ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ዓታልያ ንዙፋን ሓዘት

ዓታልያ ንዘርኢ ንጉስ ኣጥፍአት፥ ሓደ ህፃን ግና ኣብ ቤት ኣቦና ሽዱሽተ ዓመት ተሓብአ። ካህን ዮዳሄ ንሓለውቲ ኣፅዋር ኣዕጢቑ፥ ነቲ ቆልዓ ኣኽለሎ፥ ንንግስቲ ኸዓ ካብ ቤተ መቕደስ ወፃኢ ኣቕተላ። ቤት በዓል ፈረሰ፥ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ድማ ዝፋን ወረሰ።

ምዕራፍ 11።

ዓታልያ ኣደ ኣካዝ፥ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ንኵሉ ዘርኢ ንጉስ ከተጥፍእ ተልዓለት። ዮሳቤዓ ግና፥ ጓል ንጉስ ኢዮራምን ሓፍቲ ኣካዝን፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ኻብቶም ዝቕተሉ ዝነበሩ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ። ንእኡን ንመጕዚቱን ከዓ ካብ ዓታልያ ኣብ ሕልፍኚ ሓብአቶም፤ ንሱ ድማ ኣይተቐተለን። ምስኣ ኣብ ቤት ኣቦና ሽዱሽተ ዓመት ተሓቢኡ ነበረ፤ ዓታልያ ኸዓ ኣብ ምድሪ ገዝአት።

ኣቦ ነቲ ሕጋዊ ንጉስ ይሕልዎ

ኣብ መበል ሻውዓይ ዓመት ድማ ዮዳሄ ንኣሕሉቕ ሚእቲ ናይ ካራውያንን ናይ ሓለውትን ልኢኹ ፀዊዑ፥ ናብ ቤት ኣቦና ናብኡ ኣእተዎም። ምሳታቶም ከዓ ኪዳን ኣተወ፤ ኣብ ቤት ኣቦና ኣምሓሎም፤ ንወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም። ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ከምዙይ ግበሩ፦ ካባኻትኩም ብመዓልቲ ሰንበት ዝኣቱ ሲሶ ንቤተ መንግስቲ ይሕሉ፥ ሓደ ሲሶ ኣብ ደገ ሱር፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብቲ ድሕሪ እቶም ሓለውቲ ዘሎ ደገ ይኹን፤ ነታ ቤት ከዓ ብተራ ሓልውዋ። እቶም ብመዓልቲ ሰንበት ዝወፁ ኽልተ ኽፍልታትኩም ድማ፥ ንንጉስ ኢሎም ነታ ቤት ኣቦና ይሕልዉ። ንንጉስ ብዙርያ ኽበብዎ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣፅዋሩ ኣብ ኢዱ ይሓዝ፤ ናብ ሰልፊ ዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ቅተልዎ። ንንጉስ ከዓ ኣብ ዝኸዶ ዅሉ ተኸተልዎ።”

እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ድማ ከምቲ ካህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ኵሉ ገበሩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰቡ ወሲዱ፥ እቶም ብመዓልቲ ሰንበት ዝኣትዉን እቶም ዝወፁን ኮይኖም፥ ናብ ካህን ዮዳሄ መፁ። እቲ ካህን ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝነበረ ኲናታትን ዋልታታትን ንጉስ ዳዊት ሃቦም። እቶም ሓለውቲ ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብ ወገን ደቡብ ቤተ መቕደስ ክሳዕ ወገን ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ መሰውኢን ቤተ መቕደስን፥ ኣብ ዙርያ ንጉስ ደው በሉ። ዮዳሄ ድማ ንወዲ ንጉስ ኣውፂኡ፥ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ገበረሉ፤ ነቲ ምስክር ድማ ሃቦ። ንጉስ ክኸውን ኣወጁ፥ ቀብእዎውን፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኣእዳዎም ጨብ ጨብ ኣቢሎም “ንጉስ ይንበር!” ኢሎም ዓው በሉ።

ዓታልያ ድማ ድምፂ እቶም ሓለውትን እቶም ህዝብን ምስ ሰምዐት፥ ናብቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዝነበሩ ህዝቢ ከደት። ጠመተት፥ እንሆ ኸዓ እቲ ንጉስ ከምቲ ልማድ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ ነበረ፤ እቶም ኣሕሉቕን እቶም መለኸት ዝነፍሑን ከዓ ኣብ ጥቓኡ ነበሩ፤ ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ እናተሓጐሱ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዓታልያ ኸዓ ክዳዋንታ ቐዲዳ “ሻራ! ሻራ!” ኢላ ዓው በለት።

ካህን ዮዳሄ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሚእቲ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ካብ ማእኸል እቲ ሰልፊ ኣውፅእዋ፤ ዝስዕባ ዝኾነ ይኹን ድማ ብሰይፊ ቕተልዎ።” እቲ ካህን “ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትቕተል” ኢሉ ነበረ እዩ እሞ። ስለዙይ ሓዝዋ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ በቲ ኣፍራስ ዝኣትውሉ ደገ ኣቢላ ድማ ከደት፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐተለት።

ሽዑ ዮዳሄ ኣብ መንጎ ኣቦናን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን፥ ናይ ኣቦና ህዝቢ ምእንቲ ኽኾኑ፥ ኪዳን ኣተወ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ድማ ኪዳን ኣተወ። ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ከይዶም ኣፍረስዎ። መሰውኢታቱን ምስልታቱን ሰበሩ፤ ንማታን ካህን በዓል ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ ቐተልዎ። እቲ ካህን ከዓ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦና ሓለውቲ ኣቐመጠ። ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንካራውያን፥ ንሓለውቲ፥ ንብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሲዱ፥ ንንጉስ ካብ ቤት ኣቦና በቲ ደገ ሓለውቲ ኣቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣውረድዎ፤ ኣብ ዙፋን ነገስታት ከዓ ተቐመጠ። ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሓጐሱ፤ ዓታልያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ብሰይፊ ምስ ተቐተለት፥ እታ ኸተማ ህድእ በለት።

ኢዮኣስ ንጉስ ምስ ኮነ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።