ጢሞቴዎስ ናብቲ ተልእኮ ተፀምበረ
ኣቦና ብራእይ ናይ ሓደ መቄዶናዊ ሰብኣይ ገይሩ ፀውዖም። ልድያ ገዛኣ ከፈተት፤ መፃኢ እትንበ ባርያ ጓል መንፈሳ ተመንዝዐት፥ ዋናታታ ድማ እቶቶም ኣጥፍኡ። ተወቒዖም ተኣሲሮም ከለዉ፥ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፍርቂ ለይቲ ይዝምሩ፥ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነቲ ኣፍ ደገታት ከፈቶ፥ እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ ተጠምቀ።
16 1ጳውሎስ ድማ ናብ ደርቤን ልስጥራን ከደ። ኣብኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ፤ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ እዩ፤ ኣቦኡ ግና ግሪኻዊ ነበረ። 2እቶም ኣብ ልስጥራን ኢቆንዩምን ዝነበሩ ኣሕዋት ድማ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ። 3ጳውሎስ ድማ ምስኡ ኽኸይድ ደለየ፤ ስለዙይ ነቶም ኣብቲ ቦታታት ዝነበሩ ኣይሁድ ኢሉ ወሲዱ ገረዞ፤ ኵሎም ኣቦኡ ግሪኻዊ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ እሞ። 4ብኸተማታት እናሓለፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ዓበይትን ዝወሰንዎ ውሳነታት ክሕልውዎ ኣረከብዎም። 5እተን ኣብያተ ክርስቲያን ድማ ብእምነት እናጠንከራ ኸዳ፤ ቍፅረን ከዓ ኵሉ መዓልቲ እናበዝሐ ኸደ።
ኣቦ ናብ መቄዶንያ ይፅውዖም
6መንፈስ ቅዱስ ኣብ እስያ ቃል ከይዛረቡ ስለ ዝኸልከሎም ድማ፥ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ። 7ናብ ሚስያ ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ናብ ቢታንያ ክኣትዉ ፈተኑ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8ብሚስያ ኣቢሎም ሓሊፎም ድማ፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ። 9ጳውሎስ ድማ ብለይቲ ራእይ ረአየ፤ ሓደ መቄዶናዊ ሰብኣይ ደው ኢሉ፥ “ናብ መቄዶንያ ተሳጊርካ ሓግዘና” እናበለ ይልምኖ ነበረ። 10ነቲ ራእይ ምስ ረአየ ኸዓ፥ ኣቦና ወንጌል ክንነግሮም ከም ዝፀውዓና ስለ ዝኣመንና፥ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ክንወፅእ ተዳለና።
ልድያ ኣብ ፊልጲ ልባ ኸፈተት
11ካብ ጢሮኣዳ ድማ ብመርከብ ተበጊስና፥ ትኽ ኢልና ናብ ሳሞትራቄ፥ ንፅባሒቱ ኸዓ ናብ ኔኣጶሊስ ኣቢልና ተጓዓዝና፥ 12ካብኡ ድማ ናብ ፊልጲ ኸድና፤ ንሳ ኸዓ ኣውራ ኸተማ እቲ ኽፋል መቄዶንያ፥ ናይ ሮማውያን መቐመጢ ኢያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ቍሩብ መዓልቲታት ቀነና።
13በታ መዓልቲ ሰንበት ድማ፥ ናይ ፀሎት ቦታ ኣሎ ኢልና ስለ ዝሓሰብና፥ ካብ ደገ ወፂእና ናብ ገምገም ፈለግ ከድና። ተቐሚጥና ኸዓ ምስተን ኣብኡ ተኣኪበን ዝነበራ ኣንስቲ ተዛረብና። 14ልድያ እትብሃል ሓንቲ ሰበይቲ፥ ካብ ትያጢራ ዝመፀት፥ ሃምራዊ ክዳን እትሸይጥን ንኣቦና እተምልኽን፥ ትሰምዕ ነበረት። ጐይታ ኸዓ ነቲ ዘረባ ጳውሎስ ክትሰምዕ ልባ ኸፈተላ። 15ንሳን ስድራ ቤታን ምስ ተጠመቑ ድማ፥ “ንጐይታ እምንቲ ምዃነይ እንተ ፈሪድኩምለይ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ተቐመጡ” ኢላ ለመነትና። ኣገደደትና ኸዓ።
ምእንቲ ወንጌል ተኣስሩ
16ናብቲ ናይ ፀሎት ቦታ ክንከይድ እንተለና ኸዓ፥ መንፈስ ጥንቍልና ዝሓደራ ባርያ ጓል ረኸብና፤ ንሳ ብምጥንቛል ንጐይቶታ ብዙሕ ረብሓ ተእትወሎም ነበረት። 17ንሳ ኸዓ ንጳውሎስን ንዓናን ስዒባ፥ “እዚኦም ሰባት ኣገልገልቲ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይነግሩኹም ኣለዉ” እናበለት ትዕዝም ነበረት። 18እዙይ ድማ ብዙሕ መዓልቲታት ገበረት። ጳውሎስ ከዓ የመና ተሰላችዩ፥ ግልፅ ኢሉ ነቲ መንፈስ “ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኣ ኽትወፅእ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። ብኡብኡ ኸዓ ወፀ።
19ጐይቶታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዝኸደ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሒዞም፥ ናብቲ ዕዳጋ ናብ ቅድሚ እቶም ገዛእቲ ጎተትዎም። 20ናብ መኳንንቲ ኣምፂኦም ከዓ “እዚኦም ሰባት ኣይሁድ እዮም፤ ንኸተማና ኸዓ የናውፁ ኣለዉ፤ 21ንሕና ሮማውያን ክንቕበሎ ወይ ክንገብሮ ዘይፍቀደልና ስርዓት የላምዱ ኣለዉ” በሉ።
22እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተላዒሉ ተጋጨዎም፤ መኳንንቲ ኸዓ ክዳኖም ቀዲዶም ብበትሪ ክግረፉ ኣዘዙ። 23ብዙሕ ምስ ገረፍዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ። 24ንሱ ኸዓ ከምዙይ ዝበለ ትእዛዝ ምስ ተቐበለ፥ ኣብ ውሽጣዊ ቤት ማእሰርቲ ዓፅዩ ሸጐሮም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቑሕ ኣፅንዐ።
25ኣብ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ኸዓ፥ ጳውሎስን ሲላስን ይፅልዩን ንኣቦና መዝሙር ይዝምሩሉን ነበሩ፤ እቶም እሱራት ድማ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26ብድንገት ከዓ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ መሰረት እቲ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተናወፀ፤ ብኡብኡ ድማ ኵሉ ኣፍደገታት ተኸፈተ፤ ሰንሰለት ኵሎም ከዓ ተፈትሐ። 27እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፤ ኣፍደገታት ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ ኸዓ፥ እሱራት ዝሃደሙ መሲልዎ፥ ርእሱ ኽቐትል ኢሉ ሰይፉ መዘዘ። 28ጳውሎስ ግና “ኵላትና ኣብዙይ ኣለና እሞ፥ ንነፍስኻ ገለ ኣይትግበር!” ኢሉ ዓው ኢሉ ፀውዐ።
29እቲ ሓላዊ ኸዓ መብራህቲ ኽመፅእ ኣዘዘ፤ እናጐየየ ድማ ኣተወ፤ እናንቀጥቀጠ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ጳውሎስን ሲላስን ወደቐ። 30ናብ ደገ ኣውፂኡዎም ድማ፥ “ኦ ጐይቶተይ፥ ምእንቲ ኽድሕን እንታይ ክገብር ኣለኒ?” በሎም።
31ንሳቶም ከዓ “ብጐይታ ኢየሱስ እመን፥ ንስኻን ስድራ ቤትካን ድማ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ። 32ንእኡን ኣብ ገዛኡ ንዘለዉ ዅሎምን ከዓ ቃል ጐይታ ነገርዎም። 33በታ ሰዓት ለይቲ እቲኣ ድማ ወሲዱ ቍስሎም ሓፀቦም፤ ሽዑ ንሱን ኵሎም ስድራ ቤቱን ብኡብኡ ተጠመቑ። 34ናብ ገዛኡ ኣደይቡዎም ድማ፥ ማእዲ ኣቕረበሎም፤ ብኣቦና ስለ ዝኣመነ ኸዓ፥ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ የመና ተሓጐሰ።
35ምድሪ ምስ ወግሐ ግና፥ መኳንንቲ “ነቶም ሰባት ፍትሕዎም” ኢሎም ገላዑ ለኣኹ።
36እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ ንጳውሎስ “መኳንንቲ ኽትፍትሑ ትእዛዝ ልኢኾም ኣለዉ፤ ስለዙይ ሕዚ ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” በሎ።
37ጳውሎስ ግና “ንሕና ሮማውያን ዜጋታት ክነሳና፥ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ገረፉና፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ደርበዩና። ሕዚ ዶ ብሕቡእ ከውፅኡና ይደልዩ? ኣይፋል! ባዕልቶም መፂኦም የውፅኡና” በሎም።
38እቶም ገላዑ ድማ እዝ ዘረባ እዙይ ንመኳንንቲ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሑ። 39መፂኦም ድማ ይቕረታ ሓተትዎም፤ ኣውፂኦምውን ካብታ ኸተማ ኽወፁ ለመንዎም። 40ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ድማ ናብ ገዛ ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣሕዋት ርእዮም ኣተባቢዖሞም ከዓ ኸዱ።