ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ ቤተ ክርስቲያን ተኸለ
ጳውሎስ ምስ ኣቂላን ጵርስቅላን ድንኳን ይሰርሕ፥ ተቓውሞ ናብ ጎረቤት ገዛ ክሳዕ ዝደፍኦ ድማ ኵሉ ሰንበት ይማጎት ነበረ። ብራእይ ክዛረብ ከም ዘለዎ ተነጊሩዎ፥ ዓመትን ፈረቓን ተቐመጠ። ጋልዮን ነቲ ጉዳይ ከም ባእሲ ቃላት ጌሩ ኣውፅኦ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ክንድኡ ንሶስቴንስ ወቕዖ።
18 1ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ ናብ ቆሮንቶስ ከደ። 2ኣብኡ ድማ ኣቂላ ዝበሃል ሓደ ኣይሁዳዊ ረኸበ፤ ንሱ ከዓ ወዲ ጳንጦስ ነበረ። ቀላውዴዎስ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ክወፁ ስለ ዝኣዘዘ፥ ንሱ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ኮይኑ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኢጣልያ መፂኡ ነበረ። ጳውሎስ ድማ ጠየቖም፤ 3ሓደ ዓይነት ስራሕ ስለ ዝነበሮም ድማ፥ ምሳቶም ተቐሚጡ ሰርሐ፤ ብሞያኦም ከዓ ሰራሕቲ ድንኳን ነበሩ። 4ኵሉ ሰንበት ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናተዛረበ፥ ንኣይሁድ ኾነ ንግሪካውያን ከእምን ይፍትን ነበረ። 5ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ መፁ፥ ጳውሎስ በቲ ቓል ተታሒዙ፥ ክርስቶስ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ይምስክር ነበረ። 6ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ድማ፥ ክዳውንቱ ነገፈ እሞ ከምዙይ በሎም፦ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን! ኣነ ካብኡ ንፁህ እየ። ካብ ሕዚ ንደሓር ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ።”
7ካብኡ ወፂኡ ድማ ናብ ገዛ ቲቶስ ኢዮስጦስ ከደ፤ ንሱ ኸዓ ንኣቦና ዘምልኽ ነበረ፤ ቤቱ ድማ ኣብ ጥቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ። 8ቅርስጶስ እቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ምስ ብዘሎ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ካብ ሰብ ቆሮንቶስ ድማ ብዙሓት ንጳውሎስ ሰሚዖም ኣመኑ፤ ተጠመቑ ኸዓ።
9ሓደ ለይቲ ድማ ጐይታ ንጳውሎስ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ እምበር ስቕ ኣይትበል፤ 10ኣነ ምሳኻ ኣለኹ እሞ፥ ሓደ እኳ ከጥቅዓካን ክጎድኣካን ኣይኽእልን እዩ፤ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ እዩ።”
11ጳውሎስ ድማ ቃል ኣቦና ኣብ ማእኸሎም እናመሃረ፥ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተቐመጠ።
12ጋልዮን ኣብ ኣካይያ ገዛኢ እንተሎ፥ ኣይሁድ ብሓደ ኾይኖም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተንሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ፍርዲ ኣምፅእዎ፤ 13ከምዙይ ድማ በሉ፦ “እዝ ሰብ እዙይ ንሰባት፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ኽሰግዱ የእምኖም ኣሎ።”
14ጳውሎስ ኽዛረብ ምስ ቀረበ፥ ጋልዮን ነይሁድ ከምዙይ በሎም፦ “ኦ ኣይሁድ፥ እዝ ነገር እዙይ ገለ ዓመፃ ወይ እኩይ ገበን እንተ ዝኸውን፥ ክዕገሰኩም ምኽንያት ምሃለወኒ ነይሩ። 15እዝ ክርክር ብዛዕባ ቃላት፥ ኣስማት፥ ናትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ፥ ባዕልኻትኩም ፍትሑዎ፤ ኣነ ነዝ ዝበለ ነገር ክፈርድ ኣይደልን እየ። 16ካብ መጋባእያ ፍርዲ ድማ ሰጎጎም።”
17ኵሎም ድማ ንሶስቴንስ እቲ ሓለቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ወቕዕዎ፤ ጋልዮን ግና ነዝ ዅሉ ገለ እኳ ኣይገደሶን።
ጳውሎስ ናብ ኣንጾክያ ተመለሰ
18ጳውሎስ ድማ ኣብ ቆሮንቶስ ገና ብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ። ብድሕሪኡ ነሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን ኮይኑ ናብ ሶርያ ብመርከብ ከደ። ኣብ ክንክሬ ድማ መብፅዓ ኣትዩ ስለ ዝነበረ፥ ፀጕሩ ተላፀየ። a a v18 ፀጕሩ ምልፃይ፥ ንእግዚኣብሄር ርእስኻ ናይ ምውፋይ ኣይሁዳዊ መብፅዓ ብወግዒ ምፍፃሙ የመልክት ነበረ። 19ናብ ኤፌሶን ድማ በፅሑ፤ ጳውሎስ ከዓ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ባዕሉ ግና ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ምስ ኣይሁድ ተዛረበ። 20ንሳቶም ድማ ገና ኣብኡ ኽፅንሕ ምስ ለመንዎ፥ ንሱ ኣይፈተወን። 21ግና “ኣቦና እንተ ፈቒዱ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።
22ኣብ ቂሳርያ ድማ ወሪዱ ደየበ፤ ንቤተ ክርስቲያን ሰላም ኢሉ ድማ፥ ናብ ኣንጾክያ ወረደ።
23ኣብኡ ድማ ቑሩብ ጊዜ ምስ ገበረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ እናበርትዐ፥ ብሃገር ገላትያን ብፍርግያን ሓለፈ። 24ኣጶሎስ ዝበሃል፥ ኣብ እስክንድርያ ዝተወለደ ሓደ ኣይሁዳዊ ድማ ናብ ኤፌሶን መፀ፤ ንሱ ምሁር ሰብ፥ ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ድማ ኣዝዩ ዝተዋህለለ ነበረ። 25ንሱ መንገዲ ጐይታ ተማሂሩ ነበረ፤ መንፈሱ እናገንፈለ ድማ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ብልክዕ ተዛረበን መሃረን፤ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራሕ ግና ይፈልጥ ነበረ። 26ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ብትብዓት ተዛረበ። ጵርስቅላን ኣቂላን ከዓ ምስ ሰምዕዎ፥ ናብ ጎኒ ወሲዶም፥ መንገዲ ኣቦና ኣፀቢቖም ገለፁሉ።
27ኣጶሎስ ድማ ናብ ኣካይያ ክሰግር ምስ ደለየ፥ እቶም ኣሕዋት ኣፀናንዕዎ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኽቕበልዎ ፅሓፉሎም፤ ንሱ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ነቶም ብፀጋ ዝኣመኑ የመና ረድኦም፤ 28ንሱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኣይሁድ ብብርቱዕ ረትዖም፥ ክርስቶስ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ድማ ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ኣረጋገፀሎም እዩ እሞ።