዖ ኣበየ።

እቲ ነብዪ ድማ “ንድምፂ ኣቦና ስለ ዘይተኣዘዝካ፥ ካባይ ምስ ከድካ ኣንበሳ ክቐትለካ እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ካብኡ ምስ ከደ ድማ ኣንበሳ ረኺቡ ቐተሎ።

እቲ ነብዪ ድማ ካልእ ሰብኣይ ረኺቡ “በይዛኻ ውቕዐኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ወቒዑ ኣቘሰሎ።

ሽዑ እቲ ነብዪ ኣብ ዓይኑ ፋሻ ገይሩ ተመሳሲሉ፥ ኣብ ጥቓ እቲ መንገዲ ነቲ ንጉስ እናተፀበየ ደው በለ። እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ፥ እቲ ነብዪ ናብኡ ጨሪሑ ኸምዙይ በለ፦ “ሓሽከርካ ናብ ማእኸል እቲ ውግእ ኣተወ፤ እንሆ ኸዓ ሓደ ሰብኣይ ናባይ ኣግሊሱ ሓደ ምሩኽ ኣምፂኡለይ፥ ‘ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓሉ፤ እንተ ጠፊኡ፥ ነፍስኻ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ኽትከውን እያ፥ ወይ ከዓ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ በለኒ። ሓሽከርካ ኣብዙይን ኣብኡን ተፀሚዱ ከሎ ኸዓ፥ እቲ ሰብኣይ መሊቑ ከደ።” እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ “ፍርድኻ ኸምኡ እዩ፤ ባዕልኻ መዲብካዮ ኢኻ” በሎ።

እቲ ነብዪ ድማ ነቲ ኣብ ኣዒንቱ ዝገበሮ ጨርቂ ቀልጢፉ ኣወገደ፤ እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ካብ ነብያት ሓደ ኸም ዝኾነ ኣለለዮ።

ነቲ ንጉስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንጥፍኣት ዝፈለኽዎ ሰብኣይ ሓራ ስለ ዘውፃእኻዮ፥ ነፍስኻ ኣብ ክንዲ ነፍሱ፥ ህዝብኻ ኸዓ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ክኸውን እዩ።”

እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ፤ ናብ ሰማርያ ኸዓ ተመለሰ።