ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ወልድ ናብ ኢየሩሳሌም ተወጢሑ ኣተወ

ኢየሱስ ብዝተለቕሐ ዒሉ ናብ ኢየሩሳሌም ብዕልልታ ሆሳእና ኣተወ፥ ፍረ ዘይብላ በለስ ረገመ፥ ነቶም ነጋዶ ኸዓ ኻብ ቤት ኣቦኡ ኣውፅአ፥ እዙይ ድማ ንሊቃነ ካህናት ክቐትልዎ ኣፅንዖም። ብመን ስልጣን ኢሉ ምስ ተሓተ፥ ብዛዕባ ዮሃንስ ኣብ ክንድኡ ጠየቖም።

ምዕራፍ 11።

ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ቀረቡ፥ ኣብ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይት፥ ኢየሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ቀቅድሚኡ ለኣኸ፤

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ናብታ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ፤ ምስ ኣተኹም ድማ፥ ዝኾነ ሰብ ዘይተቐመጦ እተኣሰረ ዒሉ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ድማ ናብዙይ ኣምፅእዎ።”

ዝኾነ ሰብ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ?” ኢሉ እንተ ሓተተኩም፥ “ጐይታ የድልዮ ኣሎ፥ ሽዑ ድማ ናብዙይ ክመልሶ እዩ” በልዎ።

ከይዶም ድማ፥ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣብ መንገዲ እተኣሰረ ዒሉ ረኸቡ፤ ፈትሕዎ ኸዓ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ገሊኦም ድማ “ነቲ ዒሉ ፈቲሕኩም እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” በልዎም። ንሳቶም ከዓ ኸምቲ ኢየሱስ ዝበሎም መለሱሎም፤ እቶም ሰባት ድማ ሓደግዎም። ነቲ ዒሉ ናብ ኢየሱስ ኣምፅእዎ፥ ክዳውንቶም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሩ፥ ንሱ ኸዓ ተቐመጦ። ብዙሓት ድማ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንፀፉ፤ ካልኦት ከዓ ኻብ ግራት ዝቘረፅዎ ጨናፍር ቈፃል ኣንፀፉ። እቶም ቀቅድሚኡ ዝኸዱን እቶም ዝሰዓብዎን ዓው እናበሉ ከምዙይ በሉ፦ “ሆሳእና! እቲ ብስም ኣቦና ዝመፅእ ብሩኽ እዩ! እታ እትመፅእ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ! ሆሳእና ኣብ ኣርያም!”

ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስውን ኣተወ፤ ንዅሉ ኸዓ ዘቲሩ ጠመተ፤ ድሮ ስለ ዝመሰየ ኸዓ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ናብ ቢታንያ ወፀ።

ኢየሱስ ነቲ በለስ ረገሞ

ንፅባሒቱ ኸዓ፥ ካብ ቢታንያ ኺዶም እንተለዉ፥ ኢየሱስ ጠመየ። ካብ ርሑቕ ቈፃል ዘለዎ በለስ ርእዩ፥ ገለ እንተሎ ኽርኢ ኸደ። ናብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፥ ብጀካ ቈፅሊ ገለ ኣይረኸበን።

ሽዑ “ደጊም ከቶ ዝኾነ ሰብ ካባኻ ፍረ ኣይብላዕ” በሎ። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ክብል ሰምዕዎ።

ኢየሱስ ንቤት ኣቦኡ ኣንፀሆ

ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኢየሱስ ድማ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብኡ ዝሸጡን ዝዕደጉን ከውፅኦም ጀመረ። ነቲ ጣውላታት ለወጥቲ ገንዘብን ነቲ መንበር እቶም ርግቢ ዝሸጡን ገልበጦ፥ ዝኾነ ሰብ ኣቕሓ ፂሩ ብቤተ መቕደስ ክሓልፍ ድማ ኣይፈቐደን።

መሃሮም ድማ ከምዙይ ኢሉ፦ “‘ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ፀሎት ክትብሃል እያ’ ኢሉዶ ኣይተፅሓፈን? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ።”

ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ድማ እዙይ ሰሚዖም፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ፤ ብትምህርቱ ኩሉ እቲ ህዝቢ ተገሪሙ ነበረ እሞ፥ ይፈርሕዎ ነበሩ።

ምስ መሰየ ድማ፥ ካብታ ኸተማ ወፁ።

ንግሆ እናሓለፉ እንተለዉ፥ እቲ በለስ ካብ ሱሩ ደሪቑ ረአዩ። ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ “መምህር፥ እንሆ! እቲ ዝረገምካዮ በለስ ደሪቑ” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ብኣቦና እመኑ” ኢሉ መለሰሎም። “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ዝኾነ ሰብ ነዝ እምባ እዙይ ‘ተልዒልካ ናብ ባሕሪ ተደርበ’ እንተ በሎ፥ ብልቡ እንተይተጠራጠረ፥ እቲ ዝበሎ ኸም ዝኸውን እንተ ኣመነ፥ ክኾነሉ እዩ። ስለዙይ እብለኩም ኣለኹ፦ እቲ እትፅልዩዎን እትልምንዎን ዅሉ፥ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ፥ ንዓኹም ድማ ክኸውን እዩ። ክትፅልዩ ደው ምስ በልኩም፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሓድገልኩም፥ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዝሓዝኩምዎ ዅሉ ሕደጉ።” a a v25 እቶም ዝጠንተዩ ብራናታት ኣብዙይ ፍቕዲ 26 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ከምዙይ ይውስኹ፦ "እንተ ዘይሓደግኩም ግና፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹምውን በደልኩም ኣይሓድገልኩምን እዩ።"

ብመን ስልጣን?

ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናተዛወረ እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ናብኡ መፁ፥ “በየናይ ስልጣን ከምዙይ ትገብር ኣለኻ? ወይ እዝ ስልጣን እዙይ ክትገብሮ መን ሃበካ?” ኢሎም ድማ ሓተትዎ።

ኢየሱስ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ ኸዓ ሓንቲ ነገር ክሓተኩም እየ። መልሱለይ፥ ኣነ ኸዓ በየናይ ስልጣን ከምዙይ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይዶ ወይ ካብ ሰብ ነይራ? መልሱለይ።”

ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፦ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፥ ‘ስለ ምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?’ ክብለና እዩ። “‘ካብ ሰብ’ እንተ ኢልና ግና”—ኵሎም ንዮሃንስ ብሓቂ ነብዪ እዩ ኢሎም ይቘፅርዎ ነበሩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ይፈርሕዎም ነበሩ።

ንኢየሱስ ድማ “ኣይንፈልጥን ኢና” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ኸዓ በየናይ ስልጣን ከምዙይ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።