ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ነቲ ዝጠፍአ ይመልሶ

ዝተለቅሐ ርእሲ ምሳር ተንሳፈፈ፤ ኤልሳዕ ነቲ ንጉስ ሶርያ ኣብ መደቀሲ ክፍሉ ዝሓስቦ ሓሳብ መሊሱ ይነግር ነበረ፤ ሰራዊት ንዶታይን ከበባ፥ ነቲ ኣገልጋሊኡ ድማ ናይ ሓዊ ኣፍራስ ኣቦና ዝመልአን ኣኽራን ተርኣዮ። ኤልሳዕ ነቶም ዝዓወሩ ወተሃደራት መጊቡ ናብ ገዛኦም ሰደዶም። ድሕሪኡ ሰማርያ ተኸበት፥ ሓንቲ ኣደ ድማ ንወዳ በልዓቶ።

ምዕራፍ 6።

እቶም ደቂ ነብያት ድማ ንኤልሳዕ “እንሆ፥ እዚ ኣብ ቅድሜኻ እንነብረሉ ቦታ ንዓና ፀቢቡና ኣሎ።

ናብ ዮርዳኖስ ንኺድ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ሓደ ጉንዲ ዕንፀይቲ ይውሰድ፤ ኣብኡ ኸዓ መንበሪ ዝኸውን ንስራሕ” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኺዱ” በሎም።

ሓደ ኻባታቶም ድማ “በጃኻ ምስ ኣገልገልትኻ ኽትከይድ ፍቐድ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ክኸይድ እየ” ኢሉ መለሰ።

ስለዙይ ምሳታቶም ከደ። ናብ ዮርዳኖስ መፂኦም ድማ ኣእዋም ክቘርፁ ጀመሩ። ሓደ ኻባታቶም ጉንዲ እናቘረፀ እንተሎ ኸዓ፥ ርእሲ ምሳር ናብ ማይ ወደቐ። ንሱ ድማ “ኣየ ጐይታይ! ተለቒሐ ዝመፃእክዎ እዩ ነይሩ” ኢሉ ፀርሐ።

እቲ ናይ ኣቦና ሰብ ድማ “ኣበይ ወደቐ?” በለ። እቲ ሰብ ከዓ ነቲ ቦታ ንኤልሳዕ ኣርኣዮ። ኤልሳዕ ድማ ጨንፈር ቘሪፁ ናብኡ ደርበዮ፤ ነቲ ሓፂን ድማ ከም ዝንሳፈፍ ገበሮ። “ኣልዕሎ” በሎ። እቲ ሰብ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ።

ናይ ኣቦ ሓዊ ሰራዊት ንኤልሳዕ ይሕልዎ

ንጉስ ሶርያ ድማ ንእስራኤል ይዋጋእ ነበረ። ምስ ኣገልገልቱ ኸዓ “ሰፈረይ ኣብ እከለ ቦታ ክኸውን እዩ” ኢሉ ተማኸረ።

እቲ ናይ ኣቦና ሰብ ድማ ንጉስ እስራኤል “በዚ ቦታ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ፤ ሶርያውያን ናብኡ ይወርዱ ኣለዉ” ኢሉ ኣጠንቀቖ። ስለዙይ ንጉስ እስራኤል ናብቲ እቲ ናይ ኣቦና ሰብ ዝነገሮ ቦታ ልኡኻት ሰደደ፤ ኣብኡ ድማ ኣጠንቂቕዎ ነብሱ ሓለወ፤ ሓደ ሻዕ ወይ ክልተ ሻዕ ጥራሕ ኣይኮነን። ንጉስ ሶርያ ድማ በዙይ ተቘጥዐ። ንኣገልገልቱ ፀዊዑ ኸዓ “ካባና መን ምስ ንጉስ እስራኤል ከም ዝሓበረ ዘይትነግሩኒ?” በሎም።

ሓደ ኻብ ኣገልገልቱ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ሓደ እኳ የለን። እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነቢይ ኤልሳዕ ደኣ ነቲ ኣብ መደቀሲ ኽፍልኻ እትዛረቦ ዘረባ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ” በለ።

ንጉስ ድማ “ልኡኻት ሰዲደ ምእንቲ ኽሕዞ፥ ከይድኩም ኣበይ ከም ዘሎ ርኣዩ” በለ። “እንሆ ኣብ ዶታይን ኣሎ” ዝብል ወረ ድማ መፀ።

ንሱ ድማ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ናብኡ ሰደደ፤ ለይቲ መፂኦም ከዓ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። ኣገልጋሊ እቲ ናይ ኣቦና ሰብ ድማ ኣንጊሁ ተሲኡ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ፥ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዝኾነ ሰራዊት ነታ ኸተማ ከቢቡዋ ነበረ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በለ።

ንሱ ኸዓ “ኣይትፍራሕ፤ እቶም ምሳና ዘለዉ ኻብቶም ምሳታቶም ዘለዉ ይበዝሑ እዮም” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ድማ “ኦ ኣቦይ፥ በጃኻ ምእንቲ ኽርኢ ኣዒንቱ ክፈተሉ” ኢሉ ፀለየ። ኣቦና ኸዓ ኣዒንቲ እቲ ጐበዝ ከፈተ፤ ንሱ ድማ እቲ እምባ ብኣፍራስን ብሰረገላታት ሓዊን ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ መሊኡ ረአየ። ሶርያውያን ናብኡ ክወርዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ኤልሳዕ ናብ ኣቦና “በጃኻ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ብዕውረት ውቕዓዮም” ኢሉ ፀለየ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ ብዕውረት ወቕዖም።

ኤልሳዕ ድማ “እዚ መንገዲ እዙይ ኣይኮነን፤ እዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኮነትን። ደድሕረይ ስዓቡ፤ ናብቲ እትደልይዎ ሰብ ከዓ ክመርሐኩም እየ” በሎም። ሽዑ ናብ ሰማርያ መርሖም። ናብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ድማ፥ ኤልሳዕ “ኦ ኣቦይ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምእንቲ ኽርእዩ ኣዒንቶም ክፈተሎም” በለ። ሽዑ ኣቦና ኣዒንቶም ከፈተ፤ ንሳቶም ድማ ረአዩ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ውሽጢ ሰማርያ ነበሩ።

ንጉስ እስራኤል ድማ ንሳቶም ምስ ረአዮም ንኤልሳዕ “ኣቦይ፥ ክቐትሎምዶ? ክቐትሎምዶ?” በሎ።

ንሱ ኸዓ “ኣይትቕተሎም። ነቶም ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮም ክትቐትሎምዶ ኢኻ? እንጀራን ማይን ሃቦም፤ በሊዖም ሰትዮም ድማ ናብ ጐይታኦም ይኺዱ” በሎ።

ንሱ ድማ ዓብዪ መኣዲ ኣዳለወሎም፤ በሊዖም ሰትዮም ከዓ ናብ ጐይታኦም ሰደዶም። ጭፍራ ዘመትቲ ሶርያውያን ድማ ደጊም ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይመፀን።

ከበባን ጥሜትን ንሰማርያ ይጭንቕዋ

ድሕሪ እዙይ ድማ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኪቡ ደዪቡ ንሰማርያ ኸበባ። ኣብ ሰማርያ ኸዓ፥ በቲ ኸበባ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ክሳዕ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ሲቃል ብሩር፥ ርብዒ ቃብ ኰፍዒ ርግቢ ድማ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ዝሽየጥ ኮነ። a a v25 ቃብ ንእሽተይ ናይ ንቑፅ ነገር መለክዒ ኾይኑ፥ ኣስታት ሓደ ሩብ ሊትሮ ይኸውን ነበረ፤ ስለዙይ ርብዒ ቃብ ኣዝዩ ውሑድ ቍራስ ምግቢ ነበረ። ንጉስ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ መንደቕ እናሓለፈ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ርድአኒ!” ኢላ ፀርሐት።

ንሱ ኸዓ “ኣቦና እንተ ዘይረዲኡኺ፥ ኣነ ኻበይ ክረድኣኪ? ካብ ዓውዲ? ካብ መፅመቝ ወይኒ?” በላ። ንጉስ ድማ “እንታይ ኴንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ‘ወድኺ ሃቢ፥ ሎሚ ንብልዓዮ፤ ፅባሕ ከዓ ንወደይ ንበልዖ’ በለትኒ።

ስለዙይ ንወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ። በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ ‘ንወድኺ ሃቢ፥ ንብልዓዮ’ በልክዋ፤ ንሳ ግና ሓብአቶ።”

ንጉስ ድማ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ኣብ ልዕሊ መንደቕ እናሓለፈ እንተሎ ኸዓ፥ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኣካላቱ፥ ኣብ ቈርበቱ ወጮ ተኸዲኑ ረአዩ። ንሱ ድማ “ርእሲ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ፀኒሑ፥ ኣቦና ኸምዙይ ይግበረኒ፤ ከምዙይ ከዓ ይወስኸለይ” በለ።

ኤልሳዕ ድማ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፤ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ኸዓ ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ንጉስ ድማ ሓደ ሰብ ቀቅድሚኡ ሰዲዱ ነበረ፤ እቲ ልኡኽ ከይበፅሐ ኸሎ ግና፥ ኤልሳዕ ነቶም ዓበይቲ ዓዲ “እዝ ወዲ ቐታሊ ሰብ ርእሰይ ክቘርፅ ከም ዝሰደደ ትርእዩዶ ኣለኹም? እንሆ፥ ምስ መፀ፥ ነቲ ማዕፆ ዓፅውዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ጠቕዕዎ። እቲ ድምፂ ኣእጋር ጐይታኡ ደድሕሪኡ የለንዶ?” በሎም።

ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ ኸዓ፥ እቲ ልኡኽ ናብኡ ወረደ። ንጉስ ድማ “እዝ መቕሰፍቲ እዙይ ካብ ኣቦና እዩ። ደጊም ንኣቦና ኽሳዕ መኣዝ ክፅበዮ?” በለ።