ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ቃል ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኣክኣብ ተፈፀመ

ኢዩ ንሹመኛታት ሰማርያ ነቶም ሰብዓ ደቂ ኣክኣብ ከቕትሉ ገይሩ ኣብ ኣፍ ደገ ርእሶም ኣኽመረ፥ ንዅሉ ዘመድን ካህንን ቐተለ፥ ድሕሪኡ ንመምለኽቲ በዓል ናብ ናይ ሓሰት በዓል ኣስሒቱ ሓረዶም። እቲ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ኣክኣብ ዝበሎ ቃል ፀንዐ፤ ነቶም ዝወርቂ ምራኹ ኢዮርብዓም ግና ኣይኣለየን።

ምዕራፍ 10።

ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ደቂ ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማን ዓበይትን ሓለውቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ኢሉ መልእኽቲ ሰደደ፦ “እዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ በፅሐትኩም፥ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ስለ ዘለዉ፥ ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝተዓረደት ከተማን ኣፅዋርን ድማ ኣለዉ። ካብ ደቂ ጐይታኹም እቲ ዝበለፀን ዝኸኣለን ሕረዩ፥ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ፥ ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ድማ ተዋግኡ።”

ንሳቶም ድማ የመና ፈርሑ፥ እምብዛ ተሸበሩ፥ ከምዙይ ከዓ በሉ፦ “እንሆ፥ ክልተ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን፤ ንሕናስ ኸመይ ኢልና ደው ክንብል ንኽእል?” ኣዛዚ ቤተ መንግስትን ሹም እታ ኸተማን ዓበይትን ሓለውትን ድማ ናብ ኢዩ ከምዙይ ኢሎም ለኣኹ፦ “ንሕና ኣገልገልትኻ ኢና፤ እቲ እትብለና ዅሉ ኽንገብር ኢና። ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና፤ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ፅቡቕ ዝኾነ ግበር።”

ኢዩ ድማ ካልኣይ መልእኽቲ ፀሓፈሎም፦ “ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩምን እንተ ትእዘዙንን፥ ርእሲ ደቂ ጐይታኹም ወሲድኩም፥ ፅባሕ በዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ኢይዝራኤል ናባይ ንዑ” ኢሉ። እቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነበሩ።

እታ መልእኽቲ ምስ በፅሐት ከዓ፥ ንደቂ ንጉስ ሒዞም ነቶም ሰብዓ ዅሎም ሓረድዎም፤ ርእሶም ኣብ መሶብ ገይሮም ድማ ናብ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል ሰደድዎ። እቲ ልኡኽ ድማ “ርእሲ ደቂ ንጉስ ኣምፂኦም ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ኸዓ “ክሳዕ ንግሆ ኣብ ኣፍ ደገ ኽልተ ዅምራ ጌርኩም ኣኽምርዎም” በለ።

ንግሆ ኸዓ ወፂኡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደው ኢሉ ከምዙይ በለ፦ “ንስኻትኩም ንፁሃት ኢኹም። ኣነ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ተማሓሒለ ቀቲለዮ፥ ንእዚኣቶም ዅሎም ግና መን ቀተሎም? ካብቲ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ቤት ኣክኣብ ዝበሎ ቃል፥ ሓደ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ። ኣቦና ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ ዝበሎ ገይርዎ እዩ።”

ስለዙይ ኢዩ ነቶም ኣብ ኢይዝራኤል ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ቤት ኣክኣብ፥ ዓበይቱን ቅሩብ ኣዕርኽቱን ካህናቱን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።

ሽዑ ተሲኡ ናብ ሰማርያ ኸደ። ኣብ መንገዲ ድማ፥ ኣብ ቤት ዓቀድ ጓሶት ምስ በፅሐ፥ ኢዩ ድማ ንኣዝማድ ኣካዝያስ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ “ንስኻትኩም መን ኢኹም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ኣዝማድ ኣካዝያስ ኢና፤ ንቤተ ሰብ ንጉስን ንቤተ ሰብ ንግስትን ሰላም ክንብል መፂእና ኣለና” ኢሎም መለሱ።

ንሱ ድማ “ብህይወቶም ሓዝዎም!” በለ። ብህይወቶም ሒዞም ድማ ኣብ ጕድጓድ ቤት ዓቀድ ሓረድዎም፤ ኣርብዓን ክልተን ሰብኣይ፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

ካብኡ ተበጊሱ ኸዓ፥ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብኡ ክመፅእ እንተሎ ረኸቦ። ኢዩ ድማ ሰላም ኢሉ “ልበይ ምስ ልብኻ ቕኑዕ ከም ዝኾነ፥ ልብኻ ምስ ልበይ ቕኑዕ ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢዮናዳብ ከዓ “እወ ቕኑዕ እዩ” በለ። ኢዩ ድማ “እንተ ኾይኑ፥ ኢድካ ሃበኒ” በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ፤ ኢዩ ኸዓ ናብ ሰረገላ ሰሓቦ።

ንሱ ድማ “ምሳይ ንዓ፥ ንኣቦና ዘለኒ ቅንኣት ርአ” በሎ። ከምኡ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ኣቐመጦ። ናብ ሰማርያ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ኢዩ ነቶም ኣብ ሰማርያ ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ኣቦና ንኤልያስ ዝበሎ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም።

ኢዩ ንኣምልኾ በዓል ኣጥፍኦ

ኢዩ ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኣኪቡ ከምዙይ በለ፦ “ኣክኣብ ንበዓል ቁሩብ ኣገልገሎ፤ ኢዩ ግና ብዙሕ ከገልግሎ እዩ። ሕዚ ዅሎም ነቢያት በዓልን ዅሎም መምለኽቱን ዅሎም ካህናቱን ፀውዑለይ፤ ሓደ እኳ ኣይጕደል፤ ንበዓል ዓብዪ መስዋእቲ ኣለኒ እሞ፥ ዝጎደለ ዅሉ ብህይወት ኣይነብርን።” ኢዩ ግና ነቶም መምለኽቲ በዓል ምእንቲ ኸጥፍኦም፥ ብተንኰል እዩ እዙይ ዝገበረ።

ኢዩ ድማ “ንበዓል ቅዱስ ጉባኤ ኣውጁ” ኢሉ ኣዘዘ። ንሳቶም ከዓ ኣወጁ።

ኢዩ ድማ ናብ ኵላ እስራኤል ለኣኸ፤ ኵሎም መምለኽቲ በዓል ድማ መፁ፥ ዘይመፀ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ድማ፥ ካብ ወገን ናብ ወገን መልእዎ። ኢዩ ድማ ነቲ ሓላዊ ኽዳውንቲ “ንዅሎም መምለኽቲ በዓል ክዳውንቲ ኣውፅኣሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣውፅኣዮም።

ኢዩን ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብን ድማ ናብ ቤት በዓል ኣተዉ። ንሱ ኸዓ ንመምለኽቲ በዓል “ኣብ መንጎኹም ካብ ኣገልገልቲ ኣቦና ሓደ እኳ ኸይህሉ፥ መምለኽቲ በዓል ጥራሕ ምእንቲ ኽኾኑ፥ ኣፀቢቕኩም ድለዩ” በሎም።

መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ክስውኡ ድማ ኣተዉ። ኢዩ ኸዓ ኣብ ወፃኢ ሰማንያ ሰብኡት ኣሰሊፉ “ካብቶም ኣብ ኢድኩም ዘእትዎም ሰባት ሓደ ከምልጥ ዝሓደገ ሰብ፥ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ክትከውን እያ” ኢሉ ኣጠንቀቖም።

እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ምስ ተወድአ ኸዓ፥ ኢዩ ነቶም ዘብዐኛታትን ሓለቑን “እተዉ እሞ ቅተልዎም፤ ሓደ እኳ ኣይውፃእ” በሎም። ብሰይፊ ድማ ወቕዕዎም፤ እቶም ዘብዐኛታትን ሓለቑን ከዓ ናብ ደገ ደርበይዎም፥ ናብ ውሽጣዊ ኽፍሊ ቤት በዓል ኣተዉ። ነቶም ኣብ ቤት በዓል ዝነበሩ ቅዱሳት ዓምድታት ኣውፂኦም ድማ ኣንደድዎም። ነቲ ዓምዲ በዓል ኣፍሪሶም፥ ነቲ ቤት በዓል ድማ ኣፍሪሶም፥ ክሳዕ ሎሚ መፀዳጃ ቤት ገበርዎ።

ስለዙይ ኢዩ ንኣምልኾ በዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ። ኢዩ ግና ካብ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦ፥ ካብቶም ኣብ ቤትኤልን ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኣይተመለሰን።

ኣቦና ድማ ንኢዩ “ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝኾነ ገይርካ ፅቡቕ ስለ ዝገበርካ፥ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣክኣብ ክገብሮ ዝሓሰብክዎ ዅሉ ስለ ዝገበርካ፥ ደቅኻ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” በሎ።

ኢዩ ግና ሕጊ ኣቦና፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ብምሉእ ልቡ ኣፀቢቑ ኣይተኸተለን። ካብ ሓጢኣት ኢዮርብዓም፥ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥአ ድማ ኣይተመለሰን።

በተን መዓልቲታት እቲኣን ኣቦና ንእስራኤል ከጉድል ጀመረ። ኣዛሄል ድማ ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ወቕዖም። ብምብራቕ ዮርዳኖስ፥ ኵላ ገሊዓድ፥ ምድሪ ጋድን ሮቤልን ምናሴን፥ ካብ ኣብ ለሰ ኣርኖን ዘላ ኣሮዔር ጀሚሩ፥ ብገሊዓድን ባሳንን ኣቢሉ።

እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዩ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ኵሉ ሓይሉን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዩ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፥ ኣብ ሰማርያ ኸዓ ተቐበረ፤ ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮኣካዝ ነገሰ። ኢዩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ጊዜ ኸዓ፥ ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ነበረ።