ኤልያስ ምእንቲ ህይወቱ ይሃድም
ሓደ መፈራርሒ ኤልዛቤል ኤልያስ ናብ በረኻ ኽሃድም ገበሮ፥ ክመውትውን ለመነ። ሓደ መልኣኽ ክልተ ሻዕ መገቦ፥ ኣብ ኮሬብ ከዓ ንፋስን ምንቅጥቃጥ ምድርን ሓውን ኣቦና ዘይብሎም ሓለፉ። ሓደ ህዱእ ድምፂ ድማ ሰለስተ ሰባት ክቐብእ መለሶ።
19 1ኣክኣብ ድማ ነቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዅሉን ንዅሎም ነቢያት ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን ንኤልዛቤል ነገራ። 2ኤልዛቤል ድማ ናብ ኤልያስ ልኡኽ ሰደደት፦ “ፅባሕ በዝ ጊዜ እዙይ ንህይወትካ ኸም ሓደ ኻብቶም ነቢያት እንተ ዘይገበርክዎ፥ ኣማልኽቲ ኸምኡ፥ ካብኡ ዝበዝሕ ድማ ይግበሩኒ።”
3ኤልያስ ድማ ፈሪሑ ተሲኡ ምእንቲ ህይወቱ ጐየየ፥ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ በፂሑ ኸዓ ንኣገልጋሊኡ ኣብኡ ሓደጎ። 4ንሱ ድማ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ናብ በረኻ ኸይዱ፥ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጦቕ ተቐሚጡ ክመውት ለመነ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ይኣክል፥ ኦ ኣቦይ፤ ህይወተይ ውሰድ፤ ኣነ ኻብ ኣቦታተይ ኣይሓሽኩን።”
5ኣብ ትሕቲ እቲ ጦቕ ድማ ደቂሱ ደቀሰ፤ ሓደ መልኣኽ ከዓ ተንከፎ፥ “ተሲእካ ብላዕ” በሎ።
6ንሱ ድማ ጠመተ፥ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ዝረሰነ እምኒ ዝተሰንከተ ቕጫን ዕትሮ ማይን ነበረ። በልዐን ሰተየን ድማ፥ መሊሱ ደቀሰ። 7መልኣኽ ኣቦና ድማ ካልኣይ ጊዜ ተመሊሱ ተንከፎ፥ “እቲ መንገዲ ንዓኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ተሲእካ ብላዕ” በሎ።
8ንሱ ድማ ተሲኡ በልዐን ሰተየን፥ በቲ ምግቢ እቲ ሓይሊ ረኺቡ ኸዓ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተጓዒዙ ናብ ኮሬብ፥ እምባ ኣቦና በፅሐ።
ለስለስ ዝበለ ህዱእ ድምፂ ኣቦና
9ኣብኡ ኸዓ ናብ ሓንቲ በዓቲ ኣትዩ ሓደረ። ሽዑ ቃል ኣቦና ናብኡ መፀ፦ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?”
10ንሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንኣቦ ሰራዊት ሰማይ የመና ቐኒአ ኣለኹ። እስራኤል ንኪዳንካ ሓዲጎም፥ መሰውኢታትካ ኣፍሪሶም፥ ነቢያትካ ኸዓ ብሰይፊ ቐቲሎም። ኣነ በይነይ ተሪፈ፤ ሕዚ ኸዓ ንህይወተይ ኪወስድዋ ይደልዩ ኣለዉ።”
11ኣቦና ድማ “ወፂእኻ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድመይ ደው በል፤ ኣነ ሕዚ ክሓልፍ እየ” በለ። ብርቱዕ ዓብዪ ንፋስ ድማ ነቶም እምባታት ቀዲዱ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ነቶም ኣኻውሕ ሰባበሮም፥ ንሱ ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፥ ንሱ ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን።
12ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ሓዊ ኾነ፤ ኣብቲ ሓዊ ግና ኣቦና ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ሓዊ ድማ ህዱእ ለስለስ ዝበለ ድምፂ ተሰምዐ።
13ኤልያስ ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ገፁ ብባርኖሱ ጠቕሊሉ ወፂኡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ በዓቲ ደው በለ። ድምፂ ኸዓ ናብኡ መፀ፦ “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?”
14ንሱ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣነ ንኣቦ ሰራዊት ሰማይ የመና ቐኒአ ኣለኹ። ደቂ እስራኤል ንኪዳንካ ሓዲጎም፥ መሰውኢታትካ ኣፍሪሶም፥ ነቢያትካ ኸዓ ብሰይፊ ቐቲሎም። ኣነ በይነይ ተሪፈ፤ ሕዚ ኸዓ ንህይወተይ ኪወስድዋ ይደልዩ ኣለዉ።”
15ኣቦና ድማ “በቲ ዝመፃእካሉ መንገዲ ተመሊስካ ናብ በረኻ ደማስቆ ኺድ። ኣብኡ ኸዓ ንሃዛኤል ንጉስ ሶርያ ኪኸውን ቕብኣዮ።” በሎ። 16ንኢዩ ወዲ ኒምሺ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቕብኣዮ፤ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ናይ ኣቤልምሖላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነቢይ ኪኸውን ቕብኣዮ። 17ካብ ሰይፊ ሃዛኤል ዘምልጥ ንኢዩ ኪቐትሎ እዩ፤ ካብ ሰይፊ ኢዩ ዘምልጥ ከዓ ንኤልሳዕ ኪቐትሎ እዩ። 18ኣብ እስራኤል ግና ሸውዓተ ሽሕ ከትርፍ እየ፥ ኵሉ እቲ ንበዓል ዘይሰገደ ብርኪ፥ ኵሉ እቲ ንእኡ ዘይሰዓመ ኣፍ።
ኣቦና ንኤልሳዕ ይፅውዖ
19ኤልያስ ድማ ካብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ረኸቦ፤ ንሱ ኸዓ ብዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣሓ የሕርስ ነበረ፥ ባዕሉ ድማ ነታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ይዝውር ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ቐሪቡ ባርኖሱ ኣብ ልዕሊኡ ደርበየ። 20ኤልሳዕ ድማ ነተን ኣሓ ሓዲጉ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፥ “ንኣቦይን ንኣደይን ክስዕሞም እሞ ኽስዕበካ እየ” በለ። ኤልያስ ከዓ “ተመለስ፤ እንታይ ገይረልካ?” ኢሉ መለሰ።
21ኤልሳዕ ድማ ተመሊሱ ፅምዲ ኣሓኡ ወሲዱ ሓረዶም። ነቲ መሳርሒ ማሕረስ ኸዓ ንዕንጨይቲ ገይሩ ስጋኦም ኣብሲሉ ንህዝቢ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑ። ድሕሪዙይ ድማ ንኤልያስ ሰዓቦ፥ ኣገልገሎውን።