ብኣኽሊል እሾዅ ተላጊፁ
ተገሪፉ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኸዲኑ፥ ተመሪሑ፥ እቶም ሊቃነ ካህናት “ብዘይ ቄሳር ካልእ ንጉስ የብልናን” ምስ በሉ ኢየሱስ ተወሃቦ። ባዕሉ መስቀሉ ፆይሩ፥ ነታ ኣዲኡ ነቲ ዘፍቀሮ ደቀ መዝሙር ሃቦ፥ “ተፈፀመ” ኢሉ ድማ ሞተ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ከዓ ኣብ ሓደ ገነት ቀበርዎ።
19 1ሽዑ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ኣግረፎ። 2እቶም ወታደራት ኣኽሊል እሾዅ ኣልሚሞም ኣብ ርእሱ ገበሩሉ፥ ሓምራዊ ኽዳንውን ከደንዎ። 3ናብኡ እናመፁ ድማ “ኦ ንጉስ ኣይሁድ፥ ሰላም ንኣኻ!” እናበሉ ኣብ ገፁ ፀፍዕዎ።
4ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ “እንሆ፥ ዝኾነ ኣበር ከም ዘይረኸብኩሉ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ናባኻትኩም ከውፅኦ እየ” በሎም። 5ኢየሱስ ድማ ኣኽሊል እሾዅን ሓምራዊ ኽዳንን ተኸዲኑ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ከዓ “እንሆ እቲ ሰብኣይ!” በሎም።
6ሊቃነ ካህናትን ሓለውትን ምስ ረአይዎ፥ “ስቐሎ! ስቐሎ!” ኢሎም ዓው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ኣነ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን እሞ፥ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ” በሎም።
7ኣይሁድ ድማ “ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ባዕሉ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኸዓ፥ በቲ ሕጊ ኽመውት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ።
8ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ኣዝዩ መሊሱ ፈርሐ። 9መሊሱ ናብ ኣደራሽ ኣትዩ ንኢየሱስ “ካበይ ኢኻ?” ኢሉ ሓተቶ፤ ኢየሱስ ግና ዝኾነ መልሲ ኣይሃቦን። 10ጲላጦስ ድማ “ንኣይ ኣይትዛረበንን ዲኻ? ክፈትሓካ ስልጣን ከም ዘለኒ፥ ክሰቕለካውን ስልጣን ከም ዘለኒ ኣይትፈልጥንዶ ኢኻ?” በሎ።
11ኢየሱስ ድማ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተውሂቡካ ነይሩ፥ ኣብ ልዕለይ ዝኾነ ስልጣን ኣይምሃለወካን። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣሕሊፉ ዝሃበኒ፥ ዝዓበየ ሓጢኣት ኣለዎ” ኢሉ መለሰሉ።
12ካብኡ ንደሓር ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ፤ ኣይሁድ ግና “ንእኡ እንተ ፈቲሕካዮ፥ ዓርኪ ቄሳር ኣይኮንካን፤ ባዕሉ ንጉስ ዝገብር ኵሉ ንቄሳር ይፃረሮ” ኢሎም ዓው በሉ።
13ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢየሱስ ናብ ደገ ኣውፂኡ፥ ኣብታ ምድሪ ቤት እምኒ እትበሃል ቦታ፥ ብዕብራይስጢ ጋባታ፥ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14ናይ ፋሲካ መዓልቲ ምድላው ከዓ ነበረ፤ ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ነበረ። ንኣይሁድ ድማ “እንሆ ንጉስኩም!” በሎም።
15ንሳቶም ድማ “ኣርሕቆ! ኣርሕቆ! ስቐሎ!” ኢሎም ዓው በሉ። ጲላጦስ ከዓ “ንንጉስኩምዶ ክሰቕሎ?” በሎም። ሊቃነ ካህናት ድማ “ብዘይ ቄሳር ካልእ ንጉስ የብልናን” ኢሎም መለሱ።
ኣሕሊፉ ሃብዎ
16ሽዑ ድማ ክስቀል ናባታቶም ኣሕሊፉ ሃቦ። ንኢየሱስ ከዓ ወሰድዎ፤ 17መስቀሉ ፆይሩ ድማ፥ ናብታ ቦታ ናላ እትበሃል፥ ብዕብራይስጢ ጎልጎታ፥ ወፀ። 18ኣብኡ ድማ ምስ ክልተ ኻልኦት፥ ሓደ በዝ ወገን ሓደ በቲ ወገን፥ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸል ገይሮም ሰቐልዎ። 19ጲላጦስ ከዓ ፅሑፍ ፅሒፉ ኣብቲ መስቀል ገበሮ፤ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንጉስ ኣይሁድ ዝብል ነበረ። 20ኢየሱስ ዝተሰቕለሉ ቦታ፥ ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረ፥ ብዙሓት ኣይሁድ ነዝ ፅሑፍ እዙይ ኣንበብዎ፤ ብዕብራይስጢን ብላቲንን ብግሪኽን ተፅሒፉ ኸዓ ነበረ። 21ሊቃነ ካህናት ኣይሁድ ድማ ንጲላጦስ “‘ንጉስ ኣይሁድ’ ኢልካ ኣይትፅሓፍ፤ ‘እዝ ሰብኣይ እዚ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፥ በለ’ ኢልካ ደኣ ፅሓፍ” በልዎ።
22ጲላጦስ ድማ “ዝፀሓፍክዎ ፅሒፈ እየ” ኢሉ መለሰ።
23እቶም ወታደራት ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፥ ክዳውንቱ ወሲዶም ኣብ ኣርባዕተ ኽፍሊ መቐልዎ፤ ንነፍሲ ወከፍ ወታደር ሓደ ኽፍሊ ኾነ፤ ነቲ ቐሚሽ ውሽጥውን ወሰዱ። እቲ ቐሚሽ ውሽጢ ኸዓ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ብምሉኡ ዝተኣልመ፥ ስፌት ዘይብሉ ነበረ። 24ስለዙይ ንሓድሕዶም “መን ከም ዝወስዶ፥ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፥ ኣይንቕደዶ” ተባሃሃሉ። እዙይ ከዓ እቲ “ክዳውንተይ ንሓድሕዶም ተማቐሉ፥ ኣብ ክዳነይ ድማ ዕፃ ኣውደቑ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። እቶም ወታደራት ከዓ ኸምዙይ ገበሩ።
25ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ድማ፥ እኖኡን ሓፍቲ እኖኡን፥ ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።
26ኢየሱስ ድማ ነእኖኡን ነቲ ዘፍቅሮ ደቀ መዝሙርን ደው ኢሎም ምስ ረአየ፥ ነእኖኡ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እንሆ ወድኺ!” በላ። 27ድሕሪኡ ነቲ ደቀ መዝሙር “እንሆ እኖኻ!” በሎ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ኸዓ፥ እቲ ደቀ መዝሙር ናብ ገዛኡ ወሰዳ።
ተፈፀመ
28ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ነገር ሕዚ ከም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም፥ “ፀሚአ ኣለኹ” በለ።
29ኣብኡ ድማ ብመፂፅ ወይኒ ዝመልአ ኣቕሓ ነበረ፤ ሓደ ሰፍነግ በቲ መፂፅ ወይኒ ኣፅጊቦም ኣብ ቀንፃ ስምዕዛ ገይሮም፥ ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።
30ኢየሱስ ድማ ነቲ መፂፅ ወይኒ ተቐቢሉ “ተፈፀመ” በለ። ርእሱ ኣድኒኑ ኸዓ መንፈሱ ኣሕለፈ።
31መዓልቲ ምድላው ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ሰንበት እቲ ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይተርፍ፥ — እታ ሰንበት እቲኣ ኸዓ ፍልይቲ መዓልቲ ነበረት — ኣይሁድ ንጲላጦስ ኣእጋሮም ክሰብርዎም እሞ ነቲ ሬሳታት ከውርድዎ ለመንዎ። 32ስለዙይ ወታደራት መፂኦም፥ ናይቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣእጋሩ ሰበሩ፤ ድሕሪኡ ኸዓ ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልእ ሰብ ኣእጋሩ ሰበሩ። 33ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፥ ኣእጋሩ ኣይሰበሩን። 34ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና ጎኑ ብዂናት ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ። a a v34 ዮሃንስ ነዙይ ባዕሉ ከም ዝረአዮ እዩ ዝነግረና ዘሎ፤ ኢየሱስ ብሓቂ ከም ዝሞተ ኸዓ ከም መረጋገፂ ገይሩ የቕርቦ ኣሎ። 35እቲ ዝረአየ መስካሪ መስኪሩ ኣሎ፤ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ሓቂ ከም ዝዛረብ ድማ ይፈልጥ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ምእንቲ ኽትኣምኑ እዩ። 36እዝ ነገር እዙይ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብ ኣዕፅምቱ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን እያ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። 37ካልእ ፅሑፍ ድማ መሊሱ “ነቲ ዝወግእዎ ኽጥምቱ እዮም” ይብል።
ዮሴፍን ኒቆዲሞስን
38ድሕሪዙይ ዮሴፍ ዘርማትያስ፥ ንሱ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ኮይኑ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሐ ግና ብምስጢር፥ ንሬሳ ኢየሱስ ከውርድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከዓ ፈቐደ፤ ንሱ ድማ መፂኡ ኣውረዶ። 39ቅድም ናብ ኢየሱስ ብለይቲ ዝመፀ ኒቆዲሞስ ከዓ፥ ናይ ከርበን ዕረን ሕውስዋስ፥ ዳርጋ ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ሒዙ መፀ። 40ንሬሳ ኢየሱስ ወሲዶም ድማ፥ ከምቲ ናይ ኣይሁድ ልማድ ቐብሪ፥ ምስ ቀመማት ኣብ መግነዝ ጠቕለልዎ። 41ኣብቲ ዝተሰቕለሉ ቦታ ኸዓ ኣታኽልቲ ነበረ፤ ኣብቲ ኣታኽልቲ ድማ ገና ዋላ ሓደ ዘይተቐበረሉ ሓድሽ መቓብር ነበረ። 42መዓልቲ ምድላው ኣይሁድ ስለ ዝነበረ፥ እቲ መቓብር ከዓ ቀረባ ስለ ዝነበረ፥ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።