እቲ ብሰማርያ ዝሓልፍ መንገዲ
ኣብ ዔላ ያእቆብ ደኺሙ፥ ኢየሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝሰትዮ ሓተታ፥ ብዛዕባ እተን ሓሙሽተ ሰብኡታ ሓቂ ነገራ፥ ኣብ ውሽጣ ዓይኒ ማይ ዝኸውን ማይ ድማ ሃባ። ኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱ መምለኽቲ ይደሊ ኣሎ። ብምሉኣ እታ ኸተማ ኣመነት፤ ዝመውት ዝነበረ ቆልዓ ድማ ሓወየ።
4 1ኢየሱስ ካብ ዮሃንስ ንላዕሊ ዝበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝገብርን ከም ዘጥምቕን ፈሪሳውያን ከም ዝሰምዑ፥ ኢየሱስ ምስ ፈለጠ 2(ኢየሱስ ባዕሉ ግና ኣየጥምቕን ነበረ፥ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ የጥምቑ ነበሩ እምበር)፥ 3ንይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ። 4ብሰማርያ ኣቢሉ ክሓልፍ ድማ ነበሮ። 5ስለዙይ ናብ ሲካር እትበሃል ከተማ ሰማርያ፥ ናብታ ያእቆብ ንወዱ ዮሴፍ ዝሃቦ ግራት ቀረባ ዝኾነት መፀ። 6ዔላ ያእቆብ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ካብ መገዱ ደኺሙ፥ ኣብቲ ዔላ ተቐመጠ፤ ግዜኡ ኸዓ ኣስታት ፍርቂ መዓልቲ ነበረ። a a v6 ካብ ወፅኣ ፀሓይ ጀሚርካ ምስ እትቘፅር፥ እታ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣስታት ፍርቂ መዓልቲ እያ።
7ሓንቲ ሰበይቲ ሰማርያ ማይ ክትቀድሕ መፀት። ኢየሱስ ድማ “ዝሰትዮ ሃብኒ” በላ።
8(ደቀ መዛሙርቱ ምግቢ ክሸምቱ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ እሞ)።
9እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ድማ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፥ ንኣይ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸመይ ኢልካ ዝሰትዮ ትልምነኒ?” በለቶ። (ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይራኸቡን እዮም እሞ)።
10ኢየሱስ ድማ ከምዙይ ኢሉ መለሰላ፦ “ህያብ ኣቦናን እቲ ‘ዝሰትዮ ሃብኒ’ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጢ ኔርኪ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፥ ንሱ ድማ ማይ ህይወት ምሃበኪ ኔሩ።”
11እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ! መቕድሒ የብልካን፥ እቲ ዔላ ኸዓ ዓሚቝ እዩ፤ ደኣ እዝ ማይ ህይወት እዙይ ካበይ ክትረኽቦ ኢኻ? 12ካብ ኣቦና ያእቆብ፥ እቲ ነዝ ዔላ ዝሃበና፥ ባዕሉ ድማ ምስ ደቁን ምስ እንስሳኡን ካብኡ ዝሰተየ፥ ንስኻዶ ትዓቢ ኢኻ?” በለቶ።
13ኢየሱስ ድማ “ካብዝ ማይ እዙይ ዝሰቲ ዅሉ፥ መሊሱ ኽፀምእ እዩ፤ 14እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን እዩ፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ደኣ፥ ኣብኡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ኮይኑ ኽኸውን እዩ እምበር” በላ።
15እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ! ምእንቲ ኸይፅምእ፥ ማይ ክቐድሕ ድማ ናብዙይ ምእንቲ ኸይመፅእ፥ እዝ ማይ እዙይ ሃበኒ” በለቶ።
16ኢየሱስ ድማ “ኪዲ ሰብኣይኪ ፀዊዕኪ ናብዙይ ተመለሲ” በላ።
17እታ ሰበይቲ ድማ “ሰብኣይ የብለይን” ኢላ መለሰትሉ። ኢየሱስ ከዓ “ሰብኣይ የብለይን ምባልኪ ቅኑዕ ኢኺ፤
18ሓሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ እዮም፤ እቲ ሕዚ ዘለኪ ሰብኣይ ከዓ ሰብኣይኪ ኣይኮነን፤ ነዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ ኢኺ” በላ።
19እታ ሰበይቲ ድማ “ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ከም ዝኾንካ ይርኢ ኣለኹ። 20ኣቦታትና ኣብዛ እምባ እዚኣ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና እቲ ክስገደሉ ዝግባእ ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ትብሉ ኣለኹም” በለቶ።
21ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ! እመንኒ፤ ኣብዛ እምባ እዚኣ ኾነ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘይኮነ፥ ንኣቦ እትሰግድሉ ሰዓት ክትመፅእ እያ። 22ንስኻትኩም ነቲ ዘይትፈልጥዎ ትሰግዱ ኣለኹም፤ ንሕና ግና ነቲ እንፈልጦ ንሰግድ ኣለና፤ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ። 23ግናኸ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱሉ ሰዓት ክትመፅእ እያ፤ ሕዚ እውን እያ፤ ኣቦ ድማ ነዞም ከምዙይ ዝበሉ ሰገድቲ ይደሊ ኣሎ እሞ። 24ኣቦ መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱ ይግብኦም” በላ። b b v24 ኣብዝ ኵሉ ምንባብ እዙይ ኢየሱስ ብዛዕባ ምስጋድ ንኣቦ ይምህር ኣሎ፤ እቲ ባህርዩ መንፈስ ዝኾነ፥ ንሱ ባዕሉ እቲ ናይ ሓቂ ሰገድቲ ዝደሊ ኣቦ እዩ።
25እታ ሰበይቲ ድማ “መሲሕ፥ እቲ ክርስቶስ ዝብሃል፥ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ፤ ንሱ ምስ መፀ ድማ ኵሉ ኽነግረና እዩ” በለቶ።
26ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቲ ምሳኺ ዝዛረብ ዘለኹ ንሱ እየ” በላ።
27ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ተመለሱ፤ ምስ ሰበይቲ ይዛረብ ብምንባሩ ድማ ተገረሙ። ይኹን እምበር “እንታይ ትደሊ?” ወይ “ስለ ምንታይ ምስኣ ትዛረብ?” ዝበለ ሓደኳ ኣይነበረን። 28እታ ሰበይቲ ድማ ዕትሮኣ ሓዲጋ ናብ ከተማ ተመለሰት፤ ነቶም ሰባት ከዓ ከምዙይ በለቶም፦ 29“ንዑ፥ ዝገበርክዎ ኵሉ ዝነገረኒ ሰብኣይ ርኣዩ፤ እዝ ክርስቶስ ድዩ ኾን?” 30ካብ ከተማ ወፂኦም ድማ ናብኡ ይመፁ ነበሩ።
31ኣብ መንጎ እዙይ ደቀ መዛሙርቱ “መምህር፥ ብላዕ” እናበሉ ለመንዎ።
32ንሱ ግና “ኣነ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዕ ምግቢ ኣለኒ” በሎም።
33ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ዝበልዕ ኣምፂኡሉ ዝኸውን ሰብ ኣሎ ድዩ?” ኢሎም ንሓድሕዶም ተበሃሃሉ።
34ኢየሱስ ድማ “ምግበይ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን ግብሩ ምፍፃምን እዩ። 35‘ገና ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፥ ሽዑ ዓፂድ ይመፅእ’ ኢልኩም ኣይትብሉንዶ ኢኹም? እንሆ፥ ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ነተን ግራውቲ ርኣዩ፤ ንዓፂድ ፀዓዱ ኣለዋ እሞ፥ እብለኩም ኣለኹ። 36እቲ ዓፃዲ ድማ ድሮ ዓስቡ ይቕበል ኣሎ፤ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ፍረ ድማ ይእክብ ኣሎ፤ ምእንቲ እቲ ዘራእን እቲ ዓፃድን ብሓንሳእ ክሕጐሱ። 37‘ሓደ ይዘርእ ካልእ ድማ ይዓፅድ’ ዝብል ምስላ ኣብዙይ ሓቂ ኮይኑ እዩ እሞ። 38ኣነ ነቲ ዘይደኸምኩሙሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ደኸሙ፥ ንስኻትኩም ድማ ናብ ድኻሞም ኣቲኹም ኣለኹም” በሎም።
ሰማርያ ኣመነት
39ካብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ብዙሓት ሳምራውያን፥ ብሰሪ ምስክርነት እታ ሰበይቲ፥ “ዝገበርክዎ ኵሉ ነጊሩኒ” ብምባላ፥ ብእኡ ኣመኑ። 40እቶም ሳምራውያን ናብኡ ምስ መፁ፥ ምሳታቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ንሱ ድማ ክልተ መዓልቲ ኣብኡ ተቐመጠ። 41ብዙሓት ካልኦት ድማ ብቓሉ ኣመኑ። 42ነታ ሰበይቲ ድማ “ደጊም ንሕና እነምን ብዘረባኺ ኣይኮነን፤ ባዕልትና ሰሚዕናዮ ኢና፥ እዝ ሰብኣይ ብሓቂ መድሕን ዓለም ምዃኑ ድማ ንፈልጥ ኢና” በልዋ።
ናብ ገሊላ ምምላስ
43ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ድማ ካብኡ ናብ ገሊላ ኸደ። 44ኢየሱስ ባዕሉ ነቢይ ኣብ ዓዱ ኽብሪ ከም ዘይብሉ መስኪሩ ነበረ እሞ። 45ናብ ገሊላ ምስ በፅሐ ድማ፥ እቶም ገሊላውያን ተቐበልዎ፤ ንሳቶምውን ናብቲ በዓል ከይዶም ነይሮም እዮም እሞ፥ በቲ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ዅሉ ርኢዮም ነበሩ። 46ናብታ ማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ ቃና ናይ ገሊላ መሊሱ ኸደ። ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ ወዲ ሓደ ናይ ንጉስ ኣዛዚ ሓሚሙ ነበረ። 47ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ፥ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ክመውት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ወሪዱ ከሕውየሉ ለመኖ።
48ኢየሱስ ድማ “ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም፥ ከቶ ኣይትኣምኑን ኢኹም” በሎ።
49እቲ ናይ ንጉስ ኣዛዚ ድማ “ጐይታይ! ቅድሚ ውላደይ ምማቱ ውረድ” በሎ።
50ኢየሱስ ድማ “ኪድ፤ ወድኻ ብህይወት ክነብር እዩ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ኣሚኑ ኸደ።
51ንሱ ክወርድ እንተሎ ድማ፥ ኣገልገልቱ ተቐበልዎ፤ ወዱ ብህይወት ከም ዘሎ ድማ ነገርዎ። 52ሽዑ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝሓወየ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ትማሊ በታ ሻውዐይቲ ሰዓት እቲ ረስኒ ሓደጎ” በልዎ።
53ሽዑ እቲ ኣቦ፥ እታ ኢየሱስ “ወድኻ ብህይወት ክነብር እዩ” ዝበሎ ሰዓት ከም ዝኾነት ፈለጠ። ንሱን ብዘቤቱ ዅሎምን ድማ ኣመኑ።
54እዝ ድማ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መፀ ዝገበሮ ኻልኣይ ምልክት እዩ።