ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዳዊት ንቤርሳቤህ ወሰደ

ነገስታት ናብ ውግእ ኣብ ዝወፅኡሉ ጊዜ፥ ዳዊት ኣብ ገዝኡ ተረፈ፥ ንቤርሳቤህ ክትሕፀብ እንከላ ረአያ፥ ልኢኹ ኸዓ ወሰዳ፥ ንሳውን ጠነሰት። ኦርዮ ድማ እቲ ሰራዊት ኣብ ጥርሑ ሜዳ ሰፊሩ እንተሎ፥ ዕረፍቲ ገዝኡ ኣበዮ፤ ስለዙይ ዳዊት ናብ ቀዳማይ ሰልፊ ፅሒፉ ኣእትዩ ኣቕተሎ። እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ኮነ።

ምዕራፍ 11።

ኣብ ፀደይ፥ ነገስታት ናብ ውግእ ዝወፅኡሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብን ንሓሻኽሩን ንብዘለዉ እስራኤልን ሰደዶም። ንሳቶም ድማ ንደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ንረባት ከበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ። ሓደ ምሸት ዳዊት ካብ ዓራቱ ተሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ተመላለሰ። ካብኡ ኸዓ ትሕፀብ ዘላ ሰበይቲ ረአየ፤ ንሳ ድማ የመና መልክዐኛ ነበረት። ዳዊት ድማ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ክሐትት ለኣኸ። ሓደ ሰብ ከዓ “እዚኣ ቤርሳቤህ፥ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ዲያ ዘይኮነት?” በለ።

ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ። ንሳ ናብኡ መፂኣ፥ ናብኣ ኣተወ፤ ንሳ ግና ሽዑ ካብ ርኽሰታ ነፂሃ ነበረት፤ ናብ ገዛኣ ድማ ተመለሰት። a a v4 ሕጊ ሙሴ ንሰበይቲ ድሕሪ ናይ ወርሒ ፅግያኣ ናብ ንቡር ናብራ ከይተመለሰት ከላ፥ ስርዓት ምንፅሃ ክትገብር የዝዝ ነበረ (ዘሌዋውያን 15፥19-28 ርአ)። እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፤ ናብ ዳዊት ለኣኸት፥ “ጠኒሰ ኣለኹ” ኢላውን ነገረቶ።

ዳዊት ድማ ናብ ኢዮኣብ ልኢኹ “ንኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ስደደለይ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ ንኦርዮ ናብ ዳዊት ሰደዶ። ኦርዮ ናብኡ ምስ መፀ፥ ዳዊት ብዛዕባ ኢዮኣብን ብዛዕባ እቶም ሰራዊትን እቲ ውግእ ከመይ ከም ዘሎን ሐተተ። ዳዊት ድማ ንኦርዮ “ናብ ገዛኻ ውረድ እሞ ኣእጋርካ ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ኸዓ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ድማ ገፀ በረከት ደድሕሪኡ ሰደደ። ኦርዮ ግና ምስ ኵሎም ሓሻኽር ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፥ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን። ኦርዮ ናብ ገዛኡ ኸም ዘይወረደ ምስ ነገርዎ፥ ዳዊት “ካብ መገሻዶ ኣይመፃእካን? ስለ ምንታይከ ናብ ገዛኻ ዘይወረድካ?” በሎ።

ኦርዮ ድማ ንዳዊት ከምዙይ በሎ፦ “ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ድንኳናት ይቕመጡ ኣለዉ፤ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ከዓ ኣብ ጥርሑ ሜዳ ሰፊሮም ኣለዉ፤ ኣነ ደኣ ክበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ናብ ገዛይ ክኣቱ? ብህይወትካን ብህይወት ነፍስኻን እምሕል ኣለኹ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይገብርን እየ።”

ዳዊት ድማ ንኦርዮ “ሎሚ እውን ኣብ ተፀናሕ፥ ፅባሕ ከዓ ክሰደካ እየ” በሎ። ስለዙይ ኦርዮ በታ መዓልቲ እቲኣን ንፅብሒቱን ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ። ዳዊት ድማ ዓደሞ፤ ንሱ ኸዓ ምስኡ በልዐን ሰተየን፤ ዳዊትውን ኣስከሮ። በቲ ምሸት ግና ኦርዮ ምስ ሓሻኽር ጐይታኡ ኣብ ዓራቱ ክድቅስ ወፀ እምበር፥ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን።

ኣብ ንግሆ ኸዓ ዳዊት ናብ ኢዮኣብ ደብዳቤ ፀሓፈ፤ ብኢድ ኦርዮ ድማ ለኣኾ። ኣብታ ደብዳቤ ድማ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦ “ንኦርዮ ኣብቲ ብርቱዕ ውግእ ዘለዎ ቅድሚት ኣቐምጥዎ፤ ተወቒዑ ምእንቲ ክመውት ድማ ካብኡ ንድሕሪት ተመለሱ።”

ኢዮኣብ ነታ ኸተማ እናኸበበ እንተሎ፥ ንኦርዮ ኣብቲ ሓያላት ተዋጋእቲ ከም ዘለዉ ዝፈለጦ ቦታ ኣቐመጦ። ሰብ እታ ኸተማ ድማ ወፂኦም ምስ ኢዮኣብ ተዋግኡ፤ ካብ ሓሻኽር ዳዊትውን ገሊኣቶም ወደቑ፤ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ እውን ሞተ። ሽዑ ኢዮኣብ ልኢኹ ኵሉ ወረ እቲ ውግእ ንዳዊት ነገሮ። ነቲ ልኡኽ ከዓ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኵሉ ወረ እቲ ውግእ ንንጉስ ነጊርካ ምስ ወዳእካ፥ ቍጥዓ ንጉስ እንተ ተላዒሉ ድማ ‘ስለ ምንታይ ናብታ ኸተማ ተቓሪብኩም ተዋጋእኹም? ካብ መንደቕ ከም ዝውርውሩዶ ኣይፈለጥኩምን? ንኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት መን ቀተሎ? ሰበይቲ ካብ መንደቕ መዲድ ኣብ ልዕሊኡ ደርብያ ኣብ ቴቤስ ዘይቀተለቶዶ? ስለ ምንታይ ናብ መንደቕ ከምኡ ተቓረብኩም?’ እንተ ኢሉ፥ ባርያኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ እውን ሞይቱ ኣሎ ኢልካ ንገሮ።” b b v21 የሩበሼት ካልእ ስም ጊዴዎን እዩ፤ ዛንታ እታ መዲድ ኣብ መሳፍንቲ 9፥50-54 ተመዝጊቡ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ከዓ ተሲኡ ከደ፤ መፂኡ ድማ ኢዮኣብ ክብሎ ዝለኣኾ ኵሉ ንዳዊት ነገሮ። እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት ከምዙይ ኢሉ ነገሮ፦ “እቶም ሰባት ሓየሉና፥ ናብ ሜዳ ወፂኦም ገጠሙና፤ ንሕና ግና ክሳዕ ኣፍ ደገ መሊስናዮም። ቀስተኛታት ድማ ካብ መንደቕ ናብ ሓሻኽርካ ፍላፃ ወርዊሮም፥ ካብ ሓሻኽር ንጉስ ገሊኣቶም ሞቱ፤ ባርያኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ እውን ሞይቱ ኣሎ።”

ዳዊት ድማ ነቲ ልኡኽ ከምዙይ በሎ፦ “ንኢዮኣብ ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ‘እዝ ነገር እዙይ ኣይጕሃካ፤ ሰይፊ ንሓደ ከም ዘጥፍእ ንኻልእ እውን የጥፍእ እዩ እሞ። ነታ ኸተማ ኣበርቲዕካ ተዋጊእካ ኣፍርሳ።’ ኣፀናንዓዮ።”

ሰበይቲ ኦርዮ ድማ ሰብኣያ ኦርዮ ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፥ ብዛዕባ ሰብኣያ ሓዘነት። እቲ ሓዘን ምስ ተወድአ፥ ዳዊት ሰዲዱ ኣምፅኣ፥ ናብ ገዛኡ ኣእተዋ፤ ንሳ ኸዓ ሰበይቱ ኾነት፤ ወዲ ድማ ወለደትሉ። ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ነበረ።