ኣቦ ኣውያት ኢዮኣሃዝ ይሰምዕ
ኢዮኣሃዝ ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ሶርያ ናብ ኣቦና ለመነ፥ መድሓኒ ኸዓ ተላእከሉ፥ እቶም ምራኹን እቲ መምለኺ ዓፀድን ግና ደው ኢሎም ፀንሑ። ኤልሳዕ ኣብ ሞቱ ነቲ ንጉስ ፍላፃ ኸትኩስ ገበሮ፥ ንምድሪ ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ስለ ዝወቕዓ ድማ ተቘጥዐ። ነዓፅምቲ ኤልሳዕ ዝተንከየ ሬሳ ተንስአ።
13 1ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ፥ ኢዮኣሃዝ ወዲ ኢዩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከዓ ነገሰ። 2ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ነቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ተኸተለ፤ ካብኡ ኣይተመለሰን። 3ስለዙይ ቍጥዓ ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ ኢድ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ወልደ ኣዴር ወዲ ኣዛሄልን ኣሕሊፉ ሃቦም። 4ኢዮኣሃዝ ናብ ኣቦና ለመነ፤ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ከም ዝገፍዖ ረአየ እሞ፥ ኣቦናውን ሰምዖ። 5ስለዙይ ኣቦና ንእስራኤል መድሓኒ ሃቦም እሞ፥ ካብ ኢድ ሶርያ ኣምለጡ፤ ከምቀደም ድማ ኣብ ገዛኦም ተቐመጡ። 6ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ግና ኣይተፈለዩን፤ ብእኡ ድማ ከዱ። እቲ መምለኺ ዓፀድ ከዓ ኣብ ሰማርያ ደው ኢሉ ፀንሐ። 7ንጉስ ሶርያ ኣጥፊኡ ኸም ተፋፂ ኣብ ግዜ ኣኽባ ገበሮም እሞ፥ ካብ ሰራዊት ኢዮኣሃዝ ብዘይ ሓምሳ ፈረሰኛታትን ዓሰርተ ሰረገላታትን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን ዝተረፈ የለን። 8እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣሃዝ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን ጅግንነቱን ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 9ኢዮኣሃዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ተቐበረ። ኢዮኣስ ወዱ ኸዓ ኣብ ክንድኡ ነገሰ።
ኢዮኣስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይነግስ
10ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ፥ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣሃዝ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ገዝአ። 11ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ካብ ኵሉ እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይተፈለየን፤ ብእኡ ግና ከደ። 12እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝተዋግአሉ ዘርኣዮ ጅግንነቱን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 13ኢዮኣስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ሰማርያ ምስ ነገስታት እስራኤል ተቐበረ።
ኣቦ ብኤልሳዕ ገይሩ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ቃል
14ኤልሳዕ በቲ ዝመወተሉ ሕማም ሓመመ። ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኡ እናበኸየ ከምዙይ በለ፦ “ኣቦይ፥ ኣቦይ! ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን እስራኤል!”
15ኤልሳዕ ከዓ “ቀስትን ፍላፃታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላፃታትን ወሰደ። 16ንንጉስ እስራኤል ድማ “ኢድካ ኣብቲ ቀስቲ ኣንብር” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ኣብኡ ኣንበረ፤ ኤልሳዕ ድማ ኣእዳዉ ኣብ ኢድ እቲ ንጉስ ኣንበረ። 17“ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈት” በለ። ከፈቶ ድማ። ኤልሳዕ “ወርውር!” በለ። ወርወረ ድማ። ሽዑ ኤልሳዕ ከምዙይ በለ፦ “ፍላፃ ዓወት ኣቦና፥ ፍላፃ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሶርያ! ክሳዕ እተጥፍኦም ንሶርያ ኣብ ኣፌቅ ክትወቕዖም ኢኻ።”
18“ፍላፃታት ውሰድ” በለ፤ ወሰደ ድማ። ንንጉስ እስራኤል ከዓ “ንምድሪ ውቅዓ” በሎ። ሰለስተ ጊዜ ወቒዑ ደው በለ። 19እቲ ሰብ ኣቦና ግና ተቘጥዖ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ጊዜ ክትወቕዕ ምተገብኣካ ነይሩ፤ ሽዑ ንሶርያ ክሳዕ እተጥፍኦ ምወቓዕካዮ ነይርካ። ሕዚ ግና ንሶርያ ሰለስተ ጊዜ ጥራሕ ኢኻ ክትወቕዖ።”
20ኤልሳዕ ድማ ሞተ፤ ቀበርዎ ኸዓ። ሞኣባውያን ወረርቲ ድማ ዓመት ዓመት ነታ ሃገር ይወርዋ ነበሩ።
21ገሊኦም ሰባት ሓደ ሰብ እናቐበሩ እንተለዉ፥ ጭፍራ ወረርቲ ረአዩ፤ ስለዙይ ነቲ ሰብ ናብ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ምዉት ሰብ ድማ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓውዩ ደው በለ።
22ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ድማ ብዅሉ ዘመን ኢዮኣሃዝ ንእስራኤል ገፍዖ። 23ኣቦና ግና ፀጋ ገበረሎም፤ ራህርሀሎምን ናባታቶም ተመልከተን። ምእንቲ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኪዳኑ ድማ ናባታቶም ተመለሰ። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ከጥፍኦም ወይ ካብ ቅድሚ ገፁ ክድርብዮም ኣይፈተወን።
24ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፤ ወልደ ኣዴር ወዱ ኸዓ ኣብ ክንድኡ ነገሰ። 25ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣሃዝ ድማ፥ ነተን ወልደ ኣዴር ካብ ኣቦኡ ኢዮኣሃዝ ብውግእ ዝወሰደ ከተማታት፥ ካብ ወልደ ኣዴር ወዲ ኣዛሄል ተመሊሱ ወሰደን። ሰለስተ ጊዜ ኢዮኣስ ሰዓሮ፤ ንከተማታት እስራኤል ድማ ኣምለሰን።