እቲ ብስራት ንተሰሎንቄ ገምጠላ
ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረ ህውከተኛ ህዝቢ፥ ካልእ ንጉስ የውጁ ኣለዉ ኢሉ ከሰሶም። ቤርያ ሰምዐት፥ ረባሽቲ ክሳዕ ዝስዕቡ ድማ ዕለት ዕለት ነቲ ቅዱሳት መፃሕፍቲ መርመረት። ኣብ ኣቴና ኣብ ማእኸል ጣዖታት በይኑ እናተፀበየ፥ ጳውሎስ ንዘይፍለጥ ኣምላኽ ዝተሰርሐ መሰውኢ ረኸበ፥ ነቶም ፈላስፋታት ድማ ድሮ ደቂ ኣቦና ምዃኖም ነገሮም።
17 1ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ሓሊፎም ድማ ናብ ተሰሎንቄ መፁ፤ ኣብኣ ኸዓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ። 2ጳውሎስ ከም ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ተማጎቶም። 3ነተን ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናኸፈተን እናተርጎመን ድማ፥ ክርስቶስ መከራ ኽቕበል፥ ካብ ምዉታንውን ክትስእ ከም ዝግብኦ፥ “እዝ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘለኹ ኢየሱስ እዙይ፥ ክርስቶስ እዩ” በሎም። 4ካባታቶም ድማ ገሊኣቶም ተኣመኑ፥ ምስ ጳውሎስን ሲላስን ተፀምበሩ፤ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ግሪካውያንን ውሑዳት ዘይኮና ፍሉያት ኣንስትን ከዓ ከምኡ ገበሩ። 5እቶም ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፥ ካብ ዕዳጋ ኽፉኣት ሰባት ኣኪቦም፥ ህውከት ፈጢሮም፥ ነታ ኸተማ ረበሽዋ፤ ናብ ገዛ ያሶን ዐሚፆም ድማ፥ ናብቲ ህዝቢ ኸውፅእዎም ደለዩ። 6ምስ ሰኣንዎም ከዓ፥ ንያሶንን ምስ ገሊኦም ኣሕዋት ናብ ሓለቓ እታ ኸተማ ጎቲቶም ወሰድዎም፤ ዓው ኢሎም ድማ ከምዙይ በሉ፦ “እዚኣቶም ነቲ ዓለም ዝገምጠሉ ሰባት፥ ናብዙይ እውን መፂኦም ኣለዉ፥ 7ያሶን ድማ ተቐቢልዎም ኣሎ። ኵላቶም ‘ኢየሱስ ዝበሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፥ ንትእዛዛት ቄሳር ይጥሕስዎ ኣለዉ።” 8ነቲ ህዝብን ንሓለቓ እታ ኸተማን ድማ፥ እዝ ምስ ሰምዑ ኣናውፅዎም። 9ካብ ያሶንን ካብቶም ዝተረፉን ዋሕስ ምስ ተቐበሉ ኸዓ፥ ሓደግዎም።
ሰብ ቤርያ ነቲ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ይምርምሩ
10እቶም ኣሕዋት ድማ ሽዑ ብለይቲ ንጳውሎስን ንሲላስን ናብ ቤርያ ሰደድዎም፤ ምስ በፅሑ ኸዓ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11እዚኣቶም ኣይሁድ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ዝበለፀ ልቦና ዝነበሮም ነበሩ፤ ነቲ ቓል ብሃንቀውታ ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ሓቂ እንተ ኾይኑ ንምርኣይ ድማ፥ ዕለት ዕለት ነቲ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ይምርምሩ ነበሩ። 12ስለዙይ ካባታቶም ብዙሓት ኣመኑ፤ ካብ ግሪካውያን ፍሉያት ኣንስትን ሰብኡትን ድማ ብዙሓት ኣመኑ። 13እቶም ካብ ተሰሎንቄ ዝመፁ ኣይሁድ ግና፥ ጳውሎስ ኣብ ቤርያውን ቃል ኣቦና ከም ዝሰበኸ ምስ ፈለጡ፥ ናብኡ መፂኦም ነቲ ህዝቢ ኣናወፁን ረበሽዎምን። 14እቶም ኣሕዋት ድማ ሽዑ ንጳውሎስ ናብ ባሕሪ ሰደድዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኡ ተረፉ። 15እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ድማ ናብ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ ንሲላስን ጢሞቴዎስን ከዓ ብዝከኣል ፍጥነት ናብኡ ኽመፁ ትእዛዝ ተቐቢሎም ተመለሱ።
ጳውሎስ ናብ ኣቴና በፅሐ
16ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኾይኑ ንኣኣቶም እናተፀበየ እንተሎ፥ እታ ኸተማ ብጣዖታት መሊኣ ምስ ረአየ፥ መንፈሱ ኣብ ውሽጡ ተበሳጨወ። 17ስለዙይ ኣብ ቤተ ፀሎት ምስ ኣይሁድን ንእግዚኣብሄር ምስ ዝፈርሑ ሰባትን፥ ዕለት ዕለት ከዓ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦም ኵሎም ተማጎተ። 18ገሊኣቶም ካብ ኤጲቆሮሳውያንን ስጦኣውያንን ፈላስፋታት ድማ ተማጎትዎ። ገሊኣቶም ከዓ “እዝ ለፍላፊ እዙይ እንታይ ክብል ይደሊ ኣሎ?” በሉ። ካልኦት ድማ ብዛዕባ ኢየሱስን ትንሳኤ ምዉታንን ይሰብኽ ነበረ እሞ፥ “ባዕዳን ኣማልኽቲ ዘፋልጥ ይመስል” በሉ።
19ሒዞም ድማ ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ፤ ከምዙይ ኢሎም ከዓ ጠየቕዎ፦ “እዝ እተቕርቦ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርቲ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥዶ ንኽእል? a a v19 ኣርዮስፋጎስ ወይ “እምባ ማርስ”፥ እታ ጉባኤ እታ ኸተማ ሓደስቲ ሓሳባትን ትምህርትታትን ንምምዛን ዝእከበላ፥ ኣብ ኣቴና እትርከብ ከውሒ እምባ ነበረት። 20ናብ እዝንና ገሊ ባዕዳውያን ነገራት ተምፅእ ኣለኻ እሞ፥ ትርጉም እዞም ነገራት እዚኣቶም እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣለና።” 21ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ጓኖትን ድማ፥ ሓድሽ ነገር ካብ ምዝራብ ወይ ምስማዕ ዝተረፈ ብኻልእ ጊዜኦም ኣየሕልፉን ነበሩ።
22ጳውሎስ ድማ ኣብ ማእኸል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፥ ብዅሉ መገዲ እምብዛ ኣምለኽቲ ምዃንኩም እርኢ ኣለኹ። 23እናሓለፍኩ ነቲ እትግዝኡሉ ነገራት ክምርምር እንተለኹ፥ ‘ንዘይፍለጥ ኣምላኽ’ ዝብል ፅሑፍ ዘለዎ መሰውኢ ረኸብኩ እሞ። እቲ ንስኻትኩም እናዘይፈለጥኩምዎ እተምልኽዎ ዘለኹም፥ ኣነ ሕዚ እሰብከልኩም ኣለኹ። 24እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ ኣቦና፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ፥ ብኢድ ኣብ እተሰርሐ ቤተ መቅደስ ኣይነብርን እዩ፤ b b v24 ጳውሎስ ነቶም ኣረማውያን ሰብ ኣቴና፥ እቲ ንሳቶም ዘምልኽዎ “ዘይፍለጥ ኣምላኽ”፥ ብሓቂ እቲ ዅሉ ነገር ዝፈጠረ፥ ኣብ ዝኾነ ቤተ መቅደስ ክሕፀር ዘይኽእል ኣቦና ምዃኑ ይነግሮም ኣሎ። 25ገለ ዝደሊ ዘሎ ይመስል፥ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ፤ ንሱ ባዕሉ ደኣ ንዅሉ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ይህብ እምበር። 26ካብ ሓደ ሰብ ድማ ኵሉ ዓሌት ሰብ ገይሩ፥ ኣብ ኵሉ ገፅ ምድሪ ኽነብር ገበሮም፤ ምዱብ ጊዜታቶምን ዶብ መናበሪኦምን ከዓ ወሰነሎም፤ 27እዙይ ከዓ ንኣቦና ኽደልዩ፥ ምናልባሽ ኣናርኣሱ ኽረኽብዎ ኢሉ እዩ፤ እኳ ደኣ ንሱ ካብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ኣይኮነን፤ 28‘ብእኡ ንነብር፥ ንንቀሳቐስ፥ ኣለናውን’ እዩ እሞ፤ ከምቲ ገሊኦም ናይ ገዛእ ርእስኹም ሰብ ግጥሚ ‘ዘርኡ ኢና’ ዝበልዎ። 29ስለዙይ ውሉድ ኣቦና ኻብ ኮንና፥ እቲ መለኮት ብጥበብን ሓሳብን ሰብ ዝተሰርሐ፥ ከም ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ዝኾነ ምስሊ ኸም ዝመስል ክንሓስብ ኣይግባእን። 30ኣቦና ነቲ ጊዜያት ድንቍርና ኣሕለፎ፤ ሕዚ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ኵሎም ሰባት ክነስሑ ይእዝዞም ኣሎ። 31ነታ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ እዩ፤ እዙይ ከዓ፥ በቲ ዝመረፆ ሰብ ገይሩ ይኸውን፤ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ ድማ ንዅሉ ኣረጋገፀ።” c c v31 እቲ ኣቦና ንዓለም ክፈርድ ዝመረፆ ሰብ ኢየሱስ እዩ፤ እቲ ኣቦ ንዅሉ ዘቕረቦ መረጋገፂ ድማ፥ ንኢየሱስ ካብ ምዉታን ምትሳኡ እዩ።
32ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ምስ ሰምዑ ድማ፥ ገሊኣቶም ኣባጨዉ፤ ካልኦት ከዓ “ብዛዕባ እዙይ ዳግም ክንሰምዓካ ኢና” በሉ። 33ስለዙይ ጳውሎስ ካብ ማእኸሎም ወፀ። 34ገሊኣቶም ሰባት ግና ተፀምበርዎ፤ ኣመኑውን፤ ዲዮናስዮስ እቲ ኣርዮስፋጎሳዊ፥ ዳማሪስ ዝተብሃለት ሰበይቲ፥ ምሳታቶም ዝነበሩ ኻልኦትውን ኣመኑ።