ሆሴእ፥ ናይ መወዳእታ ንጉስ እስራኤል
ሰማርያ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከበባ ወደቐት፥ እስራኤል ድማ ተማረኸ። ፀሓፊ ነቲ ታሪኽ ኣቋሪፁ ምኽንያቱ ይነግር፦ በብነቢዩ እናተመዓዱ ንጣዖታት ኣገልገሉ። ኣብታ ምድሪ ዝሰፈሩ ጓኖት ድማ ንኣቦና ክፈርሑ ተመሃሩ፥ ንገዛእ ኣማልኽቶም ግና ገና የገልግሉ ነበሩ፥ ውሉዶም እውን ክሳዕ ሕዚ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።
17 1ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ ንኣካዝ ንጉስ ይሁዳ፥ ሆሴእ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ትሽዓተ ዓመት ድማ ገዝአ። 2ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበረ፤ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ግና ኣይኮነን። 3ሻልማናሶር ንጉስ ኣሶር ድማ ናብኡ ደየበ፤ ሆሴእ ከዓ ተገዝኦ ግብሪ ድማ ከፈሎ። 4ንጉስ ኣሶር ግና ሆሴእ ተንኰል ይገብር ከም ዘሎ ፈለጠ፤ ንሱ ናብ ሶ ንጉስ ግብፂ ልኡኻት ሰዲዱ ነበረ፥ ነቲ በብዓመት ዝኸፍሎ ዝነበረ ግብሪ ድማ ንንጉስ ኣሶር ኣየቕረበሉን። ስለዙይ ንጉስ ኣሶር ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰሮ። 5ንጉስ ኣሶር ድማ ንብዘላ ምድሪ ወረራ፤ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸዓ ሰለስተ ዓመት ከበባ።
ሰማርያ ናብ ኣሶር ወደቐት
6ኣብ መበል ታሽዐይቲ ዓመት ሆሴእ፥ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም፤ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ፈለግ ጎዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶንን ኣቐመጦም።
7እዝ ኵሉ ዝኾነ፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ትሕቲ ኢድ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዘውፅኦም ኣቦና ስለ ዝበደልዎ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኹ እዩ፤ 8በቲ ኣቦና ኻብ ቅድሚኦም ዝሰጎም ህዝብታት ልማድን በቲ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ ልማድን ከዱ። 9ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ብሕቡእ ክፉእ ገበሩ፤ ካብ ግምቢ ሓለዋ ኽሳዕ እተዓርደት ከተማ፥ ኣብ ኵለን ከተማታቶም በረኽቲ ሰርሑ። 10ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነዊሕ ዀረብታን ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ልምሉም ኦምን፥ ሓወልቲ ጣዖትን ምስልታት ኣስታሮትን ኣቘሙ። 11ኣብ ኵሉ በረኽቲ ድማ፥ ከምቶም ኣቦና ኻብ ቅድሚኦም ዝሰጎም ህዝብታት፥ ዕጣን ኣዕጠኑ፤ ንኣቦና ዘቘጥዕ ክፉእ ነገር ከዓ ገበሩ።
12ንጣዖታት ኣገልገሉ፤ ኣቦና ግና “እዝ ኣይትግበሩ” ኢሉ ነገሮም ነበረ። 13ኣቦና ድማ ብዅሉ ነቢይን ረኣይን ኣቢሉ ንእስራኤልን ንይሁዳን፥ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን፥ ነቲ ንኣቦታትኩም ዝሃብክዎም፥ ብኣገልገልተይ ነቢያት ኣቢለ ድማ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ኵሉ ሕጊ ሓልዉ” ኢሉ መዓዶም።
14ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ከምቶም ብኣቦና ዘይኣመኑ ኣቦታቶም፥ ክሳዶም ኣትረሩ። 15ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኪዳንን ንተግሳፁን ነዐቑ። ደድሕሪ ኸንቱ ጣዖታት ስዒቦም ድማ ከንቱ ኾኑ፤ ከምቶም ኣቦና ኸም ዘይገብርዎም ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ገበሩ። 16ንዅሉ ትእዛዛት ኣቦና ሓደጉ፤ ክልተ ዝተፈሰ ምስሊ ምራኽን መምለኺ ዓፀድን ገበሩ፤ ንዅሎም ሰራዊት ከዋኽብቲ ሰማይ ሰገዱ፤ ንበዓል ድማ ኣገልገሉ። 17ንኣወዳቶምን ንኣጓላቶምን ብሓዊ መስዋእቲ ገይሮም ኣቃፀሉ፤ ጠንቈሉ፤ ስራይ ድማ ገበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ፤ ኣቘጥዕዎውን። 18ስለዙይ ኣቦና ብእስራኤል የመና ተቘጢዑ ኻብ ቅድሚኡ ኣርሓቖም፤ ነገድ ይሁዳ ጥራሕ ተረፈ፤ 19ህዝቢ ይሁዳ ድማ ትእዛዛት ኣቦና ኣይሓለዉን፤ ልማድ እስራኤል ደኣ ሰዓቡ እምበር። 20ስለዙይ ኣቦና ንዅሉ ዘርኢ እስራኤል ነፀጎም፤ ኣጨነቖም፤ ክሳዕ ካብ ቅድሚኡ ዝድርብዮም ድማ ኣብ ኢድ ዘመትቲ ኣሕለፎም። 21ኣቦና ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ምስ ቀደዶም፥ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ነገስቲ ገይሮም ኣንገስዎ፤ ኢዮርብዓም ድማ ንእስራኤል ካብ ምስዓብ ኣቦና ኣግለሶም፤ ናብ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣእተዎም። 22ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ ኵሉ ሓጢኣት ፀንዑ፤ ካብኡ ኣይተመለሱን፤ 23ክሳዕ እቲ ኣቦና ብዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣቢሉ ኸም ዝበሎ፥ ንእስራኤል ካብ ቅድሚኡ ዘርሓቖም። ስለዙይ እስራኤል ካብ ምድሮም ናብ ኣሶር ተማረኹ፤ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸዓ ኣብኡ ተረፉ።
ጓኖት ኣብታ ምድሪ ተቐመጡ
24ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎንን ካብ ኩታን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ካብ ሰፈርዋይምን ህዝቢ ኣምፂኡ፥ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም፤ ንሳቶም ከዓ ንሰማርያ ወሪሶም ኣብ ከተማታታ ተቐመጡ። 25ኣብ መጀመርታ ኣብኡ ኽቕመጡ እንተለዉ፥ ንኣቦና ኣየምለኹን፤ ስለዙይ ንሱ ኣብ መንጎኦም ኣናብስ ሰደደ፤ ገሊኣቶም ከዓ ቀተልዎም። 26ንንጉስ ኣሶር ድማ፥ “እቶም ናብ ከተማታት ሰማርያ ዘግዓዝካዮም ህዝብታት፥ ነቲ ናይታ ምድሪ ኣምላኽ ዝደልዮ ኣይፈልጡን፤ ስለዙይ ኣብ መንጎኦም ኣናብስ ሰደደ፤ ነቲ ናይታ ምድሪ ኣምላኽ ዝደልዮ ስለ ዘይፈልጡ ድማ ይቐትልዎም ኣለዉ” በልዎ።
27ንጉስ ኣሶር ድማ፥ “ካብ ሰማርያ ዝማረኽኩምዎ ሓደ ካህን ናብኡ መልስዎ፤ ኣብኡ ይቀመጥ፤ ነቲ ናይታ ምድሪ ኣምላኽ ዝደልዮ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምሃሮም” ኢሉ ኣዘዘ።
28ስለዙይ ካብ ሰማርያ ኻብ ዝተማረኹ ኻህናት ሓደ፥ ኣብ ቤትኤል ተቐሚጡ፥ ንኣቦና ብኸመይ ከም ዘምልኹ መሃሮም።
29ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ግና ኣማልኽቲ ርእሱ ገበረ፤ ኣብቲ ሰማርያውያን ዝሰርሕዎ ኣብ በረኽቲ ዘሎ ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ኣቐመጦም፤ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብታ ዝቕመጠላ ኸተማ ገበረ። 30እቶም ሰብ ባቢሎን ድማ ንሱኮት ብኖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ኩት ንኔርጋል ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሓማት ድማ ንኣሺማ ገበሩ፤ 31ዓዋውያን ድማ ንኒብሓዝን ንታርታቕን ገበሩ፤ ሰፈርዋውያን ከዓ ንደቆም ንኣማልኽቲ ሰፈርዋይም፥ ንኣድራመሌክን ንዓናመሌክን መስዋእቲ ገይሮም ብሓዊ ኣቃፀልዎም። 32ንኣቦና የምልኹ ነበሩ፤ ካብ ማእኸሎም ግና ኣብ በረኽቲ ዝኾኑ ኵሉ ዓይነት ኻህናት ሸሙ፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ይስውኡሎም ነበሩ። 33ንኣቦና የምልኹ ነበሩ፤ ከምቲ ኻብኡ ዝተማረኹሉ ህዝብታት ልማድ ግና፥ ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ። 34ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነቲ ናይ ቀደም ልማዶም ይሕልዉ ኣለዉ። ንኣቦና ኣየምልኹን፤ ነቲ ኣቦና ንደቂ ያእቆብ፥ እቶም እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮም፥ ዝሃቦም ስርዓትን ፍርድን ሕግን ትእዛዝን ድማ ኣይስዕቡን።
35ኣቦና ምሳቶም ኪዳን ምስ ኣተወ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ፤ ኣይትስገዱሎም፤ ኣይተገልግልዎም፤ መስዋእቲውን ኣይተቕርቡሎም። 36ኣቦኻትኩም ግና፥ ብዓብዪ ሓይልን ብዝርግሕቲ ቕልፅምን ካብ ግብፂ ኣውፅአኩም፤ ንእኡ ኣምልኹ፤ ንእኡ ስገዱ፤ ንእኡ ድማ መስዋእቲ ኣቕርቡ። 37ነቲ ዝፀሓፈልኩም ስርዓትን ፍርድን ሕግን ትእዛዝን ኵልሻዕ ተጠንቂቕኩም ሓልዉ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኹ። 38ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኽዎ ኪዳን ኣይትረስዑ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ኣይተምልኹ። 39ንኣቦኻትኩም ደኣ ኣምልኹ እምበር፤ ንሱ ኸዓ ካብ ኢድ ኵሎም ፀላእትኹም ከድሕነኩም እዩ።”
40ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ነቲ ናይ ቀደም ልማዶም ደኣ ፀንዑሉ እምበር። 41እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ንኣቦና የምልኹ ነበሩ፤ ንጣዖታቶም ግና የገልግሉ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ድማ ከምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ፥ ክሳዕ ሎሚ ይገብሩ ኣለዉ።