ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣማስያ ኣብ ይሁዳ ነገሰ

ኣማስያ ነቶም ንኣቦኡ ዝቐተልዎ ኣገልገልቲ ቐተሎም፥ ከምቲ ሕጊ ኣቦና ዝብሎ ግና ነውሉዶም ኣይቐተሎምን። ንኤዶም ብምውቃዕ ተዓቢዩ፥ ምስ እስራኤል ባእሲ ፈተነ፥ ብዛዕባ ኣሜከላ ምሳሌ ኸዓ መለሱሉ፥ ድሕሪኡ ተስዓረ፥ ቀፅሪ ኢየሩሳሌም ድማ ፈረሰ። ደሓር ገዛእ ህዝቡ እውን ቐተልዎ።

ምዕራፍ 14።

ኣብ መበል ክልተ ዓመቱ ንኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ኣማስያ ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮነ ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። ስም እኖኡ ድማ ኢዮዓዲን ናይ ኢየሩሳሌም ነበረ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ፤ ግና ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይኮነን፤ ከምቲ ኣቦኡ ኢዮኣስ ዝገበሮ ዅሉ ገበረ። እቲ በረኽቲ ቦታታት ግና ኣይተኣለየን፤ እቶም ህዝቢ ድማ ገና ኣብኡ ይስውኡን ይዓጥኑን ነበሩ። እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምስ ፀንዐት ድማ፥ ነቶም ንጉስ ኣቦኡ ዝቐተልዎ ኣገልገልቱ ቐተሎም።

ነውሉድ እቶም ዝቐተልዎ ግና ኣይቐተሎምን፤ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ኣቦና፦ “ኣቦታት ምእንቲ ውሉዶም ኣይሙቱን፥ ውሉድውን ምእንቲ ኣቦታቶም ኣይሙቱን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ይሙት” ኢሉ ኣዚዙ ኣሎ።

ኣብ ለሰ ጨው ካብ ኤዶማውያን ዓሰርተ ሽሕ ቐተለ፤ ንሴላ ብውግእ ሓዛ፤ ዮቅትኤል ኢሉ ድማ ሰመያ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ስማ ንሱ እዩ።

ኣማስያ ድማ ናብ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ ንጉስ እስራኤል፥ ልኡኻት ልኢኹ “ንዓ፥ ገፅ ንገፅ ንራኣአ” በሎ።

ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ግና ናብ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኣሜከላ ናብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዝግባ፥ ‘ጓልካ ንወደይ ሰበይቲ ክትከውን ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸ። ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ኣራዊት መሮር ሓሊፉ ድማ ነቲ ኣሜከላ ረገፆ። ንኤዶም ወቒዕካዮ ኢኻ እሞ ልብኻ ዓቢዩ ኣሎ። በዙይ ተመካሕ፥ ግና ኣብ ገዛኻ ተቐመጥ። ንስኻን ይሁዳ ምሳኻን ምእንቲ ኽትወድቑ፥ ስለ ምንታይ ንመከራ ተለዓዓሎ ኣለኻ?”

ኣማስያ ግና ክሰምዕ ኣይፈተወን። ስለዙይ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ፤ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ድማ ኣብ ቤትሳሜስ ናይ ይሁዳ ገፅ ንገፅ ተራኣኣዩ። ይሁዳ ድማ ብእስራኤል ተስዓረ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ቤቱ ሃደመ። ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ቤትሳሜስ ማረኸ፤ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ኸዓ፥ ካብ ደገ ኤፍሬም ክሳዕ ደገ መኣዝን ኣስታት ሽዱሽተ ሚእቲ እመት ካብቲ ቀፅሪ ኣፍረሶ። ኣብ ቤት ኣቦናን ኣብ መዛግብ ቤት ንጉስን ዝነበረ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኣቑሑን ወሰደ፤ ሰባት ዋሕስ ድማ ወሲዱ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።

እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን፥ እቲ ዝገበሮን፥ ሓይሉን፥ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያ ምስ ነገስታት እስራኤል ተቐበረ፤ ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮርብዓም ነገሰ።

ኣማስያ ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ብህይወት ፀንሐ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ተመሓሓሉ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ፤ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ናብ ላኪሶ ሰባት ልኢኾም ኣብኡ ቐተልዎ። ብኣፍራስ ፅዒኖም ድማ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ።

ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝነበረ ኣዛርያስ ወሲዶም፥ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ። ንሱ ኸዓ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ድሕሪ ምድቃሱ፥ ንኤላት ሰሪሑ ናብ ይሁዳ መለሳ።

ምሕረት ኣቦና ኣብ ልዕሊ እስራኤል

ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ንኣማስያ ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝአ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ካብቲ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘስሓቶ ዅሉ ሓጢኣት ኣየግለሰን። ከምቲ ኣቦና እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብጊልያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣሚታይ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ፥ ንወሰን እስራኤል ካብ መእተዊ ሓማት ክሳዕ ባሕሪ ዓረባ መለሶ። ኣቦና ድማ መከራ እስራኤል የመና መሪር ከም ዝኾነ ረአየ፤ ባርያ ኾነ ናፃ ዝተረፈ የለን፤ ንእስራኤል ዝሕግዝ ድማ ኣይነበረን። ኣቦና ግና ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ከጥፍኦ ኣይበለን፤ ስለዙይ ብኢድ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣድሓኖም። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገርን ግብርን፥ ሓይሉን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝተዋግአን፥ ንደማስቆን ሓማትን ናይ ይሁዳ ዝነበራ ናብ እስራኤል ከመይ ኢሉ ኸም ዝመለሰንን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኢዮርብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ፤ ክንድኡ ድማ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።