ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሩባ ቄድሮን ተሳጊሩ ናብ ገነት

ኣብቲ ገነት፥ ኢየሱስ “ኣነ እየ” ምስ በሎም እቶም ክሕዝዎ ዝመፁ ንድሕሪት ተመሊሶም ወደቑ፤ ንሱ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ክሕደጉ ሓተተ። ጴጥሮስ ሰይፊ መዘዘ፤ ኢየሱስ ግና ነታ ኣቦኡ ዝሃቦ ፅዋዕ ክሰትያ እዩ፤ ጴጥሮስ ድማ ኣብ ጥቓ ሓዊ ፈሓም ሰለስተ ጊዜ ኸሓዶ። መንግስቱ ኻብዙይ ኣይኮነትን።

ምዕራፍ 18።

ኢየሱስ እዝ ነገር እዙይ ተዛሪቡ፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሩባ ቄድሮን ተሳጊሩ ወፀ፤ ኣብኡ ድማ ገነት ነበረ፤ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ከዓ ናብኡ ኣተዉ። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ ነቲ ቦታ ይፈልጦ ነበረ፤ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ጊዜ ኣብኡ ይእከብ ስለ ዝነበረ። ስለዙይ ይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ጭፍራ ወታደራት ካብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ዝተልኣኹ ኣሕሉቕን ሒዙ፥ መብራህትን ሽጋትን ኣፅዋርን ተማሊኡ ናብኡ መፀ።

ኢየሱስ ድማ እቲ ዝመፆ ዅሉ ፈሊጡ፥ ወፂኡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም።

ንሳቶም ከዓ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ” በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳቶም ደው ኢሉ ነበረ። a a v5 ኢየሱስ ነቲ ኣቦና ኣብ ዝነድድ ቈጥቋጥ ንሙሴ ዝሃቦ መለኮታዊ ስም ተዛረበ። እቲ ኣብታ እትስዕብ ፍቕዲ ዘሎ ግብረ መልሲ እቶም ወታደራት፥ ንድሕሪት ናብ ምድሪ ምውዳቖም፥ ነቲ ዝበሎ ብትኽክል ከም ዝሰምዕዎ የርኢ።

ኢየሱስ “ኣነ እየ” ምስ በሎም ድማ፥ ንድሕሪት ተመሊሶም ናብ ምድሪ ወደቑ።

ስለዙይ መሊሱ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ናይ ናዝሬት ኢየሱስ” በሉ።

ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ ኢለ ነጊረኩም እየ። እምበኣር ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹም፥ ነዞም ሰባት እዚኦም ሕደግዎም” ኢሉ መለሰሎም። እዙይ ድማ ነቲ ኢየሱስ ባዕሉ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም ኮነ፦ “ካብቶም ዝሃብካኒ ሓደ እኳ ኣይጠፍአንን።”

ስለዙይ ስምኦን ጴጥሮስ ሰይፉ መዚዙ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቕዖ፤ የማነይቲ እዝኑውን ቈረፆ። እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ዝበሃል ነበረ።

ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ። እታ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትያን እየ?” በሎ።

ሽዑ እቲ ጭፍራን ሓለቓኦም ኣሕሉቕ ኣይሁድን፥ ንኢየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ።

ናብ ሃና ድማ ቅድም ወሰድዎ፤ ንሱ ናይታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ናይ ዝነበረ ቀያፋ ሓሙ ነበረ እሞ። ቀያፋ ድማ፥ እቲ ንኣይሁድ “ሓደ ሰብ ምእንቲ ህዝቢ ኪመውት ይሓይሽ” ኢሉ ዝመኸሮም እዩ ነይሩ።

ጴጥሮስ ናብቲ ቕፅሪ ሰዓበ

ስምኦን ጴጥሮስን ካልእ ደቀ መዝሙርን ድማ ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ደቀ መዝሙር እቲ ንሊቀ ካህናት ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፥ ምስ ኢየሱስ ናብ ቅፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት ኣተወ፤ ጴጥሮስ ግና ኣብ ደገ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ነበረ። ስለዙይ እቲ ንሊቀ ካህናት ዝፍለጥ ካልእ ደቀ መዝሙር ወፂኡ፥ ነታ ሓላዊት ኣፍ ደገ ዝነበረት ገረድ ተዛሪቡ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። እታ ሓላዊት ኣፍ ደገ ዝነበረት ገረድ ድማ ንጴጥሮስ “ንስኻውን ካብ ደቀ መዛሙርቲ እዝ ሰብኣይ እዚ ዲኻ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” በለ።

እቶም ሓሻኽርን ኣሕሉቕን ድማ፥ ቍሪ ስለ ዝተሰመዖም፥ ናይ ፈሓም ሓዊ ኣንዲዶም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ፤ ጴጥሮስውን ምሳቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።

ብለይቲ ተጠየቐ

ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ ትምህርቱን ጠየቖ።

ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንዓለም ብግልፂ ተዛረብኩ፤ ኵሉ ሳዕ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድን፥ ኵሎም ኣይሁድ ኣብ ዝእከቡሉ ኣብ ቤተ መቕደስን መሃርኩ፤ ብስዉር ሓደኳ ኣይተዛረብኩን። ስለ ምንታይ ንኣይ ትሓተኒ? ነቶም እቲ ዝበልክዎም ዝሰምዑ ሕተት፤ ንሳቶም ነቲ ዝበልክዎ ይፈልጥዎ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።

እዙይ ምስ በለ፥ ካብቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓለውቲ ሓደ ንኢየሱስ ፀፊዑ “ንሊቀ ካህናት ኸምዙይ ኢኻ እትምልሰሉ?” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ጌጋ እንተ ተዛሪበ፥ ብዛዕባ እቲ ጌጋ መስክር፤ ቅኑዕ እንተ ተዛሪበ ግና፥ ስለ ምንታይ ትወቕዐኒ?” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ ሃና፥ ተኣሲሩ እንተሎ ናብ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ለኣኾ።

ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ

ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። “ንስኻውን ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዲኻ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ ኸሓደ።

ካብ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ፥ እቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረፆ ሰብ ዘመድ ዝኾነ፥ “ኣብቲ ገነት ምስኡ ዄንካ ኣይረአኹኻን?” በሎ።

ጴጥሮስ ድማ መሊሱ ኸሓደ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደርሆ ነቀወ።

ናብ ጲላጦስ ኣሕሊፎም ሃብዎ

ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መንበሪ እቲ ገዛኢ ወሰድዎ። ወጋሕታ ነበረ። ንሳቶም ባዕልቶም ከይረኽሱ፥ ፋሲካ ግና ምእንቲ ኽበልዑ፥ ናብቲ መንበሪ ኣይኣተዉን። ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ወፂኡ “ኣብዝ ሰብኣይ እዚ እንታይ ክሲ ኢኹም እተምፅኡ ዘለኹም?” በሎም።

ንሳቶም ድማ “እዝ ሰብኣይ እዚ ክፉእ ዝገብር ዘይነበረ እንተ ዝኸውን፥ ናባኻ ኣሕሊፍና ኣይምሃብናዮን” ኢሎም መለሱሉ።

ጲላጦስ ድማ “ንስኻትኩም ወሲድኩም በቲ ናትኩም ሕጊ ፍረድዎ” በሎም። ኣይሁድ ከዓ “ንሕና ንሓደ እኳ ክንቀትሎ ኣይተፈቕደልናን” በልዎ።

እዙይ ድማ ነቲ ኢየሱስ፥ ብእንታይ ዓይነት ሞት ክመውት ከም ዝነበሮ እናገለፀ ዝተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም ኮነ።

ስለዙይ ጲላጦስ ናብቲ መንበሪ መሊሱ ኣትዩ፥ ንኢየሱስ ፀዊዑ “ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።

ኢየሱስ ድማ “እዙይ ባዕልኻ ኢኻ እትብሎ ዘለኻ፥ ወይ ካልኦት ብዛዕባይ ነጊሮምኻ?” ኢሉ መለሰሉ።

ጲላጦስ ድማ “ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ህዝብኻን ሊቃነ ካህናትን ናባይ ኣሕሊፎም ሃቡኻ። እንታይ ገይርካ?” ኢሉ መለሰሉ።

ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን። ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውን ነይራ፥ ኣገልገልተይ ናብ ኣይሁድ ኣሕሊፈ ኸይውሃብ ምተዋግኡ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዙይ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ ጲላጦስ “እምበኣር ንስኻ ንጉስ ዲኻ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንጉስ ምዃነይ ንስኻ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ምእንቲ ኽምስክር፥ ንእዙይ ተወሊደ፥ ንእዙይ ድማ ናብ ዓለም መፂአ። ካብ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ ድምፀይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።

ጲላጦስ ድማ “ሓቂ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ ድማ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነ ኣብኡ ሓደኳ ገበን ኣይረኸብኩን።

ግናኸ ኣብ ፋሲካ ሓደ ሰብ ዝፈትሓልኩም ልማድ ኣለኩም፤ እምበኣር ንንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩም ትደልዩ?” በሎም።

ንሳቶም ድማ “ንእዙይ ኣይኮነን፥ ንበርባን ደኣ!” ኢሎም መሊሶም ጨደሩ። በርባን ከዓ ከታሪ ነበረ።