ኣክኣብ ወይኒ ናቦት ተመነየ
ናቦት ወይኒ ስድራ ቤቱ ኽሸጥ ኣበየ፥ ስለዙይ ኤልዛቤል ፆም ኣወጀት፥ ክልተ ዝተኸፈሉ ሓሰውቲ ኣቕረበት፥ ብእምኒ ኸዓ ኣቕጥቀጠቶ። ኣክኣብ ነታ ምድሪ ክወስዳ ወረደ፥ ኣብ ክንድኡ ግና ንኤልያስ፥ ምስ ቃል ኣቦና ብዛዕባ ኣኽላባትን ደምን ረኸበ። ፆመ ድማ፥ እቲ ፍርዲ ናብ ወዱ ተደናጐየ።
21 1ድሕሪ እዙይ ነገር፥ ናቦት ኢይዝራኤላዊ ኣብ ኢይዝራኤል፥ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣክኣብ ንጉስ ሰማርያ፥ ወይኒ ነበሮ። 2ኣክኣብ ከዓ ንናቦት ከምዙይ በሎ፦ “ወይንኻ ኣታኽልቲ ሓምሊ ክኾነኒ ሃበኒ፤ ናብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ። ኣነ ድማ ካብኡ ዝበለፀ ወይኒ ክህበካ እየ፤ እንተ ደሊኻ ኸዓ ዋጋኡ ብሩር ክህበካ እየ።”
3ናቦት ከዓ ንኣክኣብ “ኣብ ቅድሚ ኣቦና፥ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካ ከቶ ኣይኸውንን!” ኢሉ መለሰሉ። a a v3 ብሕጊ ኣቦና፥ ምድሪ ስድራ ብውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝኸይድ ናይ ዘለኣለም ኣደራዕ ነበረ፥ ከቶ ድማ ንሓዋሩ ኣይሽየጥን ነበረ፤ ናቦት ከዓ ብትሪ ዘይኮነስ ብእሙንነት እዩ ዝኣበየ።
4ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቦት ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን” ኢሉ ዝተዛረቦ ቓል፥ ጕህዩ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ። ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ድማ ገፁ መለሰ፤ እንጀራ ኸዓ ኣበየ። 5ኤልዛቤል ሰበይቱ ድማ መፂኣ “ስለ ምንታይ ጕሂኻ እንጀራ ዘይትበልዕ?” በለቶ።
6ንሱ ኸዓ “ንናቦት ኢይዝራኤላዊ፥ ‘ወይንኻ ክዕድገካ፥ እንተ ደሊኻ ድማ ካልእ ክልውጠልካ’ በልክዎ፤ ንሱ ግና ‘ወይነይ ኣይህበካን’ በለ” ኢሉ መለሰ።
7ኤልዛቤል ሰበይቱ ድማ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እትነግስ ከምዙይ ዲኻ? ተሲእካ እንጀራ ብላዕ፤ ልብኻ ይተሓጐስ፤ ኣነ ንወይኒ ናቦት ኢይዝራኤላዊ ክህበካ እየ” በለቶ።
8በስም ኣክኣብ ደብዳቤታት ፀሓፈት፤ ብማሕተሙ ድማ ሓተመተን፤ ናብቶም ምስ ናቦት ኣብ ከተማኡ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ድማ ሰደደተን። 9ኣብተን ደብዳቤታት ድማ ከምዙይ ኢላ ፀሓፈት፦ “ፆም ኣውጁ፤ ንናቦት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። 10ክልተ ዘይረብሑ ሰባት ድማ ‘ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ’ ኢሎም ምእንቲ ክምስክርሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣቐመጥዎም። ሽዑ ናብ ወፃኢ ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቕተልዎ።”
11እቶም ሰብ ከተማኡ፥ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ድማ፥ ከምቲ ኤልዛቤል ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ዝኣዘዘቶም ገበሩ። 12ፆም ኣወጁ፤ ንናቦት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። 13ክልተ ዘይረብሑ ሰባት ድማ መፂኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸዓ “ናቦት ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ረገመ” ኢሎም ኣብ ናቦት መስከሩ። ሽዑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ኣውፂኦም ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። 14ሽዑ ናብ ኤልዛቤል “ናቦት ብእምኒ ተቐጥቂጡ ሞይቱ ኣሎ” ኢሎም ለኣኹ።
15ኤልዛቤል ናቦት ብእምኒ ተቐጥቂጡ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፥ ንኣክኣብ “ተሲእካ ነቲ ናቦት ኢይዝራኤላዊ ኽሸጠልካ ዝኣበየካ ወይኒ ውረሶ፤ ናቦት ብህይወቱ የለን፥ ሞይቱ እዩ እሞ” በለቶ።
16ኣክኣብ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፥ ተሲኡ ንወይኒ ናቦት ኢይዝራኤላዊ ክወርሶ ወረደ።
17ሽዑ ናብ ኤልያስ ቴስቢያዊ ካብ ኣቦና ከምዙይ ዝብል ቃል መፀ፦
18“ተሲእካ ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ክትረኽቦ ውረድ። እንሆ፥ ኣብ ወይኒ ናቦት ኣሎ፤ ክወርሶ ድማ ወሪዱ ኣሎ። 19ከምዙይ ድማ በሎ፦ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀቲልካዶ ርስቱ ድማ ወሲድካ?’ ሽዑ ድማ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብቲ ኣኽላባት ደም ናቦት ዝለሓስሉ ቦታ፥ ንደምካ ኣብኡ ኽለሓስዎ እዮም፤ እወ፥ ንደምካ’ በሎ።”
20ኣክኣብ ከዓ ንኤልያስ “ኦ ፀላእየይ፥ ረኺብካንስ!” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ክትገብር ንርእስኻ ስለ ዝሸጥካያ፥ ረኺበካ” ኢሉ መለሰ።
21“እንሆ፥ ኣባኻ መከራ ከምፅእ፥ ክፀርገካ፥ ካብ ኣክኣብ ድማ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፥ ባርያ ኾነ ናፃ ከጥፍእ እየ። 22ንገዛኻ ድማ ከም ገዛ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ከም ገዛ ባኦስ ወዲ ኣኪያን ክገብራ እየ፤ ንስኻ ስለ ዘቘጣዕካንን ንእስራኤል ስለ ዘስሓትካን።” 23ብዛዕባ ኤልዛቤል ድማ ኣቦና ከምዙይ ተዛረበ፦ “ኣኽላባት ንኤልዛቤል ኣብ ጥቓ መንደቕ ኢይዝራኤል ክበልዕዋ እዮም። 24ነቲ ካብ ወገን ኣክኣብ ኣብ ከተማ ዝመውት፥ ኣኽላባት እዮም ዝበልዕዎ፤ ነቲ ኣብ መሮር ዝመውት ከዓ፥ ኣዕዋፍ ሰማይ እየን ዝበልዓኦ።”
25ከም ኣክኣብ ዝበለ ሓደ እኳ ኣይነበረን፤ ንሱ ብሰበይቱ ብኤልዛቤል ተለዓዒሉ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ክገብር ንርእሱ ዝሸጠ ነበረ። 26ንሱ ኸምቶም ኣቦና ካብ ቅድሚ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣሞራውያን፥ ንጣዖታት እናሰዓበ፥ ኣዝዩ ዘፅይፍ ነገር ገበረ።
27ኣክኣብ ነዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ኣብ ስጋኡ ወጮ ተኸድነ፤ ፆመ፤ ብወጮ ደቀሰ፤ ጕህዩ ኸዓ ይመላለስ ነበረ።
28ሽዑ ናብ ኤልያስ ቴስቢያዊ ካብ ኣቦና ከምዙይ ዝብል ቃል መፀ፦
29“ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተ ረአኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፥ በ ዘመኑ መከራ ኣየምፅእን እየ፤ ኣብ ዘመን ወዱ ግና ኣብ ቤቱ ኸምፅኦ እየ።”