ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንናታን ናብ ዳዊት ሰደዶ

ናታን ብዛዕባ ሓደ ሃብታም ነታ ናይ ድኻ ፍቕርቲ ሽበን በጊዕ ዝሰረቐ ዛንታ ነገሮ፥ ዳዊት ድማ ‘እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ’ ከይሰምዐ ንርእሱ ኰነነ። ሰይፊ ኻብ ቤቱ ኸቶ ኣይፍለን። ነቲ ዝመውት ዝነበረ ቘልዓ ፆመ፥ ደሓር ተሲኡ ኸዓ ሰገደ። ሰሎሞን ተወለደ፥ ኣቦና ከዓ ፈተዎ።

ምዕራፍ 12።

ኣቦና ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ሰደዶ። ንሱ ኸዓ መፂኡ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰባት ይነብሩ ነበሩ፤ ሓደ ሃብታም፥ ሓደ ድማ ድኻ ነበረ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ የመና ብዙሕ ኣባጊዕን ከፍትን ነበሮ፥ እቲ ድኻ ግና ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ ሽበን በጊዕ ጥራሕ ነበረቶ። ንሳ ኸዓ ኣዕበያ፤ ምስኡን ምስ ደቁን ድማ ዓበየት። ካብ ሸሓኑ ትበልዕ፥ ካብ ፅዋዑ ትሰቲ፥ ኣብ ሕቑፉ ኸዓ ትድቅስ ነበረት፤ ከም ጓሉ ድማ ኮነት። ናብቲ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ሓደ ሓላፊ መንገዲ መፀ፤ ንሱ ግና ነቲ ዝመፀ ጋሻ ዝምግቦ ኻብ ኣባጊዑ ወይ ካብ ከፍቱ ኽወስድ ኣይደለየን። ስለዙይ ነታ ሽበን በጊዕ እቲ ድኻ ወሲዱ ነቲ ናብኡ ዝመፀ ሰብኣይ ኣሰናደወሉ።”

ዳዊት ድማ በቲ ሰብኣይ የመና ተቖጥዐ፥ ንናታን ከዓ ከምዙይ በሎ፦ “ህያው ኣቦና፥ እቲ ነዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ሞት ይግብኦ! ነዙይ ስለ ዝገበረን ስለ ዘይራህርሀን፥ ነታ በጊዕ ኣርባዕተ ዕፅፊ ኽኽሕሳ ኣለዎ።”

ሽዑ ናታን ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ! ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀባእኩኻ፥ ካብ ኢድ ሳኦል ድማ ኣናገፍኩኻ።

ንቤት ጐይታኻን ንኣንስቱን ኣብ ሕቑፍኻ ሃብኩኻ፥ ንቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሃብኩኻ። እዙይ ሒደት እንተ ዝኸውን ድማ፥ ዝበዝሐ ኣባዝሐ ምሃብኩኻ ነይረ። ስለምንታይ ደኣ ንቓለይ ነዒቕካ፥ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ገበርካ? ንኦርዮ ኬጢያዊ ብሰይፊ ወቒዕካ፥ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ገይርካ ወሲድካ፥ ንእኡ ኸዓ ብሰይፊ ደቂ ኣሞን ቀቲልካዮ። ስለዙይ ሕዚ፥ ንኣይ ነዒቕካ ንሰበይቲ ኦርዮ ኬጢያዊ ሰበይትኻ ገይርካ ስለ ዝወሰድካያ፥ ሰይፊ ኻብ ቤትካ ኸቶ ኣይፍለን እዩ።

ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ካብ ቤትካ ባዕላ መዓት ከምፀኣልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸዓ ንኣንስትኻ ወሲደ ንሓደ ናባኻ ዝቐረበ ሰብኣይ ክህቦ እየ፥ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ምሳታተን ክድቅስ እዩ። ንስኻ እዙይ ብስዉር ገበርካ፥ ኣነ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል፥ ኣብ ቅድሚ ፀሓይ ክገብሮ እየ።”

ዳዊት ድማ ንናታን “ንኣቦና በዲለ እየ” በሎ። ናታን ከዓ “ኣቦናውን ሓጢኣትካ ኣርሒቑልካ ኣሎ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

ይኹን እምበር፥ በዝ ተግባር እዙይ ንኣቦና ኣዝዩ ስለ ዘነዓቕካዮ፥ እቲ ዝተወለደልካ ወዲ ክመውት እዩ። ሽዑ ናታን ናብ ገዛኡ ኸደ። ኣቦና ድማ ነቲ ሰበይቲ ኦርዮ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ ወቕዖ፥ ንሱ ኸዓ የመና ሓመመ። ዳዊት ድማ ስለ እቲ ቘልዓ ናብ ኣቦና ለመነ። ፆመ ኸዓ፥ ኣትዩ ድማ ለይቲ ምሉእ ኣብ ምድሪ ደቂሱ ሓደረ። እቶም ሽማግለታት ቤቱ ኸዓ ኻብ ምድሪ ከተንስእዎ ኣብ ጐድኑ ደው በሉ፤ ንሱ ግና ኣበየ፥ ምሳታቶም ድማ ኣይበልዐን። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ቘልዓ ሞተ። ኣገልገልቲ ዳዊት ድማ እቲ ቘልዓ ኸም ዝሞተ ኽነግርዎ ፈርሑ፤ “እንሆ፥ እቲ ቘልዓ ብህይወት እንተሎ ተዛሪብናዮ ኣይሰምዐናን፤ እቲ ቘልዓ ሞይቱ ኢና ደኣ ኸመይ ኢልና ኽንብሎ? ንነፍሱ ኽጐድእ ይኽእል እዩ” ይብሉ ነበሩ እሞ።

ዳዊት ግና ኣገልገልቱ ሕሹኽሹኽ ክብሉ ምስ ረአየ፥ እቲ ቘልዓ ኸም ዝሞተ ኣስተውዓለ። ስለዙይ “እቲ ቘልዓ ሞይቱ ድዩ?” ኢሉ ጠየቐ። ንሳቶም ከዓ “ሞይቱ እዩ” በሉ።

ዳዊት ድማ ካብ ምድሪ ተሲኡ፥ ተሓፂቡ፥ ዘይቲ ተለኺዩ፥ ክዳኑ ለወጠ። ናብ ቤት ኣቦና ኣትዩ ኸዓ ሰገደ፤ ሽዑ ናብ ገዛኡ ኸደ፥ ንሱ ምስ ሓተቶም ድማ ምግቢ ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረቡሉ፥ ንሱ ኸዓ በልዐ። ኣገልገልቱ ኸዓ “እዙይ ዝገበርካዮ እንታይ እዩ? እቲ ቘልዓ ብህይወት እንተሎ ፆምካን በኸኻን፤ ሕዚ ምስ ሞተ ግና ተሲእኻ ትበልዕ ኣለኻ” በልዎ።

ንሱ ኸዓ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ቘልዓ ብህይወት እንተሎ፥ ‘መን ይፈልጥ? ኣቦና ይራህርሀለይ እሞ እቲ ቘልዓ ብህይወት ይተርፍ ይኸውን’ ኢለ ፆምኩን በኸኹን። ሕዚ ግና ሞይቱ እዩ። ስለምንታይ ደኣ እፆም? ከም ብሓድሽ ከምልሶዶ እኽእል እየ? ኣነ ናብኡ ክኸይድ እየ፥ ንሱ ግና ናባይ ኣይምለስን እዩ።”

ሽዑ ዳዊት ንሰበይቱ ቤርሳቤህ ኣፀናንዓ። ናብኣ ኣትዩ ድማ ምስኣ ደቀሰ፥ ንሳ ኸዓ ወዲ ወለደት። ስሙ ድማ “ሰሎሞን” ኢሉ ሰመዮ። ኣቦና ኸዓ ኣፍቀሮ፥ ብነቢይ ናታን ድማ ለኣኸ፥ ንሱ ኸዓ ምእንቲ ኣቦና ኢሉ “የዲድያ” ኢሉ ሰመዮ። a a v25 የዲድያ ማለት "ፍቑር ኣቦና" ማለት እዩ፤ እዝ ስም እዙይ ነቲ ኣቦና ኣብቲ ቘልዓ ሽዑ ዘንበሮ ፍቕሪ የንፀባርቕ።

ዳዊት ንረባት ሓዛ

ኢዮኣብ ድማ ንረባት ናይ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ፥ ነታ ናይ ንጉስ ኸተማ ሓዛ። ኢዮኣብ ናብ ዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ፦ “ንረባት ተዋጊአ፥ ናይ ማይ ቀረባኣ ድማ ሓዝክዎ። ሕዚ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ኣክብ፥ ነታ ኸተማ ኸቢብካ ድማ ሓዛ፤ እንተ ዘይኮነ ኣነ ኽሕዛ እየ፥ ብስመይ ከዓ ክትሰመ እያ።”

ዳዊት ድማ ንዅሉ ሰራዊት ኣኪቡ፥ ናብ ረባት ደዪቡ፥ ተዋጊእዋ፥ ሓዛ። ነቲ ኣብ ርእሲ ንጉሶም ዝነበረ ኣኽሊል ድማ ወሰዶ፤ ንሱ ኸዓ ምስ ክቡር ዕንቊ ዝተጋጠመ ኣስታት ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቂ ነበረ፤ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ተገብረ። ካብታ ኸተማ ድማ ብዙሕ ምርኮ ማረኸ። ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ኣውፂኡ ድማ፥ ብመጋዝ፥ ብመባሮ ሓፂንን ብማዕፂድ ሓፂንን ኣስርሖም፤ ናብ ስራሕ እቶን ጡብ ድማ ኣእተዎም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ከምኡ ገበረ። ሽዑ ዳዊት ምስ ኵሉ ሰራዊት ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።