ጥሜት ነታ ምድሪ ገቲርዋ
ጥሜት ጥራሕ እዩ ንያእቆብ ንብንያም ክፈትሕ ዝደረኾ፥ ናብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣቦና ኣማሕፂኑ፥ ይሁዳ ኸዓ ህይወቱ ኣብ ክንድኡ ኣትሓዘ። ኣብ ግብፂ ኣሕዋት ማእሰርቲ ተፀበዩ፥ ኣብ ክንድኡ ግና ኸም ቅደም ልደቶም ተቐሚጦም ድራር ረኸቡ። ዮሴፍ ንብንያም ምስ ረአየ ኽበኪ ኻብቲ ክፍሊ ክወፅእ ኣድለዮ።
43 1እቲ ጥሜት ድማ ኣብታ ምድሪ በርቲዑ ነበረ። 2እቲ ኻብ ግብፂ ዝመፀ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ፥ ኣቦኦም “ተመሊስኩም ቑሩብ ብልዒ ግዝኡልና” በሎም።
3ይሁዳ ግና ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ሰብኣይ ‘ብዘይ ሓውኩም ገፀይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ ኢሉ ኣፅኒዑ ኣጠንቂቑና እዩ። 4ንሓውና ምሳና እንተ ለኣኽካዮ፥ ወሪድና ብልዒ ክንገዝኣልካ ኢና። 5እንተ ዘይለኣኽካዮ ግና ኣይንወርድን ኢና፤ እቲ ሰብኣይ ‘ብዘይ ሓውኩም ገፀይ ኣይክትርእዩን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ።”
6እስራኤል ድማ “ካልእ ሓው ከም ዘለኩም ነቲ ሰብኣይ ብምንጋርኩም ስለ ምንታይ ጐዳእኩምኒ?” በለ።
7ንሳቶም ከዓ ከምዙይ በሉ፦ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ ርእስና፥ ብዛዕባ ቤተ ሰብና ኸዓ ‘ኣቦኹም ገና ብህይወት ኣሎዶ? ካልእ ሓውከ ኣለኩምዶ?’ ኢሉ ኣፀቢቑ ጠየቐና፤ ንሕናውን ከምኡ መለስናሉ። ‘ንሓውኩም ኣውርድዎ’ ከም ዝብል ኸመይ ኢልና ኽንፈልጦ ንኽእል?”
8ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “ንሕናን ንስኻን ደቅናን ምእንቲ ኽንነብር እምበር ከይንመውት፥ ነቲ ቘልዓ ምሳይ ልኣኾ፤ ንበገስ ድማ። 9ኣነ ኣብ ክንድኡ ውሕስ እኸውን፤ ካብ ኢደይ ድለዮ። እንተ ዘይመሊሰዮ፥ ኣብ ቅድሜኻውን እንተ ዘየቕመጥክዎ፥ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ በዳሊ ክኸውን እየ። 10ኣይደንጐናን እንተ ንኸውን፥ ክሳዕ ሕዚ ብርግፅ ክልተ ሻዕ ምተመለስና ኔርና።”
11እስራኤል ኣቦኦም ድማ ከምዙይ በሎም፦ “እንተ ኾይኑ እሞ ከምዙይ ግበሩ፦ ካብ ፅቡቕ ፍርያት እታ ምድሪ ኣብ ኣቑሑኹም ኣእትዉ፤ ነቲ ሰብኣይ ድማ ገፀ በረከት ውሰዱ፦ ቑሩብ ሽቱ፥ ቑሩብ መዓር፥ ቀመማት፥ ከርበን፥ ፉል፥ ለውዝ። 12ዕፅፊ ገንዘብ ድማ ውሰዱ፤ እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱኹም ተመሊሱ ዝነበረ ገንዘብ ከዓ ብኢድኩም መሊስኩም ውሰድዎ፤ ምናልባሽ ጌጋ ይኸውን። 13ንሓውኩምውን ውሰዱ፤ ተልዒልኩም ድማ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። 14እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣቦና ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሃብኩም፤ ነቲ ኻልእ ሓውኩምን ንብንያምን ድማ ይፈትሓልኩም። ኣነ ኸዓ ውሉደይ እንተ ተቐዝፍኩ፥ ይቐዘፍ።”
15እቶም ሰባት ድማ ነቲ ገፀ በረከትን ዕፅፊ ገንዘብን ንብንያምን ወሲዶም፥ ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ድማ ደው በሉ።
16ዮሴፍ ድማ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረአየ፥ ነቲ ኣዛዚ ቤቱ “ነዞም ሰባት ናብ ገዛ ኣእትዎም፤ እንስሳ ሓሪድካ ድማ ኣሰናድዎ፤ እዞም ሰባት ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ምሳይ ክበልዑ እዮም እሞ” በሎ። 17እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፤ ነቶም ሰባትውን ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎም። 18እቶም ሰባት ድማ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዝኣተዉ ፈርሑ፤ ከምዙይ ከዓ በሉ፦ “እዝ ዝኣቶናስ፥ ብምኽንያት እቲ ቐዳማይ ሻዕ ኣብ ለቛቱና ተመሊሱ ዝነበረ ገንዘብ እዩ፤ ምእንቲ ኽወቕዑናን ኣብ ልዕሌና ኽወድቑን ባሮት ገይሮም ኽሕዙናን ኣእዱግናውን ክወስዱን እዩ።” 19ስለዙይ ነቲ ኣዛዚ ቤት ዮሴፍ ቐሪቦም፥ ኣብ ኣፍ ደገ ተዛረብዎ፤ 20ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ኣታ ጐይታይ! በይዛኻ፥ ቅድም ብልዒ ኽንገዝእ ብርግፅ ወሪድና ኔርና። 21ኣብቲ ዝሓደርናሉ ቦታ፥ ለቛቱና ምስ ፈታሕና፥ እንሆ ናይ ነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ብሚዛን ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ነበረ፤ ንሕናውን መሊስናዮ ኣለና። 22ብልዒ ኽንገዝእ ድማ ካልእ ገንዘብ ኣምፂእና ኣለና፤ መን ኣብ ለቛቱና ኸም ዘንበሮ ግና ኣይንፈልጥን ኢና።”
23ንሱ ድማ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን፤ ኣይትፍርሑ። ኣቦኻትኩምን ኣምላኽ ኣቦኹምን ኣብ ለቛቱኹም መዝገብ ሃበኩም፤ ገንዘብኩም ናባይ መፂኡ እዩ” በሎም። ንስምኦንውን ኣውፅአሎም። 24እቲ ሰብኣይ ድማ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎም፤ ማይ ድማ ሃቦም እሞ ኣእጋሮም ተሓፀቡ፤ ንኣእዱጎምውን ዝብላዕ ሃበን። 25ዮሴፍ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ኽመፅእ ከሎ ድማ፥ ኣብኡ ኸም ዝበልዑ ሰሚዖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ገፀ በረከት ኣሰናደዉ። 26ዮሴፍ ናብ ገዛ ምስ መፀ፥ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ገፀ በረከት ኣእትዮም ሃብዎ፤ ናብ ምድሪ ድማ ሰገዱሉ። 27ብዛዕባ ደሓንነቶም ድማ ሓተቶም፤ ሽዑ “እቲ ዝነገርኩምኒ ሽማግለ ኣቦኹም ደሓንዶ ኣሎ? ገና ብህይወት ኣሎዶ?” በሎም።
28ንሳቶም ድማ “ሓሽከርካ ኣቦና ደሓን ኣሎ፤ ገና ብህይወት ኣሎ” በሉ፤ ደፊኦም ድማ ሰገዱ። 29ኣዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ኸዓ ንሓዉ ብንያም፥ ወዲ እኖኡ ረአየ እሞ “እዝ እቲ ዝነገርኩምኒ ንእሽተይ ሓውኩም እዩዶ?” በለ። ሽዑ ድማ “ወደይ፥ ኣቦና ፀጋ ይሃብካ” በለ። 30ዮሴፍ ድማ ንሓዉ ራህሪሁሉ ስለ ዝነበረ፥ ክበኽየሉ ዝኽእል ቦታ እናደለየ ቀልጢፉ ወፀ፤ ናብ ክፍሉ ኣትዩ ኸዓ ኣብኡ በኸየ። 31ሽዑ ገፁ ተሓፂቡ ወፀ፤ ነፍሱ ገቲሩ ድማ “ብልዒ ኣቕርቡ” በለ።
32ንእኡ ንበይኑ፥ ነሕዋቱ ንበይኖም፥ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብፃውያንውን ንበይኖም ኣቕረቡሎም፤ ግብፃውያን ምስ ዕብራውያን እንጀራ ኽበልዑ ኣይኽእሉን እዮም፤ እዙይ ንግብፃውያን ፅያፍ እዩ እሞ። 33ኣብ ቅድሚኡ ድማ፥ እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡ፥ እቲ ንእሽተይ ድማ ከም ንእስነቱ ኾይኖም ተቐመጡ፤ እቶም ሰባትውን ንሓድሕዶም ተገረሙ። 34ካብ ቅድሚኡ ድማ ገግደኦም ሰደደሎም፤ ግደ ብንያም ግና ኻብ ግደ ኵሎም ሓሙሽተ ዕፅፊ በዝሐ። ምስኡ ድማ ሰትዮም ተሓጐሱ።