ኦ ኣቦ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ
ኢየሱስ ኣብ ቅድሚኦም ዓው ኢሉ ፀለየ። ነቲ ስራሕ ከም ዝፈፀሞ ንኣቦኡ ነገሮ፥ እዚኣቶም ሰባት ብስም ኣቦኡ ክሕለዉን ካብ እቲ ክፉእ ክጥበቑን ለመነ፥ ምእንቲ እቶም ደሓር ዝኣምኑ ዅሎም ድማ፥ ሓደ ክኾኑ ፀለየ።
17 1ኢየሱስ እዙይ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ፥ እታ ሰዓት በፂሓ እያ። ወልድ ምእንቲ ከኽብረካ፥ ንወድኻ ኣኽብሮ፤ a a v1 ዮሃንስ 17 እቲ ኢየሱስ ናብ ኣቦ ዝፀለዮ ዝነውሐ ፅሑፍ ፀሎት እዩ — ቅድሚ እታ ናይ መስቀል ለይቲ ዝተዛረቦ፥ ነቲ ኣቦ፥ ቅዱስ ኣቦ፥ ፃድቕ ኣቦ ኢሉ ዝፅውዖ ልቡ ዝኸፈተሉ። 2ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰብ ስልጣን ስለ ዝሃብካዮ፥ ነቶም ዝሃብካዮ ዅሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም። 3ናይ ዘለኣለም ህይወት እዙይ እዩ፦ ንኣኻ፥ ነቲ በይንኻ ሓቀኛ ኣቦ፥ ነቲ ዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ክፈልጡ እዩ። 4ኣነ ነቲ ክገብሮ ዝሃብካኒ ስራሕ ፈፂመ፥ ኣብ ምድሪ ኣኸበርኩኻ። 5ኦ ኣቦ፥ ሕዚ ዓለም ቅድሚ ምህላዉ ምሳኻ በቲ ዝነበረኒ ክብሪ፥ ምሳኻ ኣኽብረኒ።
6ስምካ ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ገለፅኩሎም። ንሳቶም ናትካ ነይሮም፤ ንኣይ ድማ ኣረከብካዮም፤ ንቓልካ ሓልዮምዎ እዮም። 7ሕዚ እቲ ዝሃብካኒ ዅሉ ካባኻ ኸም ዝኾነ ፈለጡ፤ 8ነቲ ዝሃብካኒ ቃላት ሂበዮም እየ እሞ፥ ንሳቶም ተቐበልዎ፥ ካባኻ ኸም ዝመፃእኹ ብሓቂ ፈለጡ፥ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ድማ ኣመኑ። 9ኣነ ምእንታኦም እፅሊ ኣለኹ፤ ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ ዓለም ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቶም ዝሃብካኒ እፅሊ ኣለኹ። 10ኵሉ ናተይ ዝኾነ ናትካ እዩ፥ ናትካ ዝኾነ ድማ ናተይ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣባኣቶም ተኸቢረ ኣለኹ። 11ኣነ ደጊም ኣብ ዓለም የለኹን፤ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነ ኸዓ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቅዱስ ኣቦ፥ ከምቲ ንሕና ሓደ ዝኾና ንሳቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ብስምካ፥ በቲ ዝሃብካኒ ስም፥ ሓልዎም። 12ምሳታቶም እንተለኹ፥ በቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓሎኹዎም። ዓቀብኩዎም፤ መፅሓፍ ምእንቲ ክፍፀም፥ ብዘይ እቲ ወዲ ጥፍኣት ሓደኳ ኣይጠፍአን። b b v12 “ወዲ ጥፍኣት” ንየሁዳ ኣስቆሮታዊ፥ ነቲ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ዝሃቦ መፀውዒ ስም እዩ። 13ሕዚ ናባኻ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓጐሰይ ኣባኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኾነሎም ድማ፥ እዝ ነገራት እዙይ ኣብ ዓለም እንተለኹ እዛረቦ ኣለኹ። 14ኣነ ቃልካ ሂበዮም እየ፤ ከምቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ናይ ዓለም ስለ ዘይኮኑ፥ ዓለም ፀልአቶም። 15ካብ ዓለም ከተውፅኦም ዘይኮነስ፥ ካብ እቲ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር እልምነካ ኣለኹ። 16ከምቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ናይ ዓለም ኣይኮኑን። 17ብሓቂ ቀድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ። 18ከምቲ ንስኻ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፥ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽኩዎም። 19ንሳቶምውን ብሓቂ ክቕደሱ ምእንቲ፥ ኣነ ምእንታኦም ንርእሰይ እቅድስ።
20ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብቓሎም ብኣይ ምእንቲ ዝኣምኑውን እፅሊ ኣለኹ። 21ኦ ኣቦ፥ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ኣነውን ኣባኻ ዘለና፥ ኵላቶም ሓደ ይኹኑ፤ ንሳቶምውን ኣባና ምእንቲ ክኾኑ፥ ዓለም ድማ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክትኣምን። 22ነቲ ዝሃብካኒ ክብሪ፥ ከምቲ ንሕና ሓደ ዝኾና ንሳቶም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ሂበዮም ኣለኹ። 23ኣነ ኣባኣቶም ንስኻ ድማ ኣባይ፥ ፍፁም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ከምኡውን ዓለም ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ከምቲ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ድማ ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ክትፈልጥ። 24ኦ ኣቦ፥ ዓለም ቅድሚ ምፍጣራ ስለ ዘፍቀርካኒ ዝሃብካኒ ክብረይ ምእንቲ ክርእዩ፥ እቶም ዝሃብካኒ ኣነ ኣብ ዘለኽዎ ምሳይ ክኾኑ እደሊ ኣለኹ። 25ኦ ፃድቕ ኣቦ፥ ዓለም ኣይትፈልጠካን እያ፤ ኣነ ግና እፈልጠካ እየ፤ እዚኣቶም ከዓ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26እቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባኣቶም ምእንቲ ክህሉ፥ ኣነውን ኣባኣቶም ምእንቲ ክኸውን፥ ስምካ ኣፍለጥኩዎም፤ ገና ኸዓ ከፍልጦም እየ።”