ሃኑን ንባሮት ዳዊት የዋርድ
ዳዊት ናብ ሓድሽ ንጉስ ደቂ ኣሞን መፅናንዒ ለኣኸ፥ መኻርቱ ግና እቶም ልኡኻት ሰለይቲ ኸም ዝኾኑ ኣእመንዎ። ፍርቂ ፅሕሞም ተላፀየ፥ ክዳውንቶም ድማ ክሳዕ ሕቘኦም ተቘርፀ። ደቂ ኣሞን ሰራዊት ሶርያውያን ዓስቡ፤ ኢዮኣብ ድማ ሰራዊቱ ምስ ኣቢሳይ ከፋፈለ፥ መወዳእታኡ ኸዓ ንኣቦና ሓደጎ።
10 1ድሕሪዙይ ንጉስ ደቂ ኣሞን ሞተ፤ ወዱ ሃኑን ድማ ኣብ ክንድኡ ነገሰ። 2ዳዊት ድማ “ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ሰናይ ዝገበረለይ፥ ኣነ ድማ ንሃኑን ወዲ ናዖስ ሰናይ ክገብረሉ እየ” በለ። ስለዙይ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ከፅናንዖ ኢሉ ባሮቱ ሰደደ። ባሮት ዳዊት ግና ናብ ምድሪ ደቂ ኣሞን ምስ በፅሑ፥ 3እቶም ኣሕሉቕ ደቂ ኣሞን ድማ ንጐይታኦም ሃኑን ከምዙይ በልዎ፦ “ዳዊት ሰባት ልኢኹ ዘፅናንዓካ ዘሎ፥ ንኣቦኻ ስለ ዘኽብሮ ድዩ ኢሉ ብሓቂዶ ይመስለካ? ዳዊት ነዛ ኸተማ ኽምርምራን ክስልያን ክግልብጣን ኢሉ ዲዩ ባሮቱ ናባኻ ዝሰደደ?”
4ሃኑን ድማ ንባሮት ዳዊት ሒዙ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ፅሕሞም ላፀዮም፥ ክዳውንቶም ድማ ክሳዕ ሕቘኦም ቈሪፁ ሰደዶም። 5ነዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ እቶም ሰባት ብዙሕ ሓፊሮም ስለ ዝነበሩ፥ ክቕበልዎም ልኡኻት ሰደደ። እቲ ንጉስ ድማ “ፅሕምኩም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ፤ ድሕሪኡ ተመለሱ” በሎም።
6ደቂ ኣሞን ድማ ንዳዊት ጨና ከም ዝኾኑ ምስ ረአዩ፥ ልኢኾም ንሶርያውያን ቤት ረሖብን ንሶርያውያን ሱባን፥ ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ንጉስ መዓካ ምስ ሽሕ ሰብኣይ፥ ሰብ ጦብ ድማ ምስ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኣይ ዓስቡ። 7ዳዊት ድማ ነዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብን ንዅሉ እቲ ሰራዊት ሓያላትን ሰደደ። 8ደቂ ኣሞን ድማ ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ተሰለፉ፤ ሶርያውያን ሱባን ረሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ በበይኖም ኣብ ጐልጐል ደው በሉ።
9ኢዮኣብ ድማ እቲ ሰልፊ ውግእ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ከም ዘሎ ምስ ረኣየ፥ ካብ ኵሎም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ሰለፎም። 10ነቶም ዝተረፉ ሰባት ድማ ኣብ ኢድ ኣቢሳይ ሓዉ ሂቡ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ክስለፉ ገበረ። 11ኢዮኣብ ድማ “ሶርያውያን እንተ በርትዑኒ ኣድሕነኒ፤ ደቂ ኣሞን እንተ በርትዑኻ ድማ ኣነ ከድሕነካ እየ። 12ፅንዑ፥ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ከተማታት ኣቦናን ድማ ንትባዕ። ኣቦና ከዓ እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር።” 13ሽዑ ኢዮኣብን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ንሶርያውያን ክዋግኡ ቐረቡ፤ ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ። 14ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ኢዮኣብ ከዓ ኻብ ደቂ ኣሞን ተመሊሱ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
15ሶርያውያን ድማ ብእስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፥ ተኣከቡ። 16ሃዳድዔዘር ድማ ነቶም ማዕዶ ኤፍራጥስ ዝነበሩ ሶርያውያን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብ ሔላም መፁ፤ ሾባክ ሓለቓ ሰራዊት ሃዳድዔዘር ድማ መርሖም። 17ነዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኪቡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ሔላም መፀ። ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ተሰሊፎም ተዋግእዎ። 18ሶርያውያን ግና ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ድማ ሾብዓተ ሚእቲ ሰረገለኛታቶምን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛታቶምን ቀተለ፤ ንሾባክ ሓለቓ ሰራዊቶም ድማ ወቒዑ ኣብኡ ሞተ። 19ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሃዳድዔዘር ዝነበሩ ነገስታት ድማ ብእስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ እስራኤል ዕርቂ ገይሮም ተገዝእዎ። ስለዙይ ሶርያውያን ንደቂ ኣሞን ደጊሞም ክሕግዝዎም ፈርሑ።