ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንኢዩ ንጉስ ኪኸውን ቀብኦ

ሓደ መንእሰይ ነቢይ ብቓል ኣቦና ኣብ ርእሲ ኢዩ ዘይቲ ኣፍሲሱ ሃደመ። ኢዩ ድማ ከም ፅሉል ናብ ኢይዝራኤል ነዲዱ፥ ንኢዮራም ብልቡ ወጊኡ ኣብ ግራት ናቡቴ ደርበዮ፥ ንኣካዝያ ቐተሎ፥ ንኤልዛቤል ድማ ካብ መስኮታ ኣደርበያ። ኣኽላባት ናላኣን ኣእጋራን ኣእዳዋን ሓደጉ።

ምዕራፍ 9።

ነቢይ ኤልሳዕ ካብ ደቂ ነቢያት ንሓደ ፀዊዑ ከምዙይ በሎ፦ “ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ነዚ ብልቃጥ ዘይቲ እዚ ሒዝካ፥ ናብ ራሞት ገለዓድ ኪድ። ኣብኡ ምስ በፃሕኻ ድማ፥ ንኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ ወዲ ናሜሲ ርኸቦ፤ ኣቲኻ ኸዓ ካብ ማእኸል ብፆቱ ኣተሲእካ ናብ ውሽጣዊ ክፍሊ ውሰዶ።

ነቲ ብልቃጥ ዘይቲ ወሲድካ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍስሶ፤ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ ኣለኹ’ ድማ በሎ። ነቲ ማዕፆ ኸፊትካ ህደም፤ ኣይትደንጒ።”

እቲ መንእሰይ፥ ኣገልጋሊ እቲ ነቢይ ድማ ናብ ራሞት ገለዓድ ከደ። ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ እቶም ሓለቕቲ ሰራዊት ተኣኪቦም ተቐሚጦም ነበሩ። “ኦ ሓለቓ፥ ናባኻ መልእኽቲ ኣለኒ” ከዓ በለ። ኢዩ ድማ “ካባና ንመን?” ኢሉ ሓተተ። ንሱ ኸዓ “ናባኻ፥ ኦ ሓለቓ” በሎ።

ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ውሽጢ ኣተወ። እቲ መንእሰይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ዘይቲ ኣፍሲሱ ከምዙይ በሎ፦ “ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝበይ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ ኣለኹ። ነቲ ደም ባሮተይ ነቢያትን ደም ኵሎም ዘገልግሉኒን ካብ ኤልዛቤል ሕነ ምእንቲ ኽፈዲ፥ ንቤት ኣክኣብ ጐይታኻ ውቕዖ። ብዘላ ቤት ኣክኣብ ክትጠፍእ እያ፤ ካብ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ዘሎ ተባዕታይ ዅሉ፥ ባርያ ይኹን ሓራ፥ ከጥፍእ እየ። ንቤት ኣክኣብ ከም ቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ከምኡውን ከም ቤት ባኦስ ወዲ ኣኪያ ክገብራ እየ። ንኤልዛቤል ድማ፥ ኣብ ግራት ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም፤ ዝቐብራ ኸዓ የለን።’ ” ድሕሪዙይ ነቲ ማዕፆ ኸፊቱ ሃደመ።

ኢዩ ድማ ናብ ሹመኛታት ጐይታኡ ወፀ። ሓደ ኸዓ “ኵሉ ደሓንዶ? እዝ ፅሉል እዝ ስለ ምንታይ ናባኻ መፀ?” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ “ነቲ ሰብኣይን ኣዘራርባኡን ትፈልጡ ኢኹም” በሎም።

ንሳቶም ድማ “ሓሶት እዩ! ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ ‘ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ ኣለኹ’ ኢሉ ነገረኒ” በሎም።

ቀልጢፎም ድማ ነፍሲ ወከፍ ኻባኡ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥራዩ መደያይቦ ኣብ ትሕቲኡ ኣንፀፍዎ፤ መለኸት ነፊሖም ድማ “ኢዩ ነጊሱ!” ኢሎም ኣእወዩ።

ኢዩ ንኢዮራምን ንኣካዝን ቀተለ

ኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ ወዲ ናሜሲ ኸዓ ንኢዮራም ተመሓሓለሉ። ኢዮራም ምስ ብዘለዉ እስራኤል ኮይኑ ንራሞት ገለዓድ ካብ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ይሕልዋ ነበረ፤ ንጉስ ኢዮራም ግና ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ እንተሎ፥ እቶም ሶርያውያን ዘቚሰልዎ ቝስሊ ኺፍወስ ናብ ኢይዝራኤል ተመሊሱ ነበረ። ኢዩ ድማ “ፍቓድኩም እንተ ኾይኑ፥ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ኢይዝራኤል ኬውሪ ካብ ከተማ ዝወፅእ ሓደ እኳ ኣይምለጥ” በለ። ኢዩ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ፤ ኢዮራም ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ። ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ንኢዮራም ኪርኢ ወሪዱ ነበረ። እቲ ኣብ ግምቢ ኢይዝራኤል ዝነበረ ሓላዊ ኸዓ ጭፍራ ኢዩ ኺመፅእ ምስ ረአየ፥ ዓው ኢሉ “ጭፍራ ሰባት ይርኢ ኣለኹ” በለ። ኢዮራም ድማ “ፈረሰኛ ውሰድ፤ ኪቕበሎም ልኣኾ፤ ‘ሰላም ድዩ?’ ኢሉ ኸዓ ይሕተቶም” ኢሉ ኣዘዘ።

እቲ ፈረሰኛ ድማ ናብ ኢዩ ጐየየ፤ “ንጉስ ‘ሰላም ድዩ?’ ኢሉ ይሓትት ኣሎ” ኢሉ በሎ። ኢዩ ድማ “ንስኻ ምስ ሰላም እንታይ ኣለካ? ደድሕረይ ተኸተል” በለ። እቲ ሓላዊ ኸዓ “እቲ ልኡኽ ናብኣቶም በፂሑ፥ ግና ኣይምለስን ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።

ንጉስ ድማ ካልኣይ ፈረሰኛ ለኣኸ። ናብኣቶም ምስ በፅሐ ኸዓ “ንጉስ ‘ሰላም ድዩ?’ ኢሉ ይሓትት ኣሎ” በለ። ኢዩ ድማ “ንስኻ ምስ ሰላም እንታይ ኣለካ? ደድሕረይ ተኸተል” ኢሉ መለሰ።

እቲ ሓላዊ ድማ “ናብኣቶም በፂሑ፥ ግና ኣይምለስን ኣሎ። ከም ፅሉል ይዝውር ኣሎ እሞ፥ እቲ ኣዘዋውራ ኸም ናይ ኢዩ ወዲ ናሜሲ እዩ” ኢሉ ነገሮ።

ኢዮራም ድማ “ሰረገላይ ፅመድ” ኢሉ ኣዘዘ። ምስ ተዳለወ ኸዓ ኢዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣካዝ ንጉስ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ በበ ሰረገላኡ ንኢዩ ኺቕበሉ ወፁ፤ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ድማ ረኸብዎ።

ኢዮራም ንኢዩ ምስ ረአዮ “ኢዩ፥ ሰላም ድዩ?” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸዓ “ምንዝርናን ጥንቈላን ኣዴኻ ኤልዛቤል ክሳዕ ዝበዝሐ፥ እንታይ ሰላም ኣሎ?” ኢሉ መለሰ።

ኢዮራም ድማ ሰረገላኡ መሊሱ ሃደመ፤ ንኣካዝ ከዓ “ኣካዝ፥ ክድዓት እዩ!” ኢሉ ፀውዐ።

ኢዩ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ቀስቱ ወጢሩ ንኢዮራም ኣብ መንጎ መንኵቡ ወቕዖ። እቲ ፍላፃ ልቡ ወጊኡ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተደፊኡ ወደቐ። ኢዩ ድማ ንሹመኛኡ በድቃር ከምዙይ በሎ፦ “ኣልዒልካ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ደርብዮ። ኣነን ንስኻን ደድሕሪ ኣቦኡ ኣክኣብ ብሓባር ተቐሚጥና ንጐዓዝ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፥ ኣቦና ነዚ ትንቢት እዚ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዘውረዶ ዘክር፦

‘ብሓቂ ትማሊ ደም ናቡቴን ደም ደቁን ርእየ፥ ይብል ኣቦና፤ ኣብዛ ግራት እዚኣ ድማ ክፈድየካ እየ።’ ሕዚ ኸዓ ከምቲ ቓል ኣቦና ዝበሎ፥ ኣልዒልካ ናብታ ግራት እቲኣ ደርብዮ።”

ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዚ ምስ ረአየ፥ በታ ናብ ቤትሃጋን እተእቱ መንገዲ ሃደመ። ኢዩ ድማ ደድሕሪኡ ሰጐጎ፤ “ንእኡ እውን ውቕዕዎ!” ኢሉ ኣዘዘ። ኣብቲ ናብ ጉር ዘደይብ፥ ኣብ ጥቓ ይብልዓም ዘሎ ዓቐበት ድማ ኣብ ሰረገላ ወቕዕዎ፤ ናብ መጊዶ ግና ኣምሊጡ ኣብኡ ሞተ። ኣገልገልቱ ድማ ብሰረገላ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዶም፥ ኣብ መቓብሩ ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። (ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ፥ ኣካዝ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።)

ቃል ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኤልዛቤል

ኢዩ ድማ ናብ ኢይዝራኤል መፀ። ኤልዛቤል ከዓ ሰሚዓ ኣዒንታ ተኳሒላ ፀጕራ ኣሰናድያ በቲ መስኮት ጠመተት። ኢዩ በቲ ኣፍ ደገ ኺኣቱ እንተሎ፥ ንሳ “ኦ ዘምሪ፥ ቀታሊ ጐይታኻ፥ ሰላም ድዩ?” ኢላ ሓተተት። a a v31 ኤልዛቤል ንኢዩ “ዘምሪ” ኢላ ብምፅዋዕ ተላገፀትሉ፤ ዘምሪ ዝበሃል፥ ዙፋን እስራኤል ኪሕዝ ንንጉሱ ዝቐተለ፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ዝሞተ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት እዩ ነይሩ፤ ንሳ ድማ ንኢዩ ከም ጥፍኣት ዝተፈርደሉ ኸዳዒ ጌራ ትሰምዮ ኣላ።

ናብቲ መስኮት ቋሕ ኢሉ ድማ “ምሳይ ዘሎ መን እዩ? መን?” ኢሉ ዓው በለ። ክልተ ወይ ሰለስተ ስሉባት ከዓ ናብኡ ጠመቱ።

ኢዩ ድማ “ንታሕቲ ደርብይዋ!” በለ። ንሳቶም ከዓ ንታሕቲ ደርበይዋ፤ ገለ ኻብ ደማ ኣብ መንደቕን ኣብ ኣፍራስን ተነፀገ፤ ንሳቶም ከዓ ረገፅዋ።

ኢዩ ድማ ኣትዩ በሊዑ ሰትዩ “ነዛ ርግምቲ ሰበይቲ እዚኣ ረአይዋ ቕበርዋ ኸዓ፤ ጓል ንጉስ እያ ነይራ እሞ” በለ።

ኪቐብርዋ ምስ ከዱ ድማ፥ ብዘይ ናላኣን ኣእጋራን ባሃት ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡን።

ተመሊሶም ድማ ንኢዩ ነገርዎ። ንሱ ኸዓ “እዚ በቲ ባርያኡ ኤልያስ ቴስብያዊ ዝተዛረቦ ቓል ኣቦና እዩ፦ ‘ኣብ ግራት ኢይዝራኤል ኣኽላባት ስጋ ኤልዛቤል ክበልዑ እዮም። በድኒ ኤልዛቤል ኣብ ገፅ ግራት ኢይዝራኤል ከም ጓሓፍ ይኸውን፤ “እዚኣ ኤልዛቤል እያ” ኢሉ ዝዛረብ ሓደ እኳ ከይህሉ።’ ”