ኣብ ዓዱ ተነፅገ
ሰብ ዓዱ ተዓንቀፉ፥ ስለዙይ ኣብኡ ቑሩብ ጥራሕ ገበረ። ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ገለ እኳ ኸይማልኡ ለኣኾም። ሄሮድስ ኣብ ድግስ ብመሕላ ተታሒዙ፥ ርእሲ ዮሃንስ ቆረፀ። ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ መገበ፥ ኣብ ባሕሪ ኸዓ ተመላለሰ፥ ደቀ መዛሙርቱ ግና ገና ኣየስተውዓሉን።
6 1ካብኡ ወፂኡ ናብ ዓዱ መፀ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ተኸተልዎ። 2ብሰንበት ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክምህር ጀመረ። ብዙሓት ካብቶም ዝሰምዑ ኸዓ ተገረሙ፤ ከምዙይ ድማ በሉ፦ “እዝ ሰብኣይ እዙይ እዙይ ካበይ ረኺብዎ? እዛ ንእኡ ዝተውሃበ ጥበብ እንታይ እያ? እዝ ከምዙይ ዝበለ ተኣምራት ብኣእዳዉ ብኸመይ ይኸውን? 3እዙይ እቲ ፀራቢ፥ ወዲ ማርያም፥ ሓው ያእቆብን ዮሳን ይሁዳን ስምኦንን ኣይኮነን ዶ? ኣሓቱከ ኣብዙይ ምሳና ኣይኮናን ዘለዋ?” ብእኡ ኸዓ ተዓንቀፉ።
4ኢየሱስ ድማ “ነቢይ ኣብ ዓዱን ኣብ ማእኸል ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ጥራሕ እዩ ክብሪ ዝስእን” በሎም።
5ኣብኡ ድማ ኢዱ ኣብ ውሑዳት ሕሙማት ኣንቢሩ ኻብ ምሕዋዮም እንተ ዘይኮይኑ፥ ዝኾነ ተኣምር ክገብር ኣይከኣለን። 6ብዘይእምነቶም ድማ ተገረመ። ሽዑ ድማ ናብተን ቁሸታት እናመሃረ ይዘዋወር ነበረ።
ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ይልእኾም
7ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ፀዊዑ ድማ ክልተ ክልተ ገይሩ ክልእኾም ጀመረ፤ ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸዓ ስልጣን ሃቦም። 8ንመንገዲ ኻብ በትሪ ጥራሕ ሓሊፎም፥ እንጀራ ኾነ ሳንጣ ኾነ ኣብ ቅናውቶም ገንዘብ ከይማልኡ ኣዘዞም፤ 9ኣሳእን ክወድዩ እምበር፥ ክልተ ቐማውሽ ከይለብሱ በሎም።
10ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣብ ዝኣተኹምዋ ገዛ፥ ካብታ ቦታ እቲኣ ክሳዕ እትወፁ ኣብኣ ፅንሑ። 11እታ ዘይተቐበለትኩም ወይ ዘይሰምዓትኩም ዝኾነት ቦታ ኸዓ፥ ካብኣ ክትወፁ እንተለኹም፥ ንምስክር ክኾኖም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።” a a v11 ሓመድ ኣእጋር ምንጋፍ ፍሉጥ ናይ ምፍልላይ ምልክት ነበረ፤ ሓንቲ ኸተማ ነቲ መልእኽቲ ከም ዝነፀገቶን ሕዚ ነቲ ሓላፍነታ ባዕላ ኸም እትሽከሞን ዘመልክት ከቢድ ምልክት እዩ ነይሩ።
12ንሳቶም ድማ ወፂኦም ሰባት ንስሃ ክኣትዉ ኣወጁ። 13ብዙሓት ኣጋንንቲ ድማ ኣውፅኡ፤ ንብዙሓት ሕሙማት ድማ ዘይቲ ቀቢኦም ኣሕወይዎም።
ሞት መጥምቕ ዮሃንስ
14ስም ኢየሱስ ተፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ንጉስ ሄሮድስ ሰምዐ። ገሊኣቶም ድማ “መጥምቕ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፤ ስለዙይ እዩ እዝ ናይ ተኣምራት ሓይሊ ኣብኡ ዝዓዪ ዘሎ” ይብሉ ነበሩ። 15ካልኦት ግና “ኤልያስ እዩ” በሉ። ካልኦት ከዓ “ከም ሓደ ኻብ ቀዳሞት ነቢያት ዝኾነ ነቢይ እዩ” በሉ። 16ሄሮድስ ግና ምስ ሰምዐ “እቲ ኣነ ርእሱ ዝቘረፅክዎ ዮሃንስ፥ ንሱ ተንሲኡ እዩ” በለ። 17ሄሮድስ ባዕሉ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ፥ ምእንቲ እታ ዝተመርዓዋ ሰበይቲ ሓዉ ፊልጶስ ሄሮድያዳ ኢሉ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 18ዮሃንስ ድማ ንሄሮድስ “ሰበይቲ ሓውካ ክትሕዝ ኣይፍቀደልካን እዩ” ይብሎ ነበረ። 19ሄሮድያዳ ድማ ተቐየመቶ፤ ክትቐትሎ ኸዓ ደለየት፤ ግና ኣይከኣለትን፤ 20ሄሮድስ ድማ ንዮሃንስ ፃድቕን ቅዱስን ሰብ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ፥ ይፈርሖ ነበረ፤ ይሕልዎ ኸዓ ነበረ። ንዮሃንስ ምስ ሰምዖ ድማ የመና ይደናገር ነበረ፤ ኮይኑ ግና ብሓጐስ ይሰምዖ ነበረ።
21ሽዑ ምችእቲ መዓልቲ መፀት፤ ንሳ ድማ ሄሮድስ ንዓበይቱን ንሓለቕቲ ሰራዊትን ንዓበይቲ ሰብ ገሊላ ምሳሕ ዝገበረላ መዓልቲ ልደቱ ነበረት። 22ጓል ሄሮድያዳ ኣትያ ምስ ሰዓሰዐት ድማ፥ ንሄሮድስ ምስቶም ምስኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዕዱማት ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጓል “እትደልዮ ዝኾነ ነገር ለምንኒ፥ ክህበኪ እየ” በላ። 23መሓለላ ድማ፥ “ዝለመንክኒ ዝኾነ ነገር፥ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ ክህበኪ እየ” በላ።
24ንሳ ኸዓ ወፂኣ ነዲኣ “እንታይ ደኣ ክልምን?” በለት። ንሳ ድማ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ” በለታ።
25ብኡብኡ ድማ ተቐላጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ “ርእሲ መጥምቕ ዮሃንስ ኣብ ሸሓነ ገይርካ ሕዚ ንሕዚ ክትህበኒ እደሊ” ኢላ ለመነት።
26እቲ ንጉስ ድማ የመና ሓዘነ፤ ኮይኑ ግና ምእንቲ መሓላኡን ምእንቲ እቶም ዕዱማቱን ኢሉ ክኣብያ ኣይደለየን። 27እቲ ንጉስ ሽዑ ንሽዑ ቐታሊ ልኢኹ፥ ርእሲ ዮሃንስ ከምፅእ ኣዘዞ። ንሱ ድማ ከይዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ርእሱ ቘረፆ፤ 28ርእሱ ኣብ ሸሓነ ገይሩ ኣምፅአ፥ ነታ ጓል ከዓ ሃባ፤ እታ ጓል ድማ ነዲኣ ሃበታ።
29ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ድማ ምስ ሰምዑ፥ መፂኦም ሬሳኡ ወሲዶም ኣብ መቓብር ኣንበርዎ።
ኢየሱስ ንሓሙሽተ ሽሕ ሰብ መገበ
30እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ ኢየሱስ ተኣከቡ፤ እቲ ዝገበርዎ ዅሉን ዝመሃርዎን ከዓ ነገርዎ።
31ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንበይንኹም ናብ ጭር ዝበለት ቦታ ንዑ፥ ቑሩብ ከዓ ዕረፉ።” ብዙሓት ዝመፁን ዝኸዱን ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕ እኳ ጊዜ ኣይረኸቡን ነበሩ።
32ብጃልባ ድማ ንበይኖም ናብ በረኻ ቦታ ኸዱ። 33ብዙሓት ድማ ክኸዱ እንተለዉ ረአይዎም ኣለለይዎም ከዓ፤ ካብ ኵለን ከተማታት ብእግሮም ጐየዩ፥ ቀቅድሚኦም ድማ ኣብኡ በፅሑ። 34ናብ ምድሪ ምስ ወረደ ድማ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ፤ ከም ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ ኸዓ ራህርሀሎም፤ ብዙሕ ነገርውን ክምህሮም ጀመረ። 35ጊዜ ምስ መሰየ ድማ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ መፂኦም “እዛ ቦታ በረኻ እያ፥ ጊዜ ኸዓ መስዩ እዩ። 36ናብቲ ኣብ ዙርያ ዘሎ ገጠራትን ቁሸታታን ከይዶም፥ ዝበልዕዎ ንባዕላቶም ክዕድጉ ኣፋንዎም።”
37ንሱ ድማ “ንስኻትኩም ዝበልዕዎ ሃብዎም” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከዓ “ከይድና ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ዓዲግና ዶ ከነብልዖም?” በሉ።
38ንሱ ኸዓ “ክንደይ እንጀራ ኣለኩም? ኪድኩም ርኣዩ” በሎም። ንሳቶም ድማ ፈሊጦም “ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን” በሉ።
39ሽዑ ድማ ኵሎም ኣብቲ ልሙዕ ሳዕሪ ጕጅለ ጕጅለ ኾይኖም ክቕመጡ ኣዘዞም። 40ንሳቶም ድማ ሚእቲ ሚእትን ሓምሳ ሓምሳን ኮይኖም ጕጅለ ጕጅለ ተቐመጡ። 41ነቲ ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፤ ኣመስጊኑ ድማ ነቲ እንጀራ ቈረሰ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኸቕርቡ ከዓ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ነቲ ክልተ ዓሳ ድማ ንኵላቶም ከፋፈለሎም። 42ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ። 43ካብቲ ቁርስራሽ እንጀራን ዓሳን ዝመልአ ዓሰርተ ኽልተ መሶብ ኣልዓሉ። 44እቶም እንጀራ ዝበልዑ ድማ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ማይ ከደ
45ሽዑ ንሽዑ ድማ ነቶም ህዝቢ ክሳዕ ዘፋኑ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ክድይቡን ናብ ስግር ናብ ቤተ ሳይዳ ቀቅድሚኡ ክኸዱን ኣገደዶም። 46ነቶም ህዝቢ ኣፋንዩ ድማ ክፅሊ ናብ ከረን ደየበ።
47ምሸት ምስ ኮነ፥ እታ ጃልባ ኣብ ማእኸል ባሕሪ ነበረት፤ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 48ንፋስ ይገጥሞም ስለ ዝነበረ፥ ክቐዝፉ ፅዒሮም እንተለዉ ረኣዮም። ኣስታት ሰዓት ሰለስተ ናይ ወጋሕታ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብኣቶም መፀ። ክሓልፎም ድማ ደለየ፥ 49ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ክኸይድ እንተሎ ምስ ረኣይዎ ግና፥ ምትሃት መሲልዎም ጨደሩ፤
50ኵሎም ረኣይዎ ተሸበሩ ነይሮም እዮም እሞ፤ ንሱ ግና ሽዑ ንሽዑ ተዛረቦም እሞ “ኣጆኹም! ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
51ናብ ጃልባ ምስኣቶም ደየበ፥ እቲ ንፋስ ድማ ዓረፈ፤ ንሳቶም ከዓ ኣዝዮም ኣብ ነፍሶም ተገረሙ፤ 52ልቦም ተሪሩ ነይሩ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ እቲ እንጀራ ኣየስተውዓሉን ነበሩ።
53ተሳጊሮም ድማ ናብ ምድሪ ጌንሴሬጥ መፁ፥ ጃልባኦምውን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣሰሩ። 54ካብ ጃልባ ምስ ወፁ ድማ፥ እቶም ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ኣለለይዎ። 55ነታ ዅላ ሃገር እቲኣ እናጐየዩ ዞሩ፥ ኣበይ ከም ዘሎ ኣብ ዝሰምዑሉ ቦታ ድማ፥ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዓራት ፅዒኖም ከምፅኡ ጀመሩ። 56ናብ ዝኸዶ ዓድታት ኮነ ኸተማታት ወይ ገጠራት፥ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋ የንብርዎም ነበሩ፥ ወሰን ክዳኑ ጥራሕ ክትንክፉ ኸዓ ይልምንዎ ነበሩ። እቶም ዝተንከፉ ዅሎም ድማ ሓወዩ።