ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣካዝ ንመንገዲ ኣቦ ገደፈ

ኣካዝ ንወዱ ብሓዊ ኣሕለፎ፥ ብብሩር ቤተ መቕደስ ድማ ዕቚባ ኣሶር ዓደገ። ድሕሪኡ ኣብ ደማስቆ ዝፈተዎ መሰውኢ ረአየ፥ ንድፉ ናብ ዓዱ ሰደደ፥ ንኦርዮ ድማ ልክዕ ምስሊ ኸስርሖ ገበረ። ናይ ነሃስ መሰውኢ ኣቦና ተደፊኡ ተኣልየ፥ ኦርዮ ኸዓ ከምቲ ዝተብሃሎ ገበረ።

ምዕራፍ 16።

ፋቃህ ወዲ ረማልያ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ምስ ነገሰ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳ ኾነ። ኣካዝ ምስ ነገሰ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነገሰ። ከም ዳዊት ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ኣምላኹ ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን። እኳ ደኣ በቲ መንገዲ ነገስታት እስራኤል ኸደ፤ ከምቲ ኣቦና ካብ ቅድሚ እስራኤል ዝሰጎም ኣህዛብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ልማድ ብምቕዳሕ ድማ ንወዱውን ብሓዊ ኣሕለፎ። a a v3 ሓደ ቘልዓ "ብሓዊ ምሕላፍ" ማለት፥ ነቲ ቘልዓ ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ንጣዖት ምስዋእ ማለት ነበረ፦ እዙይ ኣቦና ዝዅነኖ ዘስካሕክሕ ነገር እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ በረኽቲ፥ ኣብ ዀረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦም ድማ ሰውአ ዐጠነን።

ሽዑ ረፂን ንጉስ ሶርያን ፋቃህ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንውግእ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ፤ ንኣካዝ ከበብዎ፥ ክስዕርዎ ግና ኣይከኣሉን። በቲ ጊዜ እቲ ረፂን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ንሶርያ መለሳ፤ ነቶም ኣይሁድ ድማ ካብኣ ሰጐጎም። ኤዶማውያን ከዓ መፂኦም ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ይነብሩ ኣለዉ። ኣካዝ ድማ ናብ ቲልጌት ፒሌሴር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ልኢኹ ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ባርያኻን ወድኻን እየ። ካብ ኢድ እቶም ዝለዓሉኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን መፂእኻ ኣድሕነኒ።” ኣካዝ ከዓ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦናን ኣብ መዛግብ ቤት ንጉስን ዝተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፥ ንንጉስ ኣሶር ገፀ በረኸት ጌሩ ሰደደሉ። ንጉስ ኣሶር ድማ ሰምዖ፤ ናብ ደማስቆ ደዪቡ ሓዛ፤ ንህዝቢ ናብ ቂር ማሪኹ ወሰዶም፤ ንረፂን ድማ ቐተሎ።

ንጉስ ኣካዝ ንቲልጌት ፒሌሴር ንጉስ ኣሶር ክረክብ ናብ ደማስቆ ምስ ከደ፥ ኣብኡ ዝነበረ መሰውኢ ረአየ። ስለዙይ ንኦርዮ ኻህን ንድፊ እቲ መሰውኢን ብዅሉ ኽፍሊ ልክዕ ዝኾነ ምሉእ ምስልን ሰደደሉ። ኻህን ኦርዮ ኸዓ ከምቲ ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ዝለኣኾ ልክዕ ጌሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ፤ ንጉስ ኣካዝ ከይተመለሰ ድማ ወድአ። እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ተመሊሱ ነቲ መሰውኢ ምስ ረአየ፥ ናብኡ ቐሪቡ ኣብ ልዕሊኡ ደየበ። ዝቃፀል መስዋእቱን መስዋእቲ እኽሉን ኣቃፀሎ፤ መስዋእቲ መስተ ኸዓ ኣፍሰሰ፤ ደም መስዋእቲ ምስጋናኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነፀገ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዝነበረ ናይ ነሃስ መሰውኢ ድማ ካብ ቅድሚት እቲ ቤት፥ ካብ መንጎ እቲ ሓድሽ መሰውኢን ቤት ኣቦናን፥ ናብ ሰሜናይ ወገን እቲ ሓድሽ መሰውኢ ኣግዓዞ። ንጉስ ኣካዝ ከዓ ንኦርዮ ኻህን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ናይ ንግሆ ዝቃፀል መስዋእትን ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንጉስን መስዋእቲ እኽሉን፥ ናይ ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽሎምን መስዋእቲ መስቶምን ኣቃፅሎ። ኵሉ ደም ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ድማ ኣብ ልዕሊኡ ንፀጎ። እቲ ናይ ነሃስ መሰውኢ ግና ምኽሪ ዝሓትትሉ ናተይ እዩ።” ኦርዮ ኻህን ድማ ከምቲ ንጉስ ኣካዝ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።

ንጉስ ኣካዝ ከዓ ነቲ መገጣጠሚ እቲ መንቀሳቐሲ መቐመጢ ኣቑሑ ቘሪፁ፥ ነቲ ገበራኦም ኣልዒሉ፥ ነቲ ናይ ነሃስ ባሕሪ ድማ ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ናይ ነሃስ ኣብዑር ኣውሪዱ፥ ኣብ ልዕሊ እምናዊ መሰረት ኣንበሮ። ምእንቲ ንጉስ ኣሶር ኢሉ ኸዓ ነቲ ኣብ ቤት እተሰርሐ ናይ ሰንበት እተኸድነ መተሓላለፊ መገድን፥ ነቲ ናይ ንጉስ ናይ ወፃኢ መእተዊ ካብ ቤት ኣቦና ኣልዐሎ። እቲ ዝተረፈ ናይ ኣካዝ ነገርን፥ ዝገበሮን፥ ኣብቲ መፅሓፍ ታሪክ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣካዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።