ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል
ኢየሱስ ብሰንበት ንሓደ ሳላሳን ሸሞንተን ዓመት ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ኣሕወዮ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ፀገም ድማ ንኣምላኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣቦ ኢሉ ምስ ፀውዖ ጀመረ። ወልድ ነቲ ኣቦ ክገብሮ ዝርእዮ ጥራሕ ከም ዝገብር፥ ኣቦ ድማ ህይወትን ኵሉ ፍርድን ከም ዝሃቦ መለሰ።
5 1ድሕሪዙይ በዓል ኣይሁድ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። 2ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ኣፍደገ ኣባጊዕ፥ ሓሙሽተ እተኸድነ ገበላ ዘለዋ ሓንቲ ቓላይ ኣላ፤ ብቛንቋ ኣራማይስጥ ድማ ቤተስዳ ትብሃል። a a v2 ቤተስዳ ‘ቤት ምሕረት’ ማለት እዩ፤ ነቲ ኢየሱስ ዝፈወሰሉ ቦታ ዝበቅዕ ስም እዩ። 3ኣብዘን ገበላታት እዚኣተን ድማ፥ ብዙሓት ሕሙማት፥ ዕዉራትን ሓንካሳትን ልሙሳትን ደቂሶም ነበሩ። b b v3 እቶም ዝጠንተዩ ብራናታት ኣብዙይ ፍቕዲ 4 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ከምዙይ ይውስኹ፦ “መልኣኽ ሓደ ሓደ ጊዜ ናብታ ቓላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውፆ ነበረ፤ ድሕሪ እቲ ምናውፅ ቀዲሙ ዝኣተወ ድማ፥ ካብ ዝሓዞ ዝኾነ ሕማም ይፍወስ ነበረ።” 5ኣብኡ ድማ ሳላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሓደ ሰብኣይ ነበረ።
6ኢየሱስ ድማ ኣብኡ ደቂሱ ምስ ረአዮ፥ ነዊሕ ጊዜ ኣብኡ ከም ዝገበረ ፈሊጡ፥ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኣለኻ?” በሎ።
7እቲ ሕሙም ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኦ ጐይታይ፥ እቲ ማይ ምስ ተናወፀ ናብ ቓላይ ዘእትወኒ ሰብ የብለይን፤ ኣነ ናብኡ እናኸድኩ እንተለኹ፥ ካልእ ሰብ ቀዲሙ ይኣቱ” በሎ።
8ኢየሱስ ድማ “ተንስእ፥ መንፀፍካ ኣልዒልካ ኺድ” በሎ።
9ሽዑ ብኡብኡ እቲ ሰብኣይ ሓወየ፤ መንፀፉ ኣልዒሉ ድማ ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሰንበት ነበረት።
10ስለዙይ ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብ “ሰንበት እዩ፤ መንፀፍካ ኽትፆር ኣይተፈቕደልካን” በልዎ።
11ንሱ ድማ “እቲ ዘሕወየኒ ሰብ፥ ‘መንፀፍካ ኣልዒልካ ኺድ’ በለኒ” ኢሉ መለሰሎም።
12ንሳቶም ከዓ “‘ኣልዒልካ ኺድ’ ዝበለካ ሰብ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
13እቲ ዝሓወየ ሰብ ግና፥ ኢየሱስ ኣብቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ ኣትዩ ተሰዊሩ ስለ ዝነበረ፥ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን።
14ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሕዚ ሓዊኻ ኣለኻ፤ ዝገደደ ነገር ከይበፅሓካ፥ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበር” በሎ።
15እቲ ሰብኣይ ከይዱ ድማ፥ ዘሕወዮ ኢየሱስ ምዃኑ ንኣይሁድ ነገሮም።
ኣንፃሩ ተንስኡ
16ስለዙይ ኣይሁድ፥ ኢየሱስ እዝ ነገር እዙይ ብሰንበት ስለ ዝገበረ፥ ክሰጕዎ ጀመሩ።
17ኢየሱስ ግና ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ክሳዕ ሕዚ ኣቦይ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣነውን ከምኡ እሰርሕ ኣለኹ።”
18ስለዙይ ኣይሁድ ኣዝዮም ክቐትልዎ ደለዩ፤ ሰንበት ስለ ዝሰበረ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንኣቦና “ኣቦይ” ኢሉ ስለ ዝፀውዖ፥ ንርእሱ ድማ ምስኡ ማዕረ ገበራ። c c v18 መራሕቲ ኣይሁድ ንቓል ኢየሱስ ብቕንዕና ተረድእዎ፦ ንኣቦና ናይ ገዛእ ርእሱ ኣቦ ገይሩ ምስ ፀውዖ፥ ምስ ኣቦና ማዕረ ምዃኑ ይዛረብ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ኽፋል እዝ ምዕራፍ እዙይ ድማ፥ ኢየሱስ ነዛ ዘረባ እዚኣ ዝከላኸለላን ዝገልፃን እዩ።
19ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ወልድ ነቲ ኣቦ ክገብሮ ዝርእዮ እምበር፥ ባዕሉ ገለ እኳ ክገብር ኣይኽእልን። እቲ ኣቦ ዝገብሮ ዘበለ ኵሉ፥ ወልድ እውን ከምኡ ይገብሮ።
20እቲ ኣቦ ንወልድ የፍቅሮ እዩ እሞ፥ ዝገብሮ ዘበለ ኵሉ የርእዮ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ ድማ፥ ካብዚኣቶም ዝዓበዩ ግብርታት ከርእዮ እዩ። 21እቲ ኣቦ ንምዉታት ኣተሲኡ ህይወት ከም ዝህብ፥ ከምኡ ድማ ወልድ ንዝደለዮ ህይወት ይህብ። 22እቲ ኣቦ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ብዘሎ ፍርዲ ግና ንወልድ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ 23ኵሉ ነቲ ኣቦ ኸም ዘኽብሮ፥ ንወልድ ድማ ምእንቲ ከኽብሮ እዩ፤ እቲ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ ኣየኽብርን እዩ።
24ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ቓለይ ሰሚዑ በቲ ዝለኣኸኒ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ናብ ፍርዲ ኣይኣቱን፤ ካብ ሞት ናብ ህይወት ደኣ ተሳጊሩ እዩ። 25ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምዉታት ድምፂ ወዲ ኣቦና ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ሕዚውን መፂኣ ኣላ፤ እቶም ዝሰምዑ ድማ ክነብሩ እዮም። 26እቲ ኣቦ ኣብ ነፍሱ ህይወት ከም ዘለዎ፥ ንወልድ እውን ኣብ ነፍሱ ህይወት ክህልዎ ሃቦ። 27ወዲ ሰብ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ፍርዲ ኽፍፅም ስልጣን ሃቦ። 28በዙይ ኣይትገረሙ፤ ኵሎም እቶም ኣብ መቓብራት ዘለዉ ድምፁ ዝሰምዑላ ሓንቲ ሰዓት ክትመፅእ እያ እሞ፥ 29ክወፁ እዮም፤ ናብ ትንሳኤ ህይወት እቶም ሰናይ ዝገበሩ፥ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ድማ እቶም እከይ ዝገበሩ ይወፁ። 30ኣነ ባዕለይ ገለ እኳ ክገብር ኣይክእልን፤ ከምቲ ዝሰምዖ እፈርድ፤ ናይ ርእሰይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዝደሊ፥ ፍርደይ ቅኑዕ እዩ።
መሰኻኽር ወልድ
31“ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፥ ምስክርነተይ ቅቡል ኣይኮነን። 32ብዛዕባይ ዝምስክር ካልእ ኣሎ፤ እቲ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ሓቂ ምዃኑ ድማ እፈልጥ እየ። 33ናብ ዮሃንስ ልኡኻት ሰዲድኩም፥ ንሱ ድማ ብዛዕባ ሓቂ መስከረ። 34ኣነ ምስክርነት ሰብ ዝቕበል ኣይኮንኩን፤ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ እዝ ነገር እዙይ እብል ኣለኹ። 35ዮሃንስ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ድማ ቑሩብ ጊዜ በቲ ብርሃኑ ክትሕጐሱ ፈተኹም። 36ኣነ ግና ካብ ናይ ዮሃንስ ዝዓቢ ምስክርነት ኣለኒ፤ እቲ ኣቦይ ክፍፅሞ ዝሃበኒ ግብርታት፥ እዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ባዕሉ፥ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ይምስክረለይ ኣሎ። 37እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ድማ፥ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ንስኻትኩም ከቶ ድምፁ ኣይሰማዕኹምን፥ መልክዑውን ኣይረአኹምን፤ 38ነቲ ዝለኣኾ ስለ ዘይትኣምኑ ድማ፥ ቃሉ ኣባኻትኩም ነባሪ የብልኩምን።
39ንስኻትኩም ነቲ መፃሕፍቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘለዎ እናመሰለኩም ትምርምርዎ ኢኹም፤ ንሳቶም ባዕልቶም ግና ብዛዕባይ ይምስክሩ፤ 40ህይወት ምእንቲ ክትረኽቡ ግና፥ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም። 41ኣነ ኻብ ሰብ ክብሪ ኣይቕበልን እየ፤ 42ኣነ ግና እፈልጠኩም እየ፥ ፍቕሪ ኣቦና ኣባኻትኩም ከም ዘይብልኩም። 43ኣነ ብስም ኣቦይ መፂአ፥ ንስኻትኩም ግና ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ሰብ ብስም ገዛእ ርእሱ እንተ መፀ ግና፥ ንእኡ ክትቅበልዎ ኢኹም። 44ካብ ሓድሕድኩም ክብሪ እናተቐበልኩም፥ ነቲ ካብ በይኑ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ክብሪ ኸዓ እንተይደለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ?
45ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ክኸሰኩም እየ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ሙሴ፥ እቲ ብእኡ ተስፋ ዝገበርኩም፥ ንሱ ይኸሰኩም ኣሎ። 46ብሙሴ እንተ ኣሚንኩም ኔርኩም፥ ብኣይ ምኣመንኩም ኔርኩም፤ ንሱ ብዛዕባይ ፅሒፉ እዩ እሞ። 47ነቲ ፅሑፋቱ እንተ ዘይኣመንኩም ግና፥ ከመይ ኢልኩም ንቓላተይ ክትኣምኑ ኢኹም?”