ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኢዮኣስ ንቤት ኣቦ የሐድሶ

ኢዮኣስ ቤት ኣቦና ክሕደስ ኣዘዘ፥ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ግና ዋላ ሓደ ኣይተገብረን፥ ስለዙይ መኽደኑ ጕድጓድ ዘለዎ ሳንዱቕ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ተነበረ፥ እቲ ገንዘብ ከዓ ብቐጥታ ናብ ሰራሕተኛታት ከደ፥ ንሳቶም ድማ እሙናት ኮኑ። ድሕሪኡ ኢዮኣስ ንኣዛሄል ብገንዘብ ኣባረሮ፥ ገዛእ ሹመኛታቱ ድማ ቐተልዎ።

ምዕራፍ 12።

ኣብ መበል ሸውዓተ ዓመት ኢዩ፥ ኢዮኣስ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። ኣዲኡ ፂብያ ካብ ቤርሳቤህ እያ ነይራ። ኢዮኣስ ድማ ኵሉ እቲ ካህን ዮዳሄ ዝመሃሮ ዓመታት፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ይኹን እምበር፥ እቲ በረኽቲ ኣይተኣለየን፤ እቲ ህዝቢ ኣብኡ ይስውኡን የዐጥኑን ነበሩ።

ኢዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት ከምዙይ በሎም፦ “እቲ ናብ ቤት ኣቦና ዝመፅእ ኵሉ ገንዘብ ናይ ቅዱስ መባእ፥ ገንዘብ ቍፀራን፥ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዝተገምተሉን፥ ኵሉ እቲ ዝኾነ ሰብ ናብ ቤት ኣቦና ኼምፅእ ልቡ ዝደረኾ ገንዘብን፥ እቶም ካህናት፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ገንዘብ ዓቃቢኡ ይውሰድዎ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝተረኽበ ዝፈረሰ ዅሉ ድማ የሐድስዎ።”

ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት ንጉስ ኢዮኣስ ግና፥ እቶም ካህናት ገና ነቲ ዝፈረሰ ቤተ መቕደስ ኣይሓደስዎን ነበሩ። ሽዑ ንጉስ ኢዮኣስ ንካህን ዮዳሄን ነቶም ካልኦት ካህናትን ፀዊዑ ከምዙይ በሎም፦ “ነቲ ዝፈረሰ ቤተ መቕደስ ስለ ምንታይ ዘይተሐድስዎ? ሕዚ ድማ ካብ ገንዘብ ዓቀብትኹም ገንዘብ ኣይትውሰዱ፤ ነቲ ዝፈረሰ ንምሕዳስ ኣረክብዎ።”

እቶም ካህናት ድማ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱን ባዕልቶም ነቲ ቤተ መቕደስ ከይሕድስዎን ተሰማምዑ። ካህን ዮዳሄ ድማ ሓደ ሳንዱቕ ወሲዱ ኣብቲ መኽደን ጕድጓድ ኰዓተ፤ ናብ ቤት ኣቦና እንትትኣቱ ብየማን ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ኣንበሮ። እቶም ነቲ ድርኵዂት ዝሕልዉ ካህናት ከዓ ኵሉ እቲ ናብ ቤት ኣቦና ዝመፅእ ገንዘብ ኣብኡ የንብርዎ ነበሩ። ኣብቲ ሳንዱቕ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ ድማ፥ ፀሓፊ እቲ ንጉስን እቲ ሊቀ ካህናትን ደዪቦም ቈፀርዎ፤ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዝተረኽበ ገንዘብ ከዓ ኣብ ከረጢት ገበርዎ። ነቲ ዝተመዘነ ገንዘብ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦና ዝተመዘዙ ሰራሕተኛታት ሃብዎ፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብ ቤት ኣቦና ዝሰርሑ ፀረብትን ሃነፅትን ከፈልዎም፤ ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን፥ ነቲ ዝፈረሰ ቤት ኣቦና ንምሕዳስ ዝኸውን ኣእዋምን ዝተፀርበ እምንን ንምግዛእ፥ ከምኡውን ነቲ ንምሕዳሳ ዝወፀ ዅሉ ገንዘብ ከፈልዎ። ካብቲ ናብ ቤት ኣቦና ዝመፅእ ገንዘብ ግና፥ ፅዋዓት ብሩር፥ መሳቐይታት፥ ጭሐሎታት ፅንሃሃትን፥ መለኸት፥ ወይ ዝኾነ ናይ ወርቅን ብሩርን ኣቕሓ ኣይተገብረን፤ ነቶም ሰራሕተኛታት ደኣ ተዋሂቡ እምበር፥ ንሳቶም ከዓ በኡ ነቲ ቤት ኣቦና የሐድስዎ ነበሩ። ነቶም ሰራሕተኛታት ንኽኸፍሉ ገንዘብ ዝተዋህቦም ሰባት ድማ፥ ብሓቂ ስለ ዝሰርሑ፥ ፀብፃብ ኣይሓተትዎምን። ገንዘብ ናይ መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ሓጢኣትን ግና ናብ ቤት ኣቦና ኣይኣተወን፤ ንካህናት ይኸውን ነበረ።

ውድቀት ኢዮኣስ

ሽዑ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ፥ ንጌት ተዋጊኡ ሓዛ፤ ድሕሪኡ ድማ ንኢየሩሳሌም ክወግእ ገፁ ኣቕንዐ። ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ግና፥ ነቲ ኣቦታቱ ነገስታት ይሁዳ ዝነበሩ ኢዮሳፍጥ፥ ኢዮራም፥ ኣካዝያስ ዝቐደስዎ ዅሉ ቅዱስ መባእን፥ ባዕሉ ዝቐደሶን፥ ኣብ መዛግብ ቤት ኣቦናን ኣብ ቤተ መንግስትን ዝነበረ ዅሉ ወርቅን ወሲዱ፥ ናብ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሰደዶ። ኣዛሄል ከዓ ካብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።

እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ሹማምቱ ድማ ተመሓሒሮም፥ ኣብ ቤት ሚሎ፥ ናብ ሲላ ኣብ እትወስድ መንገዲ፥ ንኢዮኣስ ቀተልዎ። እቶም ሹማምቱ፥ ዮዛባድ ወዲ ሺምዓትን ዮሆዛባድ ወዲ ሾሜርን፥ ወቒዖም ቀተልዎ። ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፤ ክንድኡ ድማ ወዱ ኣመስያስ ነገሰ።