ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንጥሙይ ህዝቢ እንጀራ

ሓሙሽተ እንጀራ ንኣሽሓት መገበ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ንጉስ ክገብርዎ ደለዩ። ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ እናኸደ ናብኣቶም መፀ፥ ሽዑ ኸዓ ኣቦኡ ነቲ ናይ ብሓቂ እንጀራ ካብ ሰማይ ከም ዝህብ፥ ንሱ ድማ እቲ እንጀራ፥ ስጋኡ ድማ ምእንቲ ዓለም ከም ዝወሃብ ነገሮም። ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ገደፉ፤ ጴጥሮስ ግና ዝኸዶ ካልእ የብሉን።

ምዕራፍ 6።

ድሕሪ እዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፥ ማለት ባሕሪ ጥብርያዶስ፥ ተሳገረ። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ስለ ዝረአዩ ተኸተልዎ። ኢየሱስ ድማ ናብቲ እምባ ደይቡ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ተቐመጠ። እቲ ፋሲካ፥ በዓል ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ።

ኢየሱስ ድማ ቋሕ ኢሉ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ክመፅእ ምስ ረአየ፥ ንፊልጶስ “እዚኣቶም ክበልዑ፥ ካበይ እንጀራ ክንገዝእ ኢና?” በሎ።

እዙይ ዝበሎ ኸዓ ንፊልጶስ ክፍትኖ ኢሉ እዩ፤ ንሱ ባዕሉ ክገብሮ ዝሓሰበ ይፈልጥ ነበረሞ።

ፊልጶስ ድማ “ነፍሲ ወከፎም ቑሩብ ቑሩብ ምእንቲ ክረክብስ፥ ዋጋ እንጀራ ናይ ክልተ ሚእቲ መዓልቲ ዓስቢ እኳ ኣይኣኽሎምን” ኢሉ መለሰሉ። a a v7 ሓደ ዲናር ዳርጋ ዓስቢ ናይ ሓደ መዓልቲ ነበረ፤ ክልተ ሚእቲ ዲናር ከዓ ዳርጋ ዓስቢ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነበረ።

ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፥ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብዙይ ሓሙሽተ እንጀራ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ሓደ ቆልዓ ኣሎ፤ እዙይ ግና ንእዚኦም ብዙሓት እንታይ እዩ?”

ኢየሱስ ድማ “እቶም ህዝቢ ይቀመጡ” በለ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ እሞ፥ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ተቐመጡ።

ኢየሱስ ድማ ነቲ እንጀራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ነቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ መቐሎም፤ ከምኡ ኸዓ ነቲ ዓሳ ከም ዝደለይዎ መጠን መቐሎም።

ምስ ፀገቡ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ገለ ምእንቲ ኸይጠፍእስ፥ እቲ ዝተረፈ ፍርፋር ኣከብዎ” በሎም።

ስለዙይ ካብቲ ሓሙሽተ እንጀራ ስገም እቶም ህዝቢ ምስ በልዑ ዝተረፈ ፍርፋር ኣከቡ፤ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ድማ መልኡ። እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ፥ “እዙይ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ዝመፅእ ነቢይ እዩ!” በሉ። ኢየሱስ ድማ ንጉስ ክገብርዎ መፂኦም ክሕዝዎ ከም ዝደለዩ ስለ ዝፈለጠ፥ መሊሱ በይኑ ናብቲ እምባ ኸደ።

ናብ ማዕበል

ምስ መሰየ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ፤ ናብ ጃልባ ኣትዮም ድማ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ድሮ ፀልማት ኮይኑ ነበረ፤ ኢየሱስ ከዓ ገና ናብኣቶም ኣይመፀን ነበረ። ብርቱዕ ንፋስ ይነፍስ ነበረ፥ እቲ ባሕሪ ድማ ተናዕበ። ኣስታት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ማይል ምስ ቀዘፉ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ እናኸደ ናብ ጃልባ ክቐርብ ረአዩ እሞ፥ ፈርሑ።

ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።

ስለዙይ ናብ ጃልባ ኽቕበልዎ ተሓጐሱ፤ ብኡብኡ ድማ እታ ጃልባ ናብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ገምገም በፅሐት።

ንፅባሒቱ እቶም ኣብ ማዕዶ ባሕሪ ዝነበሩ ህዝቢ፥ ኣብኡ ብዘይ ሓንቲ ጃልባ ካልእ ከም ዘይነበረ፥ ኢየሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ጃልባ ከም ዘይኣተወ፥ ደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ በይኖም ከም ዝኸዱ ረአዩ። ካልኦት መራኽብ ከዓ፥ ጐይታ ምስ ኣመስገነ፥ ናብ ጥቓ እቲ እንጀራ ዝበልዑሉ ቦታ፥ ካብ ጥብርያዶስ መፁ። ስለዙይ እቶም ህዝቢ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብኡ ኸም ዘይነበሩ ምስ ረአዩ፥ ባዕሎም ናብ መራኽብ ኣትዮም ንኢየሱስ ክደልዩ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ኣብ ማዕዶ ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ድማ “መምህር፥ መኣዝ ናብዙይ መፃእኻ?” በልዎ።

ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ተኣምራት ስለ ዝረአኹም ዘይኮነስ፥ እቲ እንጀራ በሊዕኹም ስለ ዝፀገብኩም ኢኹም እትደልዩኒ ዘለኹም። ነቲ ዝጠፍእ ብልዒ ዘይኮነስ፥ ነቲ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ዝፀንሕ ብልዒ ስርሑ፤ ንእኡ ኸዓ ወዲ ሰብ ክህበኩም እዩ። ኣቦና ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ማሕተም ገይሩ ኣሎሞ” ኢሉ መለሰሎም።

ሽዑ ድማ “ግብሪ ኣቦና ምእንቲ ክንገብር እንታይ ክንገብር ኣለና?” በልዎ።

ኢየሱስ ድማ “ግብሪ ኣቦና እዙይ እዩ፦ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ክትኣምኑ” ኢሉ መለሰሎም።

ስለዙይ “ርኢና ምእንቲ ክንኣምነካ፥ እንታይ ተኣምራት ክትገብር ኢኻ? እንታይ ግብሪ ኽትገብር ኢኻ?” በልዎ። “ከምቲ ‘ክበልዑ ኻብ ሰማይ እንጀራ ሃቦም’ ዝብል ዝተፅሓፈ፥ ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ።”

ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ሙሴ ኣይኮነን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ እንጀራ ዝሃበኩም፤ ኣቦይ ደኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዝመፅእ እንጀራ ይህበኩም ኣሎ። እቲ እንጀራ ኣቦና፥ ካብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለም ድማ ህይወት ዝህብ እዩ እሞ።”

ስለዙይ “ጐይታ፥ ነዝ እንጀራ እዙይ ኵልሻዕ ሃበና” በልዎ።

ኢየሱስ ድማ “እቲ እንጀራ ህይወት ኣነ እየ። እቲ ናባይ ዝመፅእ ከቶ ኣይጠምን እዩ፤ እቲ ብኣይ ዝኣምን ከቶ ኣይፀምእን እዩ። ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም፥ ንኣይ ርኢኹም ኢኹም፥ ኮይኑ ግና ኣይትኣምኑን ኢኹም። እቲ ኣቦ ዝህበኒ ዅሉ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ድማ ከቶ ኣይሰጎጎን እየ። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ደኣ እምበር፥ ናተይ ፍቓድ ክገብር ካብ ሰማይ ኣይወረድኩን እሞ። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ካብቲ ዝሃበኒ ዅሉ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፥ ኣብታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ደኣ ከተስኦም እዩ። ፍቓድ ኣቦይ ከዓ እዙይ እዩ፦ ዅሉ ንወልድ ዝሪኡ፥ ብእኡ ድማ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፤ ኣነ ድማ ኣብታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተስኦ እየ።”

ስለዙይ ኣይሁድ “ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ ኣነ እየ” ስለ ዝበለ፥ ብዛዕባኡ ኣጕረምረሙ።

ንሳቶም ድማ “እዙይ፥ እቲ ኣቦኡን እኖኡን እንፈልጦም ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ ኣይኮነንዶ? ሕዚ ኸመይ ኢሉ ‘ካብ ሰማይ ወሪደ’ ይብል ኣሎ?” በሉ።

ኢየሱስ ድማ “ንስንሳትኩም ኣይተጕርምርሙ” ኢሉ መለሰሎም።

“እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እንተ ዘይሰሓቦ፥ ሓደኳ ናባይ ክመፅእ ኣይኽእልን እዩ፤ ኣነ ኸዓ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተስኦ እየ። b b v44 ናብ ኢየሱስ ምምፃእ፥ ናይ ኣቦና ተበግሶ እዩ፤ ንሱ ብዘገድድ ሓይሊ ዘይኮነስ፥ ብዝስዕብ ፍቕሪ ገይሩ ንውሉዱ ናብ ወልድ ይስሕቦም። ኣብ ነብያት ከምዙይ ኢሉ ተፅሒፉ ኣሎ፦ ‘ኵላቶም ብኣቦና ክምሃሩ እዮም።’ ካብ ኣቦ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ኵሉ፥ ናባይ ይመፅእ። ነቲ ኣቦ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ካብኡ ዝመፀ ጥራሕ ደኣ ነቲ ኣቦ ርእይዎ እዩ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ። እቲ እንጀራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ፤ ኮይኑ ግና ሞቱ። እዝ ካብ ሰማይ ዝወርድ እንጀራ እዙይ፥ ሰብ ካብኡ በሊዑ ምእንቲ ኸይመውት እዩ። እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ህያው እንጀራ ኣነ እየ። እዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ንዘለኣለም ክነብር እዩ። እቲ ኣነ ዝህቦ እንጀራ ድማ፥ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝኾነ ስጋይ እዩ።”

ሽዑ ኣይሁድ “እዝ ሰብ እዙይ ንስጋኡ ክንበልዕ ከመይ ኢሉ ክህበና ይኽእል?” ኢሎም ኣብ ንስንሳቶም ኣበርቲዖም ተበኣሱ።

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹም፥ ኣባኻትኩም ህይወት የብልኩምን። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰትዮ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ኣነ ኸዓ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተስኦ እየ። ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ፥ ደመይ ድማ ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ። እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰትዮ፥ ኣባይ ይነብር፥ ኣነውን ኣብኡ እነብር። ከምቲ ህያው ኣቦ ዝለኣኸኒ፥ ኣነውን ብኣቦ ዝነብር፥ ከምኡ ኸዓ እቲ ንኣይ ዝበልዕ ድማ ብኣይ ክነብር እዩ። እዝ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ። ከምቲ ኣቦታትኩም በሊዖም ዝሞቱ ኣይኮነን። እዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ንዘለኣለም ክነብር እዩ።”

ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክምህር እንተሎ ተዛረቦ። ካብ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሓት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ “እዝ ትምህርቲ እዙይ ከቢድ እዩ፤ መን ክቕበሎ ይኽእል?” በሉ።

ብዙሓት ንድሕሪት ዝተመለሱሉ

ኢየሱስ ደቀ መዛሙርቱ በዙይ ከም ዘጕረምረሙ ፈሊጡ፥ “እዙይዶ የዐንቅፈኩም?

እሞ ንወዲ ሰብ ናብቲ ቀደም ዝነበሮ ኽድይብ እንተ ረአኹምዎኸ? መንፈስ ህይወት ይህብ፤ ስጋ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን። እቲ ኣነ ዝተዛረብኩኹም ቃላት፥ መንፈስን ህይወትን እዩ። ገሊኦም ካባኻትኩም ግና ኣይኣምኑንን እዮም።” ኢየሱስ ካብ መጀመርታ እቶም ዘይኣምኑ መን ምዃኖም፥ እቲ ዘትሕዞ ድማ መን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ እሞ። ቀፂሉ ኸዓ “ስለዙይ እየ፥ ‘ኣቦ እንተ ዘይፈቐደሉ፥ ሓደኳ ናባይ ክመፅእ ኣይኽእልን’ ዝበልኩኹም” በለ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመሊሶም፥ ድሕሪ ደጊም ምስኡ ኣይተመላለሱን።

ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ “ንስኻትኩምከ ክትከዱዶ ትደልዩ?” በሎም።

ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ጐይታ፥ ናብ መን ክንከይድ ኢና? ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣለካ። ንስኻ ናይ ኣቦና ቅዱስ ምዃንካ፥ ኣሚናን ፈሊጥናን ኢና” ኢሉ መለሰሉ።

ኢየሱስ ድማ “ንኣኻትኩም ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣይመረፅኩኹምንዶ? ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።

ነዙይ ዝበሎ፥ ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ እዩ፤ ንሱ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ኾይኑ፥ ከትሕዞ ዝነበሮ እዩ።