ኤልሳዕ ፅባሕ እንጀራ ኸም ዝርከብ ተስፋ ሃበ
ኤልሳዕ ፅባሕ ሓርጭ ብልሙድ ዋጋ ከም ዝሽየጥ ተስፋ ሃበ፥ እቲ ሹመኛ ንጉስ ከዓ ኣላገፀ። ኣርባዕተ ለምፃማት ሰባት፥ ብዝኾነ መንገዲ ኽንመውት ኢና ኢሎም ሓሲቦም፥ ነቲ ባዶ ዝኾነ ሰፈር ሶርያውያን ረኸብዎ፥ ኣቦና ድምፂ ሰራዊት ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፥ ብስራት ከብፅሑ ምብላዕ ሓደጉ። እቲ ተላጋፂ ድማ ተረጊፁ ሞተ።
7 1ኤልሳዕ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ቃል ኣቦና ስምዑ። ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፅባሕ ከምዙይ ሰዓት፥ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራምን ፍርቅን ድኹም ሓርጭ ብሚእትን ዓሰርተን ግራም ብሩር፥ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ስገም ድማ ብሚእትን ዓሰርተን ግራም ብሩር ክሽየጥ እዩ።”
2እቲ ንጉስ ኣብ ቅልፅሙ ተደጊፉ ዝኸይድ ዝነበረ ሹመኛ ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣቦና “እንሆ፥ ኣቦና ኣብ ሰማያት መሳዅቲ እንተ ኸፈተ እኳ፥ እዝ ነገርዙይ ክኸውን ይኽእል ድዩ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “ብዓይንኻ ክትርእዮ ኢኻ፥ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
ኣቦ ንሰራዊት ሶርያውያን በተኖ
3ኣርባዕተ ለምፃማት ሰባት ድማ ኣብ መእተዊ ደገ ነበሩ፤ ንሓድሕዶም ከዓ ከምዙይ ተበሃሃሉ፦ “ክሳዕ እንመውት ስለምንታይ ኣብዙይ ንቕመጥ? 4‘ናብታ ኸተማ ንእቶ’ እንተ በልና፥ ኣብኣ ጥሜት ኣሎ እሞ ክንመውት ኢና። ኣብዙይ እንተ ተቐሚጥና እውን ክንመውት ኢና። እምበኣር ንዑ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ። ብህይወት እንተ ኣትረፉና ንነብር፤ እንተ ቐተሉና ድማ ንመውት።”
5ስለዙይ ፅልግልግ ክብል እንተሎ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተልዓሉ። ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብኡ ሓደ እኳ ኣይረኸቡን። 6እቲ ልዑል ኣቦ ድማ ንሰራዊት ሶርያውያን ድምፂ ሰረገላታትን ድምፂ ኣፍራስን ድምፂ ዓብዪ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ፤ ስለዙይ ንሓድሕዶም ከምዙይ ተበሃሃሉ፦ “እንሆ፥ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ግብፅን ክወግኡና ቈፂሩዎም እዩ!” 7ስለዙይ ፅልግልግ ክብል እንተሎ ተሲኦም፥ ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን ሓዲጎም ሃደሙ። ነቲ ሰፈር ከምቲ ዝነበሮ ሓዲጎም፥ ህይወቶም ከድሕኑ ሃደሙ። 8እዞም ለምፃማት ሰባት ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ድማ፥ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም፥ በሊዖም ሰተዩ፤ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ከዓ ተሰኪሞም ወሲዶም ሓብኡ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣትዮም፥ ካብኡ ወሲዶም ነዙይ እውን ሓብኡ። 9ንሓድሕዶም ድማ ከምዙይ ተበሃሃሉ፦ “ንሕና ዝግባእ ኣይንገብርን ኣለና። እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ፥ ንሕና ግና ንባዕልትና ሒዝናዮ ኣለና። ክሳዕ ብርሃን ወጋሕታ እንተ ተፀቢና፥ መቕፃዕቲ ክረኽበና እዩ። ሕዚ ንዑ፥ ቀልጢፍና ኸይድና ንቤተ ንጉስ ንንገር።”
10ስለዙይ መፂኦም ነቶም ሓለውቲ ደገ እታ ኸተማ ፀዊዖም ከምዙይ ኢሎም ነገርዎም፦ “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ከድና፤ ኣብኡ ሓደ እኳ የለን፥ ድምፂ ሰብ እውን የለን፤ ኣፍራስን ኣእዱግን ጥራሕ ተኣሲሮም ኣለዉ፥ ድንኳናት ድማ ከምቲ ዝነበሮ ኣለዉ።”
11እቶም ሓለውቲ ደገ ድማ ነቲ ዜና ዓው ኢሎም ፀውዑ፤ ኣብ ውሽጢ ቤተ ንጉስ ድማ ተነገረ።
12እቲ ንጉስ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ተሲኡ ንሹመኛታቱ ከምዙይ በሎም፦ “እቲ ሶርያውያን ኣባና ዘለዎም ምኽሪ ክነግረኩም። ንሕና ጥሙያት ምዃንና ይፈልጡ እዮም እሞ፥ ‘ካብታ ኸተማ ምስ ወፁ ብህይወቶም ክንሕዞም፥ ናብታ ኸተማ ድማ ክንኣቱ ኢና’ ኢሎም ሓሲቦም፥ ኣብ በረኻ ክሕብኡ ካብ ሰፈር ወፂኦም እዮም።”
13ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ድማ ከምዙይ በለ፦ “ገሊኦም ሰባት ካብቶም ኣብ ከተማ ዝተረፉ ኣፍራስ ሓሙሽተ ይውሰዱ። እንሆ ንሳቶም ከምቶም ኣብዙይ ዝተረፉ ኵሎም እስራኤል ክኾኑ እዮም፤ ከምቶም ድሮ ዝሞቱ ኵሎም እስራኤል ድማ እዮም። ልኢኽና ንርአ።”
14ስለዙይ ክልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራሶም ወሰዱ፤ እቲ ንጉስ ድማ “ኪዱ ፍለጡ” ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም። 15ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ሰዓብዎም፤ እንሆ እቲ ኵሉ መንገዲ፥ በቲ ሶርያውያን ብህፁፅ ዝደርበይዎ ክዳውንትን ኣፅዋርን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ።
16እቲ ህዝቢ ድማ ወፂኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ዘመትዎ። ስለዙይ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራምን ፍርቅን ድኹም ሓርጭ ብሚእትን ዓሰርተን ግራም ብሩር፥ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ስገም ድማ ብሚእትን ዓሰርተን ግራም ብሩር ተሸጠ። 17እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ቅልፅሙ ተደጊፉ ዝኸይድ ዝነበረ ሹመኛ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ሓላፊ ገበሮ፤ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብኡ ረገፅዎ፥ ሞተ ድማ፤ ከምቲ እቲ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እቲ ሰብኣይ ኣቦና ዝበሎ ኾነ። 18ከምቲ እቲ ሰብኣይ ኣቦና ንንጉስ ዝበሎ ድማ ኾነ፦ “ፅባሕ ከምዙይ ሰዓት ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ፥ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ስገም ብሚእትን ዓሰርተን ግራም ብሩር፥ ሰለስተ ኺሎ ግራምን ፍርቅን ድኹም ሓርጭ ድማ ብሚእትን ዓሰርተን ግራም ብሩር ክሽየጥ እዩ።” 19እቲ ሹመኛ ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣቦና “እንሆ፥ ኣቦና ኣብ ሰማያት መሳዅቲ እንተ ኸፈተ እኳ፥ ከምዙይ ዝበለ ነገር ክኸውን ይኽእል ድዩ?” ኢሉ መሊሱ ነይሩ። ንሱ ኸዓ “ብዓይንኻ ክትርእዮ ኢኻ፥ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 20ልክዕ ከምኡ ድማ ኾነ፦ እቶም ህዝቢ ኣብ ኣፍ ደገ ረገፅዎ፥ ሞተ ድማ።