ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ

ኣዛርያስ ናይ ይሁዳ ሓምሳን ክልተን ዓመት ነገሰ፥ ሕማም ለምፂ ወቒዕዎ ድማ ፍልይ ኢሉ ይነብር ነበረ፥ እስራኤል ግና ኣብ ሓደ ወለዶ ሓሙሽተ ነገስታት ኣሕለፈ፥ መብዛሕቶም በቲ ዝተክኦም ሰብ ተቐተሉ። ኣሶር ድማ ግብሪ ክእክብን ንዅሉ ኣብ ሰሜን ዝነበረ ኸባቢታት ክማርኽን ጀመረ።

ምዕራፍ 15።

ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ንኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ኣዛርያስ ወዲ ኣማስያስ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑ ነገሰ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ የቆልያ እትብሃል ናይ ኢየሩሳሌም ነበረት። ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያስ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ። ዀረብታታት ግና ኣይተወገዱን፤ እቲ ህዝቢ ገና ኣብኡ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ኣቦና ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ እሞ፥ ክሳዕ ዝመውት ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ኣብ ፍሉይ ቤት ድማ ተቐመጠ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ከዓ ኣብ ልዕሊ ቤተ መንግስቲ ኾይኑ ንህዝቢ እታ ምድሪ ይገዝእ ነበረ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያስ ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣዛርያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ምሳቶም ተቐበረ። ኣብ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣታም ነገሰ።

ዘካርያስ ኣብ እስራኤል ሓፂር ግዜ ነገሰ

ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ ንኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ዘካርያስ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ሽዱሽተ ወርሒ ነገሰ። ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። ካብቲ ንእስራኤል ዘሕጥአ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይተመለሰን። ሻሉም ወዲ ያቤስ ድማ ተመሓሓለሉ፤ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወቒዑ ቀተሎ፤ ኣብ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ታሪኽ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።

እዝ ኣቦና ንኢዩ ዝበሎ ቓል እዩ፦ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም።” ከምኡ ኸዓ ኮነ።

ሻሉም ኣብ እስራኤል ሓደ ወርሒ ነገሰ

ሻሉም ወዲ ያቤስ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ንዖዝያን ንጉስ ይሁዳ ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ሓደ ወርሒ ነገሰ። ምናሔም ወዲ ጋዲ ድማ ካብ ቴርሳ ናብ ሰማርያ ደየበ፤ ንሻሉም ወዲ ያቤስ ኣብኡ ወቒዑ ቀተሎ፤ ኣብ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ሻሉም ታሪኽን እቲ ዝገበሮ ሻራን ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።

በታ ጊዜ እቲኣ ምናሔም ንቲፍሳን ንኵሎም ኣብኣ ዝነበሩን ንዶባታን፥ ካብ ቴርሳ ጀሚሩ ወቕዐ፤ ማዕፆ ስለ ዘይከፈቱሉ ወቕዓ፤ ነተን ጥኑሳት ኣንስቲ ኵለን ድማ ቀደደን።

ምናሔም ኣብ እስራኤል ነገሰ

ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ንኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኸዓ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። ምሉእ ዕድሚኡ ኻብቲ ንእስራኤል ዘሕጥአ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይተመለሰን። ጱል ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ምድሪ መፀ፤ ምናሔም ከዓ ደገፍ ጱል ረኺቡ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ምእንቲ ከጠናኽር፥ ኣስታት ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ። ምናሔም ድማ ነቲ ገንዘብ ካብ እስራኤል፥ ካብ ኵሎም ሃብታማት ሰባት ኣውፅአ፤ ነፍሲ ወከፍ ኸዓ ኣስታት ሓደ ነጥቢ ክልተ ፓውንድ ብሩር ነቲ ንጉስ ኣሶር ክህቦ። ስለዙይ ንጉስ ኣሶር ተመሊሱ ኣብታ ምድሪ ኣይተቐመጠን። እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ምናሔም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ጴቃህያ ነገሰ።

ጴቃህያ ኣብ እስራኤል ነገሰ

ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ንኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ጴቃህያ ወዲ ምናሔም ኣብ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ክልተ ዓመት ድማ ገዝአ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። ካብቲ ንእስራኤል ዘሕጥአ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይተመለሰን። ፋቃሕ ወዲ ራማልያ፥ ሓለቓኡ ድማ ተመሓሓለሉ፤ ኣብ ሰማርያ ኣብ ውሽጢ ህንፃ ቤት ንጉስ ምስ ኣርጎብን ኣርየን ምስ ሓምሳ ሰብ ገለዓድን ኮይኑ ወቕዖ፤ ቀቲሉ ድማ ኣብ ክንድኡ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃህያ ታሪኽን ኵሉ ዝገበሮን ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።

ፋቃሕ ኣብ እስራኤል ነገሰ

ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ ንኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ፋቃሕ ወዲ ራማልያ ኣብ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዕስራ ዓመት ድማ ገዝአ። ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ። ካብቲ ንእስራኤል ዘሕጥአ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይተመለሰን። ፋቃሕ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝነገሰሉ ጊዜ፥ ቴልጌትፒልኤሰር ንጉስ ኣሶር መፀ፤ ንዒዮንን ንኣቤልቤት መዓካን ንኢያኖክን ንቃዴስን ንሓሶርን ንገለዓድን ንገሊላን ምስ ኵላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን፤ ንህዝቡ ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም። ሆሴዕ ወዲ ኤላ ድማ ኣብ ፋቃሕ ወዲ ራማልያ ተመሓሓለሉ፤ ወቒዑ ቀተሎ፤ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንኢዮኣታም ወዲ ዖዝያን ኣብ ክንድኡ ነገሰ። እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቃሕ ታሪኽን ኵሉ ዝገበሮን ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።

ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ

ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ንፋቃሕ ወዲ ራማልያ ንጉስ እስራኤል፥ ኢዮኣታም ወዲ ዖዝያን ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ነገሰ፤ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። እኖኡ ኸዓ ኢያሩሳ እትብሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት። ከምቲ ኣቦኡ ዖዝያን ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ቅኑዕ ገበረ። ዀረብታታት ግና ኣይተወገዱን፤ እቲ ህዝቢ ገና ኣብኡ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ድማ ነቲ ላዕለዋይ ደገ ቤት ኣቦና ሰርሐ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ታሪኽን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? በቲ መዓልቲታት እቲ ድማ ኣቦና ንራሲን ንጉስ ኣራምን ንፋቃሕ ወዲ ራማልያን ናብ ይሁዳ ክሰድድ ጀመረ። ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ምስ ኣቦታቱ ተቐበረ፤ ኣብ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።