ኣምኖን ንሓብቱ ትዓማር የነውራ
ኣምኖን ንሓብቱ ትዓማር በይና ምእንቲ ኽረኽባ ሕሙም መሰለ፥ ገደዳ፥ ደሓር ፀልኣ፥ ድሕሪኣ ኸዓ ኣፍደገ ዓፀወ። ትዓማር ክዳና ቐደደት፥ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ከዓ ፅምምቲ ኮይና ተቐመጠት። ዳዊት ተቘጥዐ እምበር ገለ ኣይገበረን፤ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣቤሴሎም ኣብ በዓል ቅርፀት ኣባጊዕ ንኣምኖን ኣቕቲሉ ሃደመ።
13 1ድሕሪ እዝ፥ ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ትዓማር እትብሃል ፅብቕቲ ሓብቲ ነበረቶ፤ ወዲ ዳዊት ኣምኖን ከዓ ኣፍቀራ። 2ኣምኖን ድማ ብዛዕባ ሓብቱ ትዓማር የመና ተጨነቐ ክሳዕ ዝሓመመ፤ ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፥ ናብኣ ዝቐርበሉ መንገዲ ኣይረኸበን። 3ኣምኖን ከዓ ዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ፥ ንሱ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት እዩ፤ ዮናዳብ ድማ የመና ብልሂ ሰብ ነበረ። 4ንኣምኖን ድማ “ኣታ ወዲ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ንግሆ ንግሆ ከምዙይ እትኸስም? ኣይትነግረንንዶ?” በሎ። ኣምኖን ከዓ “ንትእማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም ኣፍቅር ኣለኹ” በለ።
5ዮናዳብ ድማ “ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ሕሙም መሲልካ ተፀነ። ኣቦኻ ኽርእየካ ምስ መፀ ድማ ‘በይዛኻ፥ ሓብተይ ትዓማር ትምገበኒ፤ ኣነ እናረኣኹ ድማ እቲ ምግቢ ትስራሕ፥ ካብ ኢዳ ምእንቲ ኽበልዕ’ በሎ” በለ።
6ኣምኖን ድማ ደቂሱ ሕሙም መሰለ። እቲ ንጉስ ክርእዮ ምስ መፀ ድማ ኣምኖን “ሓብተይ ትዓማር መፂኣ፥ ኣነ እናረኣኹ ክልተ ቕጫ ትስራሕ፥ ካብ ኢዳ ምእንቲ ኽበልዕ” በለ።
7ዳዊት ድማ ናብ ትዓማር ናብ ቤተ መንግስቲ ልኢኹ “ናብ ቤት ሓውኪ ኣምኖን ኪዲ፥ ምግቢውን ስርሐሉ” በላ። 8ትዓማር ድማ ናብ ቤት ሓዋ ኣምኖን ከደት፤ ንሱ ኣብኡ ደቂሱ ነበረ። ብሑቕ ወሲዳ ለዊሳ፥ ኣብ ቅድሚኡ ቕጫ ገይራ ኸዓ ሰንከተት። 9እቲ ሸሓነ ወሲዳ ድማ ኣቕረበትሉ፤ ንሱ ግና ክበልዕ ኣበየ። ኣምኖን ከዓ “ኵሉ ሰብ ካባይ ኣውፅኡ” በለ። ኵሉ ሰብ ድማ ካብኡ ወፀ። 10ኣምኖን ድማ ንትእማር “እቲ ምግቢ ናብ መደቀሲ ኣእትውዮ፥ ካብ ኢድኪ ምእንቲ ኽበልዕ” በላ። ትዓማር ከዓ ነቲ ዝሰንከተቶ ቕጫ ወሲዳ፥ ናብ ሓዋ ኣምኖን ናብ መደቀሲ ኣእተወትሉ። 11ክበልዕ ከተቕርበሉ እንተላ ድማ ሓዛ፥ “ሓብተይ፥ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ።
12ንሳ ድማ “ኣይፋልካን ሓወይ! ኣይተገድደኒ፤ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ነገር ከቶ ኣይግበርን እዩ፤ እዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበር። 13ኣነ ኸዓ ነዝ ውርደተይ ናበይ እወስዶ? ንስኻ ድማ ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ፅዩፋት ዓያሹ ክትከውን ኢኻ። በይዛኻ፥ ንንጉስ ተዛረቦ፤ ንሱ ኻባኻ ኣይከልክለንን እዩ” በለት።
14ንሱ ግና ክሰምዓ ኣበየ፤ ካብኣ ስለ ዝሓየለ ድማ ገደዳ፥ ምስኣ ኸዓ ደቀሰ። 15ሽዑ ኣምኖን የመና ፀልኣ፤ እቲ ፅልኢ ኸዓ ካብቲ ቅድም ኣፍቂርዋ ዝነበረ ፍቕሪ ይዓቢ ነበረ። “ተሲእኪ ኪዲ!” ድማ በላ።
16ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን፤ እዝ ምስዳደይ ካብቲ ዝገበርካኒ ዝገደደ ኽፉእ ነገር እዩ” በለት። ንሱ ግና ክሰምዓ ኣበየ።
17ነቲ ዘገልግሎ ጊልያ ፀዊዑ ድማ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ካብዙይ ኣውፅኣ፥ ድሕሪኣ ኸዓ ማዕፆ ዕፆ” በሎ።
18ንሳ ድማ ነዊሕ ዝተወቀበ ቀሚሽ ተኸዲና ነበረት፤ እዙይ ከዓ ኣብቲ ዘመን እቲ ደቂ ንጉስ ድንግላት ዝኽደናኦ ኽዳን ነበረ። እቲ ዘገልግሎ ድማ ናብ ደገ ኣውፅኣ፥ ድሕሪኣ ኸዓ ማዕፆ ዓፀወ። 19ትዓማር ድማ ሓመድ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ነዊሕ ዝተወቀበ ቀሚሽ ቀደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ኸዓ፥ እናበኸየት ከደት። 20ሓዋ ኣቤሴሎም ድማ “ሓውኪ ኣምኖን ምሳኺ ነይሩ? ሕዚ ስቕ በሊ ሓብተይ፤ ንሱ ሓውኪ እዩ፤ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልብኺ ኣይተእትውዮ” በላ። ትዓማር ከዓ ኣብ ቤት ሓዋ ኣቤሴሎም ጥፍእቲ ኾይና ተቐመጠት።
21ንጉስ ዳዊት ድማ ነዝ ዅሉ ምስ ሰምዐ፥ የመና ተቘጥዐ። 22ኣቤሴሎም ድማ ንኣምኖን ሰናይ ኮነ ኽፉእ ገለ እኳ ኣይበሎን፤ ንሓብቱ ትዓማር ስለ ዘነወራ ይፀልኦ ነበረ እሞ።
ኣቤሴሎም ምእንቲ ሓብቱ ትዓማር ሕነ ይፈዲ
23ድሕሪ ክልተ ምሉእ ዓመት ድማ ኣቤሴሎም ኣብ በዓል ሓሶር ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ቈረፅቲ ፀጕሪ ኣባጊዕ ነበርዎ፤ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ከዓ ዓደመ። 24ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ከይዱ “እንሆ፥ ሓሽከርካ ቈረፅቲ ፀጕሪ ኣለዎ፤ ንጉስን ኣገልገልቱን ምስ ሓሽከርካ ይኺዱ” በለ።
25እቲ ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም “ኣይፋሉን ወደይ፤ ከይነኽብደካ ኵልና ኣይንኺድን” በሎ። ኣቤሴሎም ግዲ እኳ እንተ በሎ፥ ክኸይድ ኣይደለየን፤ ባረኾ ደኣ እምበር።
26ኣቤሴሎም ድማ “እንተ ዘይኮነ፥ በይዛኻ ሓወይ ኣምኖን ምሳና ይምፃእ” በለ። እቲ ንጉስ ከዓ “ስለ ምንታይ ምሳኻ ይኸይድ?” በሎ።
27ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፤ ስለዙይ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ክኸዱ ፈቐደሎም። 28ኣቤሴሎም ድማ ነገልገልቱ “ኣጸቢቕኩም ተመልከቱ፤ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፥ ‘ንኣምኖን ውቅዕዎ’ ኢለ ምስ በልኩኹም ድማ ቅተልዎ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ባዕለይ ኣይኣዘዝኩኹምን? ፅንዑን ትብዑን” ኢሉ ኣዘዞም።
29ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ድማ ነኣምኖን ከምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ገበርዎ። ሽዑ ኵሎም ደቂ ንጉስ ተሲኦም፥ ነፍሲ ወከፎም ኣብ በቕሉ ተቐሚጡ ሃደሙ።
30ኣብ መንገዲ እንተለዉ ድማ ዳዊት “ኣቤሴሎም ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን” ዝብል ወረ ሰምዐ።
31እቲ ንጉስ ድማ ተሲኡ ክዳኑ ቀደደ፤ ኣብ ምድሪ ኸዓ ተገምሰሰ፤ ኵሎም ኣገልገልቱ ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። 32ዮናዳብ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት ግና ከምዙይ በለ፦ “ጐይታይ፥ ንዅሎም እቶም መንእሰያት ደቂ ንጉስ ቀቲሎምዎም ኢሉ ኣይሕሰብ፤ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ዝሞተ። ኣምኖን ንሓብቱ ትዓማር ካብ ዘነወረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣቤሴሎም ነዙይ ሓሲቡ ነበረ እዩ እሞ። 33ስለዙይ ጐይታይ ንጉስ ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ ኣብ ልቡ ኣየእትዎ፤ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ዝሞተ” በለ።
34ኣቤሴሎም ድማ ሃዲሙ ነበረ። እቲ መንእሰይ ሓላዊ ድማ ቋሕ ኢሉ እንተ ጠመተ፥ ብመንገዲ ጎቦ እቲ ዀረብታ ደድሕሪኡ ዝመፅእ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። 35ዮናዳብ ድማ ንንጉስ “እንሆ፥ ደቂ ንጉስ መፂኦም፤ ከምቲ ሓሽከርካ ዝበሎ ኾይኑ” በሎ። 36እዙይ ክዛረብ ምስ ወድአ ድማ ደቂ ንጉስ ዓው ኢሎም እናበኸዩ መፁ፤ እቲ ንጉስን ኵሎም ኣገልገልቱን ከዓ የመና ብምሪር ብኽያት በኸዩ።
37ኣቤሴሎም ድማ ሃዲሙ ናብ ታልማይ ወዲ ዓሚሁድ ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከዓ ምእንቲ ወዱ ኵሉ መዓልቲ ይሓዝን ነበረ። 38ኣቤሴሎም ድማ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ምስ ከደ፥ ኣብኡ ሰለስተ ዓመት ተቐመጠ። 39ልቢ ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ኣቤሴሎም ክኸይድ ይናፍቕ ነበረ፤ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ተፀናኒዑ ነበረ እሞ።