ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንምድራ መለሰላ

እታ ወዳ ዝተንስአላ ሰበይቲ ካብቲ ኣቦና ዝፀውዖ ጥሜት ተመሊሳ፥ ጌሃዚ ንንጉስ ታሪኻ ኣብ ዝነግረሉ ህሞት ምድራ ተመለሰላ። ኣብ ደማስቆ ኸዓ ኤልሳዕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገብሮ ንኣዛሄል እናነገሮ በኸየ፤ ንፅባሒቱ ኣዛሄል ንጐይታኡ ኣፍኒዱ ቐተሎ፥ ዝፋን ድማ ወረሰ።

ምዕራፍ 8።

ኤልሳዕ ነታ ወዳ ዘተንስአላ ሰበይቲ ከምዙይ ኢሉ ነገራ ነበረ፦ “ተሲእኪ ኪዲ፤ ንስኺ ምስ ስድራ ቤትኪ ኣብ ዝከኣለኪ ቦታ ተቐመጢ፤ ኣቦና ነቲ ጥሜት ፀዊዑ እዩ እሞ፥ ኣብታ ምድሪ ሸውዓተ ዓመት ክመፅእ እዩ።”

እታ ሰበይቲ ከዓ ተሲኣ ከምቲ ሰብ ኣቦና ዝበላ ገበረት፤ ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክነብራ ሸውዓተ ዓመት ከዳ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ከዓ እታ ሰበይቲ ካብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመሊሳ፥ ብዛዕባ ቤታን ምድራን ናብ ንጉስ ክትልምን ከደት። እቲ ንጉስ ድማ ምስ ጌሃዚ፥ ኣገልጋሊ ሰብ ኣቦና፥ ይዛረብ ነበረ፤ “እቲ ኤልሳዕ ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ነገራት ንገረኒ” ከዓ በሎ። ጌሃዚ ኸዓ ኤልሳዕ ከመይ ኢሉ ንምዉት ከም ዘተንስአ ንንጉስ ይነግር እንተሎ፥ እታ ወዳ ዘተንስአላ ሰበይቲ ብዛዕባ ቤታን ግራታን ናብ ንጉስ እናበኸየት መፀት። ጌሃዚ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዚኣ እያ እታ ሰበይቲ፤ እዙይ ድማ እዩ ወዳ እቲ ኤልሳዕ ዘተንስአ” በለ።

እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ሰበይቲ ጠየቓ፤ ንሳውን ኣረድኣቶ። ሽዑ ሓደ ሹም መዘዘላ፦ “ዅሉ ንብረታን፥ ካብታ ንምድሪ ዝሓደገትላ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ዝነበረ ዅሉ እቶት እታ ግራትን መልሰላ” በሎ።

ኣቦ ምስፋን ኣዛሄል ገለፀ

ኤልሳዕ ከዓ ናብ ደማስቆ መፀ። ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ሓሚሙ ነበረ፤ “ሰብ ኣምላኽ ናብዚ መፂኡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ።

እቲ ንጉስ ከዓ ንኣዛሄል “ህያብ ሒዝካ ኺድ እሞ ንሰብ ኣምላኽ ተቐበሎ፤ ብእኡ ኣቢልካ ድማ ንእግዚኣብሄር ‘ካብዝ ሕማም እዝ ክሓዊዶ እየ?’ ኢልካ ጠይቕ” በሎ።

ኣዛሄል ከዓ ክቕበሎ ኸደ፤ ካብ ዅሉ ፅቡቕ ነገር ደማስቆ ህያብ፥ ኣርብዓ ፅዕነት ግመል ሒዙ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው ኢሉ፦ “ወድኻ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ‘ካብዝ ሕማም እዝ ክሓዊዶ እየ?’ ኢሉ ክጠይቐካ ሰዲዱኒ” በለ።

ኤልሳዕ ከዓ “ኺድ እሞ ‘ብርግፅ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ፤ ኣቦና ግና ብርግፅ ከም ዝመውት ኣርእዩኒ እዩ” በሎ። ክሳዕ ዝሓፍር ድማ ኣዛሄል ኣፍጢጡ ጠመቶ፤ ሽዑ ሰብ ኣቦና በኸየ።

ኣዛሄል ከዓ “ጐይታይ ስለ ምንታይ ይበኪ ኣሎ?” በሎ። ንሱ ድማ “እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል እትገብሮ ጒድኣት እፈልጥ ኣለኹ እሞ፦ ዕርድታቶም ብሓዊ ከተንድድ፥ ንመንእሰያቶም ብሰይፊ ክትቀትሎም፥ ንሕፃናቶም ኣብ ምድሪ ክትነጥሖም፥ ንጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ክትቀዳድድ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

ኣዛሄል ከዓ “ባርያኻ፥ እዚ ኸልቢ እዙይ፥ እዝ ዓብዪ ነገር እዙይ ክገብር መን እዩ?” ኢሉ መለሰ። ኤልሳዕ ድማ “ኣቦና ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንጉስ ከም እትኸውን ኣርእዩኒ” ኢሉ መለሰ።

ኣዛሄል ከዓ ካብ ኤልሳዕ ተፈልዩ ናብ ጐይታኡ ተመለሰ፤ ንሱ ድማ “ኤልሳዕ እንታይ በለካ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ብርግፅ ክትሓዊ ኢኻ በለኒ” ኢሉ መለሰሉ።

ንፅባሒቱ ኸዓ ኣዛሄል ነቲ ረጒድ ዓለባ ወሲዱ ኣብ ማይ ጠሚዑ፥ ኣብ ገፅ እቲ ንጉስ ዘርግሖ እሞ ሞተ። ኣብ ክንድኡ ድማ ኣዛሄል ነገሰ።

ኢዮራም ኣብ ይሁዳ ነገሰ

ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሓምሻይ ዓመቱ፥ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ እንተሎ፥ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ኣብ ይሁዳ ክነግስ ጀመረ። ክነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሸሞንተ ዓመት ነገሰ። ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበርዎ፥ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፤ ንጓል ኣክኣብ ኣንስቱ ገይሩ ነበረ እሞ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ድማ ክፉእ ገበረ። ኮይኑ ግና ኣቦና ስለ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ ንይሁዳ ከጥፍኣ ኣይፈተወን፤ ከምቲ ንዳዊትን ንደቁን ንዘለኣለም መብራህቲ ኽህቦ ቃል ዝኣተወ።

ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ግዝኣት ይሁዳ ዓመፀ፤ ንባዕሉ ድማ ንጉስ ኣንገሰ። ኢዮራም ከዓ ምስ ኵሎም ሰረገላታቱ ናብ ሳዒር ተሳገረ፤ ለይቲ ተሲኡ ድማ ነቶም ኣብ ዙሪያኡ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታትን ወቕዖም፤ እቲ ህዝቢ ግና ናብ ድንኳናቶም ሃደመ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኤዶም ካብ ትሕቲ ግዝኣት ይሁዳ ዓሚፁ ኣሎ። በቲ እዋን እቲ ኸዓ ልብና ዓመፀት። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮራም ነገርን፥ ዅሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮራም ድማ ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።

ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ

ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ክነግስ ጀመረ። ኣካዝ ክነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣታልያ ጓል ጓል ዘንበሪ ንጉስ እስራኤል ነበረት። ብመንገዲ ቤት ኣክኣብ ከደ፤ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ናይ ቤት ኣክኣብ ሰብኣይ ጓል ነበረ እሞ።

ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኮይኑ ኸዓ፥ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ክዋግኦ ኸደ፤ ሶርያውያን ድማ ንኢዮራም ኣቝሰልዎ። ንጉስ ኢዮራም ከዓ ነቲ ኣብ ራማ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ክዋጋእ እንተሎ ሶርያውያን ዘቝሰልዎ ቝስሉ ክሕከም ናብ ኢይዝራኤል ተመለሰ። ኣካዝ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ ነቲ ዝተወግአ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ ኢይዝራኤል ክርኢ ወረደ።